1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 12 November 2012

ኣብ ክርስቶስ ዶ ኣለኻ ኢኻ ??::


ኣብ ክርስቶስ ዶ ኣለኻ ኢኻ ??::

ኣብ ዓለም ልዕሊ 2 ቢሎን ዝኾኑ ክርስትያናት ኢና ይብሉ።ኩሎም ክርስትያናት ይጽዉዑ ዛጊት ኣሸሓት ኣብያተ ክርስትያናት እውን ኣለዋ፡ጥንታውያን ይኹና ዋላ ሓደሽቲ ካብአን ግን ነዚ መረት ንበረኸት ዝኾኑላ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነብሩ ዉሑዳት ኢዮም።ንስኻ ኸ ሓደ ካብኦም ዶኾን ትኸውን??።ኣብ ኣምላኽ ይትስፎ ኣነን ንስኻን ካብቶም ኣብ ኢየሱስ ዝነብሩ ክንከውን፡ስለምንታይ ኣብኡ ምንባር ማለት ምስኡ ምቅማጥ፡ምስኡ ምስቃይ ፡ምስኡ ድሕሪ መከራ ምንጋስ ማለት ኢዩ።
ኣብ ኢየሱስ ኣለኻ ዲኻ የለኻን??፡ንሂወትካ ባዕልካ ክትፈልጣ ይከኣለካ ኢዩ።ኣብ ኢየሱስ ዘሎ ሰብ ኩሉ ግዜ፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ኢዩ ዝዛረብ፡ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢዩ ዝሓስብ፡ንስኻ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እንድሕሪ ሃሊኻ፡ ንስኻ ዘይኮነስ ኢየሱስ ፡ኣባኻ ስለዝነብር ዘሎ፡ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኢዩ ኣባኻ ዝነብር።ስለዚ ኢዩ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፍሊጲ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኹም ይሃሉ” ዝበሎም።(ፍሊጲ2፡5)
ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ኢየ፡ ትብል ቤተ ክርስትያን ወይ ድማ ጉባኤ ምእመናን ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ገይራ ሓደ ሓሳብ ኢያ ትሓስብ።(ሮሜ15፡5-6)ንሳ ኣይትፋናጨልን እያ፡ ንሳ ኣይትዋናጀልን ኢያ፡ ንሳ ከመይ ገይራ ንክርስቶስ ተዕብዮ ደኣያ ትሓስብ ፡ንክርስቶስ ዘየኽብር ነገር ቦታ ኣይትህቦን፡ዕዮኣ ዕላማኣ ክርስቶስ ስለዝኾነ።ንክርስቶስ ንዘኽብሩ ኣብ ምኽሳስ ኣይትውዕልን ኢያ።ቅድም እንበኣር ከም ብግልና ናይ ግሊ ሂወትና መራሕቲ ወይ ድማ ሓላፍነት ንወስድ ከም ምኻና መጠን ኣብ ኢየሱስ ኣለና ዶ??፡እቲ ኣብ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባይ ኣሎዶ ኢልና እስከ ንሕሰብ።(ቆሎሴ3።1)
እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፡መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሰብ፡ከም ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ንሱ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ፡ ካሊእ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ከም ብሓድሽ ርእሱ እዩ ዘስተብህል።እንበር ን ስም ኢየሱስ ዝጸውዐ ክዝልፍን ክረግምን ኣይውዕልን ኢዩ።(2ይ ቆሮ10-7)።ስለምንታይ ኢየሱስ ክርስቶስ መርቁ እንበር ኣይትርገሙ ኢሉና ክንስና ንሰባት ንረግሞም ተኾይና በደል ኣብ ርእስና ምፍጻም ኢዩ።ብዙሓት ሰባት ጸርፊ፡ነዚ ዓለማውያን ኢና ኢልና ንኣምነሎም፡ዝብልዎ ጥራሕ ኢዩ ነስተብህል፡ንሱ ጥራሕ ጸርፊ ኮይኑ ይስመዓና፡ ተኾነ ከምኡ ኣይኮነን።(ሮሜ12፡14) (ሉቃ6።28) (ማቴ5፡44-45) (1ይጴጥ3፡9) (ያዕ፡5፡9)
ሓደ ግዜ ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ፡ጸርፊ ሓጢኣት፡ ገይጋ ኢዩ ኢሉ፡ ይምህር ነበረ፡ምስ ወድአ ኣብ መገዲ ፡ኣብ ሞንጎ ሓደ ይሓልፍ እሞ። ትፈልጦ ዶ እዚ እኮ መናፍቅ ኢዩ፡ካብቶም ከሓድቲ ኢዩ።ገሪሙኒ ካብ መናፍቅ ዝዓቢ ጸርፊ፡ካብ ከሓዲ ዝዓቢ ጸርፊ እንታይ ዘይተጠቀመ ደልዩ ገሪሙኒ።ከይተረድኦስ ክልተ ሓጢኣት ፈጺሙ።ይጸርፍን ይፈርድን ነበረ።(ዮሐ7፡24) (ሉቃ6፡37)(ማቴ5፡22) ኣብ (1ይቆሮ4፡5) እንድሕሪ ኣንቢብና እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር ዝነበረ ቅዱስ ጳውሎስ።ነቶም ኣብ ክርስቶስ ክነብሩ ዝደልዮም ነበረ ሰብ ቆሮንቶስ። ከምዚ በሎም፡”ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጎይታ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ቅድሚኡ ንጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ።ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዳኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል ኢዩ።”እወ ኣብ ክርስቶስ እተደኣ ሃሊኻ ፡ሓሳብ ቅዱሳን ኣባኻ ይህሉ፡ነዚ ኢና እንበኣር ተጸዊዕና።ንክርስቶስ ክንመስል።(1ይ ቆሮ11፡1)
ክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ጸረፉዎ ኣይጸረፈን፡መከራ ምስ ኣጽገቡዎ ኸኣ፡ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር ኣየፈራርሐን (1ይጴጥ2፡23) ዘሕዝን ግን እዚ ጥቅሲ እዚ ይብል ገሊእና ግን ኣብ ክርስቶስ ኣለና እንዳበልና፡ ከምዘየለና ዘመላኽት መከራ ከጽግቡና ዘይኮነስ ፡ብ ጸለመ፡ብጸርፉ፡ብሓሶት፡እንታይ እሞ መከራ ዘጽገብናዮም ምንባር ክሳዕ ዝጸልኡ ዝገበርናዮም ክንደይ ኮን ይኾኑ፡ብሓቂ ነዚ ዓቢ ሓባራዊ ንስሓ የድልዮ።ኣብ ኢየሱስ ዘይትነብር ነፍሲ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘይኮነትሲ ብዛዕባ ሰባት ኢያ ከተውሪ ትውዕል፡መውጽኢ ኣፋ ኢየሱስ ይኸውን፡መዝሙራ ንሱ ኢዩ።ኣብ መን ንነብር ኣለና መስትያትና ቃል ኣምላኽ ኢዩ፡እሞ እስከ ን ሂወትና ንፈትሻ ኣሜን እግዚኣብሄር ይደግፈና።ይቅጽልልል,,,,,,,
ሓውኻ ቀሺ ሙሴ
            ካብ ብሎግ ቃል ዝተወስደ http://etiqalsgakone.blogspot.it/2012/11/blog-post_11.html
                     haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment