1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 30 August 2013

ድሕነት ብመንጽር እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ (1ይ ክፋል.


ድሕነት ብመንጽር እምነት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ (1ይ ክፋል.


ድሕነት ዝብል ሓሳብ ቅድሚ ምርኣይና፣ ነቲ ቅድሚኡ ዘሎ ነገራት ምድህሳስ ብዛዕባ ድሕነት ምሉእ ስእሊ ስለዝህብ ሃዲእኩም ክትከታተሉኒ ተስፋ እገብር። ጽሑፈይ ካብቲ ኣብ ኮለጅ .ኣትናቴዎስ ንመምሃሪ ክኸውን ዝተዋህበ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባርን ካብቲ ንመጽናዕቲ ዘዳለኽዎ ዳህሳሳዊ ጽሑፍን (term paper) ዝተዳለወ እዩ። እዚ ጽሑፍ' ሕጽር ብዝበለ መልክዑውን (presentation) ኣብ መበል 11 ጉባኤ ተዋህዶ . ኤርትራ ቀሪቡ ነይሩ። ኣርእስቲ ጽሑፈይ ኣርባዕተ ክፋላት ኣለዎ ንሎሚ ግና ኣብቲ 1 ክፋል ከድህብ እየ።

ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብ (1 ክፋል)
                                                ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ
   1.ሓጢኣት ኣዳምን ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን
    2.ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን ምሕረት እግዚኣብሔርን
                      መእተዊ
ሰብ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ (ዘፍ 126) ክሓስብ፣ ክመራመር፣ ከስተንትን ዝኽእል ፍሉይ ፍጥረት እዩ። ካብ ካልእ ፍጥረት ዝፈልዮ ድማ እዚ ባህርያት' ስለ ዝውንን እዩ። በዚ ፍሉይ ትዕድልቲ' ምስ ኣምላኽ ይራኸብ፣ ይላዘብን የስተንትን። ካልእ እግዚኣብሔር ንወዲ-ሰብ ካብ ዝሃቦ ብሉጻት ነገራት ሓደ ናይ ምምራጽ ናጽነት (Free will) እዩ። ወዲ-ሰብ ምስ ምሉእ ናጽነቱ እዩ ተፈጢሩ። ሰብ በቲ ዝወስዶ (ዝኽተሎ) ናይ ናጽነት ምርጫ ተሓታቲ እኳ እንተኾነ፣ ናጽነት ግና ካብ ሰብ ዘይኮነ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ መለኮታዊ ህያብ እዩ። ሎሚ እተን ናይ ናጽነት ጎብለላት ዝበሃላ ሃገራት ኮነ ካልኦት፣ ብዛዕባ መሰል-ደቂ-ሰባት፣ መሰል-ርእሰ-ውሳኔን ሰብኣዊ ናጽነትን ዝምጉታ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝዓደለና ናጽነት: ሰባት ክግህስዎ መሰል የብሎምን ዝብል መሰረታዊ ኣምር ሒዘን እየን። ንኣብነት፣ ሕጊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብዚ ኣምር' ዝተሰረተ ኮይኑ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረትን ጽልዋን ዘለዎ ዕልመናዊ ሕጊ'ዩ።

ሓጢኣት ኣዳምን ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን
ኣዳም (እቲ ቀዳማይ ሰብ) ካብ ዝኾነ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ነጻ ዝኾነ ንጹህ ኣእምሮ ነይርዎ። በዚ ንጹህ ኣእምሮኡ ድማ ንኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘስተንትኖ ነገር ኣይነበረን። ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍራሰ ግና ንፍጥረቱ ኣበላሸይዎ: እቲ ዝነበሮ ናጽነትውን (ነጻ ምርጫ) ለሚሱ። ሕጂውን እንተኾነ "ምሉእ ናጽነት ኣሎና፣ ግና ኣእምሮና ንሓጢኣትን ዓለማዊ ረብሓን ስለ ዝተቓልዐ፣ ናብ ኣምላኽ ቀሪብና ሰማያዊ ሓሳብ ጥራይ ክንሓስብ ኣይከኣልን እዩ። ከም ሳዕቤኑ: ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ነጻ ኣውጺኡ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ምእንቲ ክህልወና ጸጋ-ኣምላኽ ደለናይብል ግብጻዊ . ኣትናቴዎስ። እቲ ቀዳማይ ሰብ ውሉድ-ኣምላኽ ስለ ዝነበረ ምሉእ ናጽነት ተዋሂብዎ ኣብ ገነት ይነብር ነይሩ። ብባህግን ትምኒትን ተሓቢሉ ምስ ወደቐ ግና ካብ ገነት ተሰጒጉ።ሕጂ በቲ ብወለንትኡ ዝፈጸሞሓጢኣት ተቐይዱ ይርከብ" (ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ) ኣዳም ክንብል ኰለና፣ ኣዳምን ወዲ-ሰብ ብምሉኡ ማለትና እዩ። ኩሎም ሰባት ካብ ባህርያት ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም። ንሕጊ ኣምላኽ ክስዕብዎ ወይድማ ክነጽግዎ ምሉእ "ናጽነት" ኣለዎም። ሰባት ንሓጢኣትን ክፉእ ግብርን ስለ ዝተገዝኡ ግና ብዘይካ ክርስቶስ ኩሎም ሓጢኣተኛታት እዮም። ብስጋ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ስለ ዝተወለድና፣ እቲ ሓጢኣቶምን መርገምን ዘይኮነስ፣ ዝምቡል ስምዒትን ዘይምፍላጥን (disordered sensuality and ignorance) ወሪስና። እዚ ድንቁርናን ዝምቡል ኣተሓሳስባን ድማ ሓጢኣት ኣኸቲሉ። ሎሚ "ብዝተኻእለ መጠን ሓጢኣትና ከነውሕድ ድኣ ንጽዕት እምበር ኣብ ሞንጎና ንጹህ ዝበሃል ሰብ የሎን። ካብ ሓጢኣት ንጹህ' እግዚኣብሔር በይኑ ጥራይ እዩ። እቶም ለባማት ሰባትን እቶም ሓቐኛታት ክርስቲያንን ግና ወለንታዊ ኣበሳ ከይፍጽሙ ኩሉጊዜ ይጽዕቱይብል ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ። ሃዋርያ ዮሃንስ'ውን "ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን" (1.ዮሃ 1.10) እናበለ ሰብ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ከምዘይዓርፍ ጽሒፉሎ።
ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን ምሕረት እግዚኣብሔርን
ምሕረት እግዚኣብሔር ምስ መሰል"ነጻ ምርጫ" ብኸመይ ይዛመድ? ኣምላኽ ንኹሉ (ጸጉሪ ርእስና ከይተረፈ, ማቴ 10 30) ይርእን ይሕልዎን እዩ ግና ሓደ ሰብ መሰል "ነጻ ምርጫ" ተጠቒሙ እንተ ቐተለኒ ብኸመይ ቕበሎ?
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብሰናይ ፍቓዱ ንሰብ "ነጻ ምርጫ" (ምሉእ ናጽነት) ዓዲልዎ እዩ። ኣምላኽ ኩሉ ዝፈልጥን ኣቐዲሙ ንነገራት ዝርእን እኳ እንተኾነ ኣብ "ናጽነት" መሰል ወዲ-ሰብ ግና ኢዱ ኣየእቱን እዩ። ኣምላኽ ክፉእ ነገር ኣይፈጠረን: ሰባት ክፉእ ነገር ክገብሩ ኰለዉ ግና ኣይክልክሎምን'ዩ። "ነጻ ምርጫ" ወዲ-ሰብ በቲ ክንገር ዘይከኣል ጥበቡ ንረብሓ ደቁ ከምዝውዕል ይገብሮ'ዩ። ሰናይ ብኽፉእ እንተዘይተፈቲኑ ድማ ሰናይ ምዃኑ ብኸመይ ምተፈልጠ? እስከ ንሎሚ ክልተ ኣብነታት ንርአ፣
1.ደቂ ያእቆብን ዮሴፍን
ደቂ ያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ዮሴፍ ብተንኮል ንግብጺ ምስ ሸጥዎ ኣምላኽ ግና ንዮሴፍ ኣብ ግብጺ ሰናይ ነገር ኣዳልዩሉ ጸኒሑ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እቶም ብተንኮል ዝሸጥዎ ዓበይቲ ኣሕዋቱ በቲ ዝገበርዎ ክፉእ ነገር ክሓፍሩ ኮለዉ ድማ ንርኢ።ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጉሀዩ ኣይትጨነቑ። ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን ሕጂ ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ዘይሕረስንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም ብዓብዪ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ። ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርዖንን ኣቡኡን ጐይታ ኹላ ቤቱን ገዛእ ኩላ ሃገር ግብጽን ገበረኒ። ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኹላ ግብጺ ጐይታ ገበረኒ ናባይ ውረድ ኣይትደንጉይ” (ዘፍጥ 45: 5-9) ዮሴፍ ድማ ኣይትፍርሁ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፡ ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ኽገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ንጽቡቕ ሓሰበ (ዘፍጥ 50: 19-20)
2.ይሁዳ ኣስቆሮታዊ
ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ንመሰል "ነጻ ምርጫ" ብግጉይ መንገዲ ተጠቒምሉ እግዚኣብሔር ግና ንድሕነት ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ኪኸውን ብጥበቡ ለዊጥዎ (ማቴ 2647)ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንመሰልነጻ ምርጫተጠቒሙ ዝተፈላለየ ባህርያት ከንጸባርቕ ባህርያዊ እዩ። እግዚኣብሔር ግና ምስ መሰል ነጻ ምርጫ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብዝቃዶ መንገዲ ንኩሉ ፍጥረት ይሕልዎን ይኸናኸኖን እዩይብል ኦሪጅን።
ይሁዳ ንክርስቶስ እንተዘይክሕዶ እሞ ስቕለት ክርስቶስ ድማ እንተዘይፍጸም ድሕነት ብዙሓት ሰባት ኣይምተጋህደን። ስቕለትን ሕማማት ክርስቶስን እንተዘይህሉ ድማ ኣሕሉቕን ስልጣናትን ኣይመሓፈሩን (ቆሎ 2:15) ብተመሳሳሊ መገዲ: ሞት ክርስቶስ እንተዘይህሉ ተሰፋ ትንሳኤ ኣይምተረኽበን። ሰይጣን ብሓይሊ ካብ ሓጢኣት እንተ ዝኽልከል ነይሩ እቲ ኣንጻር ሰይጣን ዝግበር ቃልሲ ኣይምሃለወን: ዓስቢ ኣኽሊል ዓወት ድማ ኣይምተረኽበን።
ፍጥረት ወዲ-ሰብ
  1. ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሰብነትናን ህዋሳቱን
  2. ተራ ኣእምሮ ሰብ ኣብ ምሕላው እምነቱ
  3. ወዲ-ሰብ (ሰብ) ማለት እንታይ ማለት እዩ? ሰብ ክንብል ኰለና ብዛዕባ ነፍሲ ጥራይ ዲና ንዛረብ ዘለና? ብዛዕባ ሰብነትናን ህዋሳቱን ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ ከመይ ይመስል? ሰብ እምነቱ ኣብ ምሕላው: ኣእምሮኡ እንታይ ተራ ኣለ? ኣምላኽ ንሰብ ብኸመይ ይርእዮ? ስራሕ እግዚኣብሔር ኣብ ምድሓን ሰብከ ከመይ ይመስል?
  4. ሰብ ክንብል ኰለና እቲ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ልዑል ፍጥረት ማለትና እዩ። ሰብ ብስጋ ዝተሸፈነ ነፍሲ ጥራይ ዝሓዘ ዘይኮነስ ምሉእን ህያውን ፍጥረት እዩ። ንሱ: ዘይፈላለዩ ሰለስተ ነገራት ማለት፣ ኣካል፣ ኣእምሮ፣ ነፍሲ (soul, body & mind) ዝሓቖፈ ፍጥረት እዩ።
1. ኣካል:- እቲ ንውሽጣዊ ነገራትና ሸፊኑ ሒዝዎ ዘሎ ነገር እዩ። ህይወት ንዘለዎም ነገራት ኩሎም ደጋዊ መልክዖም፣ ጥዕናኦም፣ ደመ-ትርኢቶም ዝውክል እዩ። ኣብነታት ኣካልና: ርእሲ፣ ክሳድ፣ ኣእዳውን ካልኦትን ምጥቃስ ይከኣል።
2. ኣእምሮ:- እቲ ዝሓስብ፣ ዝመራመር፣ ዘስተንትን ክፋል ሰብነትና እዩ። ስምዒት፣ ተዘክሮ፣ ፍቓድ፣ ፍቕሪ፣ ፍርሂ ወዘተ ካብኡ ይበቁል። ልቦና ወይ ኣተሓሳስባ ንኣእምሮ ወኪሉ ኣብ ብዙሕ ነገራት ይጥቀስ እዩ (ያእ 1.7-8)። ንልቢ ወዲ ሰብ እቲ ዋንኡ ወይ እቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝፈልጦ የለን (ኤር 17፡9)
3. ነፍሲ:- እዚ እቲ መንፈሳዊ (መንፈስ) ክፋል ሓደ-ሰብ እዩ። ብኣርኣእያ ስነ መለኮት: ነፍሲ ዘለኣለማዊ (ዘይመውት) እዩ። እናሻዕ ንነፍሲ መንፈስ ወይ ህይወት ብዝብሉ ቃላት ንገልጾ ኢና። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰለስተ ነገራት እዚኣቶም ኣብ ዝፈላለይሉ እዋን ድማ ሞት ናይ ሓደ-ሰብ ይኽሰት።ሰለስኦም (መንፈስ + ኣካል + ኣእምሮ) ሓደ ምሉእ ሰብ ይውክሉ፣ ሓደ ስራሕ፣ ሓደ ምርጫ፣ ሓደ ዓስቢ ድማ ቕበ። ሰብ ምስ ነፍሱን ስጋኡን ዘለኣለማዊ ህይወት ወይድማ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክረክብ ይኽእል። ክርስቶስ ስጋ-ሰብ ለቢሱ ክንብል ኮለና እምበኣር ነዞም ዝተገልጹ ነገራት ለቢስዎም ማለትና እዩ።
እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል (ክርስቶስ) ካብ ማህጸን ቅ.ድ.ማርያም ኣካል ወሲዱ ሰብ ኮኑ እዩ። ነፍሲ ድማ ኣለዎ። ክርስቶስ ምእንቲ ክቕድሶ ኢሉ ንፍጥረት ሰብ ከምዘለዎ ብምልኡ ለቢስዎ። "መለኮቱ ከምዘይተለወጠ እናኣመንና፣ ነፍሲ ዘለዎ ከመዛዝን ዝኽእል ስጋ ምስ መለኮቱ ደሚሩ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ንኣምን"ይብል ሶርያዊ ቅ. ሰቨርዮስ
ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሰብነትናን ህዋሳቱን
ከም ኣተሓሳስባን ርድኢትን ናስቲክስ (Gnostics) "ስጋናን ኩሉ ህዋሳቱን ሰናይ ነገር የብሉን"። ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን (ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ) ግና ነዚ ሓሳብ እዚ ብምሉኡ ይነጽግዎ። ንኣብነት፣ “ብኣምላኽ ዝተፈጥረ ኩሉ ነገር ንጽሁን ሰናይን እዩ። ኣምላኽ ዘይጠቅም ወይ ዝድርበ ነገር ፈጺሙ ኣይፈጠረን ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ውሉድ ኣምላኽ እዩ (ግብ 17፣28)” & 1ይ ጢሞ 4.4-5 ይብል ግብጻዊ ቅ. ኣትናቴዎስ። እቲ ሃዋርያ-ኣምላኽ ድማ "…ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና" (2 ቆሮ 2.15) ይብል።ግብጻዊ ቅ. ኣትናቴዎስ እንደገና “ኣካል ወዲ ሰብ ከምታ ብኽኢላ ዝተሰርሐት ናይ ሙዚቃ መሳርሒት እያ” ምስ በለ፣ ኣስዒቡ ድማ “ከምታ ብግቡእ ዝተቓነየት ናይ ሙዚቃ መሳርሒት ኣዝዩ ጥዑም ድምጺ እትህብ፣ ብሰናይ ህይወት ዝተደገፈት ኣካል ወዲ ሰብ ድማ ጥዑም ድምጺ (ብኣምላኽ ዝበሃግ ጽቡቕ ነገር) ናብ ኣምላኽ ከተቕርብ ተኽእሎ ኣለዋ” ይብል።
ተራ ኣእምሮ ሰብ ኣብ ምሕላው እምነቱ
ሰብ እምነቱ ኣብ ምሕላው: ኣእምሮኡ ዓቢ ተራ ኣለ። ኣምላኽ ንሰብ ዝሓስብን ነገራት ዘመዛዝንን ፍጥረት ገይሩ ፈጢርዎ። ሰብ ነዚ ናይ ምሕሳብን ምምዛንን ክእለት ተጠቒሙ ድማ ምስ ኣምላኽ ይዘራረብ፣ ይራኸብ፣ ይላዘብን የስተንትንን። ኣእምሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር መጀመርያ ኣብ ኣእምሮና እዩ ብሓሳብ ዝጅምር። ኣብ ኣእምሮ-ሰብ ከይተሓስበ (ከይተጠንሰ) ብግብሪ ዝተተግበረ ዝኾነ ነገር ፈጺሙ የሎን። ንኣብነት: ሓደ ሰብ መገሻ ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ኣእምርኡ መገሻ ክኸይድ የድልየኒ ኣሎ ኢሉ የሓስብ። ኣስዒቡ ድማ ነዚ ብሓሳብ ዝጀመረ መገሻ ብግብሪ የተግብሮ። ዝተቐደሰ ኣእምሮ ሰናይ ሓሳብ የውሕዝ ንነፍሲ ድማ ናብ ኣምላኽ ገጻ ክጥምትን ክትቀርብን ይሕግዛ። ብጸጋ ዝተመልአ ኣእምሮ ነቲ ብኣእምሮ-ስጋ (human intelligence & logic) ክብጻሕ ዘይከኣል ሰማያዊ ምስጢራት ናይ ምሕሳብን ምርኣይን ተኽእሎ ኣለዎ። ኣምላኽ ዓቢይን ልዕሊ ኹሉን ስለዝኾነ፣ ብሓሳብ ስጋ ጥራይ ኣይብጻሕን'ዩ። ብጸጋ ዝተመልአ ሰብ ግና ንኣምላኽ ክረኽቦ ይኽእል'ዩ (ሉቃስ 8:10)። ሙሴ "እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ" (ዘዳ 30፣14) ክብል ጽሒፉ። ክርስቶስ ድማ ነዚ ሓሳብ'ዚ "ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ" (ሉቃ17፣21) ክብል ነቲ ሙሴ ዝበሎ ነገር ሰሚሩሉ።
ከም ውጽኢቱ: ነቲ ንጉስ ኩላ ምድሪ፣ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ኮነ ናይ ምድሓን ሓይሉ ክንርድኦ ንኽእል። እዚ ድማ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ ምስትውዓልን ነፍስን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ሰብ፣ ኣካል፣ ነፍሲ፣ ኣእምሮ እ እንተለዎ ግና ሓደ ምሉእ ሰብ እዩ። ኣካል፣ ነፍሲ፣ ኣእምሮ፣ ህዋሳቱ፣ ልቡ፣ እተሓሳስብኡን ስምዒቱን ኩሉ ኣይፈላለን እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ከምዘለዎ ብምልኡ እዩ ኣፍቂርዎ። ንብዘሎ ፍጥረቱ ኣካሉ፣ ነፍሱ፣ ኣእምሮኡ፣ ህዋሳቱ፣ ልቡ እተሓሳስብኡን ስምዒቱን ኩሉ ከይፈላለዩ ድማ ቀዲስዎን ኣንጺህዎን። ነዚ ሓድሽ ህይወት'ዚ ምስ ተቐበልናዮ ምስ እግዚኣብሔር ሕብረት ይህልወና፣ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ገዛእ ርእስናን ድማ ብሰላም ንነብር። እዚኣቶም ኩሎም ምስ ነፍስን ኣእምሮን ብሕብረት ዝዓዩ ብስም እታ ኣብ ውሽሰብ እትርከብ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰርሑ ዝነብሩ መሓውራት-ጽድቂ እዮም። ኣብነት፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከሳድዳ ኰሎ ንዝነበሮ ሓይሊ ምስ ኣመነ'ውን ነቲ ዝነበሮ ሓይሊ ብዝተዓጻጽፈ መንገዱ ኣብ ምህናጽ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኣውዒልዎ እዩ (ግብ 9: 15)። ኣብ መወዳእታ ድማ ስለ ወንጌል ክርስቶስ ነታ እንኮ ህይወቱ ሂቡ ብሰላም ከምዝዓረፈ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽ ዓለምን መዝጊቦሞ ኣለዉ።

No comments:

Post a Comment