1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 19 February 2012

አቤቱ ጌታ ሆይ ይኽ ማኅበር ማን እንደሆነ ስራውና ዓላማው ምን እንደሆነ አንተ ታውቃለህና ካንተ የሚሰወር ምንም ነገር የለም ነገር ግን አምላኬ ለምን ዝም አልክ ተነስ እንጂ ጠላቶችህ ይበተኑ:በዓል መን እዮም ኣብዚ ዝወዓሉ!!!!።:

               


በዓል መን እዮም ኣብዚ ዝወዓሉ!!!!

በዓል መን እዮም ኣብዚ ዝወዓሉ

በቲ ተሓለቅቲ ሃይማኖት ዝመስሉ

ተሓቢኦም ቤተ/ክርስትያን ዘጥሕሉ

ኣብ ምሻጥ ተዋህዶ ኣረማውያን ዝወዓሉ

ታሪኾም ብጸሊም ይዘከር መዋእሉ

ጋና ድማ ክወጽእ እዩ እቲ ሓቂ ቀስ ኢሉ

             ነቦኻ ሸጥካ ንኽትነብር ፈርዖን ከተኽብር

            ምስ ሸኽ ኣልኣሚን ይሓይሽ ኢልካ ኣኼባ ክትገብር

          ምስ ሉተራውያን ይሓይሽ ኢልካ ተዋህዶ ክትቀብር

          ወንጌላውያን ኣሲርካስ ምስ ኮምንስቲ ጽንብር

      ኣይትቀስን ግን ህዝቢ ክንደሻዕ ክዕሾ ከይነብር

               ንስኻ ዝሓሰብካ ክትከብር ክትነብር

       ግን ኣይትቀስን ይመጸካ ኣሎ ዘይከኣል መዋጥር

እዚ ድዩ ደኣ ሃይማኖታውነት

ኣየ ጨለ ዘረባ ወዳጀ ቀናእ ብሃይማኖቱ

ምስ ኮሚንስቲ ዝውግን ኣቡኡ ሓይሩ

ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ገዛ ሓይሩ

ካብባኤ ኦርየንታል ንበይና ኣሲሩ

ጸንበራ ግዲ ተዋህዶ ንምስላ ኣነዊሩ

ኣይቅሰን ይቃላዕ ይከሻሕ እቲ ግብሩ

                       እዚ ድዩ እቲ ሓላዪ  ሃይማኖት ምምሳል

                      ኣበይ ኣሎ ትሓልዮት ኣበይ ኣሎ ትጻዊዒት

                        ናበይ ተረሲዑ ተሸይጡ ትእምነት

                     ተዋህዶ ኣስመራ ሎምስ ናበይ ኣበለት

                       ወዳጀ ኣኼባ ክትሸጡዋ ብ ሞስኮት

                    ኣብየት ተንኮል ወዳጀ ውሕልነት

                 ሓላዊ ተመሲልካስ ተኹላ ደገ ምኽፋት

                   ኣሎኮ መድሓኒ ዓለም ካብ ላዕሊ ዝጥምት

                  እንታይ እስከ ሽሙ ዝናትኩም ሃይማኖት

                  ኣብ ላዕሊ ተሪፉኩምስ እንኮላይ ኣብ መሬት

                   ሽምኩም ክባላሾ ኣብ ምውግሓ ዛመሬት

በዓል መን እዮም ኣብዚ ዝወዓሉ!

ዘይትነግሩዎ ደኣ ነዚ ምስክን ህዝቢ

ቀስ ብቀስ ትወስዱዎ ዘለኹም ናብ ክፋእ ከም ወዝቢ

ፍርሒ ድዩ ከቢዱኩም ከይትብልዎም እንቢ

                                         በዓል መን እዮም

                   ልብሲ ጵጵስና ገሮም ሃይማኖት ዝጠለሙ

                  ግን በቲ ብሕቡእ ምስ ካልእ ሃይማኖታት ዝጓዝሙ

                          ካብ ሃይማኖት ረብሓኦም ዘቀደሙ

                        ናብ ንስሓ ከይመጹ ብኽሕደት ዝረዓሙ

                           ሎምስ እኮ ገሪምዎ ዓለም ብዓለሙ

             ወዮኣብ ኣመሪካ መጺእካ ዝተዘርበ ደኣ ኣሻዕ ተጠሉሙ

                          ብጹእ ሲኖዶስ በቃ እዚ ኮይኑ ዕማሙ

ዝኽሉ ጭርሖስ መወዳእታ ከምዚ

ሕውስ ምስ ፓስተራት መሻይኽ ተዋህዶ መቂልካ ከም ጉዚ

ኣነስ ኣይመስለንን ትዕሽዉ ክንድዚ

እንጠንዮስ ምእሳርሲ ለከ ነዚ

ፈሊጥኩሞ ከምዝየለ ኖኡ መጠምዘዚ

በሉ ርሑስ ኮንፈደረሽ በዓል ኣባ ገውዚ

                          ግን ስለምንታይ ዝኹሉ

                       ህዝቢ ግን ፍለጥዎ ከምዘይ ነብር ተታሊሉ

                        ንዝደለኹሞ ሊቀ  ክስቶ ትብሉ

                     ንዘይደለኹሞ ኸኣ ኣውጊዝና ኣለና ትብሉ

                     ካብ ንህንጸት ንምዕናው ትነቅሉ

               ኣንጪሪታት መሊእኩማ ቤተ/ክርስትያን ኣብኩሉ

ግን ግን

ጋና ናይ ኣምላኽ ስራሕ ክጅምር እዩ ከለና

ክፈርስዩ ዕላማኹም ተዋህዶ ክንሃንጻ ኢና

ምርኾና ክምለስ ክትዓቢ ሃይማኖትና

ኣለና ኣሰረ ቅዱስ ቀርሎስ ኤረትራ ዝዓበና

ክዓኑ እዩ ቀጽሪታቶም ኩሎም ጸላእትና

ዘበሄረ ኤረትራ ኣይትነብርን ከምዚላ ተደዊና

ኣይትነብርእወ ፍጹም ዕና ኮይና

ኣለናያ ተዋህዶ ደቂ ከርሳ እግዚኣብሄር ዝኣምላኽና

ሰማያዊ ስሙ ሰንደቅ ዕላማና

                     ለቱ ስብሃት






No comments:

Post a Comment