1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 8 November 2012

ዜና

ኣብ ካርቱም ሓደ መነኮስ ከስተምህሩ ከለዉ፡ገለ ኣባላት መንግስቲ ክሃርሙዎም ከም ዝተላዕሉ ተገሊጹ።
             
ብ ዕለት 6ሕዳር2012 ኣብ ካርቱም ኣብ ሓደ ናይ ኤረትራውያን ናይ ሓዘን ዳስ ክልተ ዕሱባት ህግደፍ ንሓደ ኤረትራዊ መነኮስ ክሃርሙ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ዕግርግር ከም ዝተፈጥረ ረድዮ ኣሰና ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቶም ፈላሲ ነቲ ክሳብ 100 ዝበጽሕ ተኣኪቡ ነበረ ሰብ ኣጋጣሚ ምብግባር ን ኣመንቲ ተዋህዶ ትምህርቲ ክህቡ ከለዉ፡ ክልተ ሰብ መጺኦም ”ህዝብና ድልዱል ሓድነት ኢዩ ዘለዎ።ንስኻ ንህዝብና ምፍልላይ ኢዩ ዕላማኻ” ብምባል ክሳብ ሰብ ኣብ ሞንጎ ኣትዩ ዝገላግሎም ክሃርምዎም ክዋጠጡ ከም ዝተራእዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበረታ ኣረዲኡ ትብል ኣሰና።
እቶም ፈላሲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል(ኤረትራውያን ዘዘውትሩዎ ቤተ ክርስትያን)ከይዶም ከስተምህሩ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን፡ካብ ኤረትራ ወረቀት ከምጽኡ ከምዝተኣበሮም”ኣየናይ ቀሺ ኢዩ ካብ ኤረትራ ወረቐት ከምጽእ ዝተሓተተ ?ኩላትና ኣብዚ ዘለና ኣቕሽቲ ስደተኛታትን ኢና።ወረቐት ከምጽእ ክሕተት ግቡእ ኣይኮነን”ዝብል መልሲ ብምሃብ እቲ ትምህርቲ ናይ ምሃብ ስጉምቲ ናብ ካልእ ቦታ ክቅጽልዎ  ብምውሳኖም ኣብ ዝገለጹሉ እዋን ፡እቶም ናይ መንግስቲ ልኡኻት ክወዓዋዕ ዘይደለይዎ ሓበረታ ብምውጻኡ ነብሶም ምቁጽጻር ክሳብ ዝስእኑ ምንዳሮም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።
መንግስተ ኤረትራ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ እንዳ ሚካኤል ብ ኣውራጃን ዓድን ብምፍልላይ ሕንፍሽፍሽ ከእትወሎም ከምዝጸንሐን፡ን ሓደ ሰለስተ ዓመት ዝገበሩ ቀሺ ገብረሃንስ ዝተባህሉ ኣቦ፡ኣገልጋሊ ቅዱስ ሚካኤል ድምጺ ኣልቦ ሽጉጥ ተጠቒሞም ተኪሶም ከም ዝወግእዎም ዝዝከር ኢዩ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡መንግስቲ ኤረትራ ዝኹሉ ግፍዕን በደል ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ጥራሕ እንዳገበረ።ስለምንታይ ገለ ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ኤረትራ ጸገም የለን፡መንግስትና ጥዑይ ኢዩ ኢሎም ይሕለቁ ዝብል ካብቲ ኣስደሚሙ ዘሎ ነገር ኢዩ ይብሉ።።ብ ተወሳኺ ህዝቢ ኦርቶዶክስ ንምድሓን ሃይማኖቱ ዘለዎ ኩሉ ግዝያዊ ፍልልያትን ሽግራትን ንጸገም  ገዲፉ ነታ ሃይማኖት ንምድሓን ተዘይ ተላዒሉ መንግስተ ኤረትራ ነታ ቤተ ክርስትያን እንዳ ኣባልዐ ከዕንዋ ከም ዝኽእል ምስቲ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ተንተንቲ ይዛረቡ።
              haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment