1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 3 October 2011

እንታይ ኮን ምበለ !!!

   እንታይ ኮን ምበለ !!!
 እቲ ኣብ መስቀል ተሰቀለ
ስለሓጥያትና መከራ ተቀበለ
ተዝዛረብ ሰብ መሲሉ መጺኡስ እንታይ ኮን ምበለ
                                      እቲ ቅቡኡ ኣብ ገዛ ተሓይሩ
                 ኣብ ቲ ቦትኡ ካብ ሕጊ ኣምላክ ወጻኢ ዕልዋ ተገይሩ
                         እቶም ሰበኽቲ ወንጌሉ ቦታ ሲኢኖም ይባረሩ
                 ገለ ናብ ስደት ኣምሪሑ ገለ ኸኣ ኣብ ኡሱር ቤት ሰፊሩ
                             ገለ ኸኣ ብረብሓ ሃይማኖቱ ሸይጡ ንሓዋሩ
                ገለ ኸኣ ወንጌል  ከይሰብኽ ስቅ ኢሉ ይርኢ ኢዱ ኣጣሚሩ
                  ገለ ድማ ጽዊጽዋያት ኣይሁድ የዘንቱ ሂወት ዘይህብ ብስሩ
                    ግን ኢየሱስ ክርስቶስ ተዝወርድ ህጅስ እንታይ ምበለ ነሩ
ተዝመጽእ እወ እቲ  ዝመተ ኣብ መስቀል
     ነዚ ህዝቢ ኣኪቡ ገለ እንተዝብል
መን ኮን ምሓነኸ ነይሩ ምጎየየ ክኽወል
    ራዕራዕ ኢሉ ፈሪሑ ዓስቡ ከይቅበል
መመኽነይታ ዶ መቅረበ ከም  ሄዋን ተመክብል
         ወይሲ ሰጣንዩ ኣብዚ ኣውዲቁኒ ክብል
 ኣየ ንኹሉ መወዳእታ ክንሪኦስ ጎይታ ተዝቅልቀል
                                      እቲ ዝነገረ መድሓኒ ምኻኑ
                    ሰባት ካሊእ መድሓኒ ሃሰስ ይብሉ ከሎ ኣብ ዝፋኑ
                      ገለን ከኣ ልቦም ከትሩሩ ሸለል ኢሎም ከይኣምኑ
             ገለ  ኸኣ  ንሱ ከሎ እንኮ ዝስበኽ ብፍልሲፍና ካሊእ ክውስኑ
              ኣየ መድሓኒ ዓለም ተዝህብ ሓሳቡስ እንታይ ምበለ ንምኻኑ
ወዮ ወንገሉ ከይወዳእና ሓሊፍና ናብ ካሊእ
መድሓኒ ከሎ ሃሰስ ክንብል ሂወት ዘየምጽእ
     ፍልስፍናታት ከነካይስድ ሂወትና ዘየርግእ
   ኣብ ዘይከውን ካሊእ ወንጌል ግዝየና ከነጥፍእ
ተዛረቡና ብጸርፊ ክንሰሃሎም ክንዲ ብህድኣት ንርዳእ
ላዕልን ታሕትን ክንብል ክንጸንሖ እወ ወንገሉ ከነጥፍእ
  እንታይ ኮን ምበለና እቲ ልዑል መብራህቱ ዘይጠፍእ
                           ወዮም ሃወርያት ዝመሃርዎ ተቀይሩ
                        ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ እቲ ርኹስ ተገይሩ
               ምስ ረኣዮም እንታይ ምበለ ሰበኽቲ ወንጌሉ ክሕየሩ
                            ጠንቆልቲ ኸኣ ምስ ረኣዮም ክኸብሩ
                          ሰዓብቲ ቅዱሳን ከኣ ምስ ረኣዮም ክሓስሩ
            ኣህዛብ ከኣ ምስ ረኣዮም ባርባን ይፈታሕ ኢሎም ክጭፍሩ
                  ሄሮዶስ ከኣ ተዝሪኦ ን ምእሳር የውሃንስ ልቡ ኣትሪሩ
                           ትዝ ዶ ምበሎ ጊይታና ንዕኡ ዝጎነፎ ዘኪሩ
                ምኻንኳ ኣይሞገረሞን ስለ ዝፈልጥ ኩሉ ቲምስጢረ ነጊሩ
                      ታሪኽ ክድገም ይግባእ እዩ ምበለ ብስርሖም ነዲሩ
እንታይ ኮን ምበለ
ወዮ ወንጌል ምስባኽ ሎምስ ካሊእ ተሓሲቡ
ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ይብሉ ኣለዉ ኣይትዛረቡ
ክትእመኑስ ኣብ ካሊእ ደኣ ኣድህቡ
ተዘይ  ኸኣ ሽም ካሊእ ሃይማኖት ትወሃቡ
ንሶም ኮይኖም በቃ ሃይማኖት ዝኸልኡ ዝህቡ
ኣብ ዚ ዓለም ዝግበርስ ብዙሕ እዩ ኩሉ ተተዘሪቡ
ነዚ ኹሉ ምስ ረኣየስ ጎይታና እንታይ ምሃበ ሓሳቡ
                                   እንታይ ኮን ምበለ
                              እቲ ኣብ ቃራንዮ ዝተሰቅለ
                             ስለ ሓጥያትና ተዋረደ ተሰቅለ
                      ኪዱ ወንጌለይ ስበኹ ንኹሉ ዓለም ዝበለ
               ምስ ረኣየና ገዲፍና ወንገሉ ናብ ካሊእ መገዲ ክንእለ
                      ኣብዚ ግራተይ መን ዘሪኣዎ ዝኽርዳ ዶ ምበለ
እቶ ኣገልገልቲ ምስ ረኣዮም ካብ ወንገሉ ክኹብሉሉ
ገለ ብረብሓ ንሓዎም የሕሊፎም ክሰቅሉ
ገለ ኸኣ  ንልኡኻት እቲ ልዑል ክረግሙ ክውዕሉ
ኣበሳ ሓሲቦሞ ወንጌል ጥራሕ ይሰበኽ  ስለዝበሉ
ምገንሖምዶ  ምበሎም  ዝትምህርትኹም ኣበዩ በቒሉ
ስለምንታይ ናብ ጰጥሮሰ ጳውሎስ ዘይተስተብህሉ
ስለምንታይ ናብ መማህራንኩም ቀርሎስ ኣትናቲዎስ ጽን ዘይትብሉ
ምተቆጠዐዶ ጎይታን ኩሉ ምስ ጸንሖ ከምዘይተጸበዮ ኩሉ
ካብ ኣነ ዚዛረብ ግን ተዝምልስ ባዕሉ
ምተቃልዑ ኩሎም ብስሙ ዘታልሉ
እወ ግብሪ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኣይትግበሩ ምተባህሉ
                ለቱ ስብሓት
           ዘብሄረ ኢታሊ ቀሲስ ሙሴ  ሲሳይ

No comments:

Post a Comment