1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 25 October 2011

ህጂ እውን መንግስቲ ኤረትራ ን ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ንምዕናው ይሸባሸብ!!! ንቅሑ ኦርተደክሳውያን ሃይማኖትና ጠፍአት፡ንመክት ንጸሊ!!!።


 ህጂ እውን መንግስቲ ኤረትራ ን ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ንምዕናው ይሸባሸብ!!! ንቅሑ ኦርተደክሳውያን ሃይማኖትና ጠፍአት፡ንመክት ንጸሊ!!!።
መንግስቲ ኤረትራ መቀጸልታ እቲ ኣብ ልዕሊ  ኦርተደክስ ተዋህዶ ዝገብሮ ዘሎናይ ምዕናው ስዉር ኣጀንዳ ህጂ እውን ኣብ ከተማ ሚላኖ። ብዝኸፍአ ይቅጽል ኣሎ። መንግስቲ ኤረትራ  ነቶም ኣብ ከተማ ሚላኖ ዘለዉ ስለምንታይ ፖለቲካ ኣብ ሃይማኖት ይኣቱ ስለምንታይ ተዋህዶ ሕጋ ይቅየር ፡ስለምንታይ ፓትሪያርክ ብሂወቱ ኸሎ ፓትሪያርክ ይምረጽ፡ስለምንታይ ተዋህዶ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን እትኣክል ብ ሓደ ዝተወገዙ ጳጳስ ትምራሕ ኢሎም ንዝሓተቱ ዝግበር ዘሎ ናይ ምህዳድ መቀጸልታ ብዝለዓለ ጥርዚ  ክቅጽል ድሕሪ ምጽናሕ ።እንሆ ድማ ነዚ እኩይ ዕላማኦም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰንበት ዕለት 23/10/2011  ሰዓት 4፡30  ኣቶ ይፍታሀ ነቲ ቢ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ኤረትራ ዝተዋህቦ ዕዮ ገዛ ንምትግባር ነቶም ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ኣቡነ ደስቆሮስ ሒዙ መጽዩ ናይ ምፍራስን ምብትታንን መደብ ንኸተግብሩ ተላዒሎም ኣለዉ።
እዚ እኩይ ሰጠናዊ ዕላማ እዚ ድሕሪ  መንግስቲ ብተፋላለዩ ዕሱባቱ ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን ዝገበሮ ፈተነታት ኣብ ከተማ ሚላኖ ቅድስቲ ቅድስቲ ማርያም ግን ዝሰለጦ እዩ ዝመስል ዘሎ።  ካብ  ቤተ/መንግስቲ ኤረትራ ዝመጸ ሓበረታ ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ኤረትራ ገለ ዲያቆናት ዘለዉዎም በርከታ ኣንስትን ውሽጣ ውሽቲ ብምውዳብ ኣብቲ ቤተ/ክርስትያን  ነቶም ነበሩ ሽማግለን  ንሓደ ጉጅለ ናይቲ ቤተ/ክርስትያንን ምውቃዕ መዲቡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን  ክሳዕ ናይ ምትህሪራም ከም ዝበጽሑ ።ክግለጽ እንከሎ ቆንስል ሃገር ኤረትራ  ኣብ ሚላኖ ክሳዕ ብ ኣውራጃ  ብምውዳብ ዝገበሮ ፈተነ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ክሳዕ ብበትሪ ክዛበጡ ተራእዮም። ብ ተወሳኺ ቀልጢፉ ደኣ ቂሂሙ እንበር መንግስቲ ኤረትራ ን ገለ መንእሰያት ገንዘብ ብምሃብን ንዘለዎም ስራሕ ሲነት ብምጥቃም ኣብ ተፈላለየ  ኣብያተ ክርስትያናት ተፈላለየ ጸብኣ ገይሩ እዩ።ኣብነት ድማ ቅድም ኢሉ ቅድሚ 3 ወርሒ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ብምእታው  ኣብ ግዜ ቅዳሴ ንቀሺ ሙሴ በዓል ተስፉ ዝተባህሉ መንእሰያት ዘለዉዎም። እንሆ ድማ ሎሚ እዚ ኹሉ ሽግርን መከራን ወሪዱ ዘሎ።
ኣብቲ ኣብ ዕለት 30/10/2011 ተዳሊዩ ካብ ዘሎ ተንኮልን  ክፋኣን ድማ። ነቶም ዚቃወሙ ካህናት ኣስማቶም ብምጽላምን ካብ ህዝቢ ይፈልዮም እዩ ዝተባህለ ጸለመ ብምክያድ ንሽሞም ምርሳሕ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ዚካኣሎ ክገብር ን ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ብ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ተነጊሩዎ ኣሎ።ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ክልተ መርገጺ ኣለዉ ዝብሃል ቀሺ ኤፍረም ካብ ሚላኖ ኣውጺካ ካሊእ ሓድስ ካህን ክትካእ እዩ ዘሎ ዘይልወጥ መደብ መንግስቲ ኤረትራ።ቀሺ ኤፍረም ጽቡቅ ገይሩ ከም ተባህሎ ስለ ዘየተግብረ ንዕኡ ብ ኻሊእ እሙን ዝኾነ ካድር ብምትካእ ኣብቶም ኣብ ጎድኒ ኣቡነ እንጠንዮስ ደው ኢሎም ዘለዉ ካህናት መጥቃዕቲ ንምፍናው እዩ።ብ ተወሳኺ ድማ ነቶም ሽማግለ ቅድስቲ ማርያም ድማ ፈለማ ብትሕትና  ቤተ/ክርስትያን ናብ መንግስቲ ከረክቡ ተኣብዮም ከኣ ነቲ ቤተ/ክርስትያን  ሰብ ወዲብካ ብምንዓብ።ከም ዝዕጾ ብምግባር ከም ብሓድሽ ብ ቆንስል ሃገረ ኤረትራካሊእ ሓድሽ ክሕተት ካብቲ ኣብ መደብ ዘሎ እዩ።ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ከም ዘሎ። ነቶም ክሳዕ ህጂ ዝምክቱ ዘለዉ ካህናት ንህግድፍ ይቅረታ ክሓቱ ተዘየለ ድማ ክውገዙ ካብቲ ተዋህበ መምርሒ እዩ።ጉድ እዩ ተረኺቡ ዘሎ  ቀደም ሰብ ሃይማኖቱ እንተቀይሩ ወይ ኣብ ሃይማኖት ጥፍኣት እንተተረኺቡዎ እዩ።ይውገዝ ነሩ ሎሚ ግን ቤተ/ክርስትያን ናብ መንግስቲ ስለ ዘየረከብኩም ኢልካ ዝግበር ዘሎ ጸቅጥን ምፍሪራሕን እዚ ኢልካ ኣይቁጸርን።ካብ ደብረ ማርያም ልደታ ድማ ን መነኩሰ ኣባ ሃብተ ወልድን  ቀሺ ታደሰን ገለ ዲያቆናትን ናብምምሕዳር ኣቡነ ደስቆሮስ ክምለሱ ክሕተቱ እዮም።ንዝ ኣበዩ ግን ኣብ ዘየለዉሉ ስሞም ብ ኣቶ ይፍታሀን ቀንስል ሃገረ ኤረትራ ኣቶ ርእሶምን ናይ  ሽም ጸለመ ብምክያድ ን ኣቡነ ደስቆሮስ ከውግዙ ትእዛዝ ክመሓላለፎም እዩ።ካብቲ ዘገርም ግን ኣቡነ ደስቆሮስ ንባዕሎም ብ ኣቡነ እንጥእንዮስ 3ይ ፓትሪያርክ ኤረትራ ከየገልግሉ ተወጊዞም እዮም።ዉጉዝ ኣውጊዘ ክብል ግን መጨስ ኩሉ ንምርኣይ ምቅናይ ጥራሕ እዩ።ግን ኣቡነ ደስቆሮስ  ብሓቂ ከም ጳጳስ መጠን ኣብ ጎድኒ ቤተ/ክህነቶም ድዮም ኪኾኑ ዋላስ ኣብ ጎድኒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኤረትራ ሰንበት ትምስክሮ ክኸውን እዩ። ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ከም ዘሎ እውን ኣቶ ይፍታሀ ናይ ኮሚተ ምርጫ ከም ዘካይድን መን ንመን ክመርጽ  ድሮ ተወዲቡ ከም ዘሎን ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ዘሎ እዩ።ኣብቲ ክግበር ዝህሰብ ዘሎ ብ ኣቶ ይፍታሀ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ተንኮል ሓደ ዲያቆን ካብ ከተማ ሎንደን ክመጽእ ምኻኑ እውን ካብቲ ተበጽሐ ጭቡጥ ሓበረታ መንበረ ፓትሪያርክ  እዩ።እዚ ብ ባሕሪ ን ህግድፍ ተቃዊመ ኢሉ መጺኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዕቅባ ሓቲቱ ዘሎ ዲያቆን  ተመሊሱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ን ቤተ/ክርስትያንን ካህናቱን ንምውቃዕ  ምስ ህግድፍ ክዳነገጽ ክመጽእ እዩ ዘገርም እዩ።
ስለምንታይ ግን ህዝቢ ኤረትራ ስቅ ይብል!!! !!!!!  ዛጊት ኣብ ጎደነታት ሚላኖ ኣኸባ ከም ዘሎ ብላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ክልጠፍ እዩ።ብተወሳኺ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ኣውረጳ ብዛዕባዚ ዘይፈልጡ ምኻኖም ሎሚ ከም እተነግሮም ዝተረኸብ ሓበረታ የረድእ ስለምንታይ ግን እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ። ካብቶም 3 ሰለስተ መንግስቲ ኤረትራ ዘይደልዮም ካህናት ዛጊት ተበጺሑ ከም ዘሎ ሓደ ናይ ይቅረታ ፎርም መሊኡስ ድሮ ፓስፖርት ተዋሂቡዎ።እቶም ተረፉ ካህናት ምስ ዲያቆናቶም ግን ሰንበት ምረጹ ን መን ከም እተገልግሉ እትብል ናይ ኢያሱ ትእዛዝ ክትበጽሖም እያ። ወይ ኣብ ቆንስል ሃገረ ኤረትራ ሚላኖ ከይዶም ይቅረታ ናብ መንግስትና ተመሊስና ኣለና ክብሉ እዮም ወይ ድማ ናብ መንግስቲ ኣይንምለስ ፡ንተኣስረ ጳጳስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣይንጠልም ፡ካብ ምስዓብ ኣይነቃርጽ ክብሉ እዮም።ንዕኦም እውን ፈታኒት መድረኽ እያ።ሰንበት 30/10/2011 ።ክሳዕ ህጂ ተበጺሑ ከም ዘሎ ግን በቲ እቶን ሓዊ ደኣ ንሓልፍ እንበር ን ትእዛዝ ንጉስ ኣይንእዘዝን ይመስል። ኣብቲ ሎሚ ዝገበሩዎ ኣኸባ ሽማግለ ቅድስቲ ማርያም ግን መፍትሕ ከየረክቡ ወሲኖም ኣለዉ።ግን ሰንበት ወሳኒት ክትከውን እያ።
ስለዚ ን ኹሉኹም መንእሰያት ደቂ ተዋህዶ እንብሎ እንተ ኣልዩ ኣቡኡ ተረኪብኩም ንትእዛዝ ኣቶ ይፍታሀ ክትቃወሙን ክትምክቱን።ነቲ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ዲያቆናትን ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ተንኮል ደው ኢልኩም ክትቃወሙን።ንጽወዓኩም።ሃይማኖት ሂወት እዩ ሃገር ከኣ ክብረት እዩ።ብ ሓቂ ድማ እዚ ኹሉ ነገር ዝግበር ዘሎ ካብ ንዕቀት ንህዝቢ ዝተላዕለ ምኻኑ ክትፈልጡ ይግባእ።ኣበየናይ ሃገር እዩ መንግስቲ ፓትሪያርክ ዝቀየረ።ኣበየናይ ሃገር እዩ? ካህናት ተለኣኣኽቲ ፖለቲካ ዝኾኑ።ኣበየናይ ዓዲ እዩኸ ን ዘይሕጋዊ ፓትሪያርክ ተቃዊምኩም ተባሂሎም ሽሞም ዝኸፍአ ኣብ ኤረትራ ግን እዚ ኹሉ ይግበር ኣሎ።ብፍላይ ድማ እቶም ካህናት ተመሲልኩም  ብረብሓ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ናይ ምፍልላይን ዘይ ምቅሳንን እትገብሩ ዘለኹም። ከም በዓል መሪጌታ ሉኡል  ሎንደን ፡ጽባሕ ሕጊ ተዋህዶ ክፈርደኩም ምኻኖኑን ኣምላኽ ድማ ወይ ኣብ ሂወትኩም ወይ ድማ ኣብ ስድራኹም ፍሉይ ናይ ምቅጻዕ ስጉምቲ ክወስድ ምኻኑን ክትፈልጡ ይግባእ።መሪጌታ ልዑል ኣብ ልዕሊ ዲያቆናትን መንእሰያትን ዝገብሮ ዘሎ ኢ መጽሓፍ ቅዱሳውን ኢ ኦርቶዶክሳውን ወይ እዞም ንዓና ዘይሰምዑ ዲያቆናትን መንእሰያትን ወይ ናብ ግብጾም ኪኸዱ እዮም ወይ ዲማ ዓወንወን ኢሎም ከም ዝጠፍኡ ክገብሮም እየ ኢሉ ን ኣቶ ይፍታሀ ኣትዩሉ ዘሎ ቃል ኣብ ኣዝኒ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተዋህዶ ከም ዝበጽሐ ክትፈልጡ ኣለኩም።ብፍላይ ድማ መንእሰያት እንዳወደብካ ዝግበር ዘሎ ዘይ ኦርተደክሳዊ ጥራሕ ዘይኮነስ!!! ዘይ ሃይማኖታዊ!!! ከምኡ እውን ካልኦት ኦርተደክስ ተዋህዶ ጽባሕ ከተቃልዐኩም ምኻና ፍለጡ።ተዋህዶ ክርዳዳ እዝሞ ከም ዓረብያ እትጉነጹ ደኣ እንበር ካሊእ ከምዘይብላ ፍለጡ። ብ ተወሰኻ ድማ ብህግድፍ ከጽሪዮም እዩ ኢልኩም ተላኢኽኩም ትመጹ ዘለኹም ናብ ሚላኖ ኣብ ጽባሕ ከይበጻሕኩም ናብ ውርደትን ሓሳርን ከቢድ ምድራዊ ሲኦልን ትመጹ ከም ዘለኹም ንሕብረኩም።ጸግዒ ቤተ/ክህነትኩም ደኣ ምኾንኩም እንበር  ን ረብሓ ሃይማኖት ምንዋጽሲ ኣይግባእን ታሪኽ ተራፊ ፡ብልዒን ሽመትን ሓላፊ ምኻኑ ፍለጡ!!!!!።
ኣምላኽ መናወጽቲ ሃይማኖትና ብ ኢዶምን እግሮምን ቀይዶ ነታው አልድ ዋህድ እናበለት እትነብር ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ይሓሉ።
                                                     ለቱ ስብሃት
                                                  ይማኖት ኣቦው





                             

                                       



                                

No comments:

Post a Comment