1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 19 January 2012

ደብዳበ ካብ ብጹእ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ኩሎም ምእመናን




ደብዳበ ካብ ብጹእ ወቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ኩሎም ምእመናን  
ዕለት: 13 ጥሪ 2006 

ናብ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ጳጳሳትን፡ ኤጲስ ቆጶሳትን ኣባላት ሲኖዶስ።

ኣቐዲመ መንፈሳዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እብል።
ኣስዒበ ድማ፡ ብዕለት 05/05/1998 .. (13/01/2006 .) ብቁ 04/225/4428 ዝጸሓፍኩሙለይ ካብ ፓትርያርክ መዓርግ ኣውሪድናካ ዝብል ካብ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ካብ ዲድስቅልያ፡ ካብ ፍትሓ ነገሥስት፡ ካብ ቀሌመንጦስ ወጻኢ፡ ዘይሕጋዊ ውሳኔኹም፡ በጺሑኒ። ስለዚ እቲ ካብ መዓርግ ምውራድ፡ ብሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ብፍትሓ ነገሥት ፓትርያርክ፡ . ብዝሙት፡ . ብእምነት ምጉዳል፡ . ብስንክልና ማለት ክሰርሕ ዘይክእል እንተ ኾነ፡ ጥራይ እዩ ክወርድ ዝኽእል እምበር፡ በቲ ዝጠቐስክምዎ ኣንኳይ ካብ መዓርግ ከውርደኒ፡ ዘየሕትተኒውን እዩ። እዚውን ተሰዊርኩም ኣይኮነን ልእሊ ሕጊ ክትነብሩ ስለ ዝደለኹም ጥራይ እዩ። ማንም ድማ ልእሊ ሕጊ ክነብር ዝኽእል የለን። ከመይ ሕጊ እንተ ረገጽካዮ መሊሱ እዩ ዝረግጸካ። ብምጉዳል እምነት እንተ ኾነውን፡ እምነተይ ተሓቲተ መልሲ ከይሃብኩ ብገበን ካልእ ከኣ እዚ ኣለካ ከይተበሃልኩ፡ ኣብዚውን ዝግብኣኒ መልሲ ከይሃብኩ፡ ከይተሓተትኩ፡ ባእልኻትም ከሰስቲ፡ ባእልኻትም ፈርድቲ፡ ኮንኩም ስለ ዝፈጸምክምዎ፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ክፋረደኩም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፍርድኹም ዘይሕጋውን ኣብ ማንም ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ተራእዩ ተሰሚዑ ዘይፈልጥውን እዩ። እዚ ወሲንክምዎ ዘሎኹም መሠረተ ኣልቦ ክሲ፡ ንሱ ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምሕላፍ ዘብጻሓኩም ድፍI ግን ኣነ ኣቐዲመ ንቤተ ክርስቲያን ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ምእመን ክመርሓ ወይ ከመሓድራ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ፍጹም ክልኩል እዩ ጥራይ ስለ ዝበልኩ እዩ እቲ ሓቀኛ ምሥጢር።
ስለዚ ክስኹም ኣብ ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ሊቃውንትን ኤርትራን ቀሪቡ ኣነውን ብኣካል ቀሪበ መልሲ ከይሃብኩሉ እሞ ውሳኔ ጉባኤ ኣብ ሕዝቢ ከይተሰምዐ፡ ከምቲ ሕጊ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሕጊ ፍትሓ ነገስትን ከምቲ ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና 17 ዓንቀጻት ብምጥሓስን ናይ ሓንቲ ሃገር ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ክኽሰስ ከሎ፡ ናይታ ሓንቲ ፓትርያርክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ፡ ነቲ ክሲ ቅኑእን ዘይቅኑእን ምዃኑ ውሳኔ ከይሃበሉ፡ ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ከም ዘይወርድ፡ ኣብ ኩለን ጸኒሑ ዘሎ እዩ። ነዚከ ኣበይ ጎሲኹሞ ሓሊፍኩም ኣለኹም፡ በዚ መሠረት ከምቲ ኣብ ላእሊ ዝተጠቕሰ ቀሪቡ ክረኣየለይ ይግባይ፡
. ናብ ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።
. ኣብታ ብሓዋርያዊ እምነት ሰንሰለት ኣደ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ይግባይ ኣሎኹ። እዚ ኩሉ ነቲ ድፍኢ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ከዊልኩም፡ በደል እዩ ዝበልክምዎ፡ በዞም ዝጠቐስኩዎም ሕጋጋት ተራእዩ ክሳብ ዘይተመለሰ፡
. ፓትርያርክ፡
. ጳጳስ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ካህን ዲያቆን፡ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኤወግዝ ኣለኹ። ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ በዚ ሕጊዚ ተመሥሪትኩም ክትእደቡ ኤፍልጠኩም። ነዚ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ሕንፍሽፍሽ ዝፈትር ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዘለዎ ሥልጣን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ከይሰርሕ ውጉዝ ይኹን ኣሎኹ።  
ከምኡውን ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ልእሊ ሥልጣን ፓትርያርክ እትጽሕፎ ዘለኻ ዘይሕጋውን ድፍረት ዝመልኦ ዘይሕጋውያን ቃላት፡ ካብ እለት 8/05/1998 ግእዝ ብዲቁና ይኹን ብክህነት ከምኡውን ብካልእ ኣገልግሎት ከይተገልግል ኣውጊዘካ ኣሎኹ።
እዚ ዝሰደልኩም ዘለኹ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝበጽሓኩም ግዜ ናብ ሕዝቢ ከተንብብዎ ብህያው ኣምላኽ እማሕጽነኩም ኣለኹ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላም ይሃባ። ንኤርትራ ሃገርና ይባርኽ።
ቅዳሕ:-
1. ንክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤርትራ።
2. ንገዳማት ኤርትራ
3. ንጉባኤ ሊቃውንቲ ቤት ጽሕፈት ሳንሱር
4. ክፍሊ መንፈሳዊ ፍርድ ቤት መንበረ ፓትርያርክ
5. ክፍሊ ምም///ምም//ፓትርያርክ
6. //ትምህርቲ
7. መዝ/ቤት /ፓትርያርክ
8. /ሕጊ ቤት/ጽሕፈት ምም /ፓትርያርክ
9. ምቁጽጻር መካይን ምምሕዳር /ፓትርያርክ
10. ንኣድባራት ኣሥመራ፡
11. ኣሥመራ ሃገረ ስብከት፡
12. ንኩለን ሃገረ ስብከታት
13. ንኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፡
14. ንደብረ መዊእ ኣቡነ ኣርጋዊ ማይ ተመናይ። ኣሥመራ።
ብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ፡ 3 ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ
His Holiness Antonyos I Third Patriarch of Eritrea
ማሕተምን ክታምን

 

No comments:

Post a Comment