1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 19 February 2012

ገጾም ከም ከውሒ ኣትረሩ እንበር ኣይተመልሱን።

ገጾም ከም ከውሒ ኣትረሩ እንበር ኣይተመልሱን።
ክቡር ክርስትያን ኣብ ከመይ ዝበለ ዓይነት ሰዓት ናይ ሓንቲ ደቅቅ ትነብር ኣለኻስ ትፈልጦዶ ትኸውን!!? ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ መቸስ ህዝብናን ንሕናን ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤረትራ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ዘበን ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ንላዕሊ ምጽንናዕን ምትብባዕን ዘድልየሉ ዘበን እዩ። ንኤርትራ ከም ኣብነት እንተድኣ ወሲድና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓፈሻ ብሓዊ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ እንተ ተባህለ ምግናን የብሉን። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ጭብጢ ዘየድልዮ ርኡይ መስጎግቲ ይበጽሖ ስለዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን ሕጉስ ሂወት ኣብ ዝኾነት ትኹን ስድራ ቤት የለን።ብሓቂ ደኣ ወዮ ጠፊእናን ተታሊልናን ሃሊና እንበር ሎሚ ካብ ሙሉእ ታሪኽና ተፈልዩ ነገራት ኣብ ሂወትናን ኣብ ሂወት ስድራናን ንርኢ ኣለና ። መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ምጽንናዕ ድማ የድልዮ። ኩላትና ድማ " መንፈስ ምጽንናዕ በጃኻ ኣጸናንዓዮም" ኢልና ክንጽሊ ይግባእ።
 እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ፍሉይ ብዝኾነ ሓዊ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ። ገሊኡ በቲ ሓዊ ሓሪሩ ሃለዋቱ ጠፊኡዩ፡ ገሊኡ ድማ ከቢድ መቕሰልቲ ወሪድዎ ናይ ፍቕሪ ምእላይ ዘድልዮ ኮይኑ ይርከብ። እቶም ጓሶትን ኣለይትን ክኾኑ ዝግብኦም ኣገልገልቲኸ ካብዚ ለብላቢ ረመጽ ሓዊዚ ሓራ ዶኾን ይኾኑ፧ እንተ ኢልና ሓቲትና መን ድዩ ደኣ ጸዋዒ ናይዚ ኹሉ መዓት እንተ ኢልካ እዚ ኹሉ ሽግርን ወጽዓን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰንኪ ኣገልገልቱ እዩ።ኩልና ካባይ ኣትሒዝና  ህይወቶም ክምርምሩ ይግባእ። 
ህዝቢ ኣምላኽ ይስደድ ኣሎ ፡ክንዲ ፍቅሪ ሰላም ክንዲ ሂወት መንግስተ ኣምላኽ ዶላር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንጎል ከም ዝሰኣል ኮይኑ ኣሎ።ግን እንታይ ኢና  ኾይና ዘለና ኢሉ ዝሓስብ ኣገልጋልስ ይህሉዶ ይኸውን።እወ ሕማምና እንታዩ ብርግጽሲ ሓሚምና ኣለና።ግን እንታይ እዩ ሽግር ፈተና ዶ ዋላስ መቅጻዕቲ።ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ንስደት ካብ ዝተሓሓዞ ብቅዱስ ቅንእን ጸዓትን መራሕትን ተራ ኣመንትን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ ዝተተኽላን ገና ዝቕጽላ ዘለዋን ኤርትራውያን ኣብያተ ክርስትያናት ቁጽረን ኣዝዩ ይበዝሕ ኣሎ። ብእኡ መጠን ድማ  ህላወ ናይዘን ኣብያተ-ክርስትያናት ብቑጽሪ ዘይኮነስ ብዓይነት ከመይ እየን ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ህጂኸ ዕላማ ናይዘን ኣብያተ ክርስትያናት እንታይ እዩ? ዕዮ ወንገል ድዩ?። ኢልና ክንሓትት ጽቡቅ ይመስለኒ ኣይኮነን ገሊአንሲ ንወንገል ከይስበኽ ክዓግታ  እባ ደኣ ዝብል መልሲ ግን ክንረኽብ ንኽእል ኢና ካብቶም ንረብሓኦም ዘይኮነስ ንረብሓ ክርስቶስ ዝነብሩ ዘለዉ ኣገልገልቲ። ፈሪሕና እንተዘይ ኮይና እቲ ሓቂ  እሱ እዩ።
ካብቲ ዘስደምመንን ገሪሙኒ ዘሎን ጉዳይሲ ናይቶም ናይ ሓሶት ተስፋ ምጽንናዕ ዝለመዱ ሰበኽቲ እዩ።ፈተነ እዩ ዝብል ክሰምዕ ከለኹ ብጣዕሚ እዩ ማዕሮ ክንደይ ኢና ንመቅጻዕትኻ ሸለል ክንብል መሪጽና እብል።ገለ ኣገልገልቲ ድማ ብ ዘደንቅ ነዞም ተሰደዱ ክንጋሲ ኣምላኽ ኣምጺኡና ክብሉ ይስምዑ እህ,,.ኣምላኽ ንኽትጋሲ ናዓኻ ናብዚ ዘለኻዮ ንኽትመጻ ቡዙሕ ሰናይ መገዲታት ኣሎ።ግን ጥበራ፡ ኣብ ኣውረጳ ምስ ኣተኹ ሓደ ደዊሉለይ ኣምላክ ጸሊኡልና ሓጥያትና በዚሑ ምስ በልኩዎ ኖ ጻድቅ ኢኹም ኣምላኽ ግን ንዓኹም ክትቀመልኩም ስለ ዝደለየ ኣምጺኩም ግርም ኢሉኒ ኣንጻርነት ንኸይመስል ግን ስቅ በልኩሞ እሞ ጽንሕ ኢለ ኣይከምኣን ንዓይሲ ሓጥያተኛ ስለዝኾንኩ እዩ ኣምጺኡኒ ኢለዮ ነቲ ኣብ ዘዳግም ኦሪት ዘዳግምምዕራፍ 28፡68  እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኲሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይተፈልጥዎ ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ስለምንታይሲ ነዚ ዘለኹዎ ሂወት ወይ ድማ ሂወት ወይ ድማ ሂወት ደዋሊ ይርኢ ስለ ዘለኹ ።እወ ንህዝብና እዚ ወሪዱና ዘሎ መቅጻዕቲ ድዩ ፈተነ ክን ነግሮ ይግባእ።ከም ሎሚ ኢሉ መዛሙር በዙሑ ኣይፈልትን ግን ኩሉ ዝሓረረ ቅጫ፡ምስ ኣምልኾ ኣምላኽ ርክብ ዘይብሉ።ኣንቱም ሰብ ወረ ናበይ ንኸይድ ኣለናስ ንሕሰብ እባ። ኣዚ ወሪዱና ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ።ኣብ ቤት/ኣምላኽ ጽልኢ ኣብ ቤት/መንግስቲ ጽልኢ ተመስገን ካብ ኣከባቢና ሓዲሙ።ቀጽሪታትና ብ ጸላእትና ፈሪሱ ኣባጊዕና ብ ተኻሉ ተወሲደን ምርኾና ብኻሎት ተወሲዱ።ምስ መን ተሪፈ ኣለኹ ሓደ ሓደ ግዜ ክሓስብ ይነብዕ፡ዎ ኣምላኽ ወቂዕካና ግን ኣይሰማዕናን!!!!፡ጋና እውን ንብድል ኣለና።
እዚ ኹሉ ግን እንታይ እዩ ወብ ሳይት ከፊትካ ክንዲ ንበረኸት ንምኽሳስን ንምውቃስ የዒንቲኻ እትልእ  እንተኾንካ፡ ምስ ሓውኻ ኣብ ምክሳስን ምጽሊላምን ትውዕል እንተኾንካስ ዋእ፡ኣበይ ኣለኻ ትፈልጥዶ ኩቡር ኣገልጋሊ ግን እቲ መድሓኒ ኣለም ኢልካ እትውከሎ ኢየሱሲ ብዛዕባኻ እንታይ ይብል ኮን ይኸውን።ሎሚ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ዕንወት ሪኣ ትርከብ ኣላ፡ቤተ/ክርስታያን ሎሚ ኣብ ታሪኻ ከም ሎሚ ኢላ ፈሪሳ  ኣይትፈልጥን።ኩሉ ኣነ እየ መራሒኺ ኢልዋ ክርስቶስ ተረሲዑ መራሕቲ ሃይማኖት ንሕናን ዕላማን ኢልና በቃ ኣምላኽ ተረሲዑ። ወንገል ካብ ሸለል እንብሎ ዓመታት እዩ ሓሊፉ።ክሓስብ ከለኹ ንበይነይ ናበይ ከም ዝኸይድ ይጨንቀኒ ዎ ኣምላኽ ሰውረኒ ይብል ፡እወ  ኣነ እውን ኣካል እዚ ከይኮንኩ ስለዘይተርፍ ነዚ ናብ ዘይሪአሉን ናብ ዘይሰርሓሉን ኣርሒቀ ኪኸይድ ኣየ መንፈር እንተዝህልወኒ ኣርሒቀ ምኸድኩ ናብዚ ናብዘይ ይሪኤሉ።ግን እንተ ደኣ ደልየስ ከይነፈርኩ ኣብዛ ዘለኹዎ ኮይነ ክገብሮ ይኽእል እየ!!! ።ቤተ/ክርስትያን ትፈርስ ኣላ እወ ትዓንው ኣላ  መዕነውታ ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኢና እንብልን ብዘይካ ጥረ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ፍልጠትን መንፈሳዊ ተመኩሮን ናይ ጸሎት ተመኩሮን ዘይብልና ፡ገለ ደንጋጺ  ተመሲሉ ንስልጣንን ረብሓን ክብል ነቲ ትማሊ ምስኡ ዘገልግል ነበረ ሓዉ እና ኣጸለመ።ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምላኽ ቀሪብካ ኸኣ ሓቀና ክትመስል ምጭራሕ፡ መረት ክሳዕ ዝጭደድ ሆ.መዝሙር ዋላእኳ ኣምላኽ ዝዕሾ እንተ መሰለና ነፍስና ደኣ ነዕሹ እንበራምላኽሲ ኣይዕሾንመዝሙር ትርጉም ኣለዎ።ስለምንታይሲ ኣብ ታሪክ ቃል ኣምላኽ ሕጉስ እንተ ኣሎ ይዘምር ሽጉር እንተ ኣሎ ኸኣ ይጸሊ ዝብል ኢና ንመሃሮ።እሞ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ታቦት ኣምላኽ ምስ ኣእተወ ፡ሓደ ነገር ስለ ዝገበረ ዘሚሩ ሸብሺቡ ንሕናኸ፡ዋእ ኩሉ በቃ ንይምሰል ኮይኑ ፡በቃ ንኺድ ጥራሕ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና ኢሉ ዝሓትት ፍጹም የለን።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓቂ ተዛረቡዎ እወ መቅጻዕቲ እዩ፡ ወሪዱና ዘሎ፡እንታይ ስለ ዝገበርና ኢና ግን ዝኹሉ መቅጻዕቲ፡እስከ ነፍሲ ወከፍና  ሕሉፍ ታሪኽ ን መርምር ኣብዚ ናይ ናጽነት ዓመታት እንታይ ሰሪሕና ነስተውዕል እንታይ ለውጢ ኣካይድና፡ እንተዘየለ ፡ፈተና እዩ፡ኣምላኽ ክምህረና ደልዩ እናበልካ ርእሰ ጥበራ ህጂ እውን ንዓዲ ልደትና ክንምለስ ዘይገብር ነቲ ወሪዱና ዘሎ ድማ ዘጋድድ እዩ። ን ሓጢኣት ምጥባው እዩ። ኤርምያስ ነቢ 5፡3-5።ብርግጽ እግዚኣብሄር  ሓቂ እዩ፡ዝደሊ  ወቅዓኩም ፡ግናኸ ኣየሕመመኩምን ደቆሰኩም ግናኸ ኣይተቀጻዕኩምን፡ ገጽኩም ከም ከውሒ ኣትረርኩም ካብ ሓጢኣትኩም እውን ኣይተመለስኩምን   ኣነ ኸኣ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄር ን እቲ ኣምላኽ ካብኣቶም ዝደልዮ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ድኻታት ዓያሱን እዮም።ስለዚ ናብቶም ሰብ ስልጣናት ደኣ ክኸይድ ኽነግሮም በልኩ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን እወ ኣምላኽ ካብኣቶም ዝደልዮን ዝፈልጡ እዮም ኽነግሮም በልኩ ፡ግናኸ ኩላቶም ሓቢሮም ስልጣን ዝጠሓሱን ምእዛዝ ዝኣበዩን ነበሩ።እዚ እቲ  ሓቂ ክልና  ዓያሹን ድኻታትን  ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓስናን ኢና።እንታይ ዝተገብረ ኣሎ እንተ ኢልና ቡዙሕ እዩ።ኣገልገልቲ ኣዚ ህዝቢ ከመይ እዮም  ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ድዮም ወይስ ሰበስልጣናት እዮም? ከም ዮሃንስ መጥምቕ " ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። " ኢሎም ናብ የሱስ ዝሕብሩ ድዮም?  ከም  ሃዋርያ ጳውሎስ  "ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።  ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና።" ።ዝብል ቃል እንኽተል ዲና። 2ቆረ.63-10  ዲና ነፍስና እስከ ንመርምር።
ኣገልግሎትና ኣበይ ዝተመስረተ እዩ ኣብ ሓለፍቲ ሰባትን፡ስርዓታትን ፡ካብቲ ዘገርምን ዘሐዝንን ናይ ሎሚ ኣገልገልቲ ክፈትወና ሰብ ቅዱስ ኣቦና ወይ ድማ መምህር ዝብል ቃል ጥራሕ ክጥቀም ኣለዎ፡ብቁሩብ ጥራሕ ኢና ካብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንፍለ ንሱ ኸኣ ንሕኛ ነቲ ዘይኒነብረሉ ስርዓተ ሓድሽ ኪዳን ንኽተል ኢና ኢልና ስለ ንመጻደቅ ጥራሕ እዩ።ስደት ቀደም ንእስራኤላውያን ትእዛዝ ኣምላኽዕም ምስ ዝጥሕሱ እዩ ይወርዶም ነሩ። ኣምላኽ ዝተሓጎሰሉ ህዝቢ ንስደት ተወፈየስ  ኣይነንብብን ኢና።ን ኣምላኽ ብዙሕ ኢና በዲልናዮ ካብ ምቅጻል መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዝካ፡ምስጋግ መንእሰያት ኣትሒዝካ፡ካብ ምጽላም ስም ሰባት ኣትሒዝካ፡ኣብ ኤረትራ መራሕቲ ጸለመ ኣሕዋትና ንሕና ደይኮናን ነቲ ከማና ኣማኒ ምስቲ ዘይኣማኒ ኮይና እንፈርድን እንኹነንን ንሕና ኣገልገልቲ ኣምላክ ደይኮናን መስኪናይ ህዝቢ ደኣሞ ከም ኣፍና እንዳሉ ዝኸይድ።
ስም ኣምላኽ ክስረቅ እንከሎ ይካኣሎ ክበሃል እንከሎ ነዚ ህያው ስም ኣምላኽ ንሰባት ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ስለዝሰርሑ ብምሃብ ን ኣምላኽና እነቅንእ ደይኮናን።ዓገብ ዘይንብል ደይኮናን። ህጂ ግን ጸገም መጺኡ ሰብ ዝካኣሎ ተኾይኑ ግን ንርኢ ኣለና።ህዝብና  ኣኸባ ክትብሎ ዋላ ሓንካስ ዕዉር ከይተረፈ  ብለይቲ መኣስ እያ ትወግሕ ናብ ኣኸባ ኪኸይድ ኢሉ፡ ክሓስብ ዝሓድር ቤተ/ክርስትያን ክትብሎ ከለኻ ግን እቲ ጦዑይ ከይተረፈ እዩ ዘይነበሮ ሕማም ዝመጾ።እዝስ ክብሪ ኣምላኽ ምስራቅዶ ኣይኮነን።ክሳዕ ህጂ ህዝብና ምሕረት ኣምላኽ ዘይኮነስ ኣኸባ እዩ ዝናፍቅ መኣስ ትወግሕ ቤተ/ክርስትያን ከይደ ክንሳሕ ዝብል ዘይኮነስ  መኣስ ትወግሕ  ናብ ኣኼባ ኪኸይድ ዝብል ኣብ መንጎ እምነትን ክብረትን ዘሎ ፍልልይ ዘሎ ከይፈለጠ ዝነብር ዘለና ህዝቢ ደይኮናን እንውንን።እቶም ኣገልገልቱኸ  እህም,,,. ካብ መን ደኣ መስኪናይ ተማሂርዎ ተመሃራይ ከም መምህሩ ባርያ ኸኣ ከም ጊላኡ ደይኮነን እንበር ክሳዕ ኣዚ ኩልና ንጠዓሰሉ መቅጻዕቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ቀጻሊ እዩ።
ክንዲ ናጽነት ተረኺቡ ን ኣምላኽ ናጽነት  ተዋሂብክላ ነቲ ህያው ጎይታ ምምስጋን ተረሲዑ ኣብ ጋይላን ዳንኬራን ከም ሰብ ኣርሆ ደኣ ኣምላኽ ናሓፊ ኮይኑ እንበር ብ ጓይላ መረት ዘሐመድና ንሕና ደይኮናን።ኣብያተ-ክርስትያናትና ዓንየን  ኣገልገልቲና  ዝብላዕ ሲኢኖም ብ ገዛእ ረሃጾም ክበልዑ ከለዉ፡ ገንዘብና ኣብ ባህልታትን ወፋያታትን እንጥፍእ፡መባእን ዕሽርን ክንከፍል ርእስና እንሓምም 2% ካብ ሚኢቲ ግን ናብ 10% ካብ ሚኢቲ ሓፍ ዘይበለ ድቃስ ሲኢና እንሓድርከ ንሕና ደይኮናን።ከመይ ገሩ እዩ እቲ ምሕረት ክመጽእ።ፓትሪያርክ ተኣሲሩ ከም ሰብ ጸሎት ዘይንእውጅ ከም ዓረብያ እንዝወር ኣገልገልቲ ዶ ኣይኮናን ከመይ ገይሩ እዩ።ንሕና ዝዋናታታ ሃገር ክወግሓላ።ከመይ ኢሉ ይኸውን።እታ ጸሓይ ፈለማ ክትበርቅ ጋና ኣሎ ኢድ ኣምላኽ ክሳዕ ብሓንሳእ እትርደኣና ጋና ኣሎና።ክሳዕ እንፈልጦ ንኣምላኽ።ክሳዕ ሓቀኛ ንስሓ እንወስድ።ዘገርመኒ እንተ ኣሎ።ደቂ 80 ዓመታት 60 ዓመት ኣረጋውያን ኣብ እቲ ቢባህላውያን ዝተገብረ ትልሂት ቢባህላውያን ሓዲረንን ሓዲሮምን ክመጹ ምስ ረኣኹ ጎይታ ሓቅኻ ኢኻ መቅጻዕትስ ዊሒዱና እባ እዩ ዘሎ።ሎሚ ንህዝቢ ኤረትራ ዘድልዮ ጸሎት፡ንብዓት ከም ስብ ነነዌ ካብ ዝዓበየ  ክሳኦ ዝነኣሰ ብፍቅሪ ምንሳሕ ኪሻ ተኸዲንካ ጥራሕ እያ እታ መድሃኒት ናይ ሎሚ ጠበርቲ ሰበኽቲ ዘበና ግን ኢድ ኣምላኽ ኣብ ልዕለኹም ከም ዘላ ፍለጡ ስለምንታይሲ ኣምላክ ዘይበለኩም ትብሉ ስለ ዘለኹም ኣምላኽ ክልተ ዘረባ ኣይዛረብን ንኣሸሓት ነበያት ሓንቲ ቃል እባ ይዛረብ፡እወ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝኾኑ።
ናይ ኣምላኽ ሰብ እየ ዝብል ሰብ  እስከ ይቅረብ እዚ ወሪዱ ዘሎ ኣብ ሃገርና ህዝብና፡ኣብ እምነትና መቅጻዕቲ ኣይኮነን ይበል፡ሎሚ ኤረትራውያን ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ብ ኣውራጃን፡ዓደይ ዓድኻን እንጣቃቃዕ እኳ ደኣ መራሕቲ ሃይምኖት፡ንህዝቢ ብትንትን ኣቢላ መሳርዕ ምሸት ገርናዮ ዘለና ኝህና ደይኮናን መን ዲና እቶም ንይምሰል ነጸላ ተኸዲና ናብ ቤተ/ክርስትያን እንኣቱ ግብርና ግን ካብ ሰብ ሶዶም ዝገደ መን ድዩ ንሕና ደይኮናን።ነዚ ሓደ መልክዑ ሓደ ቋንቁኡ ዝኾነ ኣብ ማእከል ተኣፋፊ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ክንዲ ብፍቅሪ ተጠሚሩ ንኣምላኽ ዘገልግል ከም ደቂ በራኻ በቲናዮ ዘለና ንሕና ደይኮናን።ሎሚ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ወጻኢ  (3)ሰለስተ (4) ኣርባዕተ  ኣብያተ ጸሎት ነንሕድሕደን ዝዋቃቀሳን፡ዝጻላለማን ዝናቆታን ጉጅለታት ኢኻ እትርኢ።
ዘቅርቡዎ መፋላላዪ ሕቶ ወይ ነጥቢ ቀልዑ እኳ ኣይበኣሱን ኩሉ ረብሓ ኾይኑ ኣንታ ንዑ እባ ንሕበር እንተ ኢልካስ ንሳስ  ኣይትበሉና ይብሉኻ።ምእዛዝ ጠፊኡ ኣነ እየ ነጊሳ።ንዓና ድዩ ኣምላኽ ከነገልግሎ ዘምጸኣና ኣምላኽሲ ብኣና ይግልገል ።ኣቦሓጎይ ሓደ ግዜ ላም ጠፊኣቶም ናብ በረኻ ይኸዱ እሞ ኣብ መገዲ ሰብ ይረኽቡ ፡ላም ኣይረኣኻን ይብልዎ ኣልወቅም ይብል ኣምሓራይ፡ይሓቱ ሳሆ ማታበ ይምልስ፡ትግርኛ ኣይረኣኹን ትግረ ከምኡ ዓቅሎም ጸቢብዎም ኣብ መቂዕ ደይቦም መሬትየ እንታይ ዶ ወለድኪ ኣምሓራይ ኣልወቅም ሳሖ መታበ መሬትየ እንታይ ዶ ወለድኪ በሉ ይበሃል ዝርደኦም ሲኢኖም ሕተኦም ዝምልሰሎም ሲኢኖም።ብሓቂ መሬት እንታይ ዶ ወለድኪየ ዘብል ኣይኮነን።
ነዚ ህዝቢ ምሓረት ዘምጸኣሉ ንንገሮ።እቶም መዋእልኩም ፈቀዶ ኣኸባታትን ፖለቲካን ዓንገዘው ትብሉ  ነበርኩም ከኣ እቲ ብዘይ ኣንምላኽ ዝፍረ ፍረ ሪኢኹሞ ኣለኹም።ስለዚ ማላኽ ንሃገርና ክባርኽ ቤት/ኣምላኽ ነቀድም ሓቂ ንሓዝ ኣብ ሓቂ ንጽናዕ።ዝግበር ዘሎ ግን ንኣምላኽ መሊሹ ዘቆጥዕ ገበን እዩ።ኣደታት ኣብ ኣኸባታት ምጥቃዕ ገዲፍክን የእዳውክን ናብ ምህለላ ዘርግሓ።መንእሰያት ናብ ቤት ትልሂት ገዲፍኩም ናብ ቤት/ጸሎት ገስግሱ።ዲያቆናትን ኣንበብቲ መጻሕፍትን ብትዕቢት ካብ ምኻድ ገጽ ኣረጋዊ ብምኽባር ምእዛዝ ፍተዉ።ኣይተሻርዉ። ካህናት ዲማ ነቲ ተጻዋዕኩምሉ ጽባሕ ክትሕተቱሉ ምኻንኩም ፈሊጥኩም ኣሰር ፓትሪያርኩም ሰዓቡ።ጳጳሳት ዲማ  ብዘይ ዲባብ ቤተ/ክርስትያን ዋጋ ከምዘይብላ ፍለጡ።ነቲ ርእሲ ቤተ/ክርስትያን ትሕቲ ክርስቶስ ዝኾነ ፓትሪያርክ ተኸተሉ።ዝ ትገብሩዎ ዘለኹም መገዲ ዕልዋ ገዲፍኩም ድማ ተነስሑ።ኩላትና ን ነሳሕ ን ኣምላኽ በዲልናዮ ኢና።ዓጊብናዮ ኢና።
    ስብሃት ለእግዚኣብሄር
                    ሃይማኖተ ኣቦው


No comments:

Post a Comment