1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 12 December 2011

ኢየሱስ የፍቅረካ እዩ።

                        ኢየሱስ  የፍቅረካ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ የፍቅሮም ካብዘይ ምፍላጥ ብዛዕባ ነፍሶም ክጭነቁን ክሽገሩን ብዙሕ ክሓስቡን ይራኣዩ።ኣምላኽ ብሰንኪ ዝገብርዎ ጥፍኣት ብንስሓ ተመሊሶም ክሰምዖም ከምዘይ ይኽእል ገሮም ስለ ዝርድእዎ ድማ ብኡ ንብኡ ገሮም ካብ ገጽ ኣምላኽ ይሽፍጡ።እንተኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጥኣን ዘፍር ፍሉይ ኣምላኽ ዘይ ምኻኑ እዩ።የሱስ ክርስቶስ ዝውግዝ ዝረግም ዚጸርፍ ዝፍንፍን ኣይኮነን። ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብንጹህ ልቢ ዚመጹዎ ብዘይ ዝኾነ ሽማግለ ጸሎቶም ተቀቢሉ ዝምልስ፡ ብፍቅራዊ ኣኽብሮት ጠሚቱ ድማ ኣታ ፍቁረይ ኢሉ ኣብ ኣፍልቡ ከተዕርፍ ዝገብር ሕያዋይ ህያው ኣምላኽ እዩ።
ብዙሃት ነገስታት ሰበስልጣናት ምሁራት ከፍቅሩኻ ሰናይ ክትገብሮሎም ኣለኻ ወይ ድማ ኣብ ሰናዮም ከተጣቅዕን ኣብ ሰናዮም ክትውዕል ኣሎኻ ናይዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሃል መስፍን ሰላም ግን ፍልይ ዝበለ እዩ ንሱ ከፍቅረካ ንዓኻ ዝሃይሽ ክትገብር ጥራሕ ኣሎካ ዘገርም እዩ። ንሳቶም ንዕኦም ዝሓይሽ ምስ ትገብር ከፍቅሩኻ ከለዉ እሱ ግን ንዓኻ ዝሓይሽ ምስ ትገብር ጥራሕ። ዘገርም እዩ ናይዚ ልዑል፡ደቂ ሰባት ምስ ዘፍሩካ ኣብ ቤቶም ግዙኦም እዮም ዝገብሩኻ ፡ንሱ ግን ፍልይ ዝበለ ማዕረኡ የንግሰካ፡ ነጋውስ ምስ ዝፈትዉኻ መብዛሕትኡ ብመገዲ ጊላታቶም ገሮም እዮም ዘዛርቡኻ ንሱ ግን ዋላ እኳ እዩ ፍጹም ናይ ትዕቢት ነገር ዘይብሉ፡መን ኢኻ ብዘየገድስ ናብኡ ተመጺኻ መኒነትካ ከይሓተተ የዛራርበካ፡ ክንዲ ሰኸም ዝህበካ ከኣ ነቲ ሰኸምካ ምሳኻ ነብረ ኣውሪዱ ብምስካም እቲ ኩሉ ትጽዕሮን ዝኸብደካን ኣነ ከዕርፈካ እየ ኢሉ ሓራ ይገብረካ.።ብሓቁ ኣዩ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ካብ ኣቤት ሓጥኣን ዝነብር ጢዒሙንስ ኣብ ቤትካ ሓላዊ ደገ ምዃን ይሕሸኒ ዝበለ።ልቢ ኣምላኽ ብምኻኑ ኣብ እንዳ ክርስቶስ ጊላ ዝበሃል ከምዘየለ ስለ ዘጽንዐ እዩ ዝኸውን ኣይተጋገየን።ኩቡር ሓወይ ክርስቶስ ኣብ ልዕለካ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ከምቲ ኣነን ከምዚ ከማይ ዝበሉን ዝብሉኻ ተኣንጎት ተሰልፍ ዘለዎ ዘይኮነስ .ፍጹም ፍቅሪ እዩ ዘለዎ፡ ይፈትወካ እዩ፡ንሱ ንማንም ኣይጸልእን ስለዚ ተመጺእካዮ ክቅበለካ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ድሉው እዩ ።እንበኣር ነቲ ዘፍረካ ኣብ መስቀል ዝመተልካ ዝተሻየጠልካ ኣምላኽካ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሉእ ልብኻ ኣብ ልብኻ ከዕርፍ ንልብኻ ኣይትዕጸወሉ ንምንታይ ግዜ ትወስድ ብምሉእ ልብኻ ከተምልኾን ከተፍቅሮን ፈትን ንሱ እኳ ስለይን ስለኻን ስለኸማና ዝበሉ ሓጥያተኛታትን ኣብ መስቀል ዝወዓለ። ንሱ ሃወይ ንዓይን ንዓኻን እዩ ዝጽበየና ዘሎ እንበር ንተስፍኡ ኣየድንጉዮን እዩ፡ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሐደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። 11–12ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። 2ይመልእኽቲ ጴጥሮስ 3፡9-12። ስለዚ ነዚ ዘፍቅረካ ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ህጂ ተንቢቦ ዘለኻ ገይሩ ማዕጾ ልብኻ እንዳ ኻሕኮሐ ስቅ ኣይትበል። በቃ ይኣክል ምስ ዓለም ምንባርን ዓለማውነት በል።ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። 16ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። 17ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር፡ 1ይ መልእኽቲ ዮሓንስ2፡15-17። ስለዚ ኩቡር ሓወይ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒይንትን ንብረት ትዕቢትን ሓላፊ ክብረትን ንእስነትን እዛ ዓለም ኣዚኣ ሓላፊ ምኻኑ ዘክር።ዘይትሓልፍ እትኸውን ንፍቃድ ኣምላኽ እትፍጽም ምስ እትኸውን ጥራሕ እዩ። ፍቃድ ኣምላኽ ከኣ ኣነንን ንስኻን ካብ ምንዝርናን ኩሉ ፍትወት ስጋን ሪሒቅና ምስ እንነብር እዩ ፍትወት ስጋ ኣየናይ ይመስለካ ፡
እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ 20ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ 21ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። ገላትያ፡5፡19-21።ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ 6ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።ቁላስይስ3፡5-6። ስለዚ ሓወይ ካብዘን ዝተጠቅሳስ ይገዝኣኻ ከም ዘለዋ ይፈልጥ ኣለኹ ኣሞ ሎሚ ሂወትካ ተውጽእ ይነግረካ።ክሳዕ መኣስ ኢና ንሓጥያት ክንግዛእ ሎምስ  ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓጥያትን  ደኣ ንውሰድ ግዜ ኣይንሰድ። ብሰሪ እዚ ነገራት እዚ ኣምላኽ ዋላ ኣኳ ምሂር ዘፍረካ ተኾነ ግን ተዘይ ተመሊስካ ከም ዝቁጠዓኻ ዘክር ንሱ ፍቅሪ እዩ።ግን ነቲ ለዋህ ፍቅሪ ኣምላኽ ኣወንታዊ መልሲ ተዘይ ሂብካዮ መልሱ ብቃል ክግለጽ ዘይክእል ከቢድ እዩ።
                      ይቅጽል ብ ቀሺ ሙሴ

No comments:

Post a Comment