1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 15 December 2011

እውይ በሊ ተዋህዶ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ድራማ ።ኣምላኽ ተኻሒዱ!!!! ሓጥያት ከም ብልሒ ተወሲዱ!!! እውይ በሉ ኣምንቲ ሎሚ ኸ እንታይ ተሪፉና ምልክዕ እምነትና ተቀይሩ። ወረ ሎምስ ሃይማኖት ብሓቂ ናብ ኣምላኽ ዘራኽብ ትካል ድዩ ዋላስ እንታይ ክጠፍኣና ደልዩ፡ኣብ ቤት ኣምላኽሲ ክንድዚ ክፋእ!!!።

እውይ በሊ ተዋህዶ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ድራማ ።ኣምላኽ ተኻሒዱ!!!! ሓጥያት ከም ብልሒ ተወሲዱ!!! እውይ በሉ ኣምንቲ ሎሚ ኸ እንታይ ተሪፉና ምልክዕ እምነትና ተቀይሩ። ወረ ሎምስ ሃይማኖት ብሓቂ ናብ ኣምላኽ ዘራኽብ ትካል ድዩ ዋላስ እንታይ ክጠፍኣና ደልዩ፡ኣብ ቤት ኣምላኽሲ ክንድዚ ክፋእ!!!።
እቲ ብዮፍታሀ ዝመሓደር ገዛእ ርእሱ “መንበረ-ፓትርያርክ ኣስመራ” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ: ብምኽንያት ሞት ኣቡን ማቴዎስ ብዕለት 11-29-11 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ሓድሽ ምህዞ ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብቲ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፣ ጳጳስ ዲዮስቆሮስ ንኣቡነ ማቴዎስ መዓርግ ጵጵስና ከምዝቐብእዎም ኣምሲሉ ዘርኢ ስእሊ ለጢፉ ኣውጺእዎ ኣሎ። ማለት፣ ነቲ ሓቀኛ ስእሊ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሰሪዙ፣ ብናይ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ስእሊ ተኪኡ፣ እቶም ኣርባዕተ ጳጳሳት ድማ ኣብ ሸነኽ ጸጋም ደው ኢሎም፣ ብኣቡን ዲዮስቆሮስ ከምዝተቐብኡ ኣምሲሉ ኣቕሪብዎ (

እቲ ሓቂ
እንተኾነ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ነዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ጳጳሳት ኣይቀብእዎሞን። ከምቲመንበረ-ዮፍታሀዝምነዮን ዝመሃዞን ዘይኮነ: ነቶም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ኣርባዕተ ጳጳሳት: ፓትርያርክ እንጦንዮስ እዮም ቀቢኦሞም። እዚ እዩ እቲ ሓቂ!
ንታሪኽ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ከህስሱ፣ ብስራሕ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ክውደሱ እንተ ፈተኑ ዝንየትሉ ጽቡቕ ስራሕ ስለዘይብሎም ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ስራሕ ንዱያት እዩ። ስለምንታይሲ፣ ገበን ክፍጽም ዘይሓፈረ፣ ፈጠራ እንተመሃዘ፣ ናብቲ ዝወጠኖ ግናይ ትልሚ ንምብጻሕ ለይትን ቀትርን ላሕ እንተበለ ዘገርም ኣይኮነን። ጥራይሲ፣ ኣመንቲ በቲ ምህዞ መፍረስቲ-ሕጊ ከይደናገሩ፣ ነቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ክፈልጥዎ ንላቦ።
ንምዃኑ፣ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ምህዞ?
ከምዚ ዝበለ ፈጠራ: እናሻዕ ኣብተን ዘይኮነ ነገራት ክምህዛ ዝውዕላ መጽሄት ሕሜታ” (gossip papers) ዝፍለጣ ውልቃውያን ትካላት ዝርአ ስራሕ ንዱያን እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዓይነት ስራሕ ክስራሕ ግናዘይንቡር ተርእዮኢልና ክንሰግሮ ንመርጽ። እዚ ዘይቅዱስ ስራሕ' ዘግህዶ ሓቂ እንተሎ ድማ፣ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ላቦራቶሪ ፖለቲካዊ-ህንድስና ዮፍታሀ ኮይና ምህላዋ እዩ።
ኣቶ ዮፍታሀ፣ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን መራሕታ ቅዱሳን ኣቦታትናን ንምጽናት ዝዓጠቖ ድግድጊት ብንጹር ስእሊ ክረኣየና ክኢሉ'ሎ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃንደሰ ምህዞ ፖለቲከኛታት ዝሕብር ኣጋጣሚ'ውን እዩ።
እንተ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ ግና ናብዚ ኩሉ ውርደት ዘብጽሑኩም ኣብ ክንዲ ንሰማያዊ ንጉስ ነቶም ጽባሕ ዝሓልፉ ምድራውያን ሰብ ስልጣን ትእዘዙ ምህላውኩም እዩ። ብሰማይ ትኸፍልዎ ንኣምላኽ ገዲፍና ንወለዶታት ዝነብር እኩይ ታሪኽ ትገድፉ ከምዘለኹም ጥራይ ነዘኻኽር።
 
ምንጪ  መርበብ ሓበረታ ተ ዋህዶ.ኦርግ
ሃይማኖተ ኣቦው ነዚ ስራሕ እዚ ኣትሪርና ብምኹናን ዉግዝ ስራሕ ምኻኑ ብምሕባር ህዝቢ ኣንጻር ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያና  ብይፍታሀ ዝስራሕ ዘሎ ድራማ ክለዓል  ብጾምን ጾሎትን ከምኡ እውን በተፋላለየ ተቃዉሙኡ ከስምዕ ንጽውዕ።ከምዚ ተቀጺሉ ኣብ ተዋህዶ ዝኣምን ሰብ ኣይክርከብን እዩ ስለምንታይ ሃይማኖት ፖሎቲካ ይቅየር ስለ ዘሎ።ን መልክዕ ሃይማኖትና ንምቅያር ኣብ ዝዋፈሩ ባእታት ቁጠዐና ነስምዕ።

Wednesday 14 December 2011

መድሓኒ ክርስቶስ ንሰብኽ፣ (ወልዶ መድኅነ ንሰብክ)

   መድሓኒ ክርስቶስ ንሰብኽ፣ (ወልዶ መድኅነ ንሰብክ)
ብዙሓት ሰባት ነቲ ብሃወርያት ዝተዋህበና መልእኽቲ ክቅይሩዎ ዝጽዕሩ ነቲ ቀንድን መሰረትን ስብከትና ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ድማ  ጸጋም ዕዩይ ገይሮም ክጓዓዙ ዝደልዩ፡ኣብ እምነትና ነቋዕ ከእትዉ ዝደልዩ ናይ ሓሶት ሃወራይት ካብ ዝመጹ ዉሑድ ኣይገበርናን። እዞም ናይ ሓሶት መንፈቃን እዚኦም ካብታ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ዝመጸላ ግዜ ኣትሒዞም እዮም፡ ክሳዕ ህጂ ንሰብ ካብ የሱስ ክርስቶስ ንምፍላይ ብናይ ሰጣን መንፈስ ተመሪሖም  ክሰርሑን ክጣበቡን ይርከቡ።ከም ወዮ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝበሎ ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።  ከም ዝበሎ ነቲ ተበጀወና ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምኽሓድ ዝግበር ተደጋጋሚ ፈተና ኣብ ምፍታናይ ይርከቡ።ነዚ ጥቅሲ ብጥቅሳ ተወሲድናያ ፡ነቲ ተበጀዎም  ተሻያጦም ጎይታ ክሕድዎ እዮም።ብሕቡእ ጥፈኣት ዘስዕብ ናይ ምፍሊላይ ትምህርቲ ኣስሊኾም ከእትዉ እዮም እዩ ዝብል ዘሎ።መን እዩ እቲ ተሻየጠልና ብደሙ ዝገዝኣልና ንዝብል ሕቶ መቸስ ዘየማትእ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ምኻኑ ኩላትና ንፈልጦ እዩ።ስለዚ ድማ እዩ ኩሉ ግዜ ቤተ/ክርስትያን ትምህርቲ ክርስቶስ ክትሰብኽ እትግደድ፡ ሰብ ንኽርስቶስ መን ምካኑ ክፈልጦ ስለ ዘለዎ።
ኣብ ይሁዳ 1፡4ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ። ከም ዝበሎ ኣብ ተፋላለያ ግዜታትን ኣብ ተፋላለየ ኩነታትን ኣብ ቤተ/ክርስትያን ን የሱስ ክርስቶስ ዝኽሕዱን ነቲ መልእኽቱ ክልውጡን ጸኒሖም እዮም።ነዞም መናፈቃን ግን ቤተ/ክርስትያን ጉባኤ ብምግባር ክትፈዮም ጸኒሓ እያ።እንተኾነ እዚ ብረቂቅ ገርካ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀንዲ ስብከትናን እምነትና  ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ዝግበ ር ረቂቅ ስሕተት ጋና ይቅጽል ኣሎ። ነዚ መሕልፎ ምስ ሰኣነ ድማ እዩ እቲ ቀናእ ሰጣን  ፡እንሆ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢና ንሰብኽ ኢሎም ንዝጸንዑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ምውቃዕ ተዋፊሩ ዘሎ። ዘገርም እዩ፡እቶም ንየሱስ ክርስቶስ መን ምኻኑ ዘይፈልጡን ከም ታራ ጻድቅ ገሮም ዝቆጽርዎንሲ ምስ ካሊእ ማዕረ ዝገብሮውን  ነቶም ብልቢ ዝፈልጥዎ ፡ኪጸርፍዎምን ክጻረሩዎምን ኣሽማት ተፋላለየ ከጠምቅዎምን ንርኢ ዘለና። ዘገርም እዩ። ሽም ቅዱስ እንዳ ኣልዓሉስ ግንከ መገዲ ቅዱሳን ከቢዱዎም፡ ነዚ ቃል እዚ ክንዝክር ከለና፡ቅድስቲ ብርክያ ን ቅዱስ  ደቆሮስ ኣብ ሮማ ከሓዲ ኢላ ኣስኑ ዝወቅዓትሉ መዓልቲ የዘክረካ፡ብዙሓት መናፈቃን ንሓቂ ምምጓታ ምስ ሰኣኑ መጨስ ኣብ ተፋላለየ እዋን ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ስደት ኣኸቲሎም እዮም።ኣብነት ኣብ ልዕሊ ራሰ ሊቃነ ጳጳሳትና ቅዱስ ጴጥሮስ ዝወረደ ብ ኣርዮሳውያን ሓደ ህያው ኣብነት እዩ።
ግን ስለምንታይ እዩ፡ በቲ ጥንታዊ መገዲ ቅዱሳን ዝገደፉልና ዘይንኸይድ፡ ኣቦታት ቅዱሳን እውን ንክርስቶስ ኪሰብኩን ክውድሱን ከም ተሰየፉ ደኣ ነንብብ እንበር ፡ኣብ ካሊእ ዕዮ ሂወቶም ከጥፍኡ ኣይተራእዩን ግዜኦም እውን ኣብ ካሊእ ኣየሕለፉን።ሎሚ ግን ዝግበር ዘሎ ሸቀጥ ብ ሃይማኖት ካብ መኦኣልቲ ናብ መዓልቲ ይዛይድ ኣሎ።መን እዩ ኸሓዲ እቲ ንክርስቶስ ዝሰብክ ዶ ዋላስ እቲ ንክርስቶስ ክንሰብኽ ኢና ኢሎም ንተላዕሉ ኣብ ምጽራፎምን ኣብ ምክሳሶምን ዝውዕል መን እዩ እቲ ሰዓቢ።ቅድስቲ ሃወራያዊት ናይ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ካብ ቅዱሳን ዝተቀበለቶ ተልዩ። ብዛዕባ ክርስቶስ ጥራሕ ክትሰብኽ  እዩ።በዚ ድማ እያ ግጽዊ ዝበሃል ፕሮግራም ብምውጻእ ናይ ዕለታዊ መርሃ ግብሪ ብምድላው ምእመናን ትጋሲ፡ኣብዚ መጽሃፍ እዚ እውን  ኩላ ናይ ዓመት ምሉእ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ደኣ እያ ትዛረብ።ንቅዱሳን ነኽብሮምን ቅድስነቶም ንኣምንን፡ ኣብ ሰማይ ይልሙኑልና ኢልና ንኣምንን እውን ንክርስቶስ ኣኽቢሮሞ ኢልና ስለ ንሃስብ ኢና፡እንተኾነ ጋሻ ወንጌል ትዕግስትና ዘወድኣና እዩ ዝመስል።ካብ ሕግን ስርዓትን ቤተ/ክርስትያን ምውጻእ ናብቶኢ ጽሩ ወንጌል ድሩዕቶ ምጽፍጻፍ ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሕትት እዩ። ወንጌል ከይተጸባበቀን ከየተ ወሰኾን ን ሰብ ከድሕን ዝኽእል መጽሓፍ እዩ።ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።ምሳሌ 30፡5-6።  ስለዚ ናይ ብሓቂ ደቂ ቅድስተ ቤተ/ክርስትያን ክንብል ተኾይና  በቲ ተጻሒፉ ዘሎ እቶም ኣቦታት ቤተ/ክርስትያን ብዝሓንጸጹዎ ንኺድ፡ እንተዘየለ ከም ወዮ ሰበኣይ ሓደ ግዜ መጻሕፍትስ ኢድ ተዝህልዎም ብ በትሪ ምተዛበጡ ዝበሎ። ኢልና ብምድምዳም ክንደክም ኢና።ስለዚ ድማ እዩ በቲ ናይ ቀደም ( father churchs) ናይ ቤተ/ክርስትያን ኣቦታት ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣቦታት ብዝሓንጸጹዎ ምኻድ ዘለና። ጉባኤ ሊቃውንቲ ዘይረኣይዎ ደድሕሪ ተተደርሰ መጽሓፍ ክን ከይድ ተፈቲና ግን ደድሕሪ ንፋስ ምግያይ ክኸውን እዩ። ቀንዲ ስብከትና ግን መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ ኪኸውን ኣለዎ።
ናይ ኦርተደክስ ቤተ/ክርስትያንብ ከምኡ ድማ ክርስትያን ኢና ዝብላ ኣብያተ ክርስትያናት ዝገብረኦ ተሃለወ ቀንዲ ስተርሶን፡ ምንጭን ፡መአረምን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር ማንም መጽሃፍ ከይንቅበል ድማ ቃል ኣምላኽ ይኽልክለና እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ ራእይ ዮሓንስ 22፡19 ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ። ከም ዝበሎ  እዩ።ነዚ ኣምላክ ዝገበሮ ድማ ምእንቲ ንቃሉ ብጹፉፍ ፈሊጥና ክንሕልዎን ከነጽንዖን እዩ ዘዳግም4፡2።ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ። ካብቲ ናይ ኣለክሳንደርያ ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ትፍለጠሉ እውን እዚ እዩ። ዘይምውሳኽን ዘይተጻሕፈ ዘይምንባብን ።ጥንታውያን መማህራን ኢልና ክንምካሕ ተኾይና እውን  ክንገብሮ ዝግባኣና ተልዩ ፡ እተን ጥንታውያን ዝበሃላን ኪሳዕ ህጂ ዘይቀየራ ምኻነን ብጸላእተን ከይተረፈ ዝንገረለን ኣብያተ ክርስትያናት ከመይ ገረን ይኸዳ የዒንትና ከፊትና ክንመሃር ፡ንህዝብና እውን ጥኝታውያን ኪሳዕ ዝኾና ጥኝታዊ መገዲ ክንምህሮ ኣለና፡ ካብቲ ጥንታዊ መገዲ ምህርቲ ኣቦታት ወጺካ ንሰብ ኣብ ሂወት ዘይብሉ ሸንኮለል ምባል ግን ግደ እስራኤላውያን ከም ዝርከቡ ምግባር ጥራሕ እዩ ስለዚ።ነዚ ዝርአ ዘሎ ሓላዪ ተመሲልካ ን ትምህርቲ ወንጌል ምቅዋም ደው ኢልና ክንቃወሞ ኣለና።

ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ብፍላይ ከም ጰንጠ ዝኣመሰሉ ዚፈላልየና  ንቅዱሳን ስለ ዘይሰብኩ ን የሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ስለ ዝሰብኩ ገርና ኢና  እንርድኦ ፡ ግን ኣይኮነን ምስኦም ዝፈላልየናስ እቲ ኣብ ልዕሊ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ዝንቡዕ ርድኢትን እቲ ኣብ ቅዱሳን ዘለዎ፡ ዝንቡዕ ኣመላኻኽታን፡ እቲ ብዘይሕጊን ስርዓትን ብምካድ ዘካይዱዎ ክህደቶምን ደኣ እንበር።ን የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝሰብኹ ኣይኮናን፡ ብሃቂ ድማ ንየሱስ ክርስቶስ ኣይሰብኩዎን እዮም፡ንሶምሲ ንስብከቱ ደኣ የባላሽዉ ኣለዉ።ንሕና ግን የሱስ የሱሱ ንዝብል ዋእ እንታይ እዩ እዝስ ኢልና ናብ ጸግዒ ካልኦት ሃይማኖታት በኣፍና ንሸጦም ዉሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ሓደ ቤተ/ክርስትያን ተሰሓሒቦም  ክሽምግል  ኣብ ዝኸድኩሉ ዝበሉኒ ተነይሩ፡ ዋእ ጥራሕ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝሰብክ ብዛዕባ  ቅዱሳን ክሰብኽ ሰሚዕናዮ ኣይንፈልጥን ስለዚ እዚ ሽግር ክህልዎ ኣለዎ ምስ በሉኒ ዋእ ገሪሙኒ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም በሃልቲ ዝበልኩዎም ተልዩ፡ ሞትኩም ኣለኹም ዝብል እዩ ዋላ እኳ ብዘረባይ ተሰንበዱ ግን ኣይተጋገኹን ምዉታት እዮም ነሮም ስለምንታይሲ ሂወት ዘለዎ ሰብ ሂወት ዘለዎ ትምህርቲ ክትህቦ ከለኻ ዝምልሶ ኣሜን ጥራሕ እዩ።ከምኡ እውን ዞም ኩሎም ቅዱሳን ወንጌል ክርስቶስ ጥራሕ ኪሰብኩ ሂወቶም ኣሎ ዝበሃል መከራን ሞትን በጺሑዎ ኣብ ህቅፊ ኣምላኽ ኣለዉ፡ነዚኦም እውን ጸርፊ ስለ ዝኾነ። እዚ ግን ናይ ገይጋ ጌጋ እዩ ፡ኦርተደክሳዊ ትምህርቲ እቲ ወግዓዊ እቲ ተጻሒፉ ዘሎ እቲ ቅዱሳን ዘመሓላለፉልና መልእኽቲ ፡ከምዚ ኣይኮነን፡  እቲ ንሶም ዝበሉናስ ወልድ መኅን ንሰብክ ጥራሕ እያ። ወዲ ተዋህዶ ኣቦታት ተዋህዶ ዝበልዎ ደኣ እዩ ዝገብር እንበር ባዕላዊ ካሪክለም ዕድመ ኣይህብን እዩ ንሱ ድማ እዩ ባዕለውነት ን ቤተ/ክርስትያን ሰላም ከሊእዋ  ዘሎ።ይቅጽል

Monday 12 December 2011

ኢየሱስ የፍቅረካ እዩ።

                        ኢየሱስ  የፍቅረካ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ የፍቅሮም ካብዘይ ምፍላጥ ብዛዕባ ነፍሶም ክጭነቁን ክሽገሩን ብዙሕ ክሓስቡን ይራኣዩ።ኣምላኽ ብሰንኪ ዝገብርዎ ጥፍኣት ብንስሓ ተመሊሶም ክሰምዖም ከምዘይ ይኽእል ገሮም ስለ ዝርድእዎ ድማ ብኡ ንብኡ ገሮም ካብ ገጽ ኣምላኽ ይሽፍጡ።እንተኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጥኣን ዘፍር ፍሉይ ኣምላኽ ዘይ ምኻኑ እዩ።የሱስ ክርስቶስ ዝውግዝ ዝረግም ዚጸርፍ ዝፍንፍን ኣይኮነን። ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብንጹህ ልቢ ዚመጹዎ ብዘይ ዝኾነ ሽማግለ ጸሎቶም ተቀቢሉ ዝምልስ፡ ብፍቅራዊ ኣኽብሮት ጠሚቱ ድማ ኣታ ፍቁረይ ኢሉ ኣብ ኣፍልቡ ከተዕርፍ ዝገብር ሕያዋይ ህያው ኣምላኽ እዩ።
ብዙሃት ነገስታት ሰበስልጣናት ምሁራት ከፍቅሩኻ ሰናይ ክትገብሮሎም ኣለኻ ወይ ድማ ኣብ ሰናዮም ከተጣቅዕን ኣብ ሰናዮም ክትውዕል ኣሎኻ ናይዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሃል መስፍን ሰላም ግን ፍልይ ዝበለ እዩ ንሱ ከፍቅረካ ንዓኻ ዝሃይሽ ክትገብር ጥራሕ ኣሎካ ዘገርም እዩ። ንሳቶም ንዕኦም ዝሓይሽ ምስ ትገብር ከፍቅሩኻ ከለዉ እሱ ግን ንዓኻ ዝሓይሽ ምስ ትገብር ጥራሕ። ዘገርም እዩ ናይዚ ልዑል፡ደቂ ሰባት ምስ ዘፍሩካ ኣብ ቤቶም ግዙኦም እዮም ዝገብሩኻ ፡ንሱ ግን ፍልይ ዝበለ ማዕረኡ የንግሰካ፡ ነጋውስ ምስ ዝፈትዉኻ መብዛሕትኡ ብመገዲ ጊላታቶም ገሮም እዮም ዘዛርቡኻ ንሱ ግን ዋላ እኳ እዩ ፍጹም ናይ ትዕቢት ነገር ዘይብሉ፡መን ኢኻ ብዘየገድስ ናብኡ ተመጺኻ መኒነትካ ከይሓተተ የዛራርበካ፡ ክንዲ ሰኸም ዝህበካ ከኣ ነቲ ሰኸምካ ምሳኻ ነብረ ኣውሪዱ ብምስካም እቲ ኩሉ ትጽዕሮን ዝኸብደካን ኣነ ከዕርፈካ እየ ኢሉ ሓራ ይገብረካ.።ብሓቁ ኣዩ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ካብ ኣቤት ሓጥኣን ዝነብር ጢዒሙንስ ኣብ ቤትካ ሓላዊ ደገ ምዃን ይሕሸኒ ዝበለ።ልቢ ኣምላኽ ብምኻኑ ኣብ እንዳ ክርስቶስ ጊላ ዝበሃል ከምዘየለ ስለ ዘጽንዐ እዩ ዝኸውን ኣይተጋገየን።ኩቡር ሓወይ ክርስቶስ ኣብ ልዕለካ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ከምቲ ኣነን ከምዚ ከማይ ዝበሉን ዝብሉኻ ተኣንጎት ተሰልፍ ዘለዎ ዘይኮነስ .ፍጹም ፍቅሪ እዩ ዘለዎ፡ ይፈትወካ እዩ፡ንሱ ንማንም ኣይጸልእን ስለዚ ተመጺእካዮ ክቅበለካ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ድሉው እዩ ።እንበኣር ነቲ ዘፍረካ ኣብ መስቀል ዝመተልካ ዝተሻየጠልካ ኣምላኽካ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሉእ ልብኻ ኣብ ልብኻ ከዕርፍ ንልብኻ ኣይትዕጸወሉ ንምንታይ ግዜ ትወስድ ብምሉእ ልብኻ ከተምልኾን ከተፍቅሮን ፈትን ንሱ እኳ ስለይን ስለኻን ስለኸማና ዝበሉ ሓጥያተኛታትን ኣብ መስቀል ዝወዓለ። ንሱ ሃወይ ንዓይን ንዓኻን እዩ ዝጽበየና ዘሎ እንበር ንተስፍኡ ኣየድንጉዮን እዩ፡ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሐደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። 11–12ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። 2ይመልእኽቲ ጴጥሮስ 3፡9-12። ስለዚ ነዚ ዘፍቅረካ ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ህጂ ተንቢቦ ዘለኻ ገይሩ ማዕጾ ልብኻ እንዳ ኻሕኮሐ ስቅ ኣይትበል። በቃ ይኣክል ምስ ዓለም ምንባርን ዓለማውነት በል።ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። 16ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። 17ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር፡ 1ይ መልእኽቲ ዮሓንስ2፡15-17። ስለዚ ኩቡር ሓወይ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒይንትን ንብረት ትዕቢትን ሓላፊ ክብረትን ንእስነትን እዛ ዓለም ኣዚኣ ሓላፊ ምኻኑ ዘክር።ዘይትሓልፍ እትኸውን ንፍቃድ ኣምላኽ እትፍጽም ምስ እትኸውን ጥራሕ እዩ። ፍቃድ ኣምላኽ ከኣ ኣነንን ንስኻን ካብ ምንዝርናን ኩሉ ፍትወት ስጋን ሪሒቅና ምስ እንነብር እዩ ፍትወት ስጋ ኣየናይ ይመስለካ ፡
እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ 20ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ 21ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። ገላትያ፡5፡19-21።ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ 6ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።ቁላስይስ3፡5-6። ስለዚ ሓወይ ካብዘን ዝተጠቅሳስ ይገዝኣኻ ከም ዘለዋ ይፈልጥ ኣለኹ ኣሞ ሎሚ ሂወትካ ተውጽእ ይነግረካ።ክሳዕ መኣስ ኢና ንሓጥያት ክንግዛእ ሎምስ  ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓጥያትን  ደኣ ንውሰድ ግዜ ኣይንሰድ። ብሰሪ እዚ ነገራት እዚ ኣምላኽ ዋላ ኣኳ ምሂር ዘፍረካ ተኾነ ግን ተዘይ ተመሊስካ ከም ዝቁጠዓኻ ዘክር ንሱ ፍቅሪ እዩ።ግን ነቲ ለዋህ ፍቅሪ ኣምላኽ ኣወንታዊ መልሲ ተዘይ ሂብካዮ መልሱ ብቃል ክግለጽ ዘይክእል ከቢድ እዩ።
                      ይቅጽል ብ ቀሺ ሙሴ