1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 6 November 2012

ዜና ዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ


 ዜና ዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ::

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ፓትሪያርክ ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ብዝሓደሮም ሕማም  ዓሪፎም።ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ኣብ ዝሓመምሉ እዋን፡ዋላኳ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ዕድመ ስልጣን ፓትሪያርክ ንዕድመ ልክዕ፡ማለት ክሳዕ ሞት ዝጸንሕ ማዓርግ’ኳ ተኾነ ንሶም ግን ብወለንትኦም ስልጣኖም ከም ዝሓደጉ ይዝከር።እዚ ነቶም መዓርግ ቤተ ክርስትያን ከም ጓስነት ኮይኑ ዘይስመዖም ስልጣን ክረኽቡ ከምባህቁ ዝሓድሩ ሰባት ዓቢ ይንቨርስቲ ኢዩ።
ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ምስ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ካብ ማዓርጉ ምስ ዝወርድ  ከይተቀንጠጠ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ”ፓትሪያርክ ነበር” እናተባህለ ከምዝጽዋዕ ኣብቲ ቅድመ ህጂ ዝተዘርገሐ ሓበረታ ተገሊጹ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።
እቶም ን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ካብ ዕለት 4 ሓምለ 1971 ን (40)ኣርብዓ  ዓመታት ን ቡልጋርያ ዝመርሑን ሓላፊ ኩለን ሃገራት ባልካን ዝኾኑ ኣቡነ ማክሲም ኣብ መበል  98 ዓመቶም እዮም ፡ኣብ ሆስፒታል ሶፊያ ን  ኣስታት ሓደ ወርሒ ዝኣክል ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ  ዓሪፎም።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ኣስታት  ዓሰርተ ሰለስተ(13) ሃገረ ስብከታት ክህልወኣ ከለዋ 80% ካብ ህዝቢ ቡልጋርያ ድማ ሰዓቢ ናይታ ቤተ ክርስትያን ኢዩ።ኦሮቶድክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ኣስታት ሸውዓተ(7.4) ሚሎን ዝኾኑ ሰዓብቲ ይርከቡዋ ።ፓትሪያርክ ማክሲም ን ስርዓት ኮሚኒስቲ ቡልጋርያ ካብ ዝመከቱ ሓያል መራሒ ክኾኑ ከለዉ፡ሃይምማኖትን ፖሎቲካን ንምፍላይ ድማ ነቶም ኣስታት (7) ሸውዓተ ዝኾኑ ቁጽሮም መንግስትና ዝሃበና ኢና ንቅበል ኢሎም ዝፈለሉ ጳጳሳት ብምምካት ነታ ቤተ ክርስትያን ካብ ፖሎቲካ ወጺኣ ርእሳ ከም እትኽእል ሓያል ቤተ ክርስትያን ከም እትኸውንን  ዝገበሩ መራሒ ኢዮም ነሮም።
ኣቡነ ማክሲም ብ 29 ጥቅምቲ 1914 ተወሊዶም።ኣብ 1938 ድማ ናይ ትኦሎጂ ትምህርቲ ኣብ ሶፊያ ይንቨርስቲ ወሲዶም።ብ 4 ሓምለ 1971 ድማ ፓትሪያርክ ኮይኖም።ካብኡ ድማ ንስርዓት ኮሚኒስቲ ቡልጋርያ ብምቅዋም ለውጢ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣምጺኦም።ብዙሓት ኮሎጃት ከፊቶም፡ ቤተ ክርስትያን ካብ ፖሎቲካዊ ሂወት ክትወጽእ ሰሪሖም።
ቡልጋርያ ኦርቶዶክስ ሓንቲ ካብተን ምስ ቫቲካን ብ 2002 ዓ.ም ዝምድናአን ዘመሓየሻ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ኢያ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ኣብ 2002 ዓ.ም ቡልጋርያ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።
                       ሃይማኖተ ኣቦው
                   haymanoteabow@gmail.com

No comments:

Post a Comment