1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 5 November 2012

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 6ይ ክፋል::


መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 6ይ ክፋል::
                                                     
እታ ሕጽይቲ(ሰበይቲ)እትብል ቃል ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምጥናሳን ምስ ጠነሰትን ዝተጠቀመሉ ምኽንያት፡ምእንቲ ኣይሁድ፡ሰበይቲ ሰብኣይ ዘይኮነት ክንሳስ ጠኒሳ ተረኺባ ኢሎም ብዳርባ እምኒ ከይቐትልዋ ኢዩ።ብድሕረ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ፡እቲ ኣምላኻዊ ምግላጽ ነዚ ቃል እዚ ኣይተጠቕመሉን።ኣብቲ መልኣኽ ምስ ዮሴፍ ኣብ ዝተዛረቦ ይኹን፡ኣብቲ ዮሴፍ ዝገበሮ’ውን ዋላ፡ኣብቲ ምስ ሰብ ጥበብ።ውን ይኹን፡”ነቲ ህጻን ምስ ኣደኡ ማርያም ረኣይዎ”(ማቴ2።11)ኢዩ ዝብል ንረክብ።ዋላ’ውን ነቶም ጓሶት፡”ቀልጢፎም ከኣ ከዱ፡ንማርያምን ን ዮሴፍን ነቲ ህጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ረኸቡዎም።”(ሉቃ2፡16)
                  ቅድሚ ምርኻቦም
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ሰብኣይ ከም ዝወለደቶ ዘረጋግጸሉ ዕላማ ክልተ ምኽንያት ኣለዎ።
1,እቲ ዝዉለድ ከምቲ ንቡር ካብ ኣቦን ኣደን ከም ዘይተወልደ ንኸርኢ፡ካብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተወልደ፡ካብ ድንግል ምዉላድ ን ኣምላኽነቱ ምምስካር ኢዩ።እቲ መልኣኽ ድማ ነዚ ክገልጽ ኢዩ ከምዚ ዝስዕብ ዝበለ፡”,,ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ”(ማቴ1፡20)።
2,ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ሰብ ስለ ዝተወልደ፡ነቲ ዝውረስ (ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት፡ ነዚ ዝውረስ ሓጢኣት ከም ዘይወረሰ ክንኣምን ይድግፈና።በዚ ኸኣ ንምድሓንና ዝኽእል ይኸውን፡ምኽንያቱ ንሱ ብዘይ ሓጢኣት ስለ ዝኾነ ምእንቲ ሓጢኣተኛታት ክመዉት ይኽእል ኢዩ።ኣደና ማርያም ግን ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ኣለዋ ካብ ዘርኢ ሰብኣይን ሰበይትን ስለ ዝተወልደት።ከም ኩሉ ሰብ ከኣ ሞተት ።
ስለዚ ኸኣ ምትኳር ሓዋርያት ኣብቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላዳ ምስ ሰብኣይ ከም ዘይተራኸበት ኢዩ ነይሩ።እዚ ከኣ ነቲ ካብ ድንግል ምውላዱ ንምምስካር ኢዩ።እቲ ብድሕሪ ምዉላዳ ምስ ሰብኣይ ከም ዘይተራኸበት ዝገልጽ ነጥቢ ፡ግን መረጋገጺ ዘየድልዮ ተግባራዊ ኢዩ።
ክሳብ  ቦኽሪ ወዳ ትወልድ ኣይፈለጣን እንታይ ማለት እዩ ??
እዛ ሕቶ እዚኣ ካብ ዝተሓተታ ሕቶታት ሓንቲ ኢያ።
እታ ክሳብ እትብል ቃል (until) ነቲ ቅድሚኣ ዝኾነ ኢያ እተመልክት እምበር ፡ብ ኣንጻሩ ነቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ኣይኮነትን እተመልክት።ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ  ሚካል ጓል ንጉስ ሳኦል ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ነንብብ።”ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ዉላድ ኣይነበራን።”ነዛ ቃል እዚኣ ብህድኣት ኣብ ትሕቲ መንፈስ ቅዱስ ኮይና ተሪኢናያ።ክሳዕ እትመውት ዉላድ ኣይነበራን ኢሉ ኣሎ።ብድሕሪ ሞታ ዉላድ ክህልዋ ኣይክእልን ኢዩ,,።ከምኡ’ውን ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡”..ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ኢየ።”(ማቴ28፡19-20)ከምቲ ፍሉጥ ከኣ ብድሕሪ እዚ ዓለም’ዚ ምሕላፉ እውን ምሳና ክህሉ ኢዩ።ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም እየ ስለ ዝበለና ፡ብድሕሪ ፍጻመ እዛ ዓለም እዚኣ ምሳና የለን ኢልና ክንኣምን ዘይከውን ኢዩ።
ከምኡ እውን ጎይታ  ጎይታ ንክርስቶስ ከምዚ ዝስዕብ ይብሎ፡”ጎይታይ ንጎይታይ፡ን ጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዝገብሮም፡ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ።”(መዝ110፡1)ብድሕሪኡ’ውን ኣብ የማኑ ከም ዝህሉ ፍሉጥ ኢዩ,,ይቅጽል,,,,

No comments:

Post a Comment