1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 26 January 2012

ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።

ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ብ ሕጽረት ምሁራን ተሃስየን ካብ ዘለዋን ሰኣን ብቁዓት መማህራን ምህላው ደቃ ብ ተኻሉ ይዝረፉ ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።ነዚ ድማ እያ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ፈለማ እግራ ካህናት መሪጻ ናብ ግብጺ ንዝለዓለ ትምህርቲ ክግስግሱ ገይራ ዝነበረት።ወዮ ዘራጊ ማይ ከሎስ ጽሩይ ማይ ነይስተ ኮይኑ እንበር፡

ብጹቅ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጥእንዮስ ኮሎሎጅ ክህነጽ እምንነ ምሰረት ዘንበሩ እውን ነዚ እዩ ነይሩ፡ግን ከይፈጸሙዎ ብ ኢድ ሓያል ተታሒዞም ኣብ ማሕዩር ይሳቀዩሉ ኣብ ዘለዉ እዋን እቲ ጽቡቅ ዕላማ ኣምላኽ  ዋላ እኳ ዝዓግቶ ኣይተረኽበን። ኣምላኽ ጸድፊ ይፈጥር እሞ መውጽኦ ኸኣ ይፈጥር ከም ተባህለ፡ ከምቲ ቃሉ እውን ጥራስ ዘይጠፋእናስ ሳላ ምሕረቱ እዩ፡ዝተባህለ ኣምላኽ እንሆ ነቲ ዝድለዮ ይገብሮ ፡ኣየ እዚ ኣምላኽናስ ናቱ ምኻን ክጥዕም!።

ብሓቁ ድማ እዩ ኣቦና ኢዮብ ኩሉ ከም ትኽእልን ነቲ ዝመደብካዮ ኻብ ምግባር  ዝኽልክለካ ከምዘየልን ህጂ ፈለጥኩ ዝበሎ።ኢዮብ 42፡1-2። ሓያላት ን ወንገል ክዓግቱ ክሓስቡ ከለዉ ኣምላኽና ድማ ብ መገዲ ስደት ንህዝብና ነቲ ብሰሪን ክፍኣትን ኣብ ሃገሩ ከይምሃሩ ዝተኸልከሎ ብስራት ኣምላኽ ሎሚ ኣብ ስደቱ ይረኽቦ ኣሎ። ሎሚ ኤረትራዊ እንተ በቲ እንተ በቲ ወንጌል ይመሃር ኣሎ በዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎእንታይ ደኣ እዩ? እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። ፍልጵስዩስ 1፡18 ።እረ ካብ ወንጌል ምርካብ ተሓሊፉስ ወረ ብ ዝለዓለ ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክስልጥኑ ኽኢሎም ኣለዉ። ህያው መርኣያ ናይዚ ኩሉ ድማ እዩ ኣብ ሳን ኣንቶንዮ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ፣ ብግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝውነን መንፈሳዊ

ኮለጅ ክመሃሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ተመሃሮ ብ12 ጥሪ 2012 ተመሪቖም። ሓያሎ ወለዲ፣ ዕዱማትን መምህራንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ቻንስለር ናይቲ ኮለጅ ብፁዕ (ዶር) ኣቡነ ዮሴፍ ንተመሃሮ ሰርትፊኬት ሂቦም። ብፅዕነቶም፣ ድሕሪ ምርቓ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ብፍላይ ኣብ ስደት ንዝርከብ ሕዝቢ ናይ ባህሊ፣ ናይ ሃይማኖት፣ ካልእ ማኅበራዊ ናብራን ኣዝዩ የሸግር ስለ ዘሎ፣ ተመረቕቲ፣ ብትግሃት ሕዝቦምን ቤተ ክርስቲያኖምን ከገልግሉ፣ ምኽርን ማዕዳን ሂቦም።

ንተመረቕቲ ተመሃሮ ብምውካል ድማ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፣ ተመረቕቲ ዝወሃና ዘሎ ሓላፍነትን መንፈሳዊ ጉስነትን ኣዝዩ ከቢድን ረዚንን ብምዃኑ፣ ንዝቐሰምናዮ ትምህርቲ ኣብ ሕዝብና ብትግሃት ከነወፊ ግቡእና ክንስከም ኣሎና ድሕሪ ምባል።

ምስራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣ ኣብዚ ፈታኒ እዋን፣ ኣብ ጎድኒ እቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ደው ብምባል ነቶም ሕግን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ኣጽኒዖም ዝሓዙ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ መምህራን ትምህርቲ ሰንበትን፣ ዝተዋህበ ናይ ትምህርቲ ዕድልን እትህቦ ዘላ ደገፍን ድሕሪ ምዝርዛር፣ ብስም ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣመስጊኖም።

እዚ ናይ መንፈሳዊ ጉስነት (counseling) ዘተኩረሎም ዓይነት ትምህርትታት፣ ክርስትያናዊ ምኽሪ፣ ኣፈታትሓ ጸገም ኣብ ማኅበራዊ ናብራ፣ ምኽርን ማዕዳን ቅድሚ ሓዳርን ድሕሪ ሓዳርን፣ ፆታዊ ጸገማትን ኣፈታትሓኡን፣ ወልፊን መንፈሳዊ መፍትሒኡን፣ ጸገማት ሕማማት ኣእምሮን ሳዕቤናቱን ወዘተ ዝምልከት እዩ።

ከም ዝፍለጥ፣ 27 ካህናት፣ ዲያቆናት፣ መምህራን፣ ኣብ ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ይመሃሩ ምህላዎምን፣ ካብዚኦም ድሮ ብዙኃት ናይ ሥነ መለኮት ዲግሪ ረኺቦም ኣብ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ይርከቡ። እዚ ንናይ ኤረትራ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ፡ድሕሪ ደጊም ነቶም ፡ዘይ ተዋህዶ ዓረብያ እያ ብዘዚ መጹ ስርዓታት ትዝወር፡ኣቅሽቲ ተዋህዶ ኣይፈልጡን ዘይተማህሩ፡ እንዳተባህለ ዝንዛሕ ነበረ ብጸላእትና ፡እንሆ ዘበነ ቅብጸቶም ከም ዘብቀዐ ሎሚ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ የእዛኖም ይስኳዕ ኣሎ። ማእሰርትን ስቃይን ቅዱስ ፓትሪያርክና እንበኣር ፈርዩ፡

ዋላኳ ገበቲ ብተፋላለየ ሽጣራታት ን ኣብ ህዝብና ዘሎ ድኽመት ብምምዝማዝ ን ተዋህዶ ናይ ምዕናው መስርሕ ን ወንጌል ድማ ናይ ምዕጻው መስርሕ ድህሪ ደጊም ሸትኡ ወቂዑ እዩ ተበሉ።ግን ኣምላኽ ን ቤቱ ከምዘይ ይሓድጋ ኣመስኪሩ።ኢዋእ ደኣ እቶም ረሳሕ ታሪኽ ሒዞም ዝሓልፉ ዘለዉ እንበር፡ምፍራስ ቀጽሪ ኢያርኮስ ደጊም ተጋሂዱ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ህዝቢ ኤረትራ ክርሰዖም ዘይብሉን ምስዚ ኩሉ ፈተናን መከራን በዚ ኹሉ ከይጃጀዉ፡ን ፋሕ ዝበለ ቤተ/ክህነት ኣብ ፈቀዶ ዓለም ዘሎ ክእክቡን ዝደኽሙ ዘለዉ ቅዱሳን ኣቦታት ካህናት ሰሜን ኣመሪካ፡ዓስበ ጻድቃን ይኽፈልኩም ንብል እወ  ዓስበ ጻድቃን ይኽፈሎም። እንሆዉ ድማ ሎሚ ነዚ ሓሊፎምሲ በቢ ግዝይኡ ኣብታ ኣደ ቤተ/ክርስትያን ዝኾነት ግብጻዊት ቤተ/ክርስትያን ብምኻድ ን ውሉደ ክሕነትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ብዝለዓለ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ምምዕባል ስራሕና ኢሎም ሒዘሞ ዘለዉ እዚ ኸኣዩ  ንሰብ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ጉስነቱን ኣብ ሃይማኖቱን ዘለዎ ቅንኢ ዘርእየካ።ብ ኣፍ ዘይኮነ መራሒ ሃይማኖት እየ ኢልካ ምምካሕን ምጅሃርን ሲ ብግብሪ ን ሃይማኖትካ ዘሎካ ሓልዮት ብምርኣይ ኣብ ዓቅሚ ሰባ ክትነጥፍ ኣለካ፡

እወ እዞም ኣቦታት ሰብ ይሃንጹ ኣለዉ። ጎይታ ዝጸውዓና እውን ገዛ ክንሃንጽ ዘይኮነስ ሰብ ክንሃንጽ ደኣ እዩ። እዚ ኹሉ ግን ወዮ ደኣ ኣብ ጎድኒ ኣደኻስ ሓያል ኣይደቅስ ከም ተባህለ ኮይኑ፡ ይፍታሀ ን ቤተ/ክርስትያና ወሪሩ ብምሓዝ ጅሆ ገሩዋ እንበር፡ እዝስ ናይቲ መንበረ ፓትሪያርክ ስራሕ እዩ ነይሩ፡ግን  ደሓን ኣምላኽ ከኣ ክረድኣና ይዳሎ ስለ ዘሎስ ብዙሕ እቲ መከራ ኣይቅጽልን እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ድማ ሃይማኖተ ኣቦው፡ነቲ ናይ ቅዱሳን ኣቦው መገዲ ን ትምህርቲ ኣቦታት ኣቦው ብ ኣፍልጦን ብ ሓላፍነትን ነቲ ሕድሪ ካብ ቅዱሳን ናይ ቤተ/ክርስትያን ኣቦታት( father church) ናብ ካሊእ ኣማንን ዘይ ኣማንን ዝኾነ ህዝቢ ዘመሓላልፉን ብሓላፍነት ኣፍልጦን ዘገልግሉን መናሰያት ኣብ ምፍራይ  ኣብ ምስልጣን  ናይ ሰሜን ኣመሪካ ሃገረ ስብከት ዝገብሮ ዘሎ ጉስነት ፡ብስም ቅዱሳን ኣቦው ነመስግን።

 ኣምላኸ ቅዱሳን ምሳኹም ይኹን እግዚኣብሄር ከኣ ን ቤተ/ክርስትያኑ ይርኣያ ንብል!!!።

           ሃይማኖተ ኣቦው


No comments:

Post a Comment