1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 20 February 2012

ዓቢ ጾም 2ይ ክፋል

                      ዓቢ ጾም 2ይ ክፋል
ጾም ክበሃል ከሎ ክሳዕ ህጂ ትርጉሙ ዘይርድኣና ሰባት ብዙሓት ኢና።ጾም ሃይሊ ክትረክብ ይሕግዝ ጾም ዝዓበየ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ክህልወካ ይገብር። ኣብ ኣከባቢና ካብ እንሪኦን ካብ እንዕዘቦን ነገራት ተልዩ ን ጾም ካብ ዘይምርድኡ ጥራሕ እንገብሮ ጾም ቁምነገር ዘይብሉ ይኸውን።ጾም ክትጸም እትደልየሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ክትርአ ማለት ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ እትበሃግ ሰብ ክትከውን ፡ኣምላኽ ጾሎትካ መታን ክምለስ ኩሉ ነገርካ ሰናይ ንኽኸውን ወዘተ ብዙሕ ጽቡቅን ንኽትረክብን ንኽኾነልካን እንዳ ተነስሕካ ዝግበር ናይ ኣምላኾ መገዲ እዩ።ግን ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ገርና ዲና ንጸውም ዘለና????,,,,,,,,።

ግን ቅድሚ ምጻምናስ እንታይ ክንገብር ይግበኣና።ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል ትንቢት ኢሳይያስ58፡1-9። ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።፪ - ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው።፫ - ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን? ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ? እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣሎኹም።

፬ - እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ።ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም።፭ - እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ? ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክወን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ?

፮ - እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን?፯ - እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን?፰ - ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ።፱ - ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ክብል እዩ።

 ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ኣምላኽ እንበኣር ሎሚ ይሓተና ኣሎ።እዚ ትጸምዎ ዘለዉም ጾም ድዩ ጾም እትብቭልዎ ዘለኹም እዚ እንዳተበኣስኩም እዚ እንዳተካሰስኩም እዚ እንዳተሓሳሰኹም ይብለና ኣሎ። እስከ ነገርናን ነገር ቤተ ክርስትያናን ነገር ስድራናን ንርአ ።ናይ ብሓቂ ከ ከምዚ ንጸሞ ዘለና ገርና እንዳጾምና ዲና ምላኽ ክሰምዓና ኢልና ንሓስብ፡ ቅድሚ ምጻምናስ ምስ የሕዋትና ምስ መገላግልትና ምዕራቅ ዶ ኣይምሓሸን። ብቅርሕን ተንኮልን መንቅን ውስጥና ሸቲቱ

፡ነንሕድሕድና ክንጻላለም እንዳወዓልና፡ ካብ ዝለዓለ ጳጳስ ክሳዕ ዝተሓተት ምእመን ናይ በዛ መገዲ እዚኣ ገርናስ ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ እንሓስብ ፡እንድሕሪ ሃሊና ኣምላኽ ዝብለና ከምቲ ኣነ ዝቅበሎ ዝሰምዖ ገርኩም ኣይትጸሙን ዘለኹም እዩ ክብለና።እዚ ኩሉ ክፋእ ብኣና ብክርስትያናት እንዳ ተገብረ ናይ ብሓቂ ኣብ ዕሽነት ኣለና ጾምና ኣምላኽ ክቅበሎ፡ ኣብ ጾማን ንስጋን ጥዑም መባልዕን ጥራሕ ተኸልኪልና እቶም ካሊእ ግዜ እንገብሮም ክፋእ ተግባራትና ንሰርሕ ተሊና ተታሊልና ኣለና።ስለዚ ንጾምና ከም ጾም ቅዱሳን ብኹሉ ነሰንዮ። ኣምላኽ ጾምና ክቅበሎ ተደሊና ብ መገዲ ቅዱሳን ብንጽህና ንቅረብ፡የእዳውና ካብ ደም ሰብ ነንጽሃዮ። ጳጳሳት ካህናት ፡ዲያቆናት፡ምእመናን ኣበይ ኣሎ እቲ ኣምሳል ክርስቶስ ዝኾነ ኣብኦም ፓትሪያርኮም  ተባሂልና ኣነ ዶ ሓላዊ ናቱ ነረ እየ እንድህሪ ኢልና ከም ቃየል ዘሕዝን ነገር እዩ። እንታይ ደኣ ብጸኦምን ጾሎትን ስለኦም ኣብ ጸበቦኦም ተሓቢርና ግን በረኸት ንቋደስ።

ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,.።

No comments:

Post a Comment