1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 6 November 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም።


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል
                                            
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።እምበኣር ከስ እታ “ክሳብ እትብል ቃል ነቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ኣይኮነትን እተመልክት።
ዮሴፍ ን ማርያም ክሳብ ቦኽሪ ወዳ እትወልድ ኣይፈለጣን፡ከምኡ’ውን ብድሕሪ ምዉላዳ’ውን ኣይፈለጣን።ምኽንያቱ ቅድሚ ልደት ጎይታ ንኽቐርባ እኳ ዝሓነኸ፡ጎይታ ምስ ወለደትን ብድሕሪ እቲ መላእኽትን ተኣምራትን ሰብ ጥበብን ምስ ረኣየን፡ትንቢት ክፍጽሙን ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ምስ ተነግሮ፡ንሱ ወዲ ልዑል ከም ዝጽዋዕ፡ንሱ ኣማኑኤል መድሓን ከም ዝኾነን ፡ምስ ፈለጠን ደኣ ክንደይ ኣዝዩ ዘይሓንኽ።
ንሱ ኢዩ እቲ ትንቢት ኢሳይያስ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ ኢያ፡ስሙ’ውን፡ ህጻን ተወሊዱልና፡ወዲ ተዋሂቡና ኢዩ እሞ፡እቲ ግዝኣቱ ከኣ ኣብ መንክቡ ኢዩ፡ስሙ’ውን ግሩም፡መካር፡ብርቱዕ ኣምላኽ፡ኣቦ ዘለኣለም፡መስፍን ሰላም ክስመ ኢዩ።ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ህጂ ክሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ክጽንዓን ከቑማንሲ፡ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕብየት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።ቅንኣት እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ነዚ ክገብር ኢዩ።”(ኢሳ9፡6-7)።ምናልባት እቲ መልኣኽ ኣብ(ሉቃ1፡31-32) ዝተዛረቡ ካብዚ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ ኢዩ ዝከውን።
ገለ ገለ ሰባት ድንግልና ኣደና ማርያም ኢየሱስ ምስ ተወልደ ፈሪሱ ኢሎም ይኣምኑ።ድንግል ድንግልናኣ ከይፈረሰ ከመይ ገይራ ክትወልድ ትኽእል ኢሎም ከኣ ብዓይነ ስጋ ይሓስቡ ግን፡ኣብዚ ዝብል ነገር ካብ ተበጽሐ ግን ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ከ ከመይ ገይራ ድቂ ትሕዝ ወይ ድማ ትጠንስ ኢና ንብሎም።ነዚ ግን ኣምላኽ ብትምርቱ ገበሮ።ንሕና ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ድንግልናኣ ከየርሓወ ካብኣ ተወልደ ኢና ንብል።
ኣሕዋቱ ዝብል ቃል ከ መልስና እንታይ ኢዩ።
ኣብ ኣይሁድ እቲ ሓው ዝብል ቃል ንኣዝዩ ቀረባ ዝምድናን ን ሓው ወዲ ኣቦን እኖና  ዘመልክት ኢዩ።ነዚ ዘመልክት ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ።
1,ብዛዕባ ያዕቆብን ኣኮኡ ላባንን፡ኣሕዋት ተባሂሎም ምስማዮም’
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርኻብ ያዕቆብን ራሄልን፡ኣቦኣ ን ያዕቆብ ኣኮኡ ክንሱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኮነ ኸኣ፡ያዕቆብ ን ራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ለባንን ምስ ረኣየ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገልበጦ፡ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን ።ያዕቆብ ከኣ ን ራሄል ሰዓማ፡ቃሉ ዓው ኣቢሉ’ውን በኸየ ነገራ።”(ዘፍ29፡10-12) ኣስተውዕል ያዕቆብ ድማ ን ራሄል፡ንሱ ሓው ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ።” “ሓው ኣቦኣ ምኻኑ ነገራ”ያዕቆብ ግን ሓው ርብቃ ደኣ እዩ፡ክኸውን ዝግብኦ እታ ኣሕዋት እትብል ዘላ ቃል ጥራሕ ን ኣቦኻን ወይ ኣደኣን ዝወለደትልካ ተዝኸውን ነይሩ።ኣብዚ እምበኣር ሓው ዝብል ነቲ ኣዝዩ ቀረባ ዝምድና ንምምልካት ተጠቀመሉ።
ከምኡ ዝኣመሰለ ስርዓት ከኣ ንላባን ብዛዕባ ዋጋ ክዛረብ እንከሎ፡ከምዚ ዝስዕብ በሎ፡”ሓወይ ክንዲ ዝኾንካዶ ብ ኸምኡ ክትግዝኣኒ፡,,,,,”(ዘፍ29፡15)።ኣብዚ እምበኣር ላባን ን ወዲ ሓብቱ ሓወይ ኢሉ ሰመዮ።
2ይ,ኣብርሃምን ሎጥን
ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ኢዩ ነይሩ።(ወዲ ኣሮን) 9ዘፍ11፡31)።ምስናይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርኮ ሎጥ ምስ ሰብ ባቢሎን ክንዛረብ እንከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኣብርሃም ድማ ሓዉ ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፡” (ዘፍ14፡14)።ንሎጥ ወዲ ሓዉ ክንሱ ከም ሓዉ ገይሩ ቆጸሮ ገለጾ።ግን ኣዝዩ ናይ ቀረባ ዘመድ ኢዩ ነይሩ። ኣሕዋትካን ኣደኻን ይጽዉዑኻ ኣለዉ ዝተባህልሉ እንበኣር ኣደና ማርያምን ኣዝማዳን ስለ ዝነበሩ ኢዩ።ኣብዚ ኣሕዋት ጎይታ ዝተባህሉ እንመን ተባሂልና ክንሕተት ግቡእ ኢዩ።ይቅጽል,,,,,,,
        haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment