1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 20 February 2012

ዓቢይ ጾም ::

                                                                            ዓቢይ ጾም 
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ።እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ።ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ምእንቲ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ2፡17።  
ዓቢይ ጾም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጾሞ እዩ። ዓቢይ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያውኣምላኽ ክንሱ ዝጾሞን ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ሰይጣን ብሰለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ስለ ዝሰዓሮን እዩ። ንዓና ድማ ብዅሉ ግብሩ ብቑዕ ኣርኣያን ትምህርትን ብምዃን ኣሰሩ ክንክተልን ትእዛዙክንሕሉን ሕድሪ ሃበና። 
ኣብ እዋን ዓቢ ጾም ዓቢይ ጸላኢ ዲያብሎስ ከም ዘሎን ዓበይቲ ፈተናታት ከምጽእ  ዝኽእል ምዃኑ ኩልና ክንፈልጦን ኣገዳሲ ነገር እዩ። 1ጴጥ 5፡8።
ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት ብመገዲ ጾምን ጸሎትን ንሕቶኦም መልሲ ንሕማሞም ከኣ ፈውሲ ረኪቦም እዮም። ንሕናውን ሠናይ ግብርን ንጹህ ልብን ሒዝና ብእምነት እንተጾምና ዝደለናዮ ኩሉክንቅበል ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ  ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ’’ ስለ ዝበለና። ፊሊ 4፡4። እምበኣር ዝኾነክርስቲያን ዓቢይ ጾም ኽጸውም ከሎ ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ ወይ ብልምዲ ኣብ ዓመት መጸ ዝግበር ዘይኮነስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዓቢይ ናይ ዓወትን በረኸትን ትእዛዝ ብምዃኑ ካብመግብን መስተን እናጾምና ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዝርዝራት ምስ መንፈሳዊ ምንባባት እናኣዛመድና ክንትግብሮም ጥቓሚ እዩ።
ኣገባብ ጾምና ነዚ ንከተል !
1,ኣፍ ይጹም ካብ ምዝራብ መርገምኣሕዋተየ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን ከከም ዜድልዮም ከኣ ኪሓንጽ ዚኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩምኣይውፃእ። ኤፈ 4፡29 ብእኣ ጌርና ንጎይታናን ኣቦናን ነመስግን፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ እዚከምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ያዕ 3፡9 ቆላ3፡8
2,ዓይኒ ይጹም ካብ ምርኣይ ሕሱምኣነ ግና ንጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዚትምነያ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ጎጥጕጥካደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ዓይንኻ እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 5፡28። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን እያ።
3,እዝኒ ይጹም ካብ ምስማዕ ንዓለምንሳቶም ካብ ዓለም እዮም ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ።ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና። እቲካብ ኣምላኽ ዘይኮነ ግና ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦም። 1ዮሓ 4፡5  ብፁኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም። ሉቃ11፡28
4,ኢድ ይጹም ካብ ምፍሳስ ደምየማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ቆሪጽካ ደርብያ ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ኣካል እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 5፡29።ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ። ….ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ። እከይ ንምግባር ትጎዩ ንጹሕ ደም ንምፍሳስትቀዳደሙ ሓሳብኩም እከይ እዩ። እምበኣር ተመለሱ።ኢሳ 59፡3
5,እግሪ ይጹም ካብ መገዲ ጸጋምእንሆ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ሕይወት እትወስድ መገድን ናብ ሞት እትወስድ መገድን ኣንብር ኣሎኹ። ኤር 21፡8 ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱእቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ትመላለሱ። ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኤር 6፡16
6,ልቢ ይጹም ካብ ሓሳብ ሥጋ ድኹምነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣት ደርብይዎ። ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። ሕዝ 18፡31 ክዳንኩም ዝይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብልእግዚኣብሔር። ዩኤ 2፡13 ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን። ሮሜ 10፡10 እቲ ካብ ኣፍ ዚወጽእ ካብ ልቢ እዩ ዝመጽእ እሞ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ብሓሶት ምምስካር ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ እዚ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ማቴ15፡18
እምበኣር ሺሕ እኳ ሕጂ ንቑሩብ ግዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም። እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ እዩ። 1ጴጥ 1፡6
                        ኣብ ግዜ ጾም ክን ገብሮም ዝግብኣና
1. ብስነ ኣእምሮኻ ተሰናዲኻ ጀምሮ እዚ ማለት በዚ ኣብ ጾም እትርከበሉ እዋን ኣምላኽ ምእንቲ ከሰንየካ ፍሉይ ጸሎት እናገበርካ ጽናሕ።
2.
 ኣብ ንስሓ ኣቲኻ ጀምሮ ክበድ ሓጢኣትካ ኣፍኲስካ እንተጀሚርካዮ፥ ኣብ ካልእ ሓጢኣት ክትድኅን ኃይሊ ትረክብ እሞ መንፈሳውነት ጾምካ ይተርር። 
3.
 ዝተበኣስካዮም ሰባት እንተሃልዮምኻ፡ ምስኣቶም ተዓሪቕካ ጽናሕ።
4.
ምስ ኣቦ ነፍስኻ ተሰማሚዕካ ናይ ጊዜ ጾምካ መደብ ኣውጽእ ንሱ ድማ

1. በዚ ጊዜ እትገብሮ ጸሎት (ሰዓታቱን፡ ዓይነቱን፡ እትጥቀመሎም መጻሕፍቲ ጸሎትን፡ ወዘተ. ) መደብ ኣውጽኣሉ፤
  2:
 ኣገባብ ጾምካ ኣቐዲምካ ወስኖ (ምንዋሑ፡ ዓይነትን፡ ዓቐንን፡ ሰዓታትን ጾምካ፡ ወዘተ.)
. ብዘይካ ካብ ምግቢ ምኽልካል፡ ካልእ እትገብሮ መንፈሳዊ ተግባር እንታይ ኪህሉ ይኽእል ኢልካ መርምር፡ (ንኣብነት፡ እተንብቦ ክፍሊ . መጽሓፍን ካልእ መንፈሳዊ መጻሕፍትን፡ ኣብ ገዝኦም ይኹን ወይ ኣብ መዕቈቢኦም እትበጽሖም ሕሙማትን ሽማግለታትን ስኡናትን፣ዝተባእሱ ሰባት ክትዓርቕ ትኽእልዶ ትኸውን? ወዘተ.) 
  3.
 ፍሬ ጾምካ ከመይ ክተዋፍሮ ኢኻ? ትፈልጦም ስኡናት ኣለውኻዶ ወይ ካልኦት ኪህቡልካ ዚኽእሉ ሰባት ወይ ማኅበራት ኣለዉኻዶ? ምእንቲ ኪቐለልካ፡ ኣብ ገዛኻ ሓንቲ ንእሽቶ ሳጹን ወይ እስቃጥላ ፈሊኻ፡ድራር - ክርስቶስኢልካ ክትጽሕፈላ ትኽእል እሞ፡ መዓልቲ መዓልቲ ዝቈጠብካየን ሳናቲምካ ኣብኡ ክተእትዎ ትኽእል። ከይተፈለጠካ ከይኸበደካን ኣብ መጨረሽታ ርብሕ ዝበለ ሓገዝ ከምዘዋህለልካ ክትርኢ ኢኻ።
እዚ ሓድሓደ ካብቲ ንጾምካ ጊዜ በረኸትን ጽድቅን ኪገብሮ ዚኽእልን ነጥብታት ኢዩ እሞ እንተ ሓገዘካ፡ ንዓመትካ መሊስካ ተመሓይሾን፡ ንዓኻ ዚሰማማዓካን ክትገብሮ ትኽእል።                            ኢየሱስ ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነ
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን ለይትን ምስ ጾመ እቲ ፈታኒ ሰይጣን ስለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ኣቕረበሉ። ዝርዝረን ከኣ እንሆ1, ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል። ግናኸ ሕይወት ካብ መብልዕ፡ ሰብነት ድማ ካብ ክዳን ይበልጽ እዩ እሞ ብትበልዕዎን ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ።ንስኻትኩምሲ ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብትዕግሥቲ ‘’ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’’ ዝብል ጥቕሲ ጌሩ ንሰይጣን ኣሕፈሮ።ማቴ 6፡33
2,ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ኪፆሩኻ ይእዝዞም‘ዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስከ ንታሕቲ ጽደፍ በሎ። እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዝምርምር ኣእምሮንዘስተውዕል ልብን ሂቡዎ እዩ። ዝኾነ ሰብ ድማ ንኣምላኽ ከመስግንን ክእዘዝን እምበር ግብሪ ኣምላኽ ክንዕቕን ንትእዛዙ ክፈታተንን ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሔር ምስዝፈተንዎ 40 ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ኮለል በሉ። ሰይጣን ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ እስከ ጽደፍ እናበለ ብትዕቢት ፈተኖ። ክርስቶስ ግና ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብትሕትና ንእግዚኣብሔርኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።3,ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉ ዅሉ ክህበካ እየ በሎ። ኣነ ሕያው እየ ይብል እግዚኣብሔር ኵሉ ብርኪ ኪሰግደለይ ኵሉ ልሳንውን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኪእመን እዩ።ሮሜ 14፡11 ይብልቅዱስ ጽሑፍ። ደፋር ዲያብሎስ ግና ክሰግደሉ ንኢየሱስ ሓተቶ። ግናኸ እቲ ክፉእ ነገር ካብ ክፉኣት ስለ ዝወጽእ ደኣ እምበር ንሰይጣንሲ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነ ኵሎም ቅዱሳት ኣቦታትውንብሕሱር ግብሩ ረጊጸሞ እዩ። ኣብ ቅድሚ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን ይኽሕደካ ኣሎኹ ኢልና ወትሩ ከምንጽሊ ክርስቶስ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ስገድ ንኣኡ በይኑ ድማኣምልኽ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኪድ ሰይጣን ኢሉ ገኒሑ ኣርሓቖ። ማቴ 4፡10 
ስለዚ፡-
ሀ. ሰይጣን ፈተና ናይ ስስዕቲ ኣቅረበ  ማቴ 4፡3ክርስቶስ መልሲ ትዕግሥቲ ኣምጽአ። ዘዳ 8፡3
ለ. ሰይጣን ፈተና ናይ ትዕቢት ኣቕረበ። ማቴ 4፡6ክርስቶስ መልሲ ናይ ትሕትና ኣምጽኣ። ዘዳ 6፡16
ሐ. ሰይጣን ፈተና ኣፍቅሮ ንዋይ ኣቕረበ። ማቴ 4፡9ክርስቶስ መልሲ ናይ መንኖ ጥሪት ኣምጽአ። ዘዳ 6፡13
እምበኣር ኣብዚ ዓለም ፈተና ዘይብሉ ሕይወት የልቦን። ንዝኾነ ዓይነት ፈተና ድማ ይዕበ ይንኣስ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ከይተጨነቕና ብጾምን ጸሎትን ምስ ክርስቲያናዊ ትዕግሥቲ እንተ ጾዊርናዮ በቲኣምላኽ ዝህበና ሓይሊ ንዅሉ ከም ንስዕሮ ርጉጽ እዩ።
ይቅጽል,,,

No comments:

Post a Comment