1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 17 November 2012

ኣይረሳዕናዮምን!!!..።

ኣይረሳዕናዮምን!!!..።
                                ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ  
ሰብ ብባሕርያቱ ረሳዓይ ስለ ዝኾነ፡ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ሰባት ዝበሉዎን ዝተመባጽዕዎን ክርስዑ ንርኢ ኢና።ኩሉ ነገር ይርሳዕ’ዩ ማለት ግን ኣይኮነን።ከመይሲ ዘይርሳዕ’ውን ኣሎ።ብዝኾነ ንሕና።ውን ከም ህዝቢ ተዋህዶ መጠን፡ነቲ ኣብ ልዕሊ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣቦናን ኣቦታትና ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽ፡ቀሾ ዶግተር ተኽልኣብ፡ቀሺ ዶግተር ፍጹም ዘወገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረክ በርሀን ካልኦት ብቀጻልን እንዳቀጸለን ዝበጽሕ ዘሎ ዘስቅቅ ፍጻመ በፍጹም ክንርስዖ ኣይኮነልናን ኢዩ።
ቤተ ክርስትያን መቀጸልታ እቲ ቀስ ብቀስ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክህነት ትረኽቦ ነበረት ክሳራ ዕለት 19 እውን ደጊማቶ ኢያ።እቶም ግደፉ ዉሑጅን መንእሰይን በጋባብ ተሓዝካዮ ኢዩ ዝሓይሽ፡መንእሰያት ኣይንስጎጎም ዝበሉ (3)ሰለስተ ካህናት  ኦርቶዶክስ ኣቀድም ኣቢልና ዝጠቀስናዮም።ንስድራኦም ከይተላበዉ፡ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ንብረት ኣሎ ከይበሎ።ንስራሕ ኢሎም ምስ ከዱ ከካብ ዘለዉዎ።ብ ናይ ኤረትራ መንግስቲ ብ መካይን ተጨውዮም  ምስ ተወስዱ እንሆ ካብ 2004 ዓ/ም ክሳዕ ህጂ ደሃዮም የለን።ስድራኦም ብዛዕባኦም ዝፈልጥዎ ዋላ ሓደ የለን።
ኣምላኽ ግን ኣበይ ከም ዘለዎ ጥራሕ ይፈልጥ።እንታይ ገይሮም ተተባሂሉ ወንጌል ምሂሮም ጥራሕ ኢዩ እቲ መልሲ ወይ ድማ እንድዒ ዝብል ኢዩ ።ኤረትራ ቆልዑ መቀረት ወለዲ ከይፈለጡ ዝዓብዩላ ጸረ ደቂ ሰብ ኢያ ተበልካ ዝጋነን ኣይኮነ።ነዚኦም ደኣ ጠቂስና እንበር ፖሎቲከኛታት ኤረትራ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ዘለዉ ቁጽሪ የብሎምን።30 ዓመት ምሉእ ጸሓይ ዘይረኣዩ ቁጽሪ የብሎምን።ኤረትራ 300 ዝከውን ቤተ ማእሰርቲ ዘለዋ ከም ዕንቅርቢት ደቃ ትበልዕ ሃገር ስለ ዝኾነት ኢዮም ከኣ ደኣ ካብኣ ክሃድሙ ፈቀዶ ሰሃራን ገለን ክሳዕ ኮላሊቶም ብ ነጋዶ ዝሽየጥ ዘሎ።ኣስመራ መርገም ውጹዓት ኣይ ኣቅሰናን ዘሎ።ከመይ ገይራ ኸ ክትቀስን ክንደይ ወለዲ ኢዮም እንበር ዋይ ወደይ እንዳበሉ መዓንጥኦም ተሓሊቡ ዝሞቱ ዘለዉ።ናይ ኤረትራ ፍሉይ ኢዩ፡ኤረትራ ንበይና ፓትሪያርክ ኣሲራ ተሳቂ ሃገር ኮይና ኣላ።ኤረትራ ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኣሲራ ተሳቅን ኣስታት 3000 ዝኾኑ መጽሃፍ ቅዱስ ጥራሕ ስለ ዘንበቡ ፡ኣሲራ ተሳቂ እትርከብ ሃገር ኢያ ኮይና ዘላ።ኤረትራ እንኮ ኣብ ኣፍሪቃ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተቃጸለላ ሃገር ኢያ፡ኣምላኽ ምሕረት ይግበረላ።
                      
እዞም ኣምላኽ ዘፍቅሩ እሞ ከም ዘፍቅሩዎ ብግልጺ ዘመስከሩ ወርቃውያን ኣቦታትና ህጂ ድምጺ ደቆም ምስማዕ ረሲዖሞ ኢዮም ።ድምጺ ኢየሱስ ድምጺ እቲ ስለኡ ዝተኣሰሩሉ ኣምላኽ እዮም ዝሰምዑ ዘለዉ።ምስ ደቆም ዘረባ ካብ ዘቋርጽዎ፡ብዙሕ ኢዩ ኮይኑ።ገጽ ደቆም ካብ ዘይሪኦ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ፡ግን ኣይስልችዎምን ኢዩ። ስለምንታይ ንሕና ክንሪኦ ዘይከኣልና ምስጢርን ዒበትን ኣምላኽ ኣብኡ ይሪኢዎ ስለ ዘለዉ።ብዘሎ ምስጢር ኣብኡ ተሰዊሩዎ ዘሎ ክርስቶስ  ገጽ ንገጽ የጻናንዖም ስለ ዘሎ።
ንሱ ድማ ኢዩ ክሳዕ ህጂ ኣብ መትከሎም ኣጽኒዑ ደው ኣቢልዎም ዘሎ።ልቦም ዕጉብ ኢዩ ስለምንታይ ን ቃል ኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ብምጽንሖም(ማቴ10፡17-18)" ምእንቲ ክርስቶስ ክብሉ ስሞም ጸሊሙ ክፋእ ይዛረብሎም ስለ ዘሎ።(ማቴ5፡11)ምእንታይ ክብል ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ወይ ኣሓት ወይ ኣቦ፡ወይ ኣደ፡ወይ ሰበይቲ ወይ ዉሉድ ወይ ገርሁ ዝሓደገ ዘበለ ሚኢቲ ካዕበት ኪረክብ፡ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ ኢዩ ዝብል ስለ ዘኽበሩዎ(ማር10፡29-30)(ማቴ19፡20) ዝበሎ ንሶም ኩሉ ገይሮሞ እዮም እዚ ኹሉ ኣለዎም ስለ ክርስቶስ ግን በቃ ወፊዮሞ ፍቅሪ ኣምላኽ ይዓቢ ኢሎም።
ብ ኢየሱስ ኣቢሎም ደሃይ ደቆምን ስድራኦም ከም ዝረኽቡ ኣይንዝንግዕን ኢና ፡ስለምንታይ ንሱ ቀረባ  ወገን ንዕኦም ስለ ዝኾነ።ናብዚ ብስጋ ዘሕዝን ብ መንፈስ ግን ባህ ዘብል ማእሰርቲ ንኽኣትዉ ዝጸዓታ የእዳውን ዝተጓየያ ነፍሳትን ግን ኣምላኽ ክንደይ ኮን ጸሊኡለን ኢዩ።እወ ወይልኦም ደኣ(ኢሳ5፡18) (ኢሳ5፡20) (ኢሳ10፡1-2)።
                            
መእሰርቶም እቶም መነኮሳት ኢና ዝብሉ ግን ከ ግብሪ ምንኩስና ዘይብሎም ገለ ገለ ዝተሓለሉ  ጳጳሳት ዝሃቡዎ ድምር ጸብጻብን ሓሶትን ምዃኑ ኣረጋጊጽናዮ ኢና።ናይዚ ተሓታቲ ድማ ይፍታሀን ሲኖዶስ ኤረትራን፡ገለ ገለ ከም እኒ ቀሺ ነበር ኣቶ ሃብቶምን፡ ምዃኖም ዕዉር ዘንብቦ ናይ ጎደና ምስጢር ኢዩ።ካብዚ ተሓታትነት እዚ ከምዘይ ይወጹ ኸኣ ክሳዕ ኣብ ምድሪ ዘለና ደጊምና ከነተንብሃሎም ንደሊ።
ኣቦታትና መማህራና፡ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኢዮም።እዞም ሰብ ክሕየር ኣሕሊፉም ዝሃቡ ገለ ጳጳሳትን ካህናትን ጸርፍን ጸለመን ሓሶትን ክምህሩና ከለዉ ።ካብዞም  ኣርባዕተ ኣቦታት እዚኦም ግን ፍቅሪ ክርስቶስ ኣብ ክርስቶስ ምንባር ጥራሕ ኢና ተማሂርና፡ነቲ ንሶም ዝነብሩዎ ነበሩ ቅዱስ ሂወት ምንባር ስለ ዝሰኣኑዎ ኢዮም፡ ከኣ ገለ ካህናት መዓጹ ኣፍ ደገ ሃገራዊ ድሕነት ክኽሕኩሑ ዝጀመሩ።ነዞም ኢየሱስ መን ኢዩ፡ዘፍለጡና፡ ዘበሰሩና እንበኣር ኣይንርስዖምን ።ከመይ ገርና ኸ ክንርስዖም መገዲ ሂወት እዮም እንበር ኣሪኦምና።ንሶም ዝገብሩዎ ነበሩ ኣገልግሎት ከኣ ክሳዕ ኣምላኽ ጴጥሮስ ሞቆሖም ዝሰብር ክንቅጽሎ ኢና 

።ይቅጽል,,,
                haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment