1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 17 October 2011



  ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲንካስ ንምብትታን ተዋህዶ!!!!!።
ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ጥንታዊትን ሃወርያዊትን ቤተ/ክርስትያን እያ።እዛ ቤተ/ክርስትያን እዚኣ ምሉእ መዋእላ ሰላምን ፍቅርን ዘለዋ መራሕታ ተኻባቢሮምን ተፋቂሮምን ዝነብሩላ ቤተ/ክርስትያን እያ ነይራ።እንተኾነ ሎሚ መልክዓ ንምቅቅያር ዝንቃሳቀሱ ኣይተሳእ ኑን እስከ ንሎሚ ብዘይካ እቲ ንተዋህዶ ምብፍራስ ተዓጢቁ ዘሎ ኣብ ኣውረጳ  ተዓወተ ኣብ ኣፍሪቃ ዲማ ስር ክሰድድ ፍሕኽ ዝብል ዘሎ ግን ኢድ የሱስ ክርስቶስ ከተራኻኽበሉ ዘላ ኮሚኒስታዊ ስነ ሓሳብ ንጸጋም ገዲፍና እቶም ሃይማኖታውያን ዝመስሉ ግን ከኣ ናይ ሃይማኖት ግብሪ ዘይብሎም መንፈስ ርኽሱ ዝሓደሮም ምስ ሩኹሳት መናፍስቲ ክዛረቡ ዝሓድሩ፡ኣብ ምኽዓት ሱሩን ቆጽላ መጽልን ዝዎሉ ሰብ ዛር ከም ማሕበረ ቅዱሳን  ነስተውዕል።
ማሕበር ቅዱሳን ኣብ ኤረትራ  እንተ ደኣ ኣልዩ መጻሕፍቲ ምንዳድ እዩ።ኣብነት እቲ ቀንዲ ዓርኪ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ነበር ደሓር ግን ጨኒቅዎም ካህናት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከስዲዱዎ ምስ ሓለኑ ዝሃደምመ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ዝሰርሕም  ዲያቆን መካነ ገነት ኪዳነ ምህረት ፐራዲሶ ቀንዲ ናይዚ ኹሉ ሽግር ተላኣኣኺ ኮምንስቲ ኮይኑ ዝፍጽምን ዘፈጽምን ነበረ ኣንቲ ተዋህዶ ባእታ እዩ።ኣባላት ማሕበረ ቅዱሳን ካብ ኢትዮጵያ ተሰጊጎም ምስ መጹ ነቶም ኣብ ኤረትራ ዝጸንሑ ካህናት ንኹሎም መናፈቃን እዮም ክብሉ  ሪኢና።ዘስደምም ነገር እዩ።ናይዚ ኹሉ ነገር ድማ እቲ ልዕሊ 5 ሰበይቲ ዘለወኦ ህጂ ዝምነዮ ነብረ ከም ሓሙኹሽቲ በኒኑ ሲኢንዎም ዘሎ ኣብ መካነ ገነት ኺዳነ ምሕረት ዝርከብ መሪጌይታ ኪዳነ ምሕረት ዝረከብ መሪጌይታ ክንፈ ርግብ እዩ።መሪጌይታ ክንፈ ርግብ ኩሉ ትምህርቱ ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዚዘንበለን መኣዛ ኦርተደክሳውነት ዘጥፍእን ጸወረ ወንጌል ባእታ እዩ።
ድሚ እዞም ሰባት እዚኦም ናብ ኤረትራ ምምጸኦም ተዋህዶ ናይ ኤረትራ ሰላም ዝዓሰላ ካህናታን ዲያቆናትን ብምፍቅርን ምትሕልላይን ዝፍለጡ ዘለዉዋ እያ ነይራ እንተ ኾነ ግን ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ተኽላ ብምእታው እንሆ ንተዋህዶ ኣብ ክልተ መቂልዋ።ተመሃሮም ማሕበረ ቅዱሳን ትምህርቶም ኣብ ገለ ገለ ሃገረ ስብከታት ተፈኒፊኑን ተነጺጉን እዩ።እስከ ካብቲ ዝመሃሩዎ ኣብ ኤረትራ ንሕና ኦርተደክሳውያን ብሰለስተ ስላሴ ኢና ንኣምን ምስናይዚ ዲማ ስርዓተ ኣምልኾና ኣብ ኣምላኽ እዩ።ንሶም ግን ኮነይ ኢሎም ሃይማኖት ንምቅያር ነደና ማርያም ከም ራብዓይቲ ስላሴ ኣብ ምስጢረ ስጋዊ የእቲዮማ። ኣቡ ማዕረ ሰለስተ ኣካላት ስላሴ መግለጺ ንምስማዑ ዘሕፍር ትምህርቲ የእትዮምሉ ስለምንታይ ግን ዘይነበረ ምውሳኽ ኣድለየ ስለምንታይ በቲ ዝጸንሐ ዘይንኸይድ እንድሕሪ ኢልካ ድማ ኖ ኣይኮውንን እዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ብሽም ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ክሽቁጡን ከታልሉን ማዕሮ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘይወረደት ኣብ ቅድስተ ስላሴ ቤተ/ክርስትያን ወሪዳ ረኣዩ እንዳ በሉ ከስተምህሩን ተራእዮም።ኣደና ቅድስስተ ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ንጽህትን ቅድስስትን ኢያ ካብ ኣብ ትኣምረ ማርያም እውን ልዕሊ ፍጡራት ትሕቲ ፈጣሪ ተባሂሉ ተገሊጹ ክንሱ ንሶም ግን ማዕረ ፈጣሪ ከስተምህሩን ህዝብና ብኣኣ እንተመጺካዮ እዩ ዝሰምዓካ ብምባል ሃይማኖት ኣናዒቦማ ይርከብ።
ነገር ማሕበረ ቅዱስን ፍልይ ዝበለ እዩ፡ወንጌል ፍጹም ኣይፈትዉዋን።ካብቲ ዘገርም ዘይ ናይ ኣምላኽ ምኽናኦም ዘሪአካ እንተ ኣሎ ዲማ ንስብከታት ብምቁሪራጽ ርኣዩ ክስቶ እዚ ኢሉ ሰቢኩ እንዳ በለኡ እንኮላይ ነታ ተወለዱላ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ምህዋኽን እንሀዉ ናይ ኤረትራ ምፍራስ ምስ ረኣዩ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ/ክርስትያን ምፍራስ ኢደይ ኢድካ ኣብ ምባል ይርከቡ።እዞም ብቅንእን ሰጠናዊ ስራሕን ተላዒሎም  ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ካብቲ ናይዚ ዓመት እዚ ሒዘሞ ዘለዉ ኣጃንዳ ነቶም ህቡባት ሰበኽቲ ዝበሃሉ ኣብ ኢትዮጵያ ከም መጋበ ሓዲስ ዲያቆን በጋሻውን፡ዘማሪት ምርትነሽ፡ዘማሪ ን ናይ ብዙሓት ሽም ኣብ ምጥፋእ ይርከቡ።ካብቲ ዘገርም ክንደይ ሰባት ካብኦም ህዝቢ ንምትላል ኣብ ፈስ ቡኽ ንሱ መሲሎም ከም ዝቀየረ ሃይማኖቱ ተመሲሎም ኣብ ምትላል ይርከቡ ግን ስለምንታይ እዚ ኹሉ።ሓደ ሃይማኖታውስ እዚ ኹሉ ነገር ይገብር ዶ።ስለምንታይ እንድህሪ ኢልካዮም መጽሓፍ ቅዱስ ክስበኽ የብሉን እዩ እቲ ዕላማኦም ክስበኽ እንድሕሪ ኮይኑ ኸኣ ትኽ ንትኽ ዘይኮነስ ሓናፊጽካ ምስ ካሎት ኢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጻሕፍቲ ክመሃር ኣለዎ ይብሉ።
ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን በዞም ሰባት እዚኦም መንደዲት መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂላ።ሰጓጊት ተባሂላ፡በላዒት ደቃ ተባሂላ።ግን ቤተ/ክርስትያና ዘይኮነት ገይራቶስ እዞም ብድሕሪት ከም ስኒ ዝበቆሉ ዎይጦት ዲያብሎስ ደኣ ገበሩዎ።ማሐበር ቅዱሳን ኣብ ኤረትራ ካብ መንግስቲ ኤረትራ እንዳ ተመርሐ ዝገበሮ ኣገልግሎት ኣብ ምፍራስ ቤተ/ክርስትያን መቅጸሪ የብሉን ግን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ኩሉ ክቃላዕ እዩ።ካብቲ ዝገበሩዎ ድማ ካህናት ኦርተደክስ ተዋህዶ ኤረትራ ከም ዘይታኣማመኑን ከም ዝጣራጠሩን ገይሮም። እንሄዉ ድማ ኣብ ፈቀዱኡ ንኹሎም መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰብኩን ብፍላይ ነቶም በላሕቲ ዝበሃሉ ኣብ ምጥቃዕ ተሃድሶ እዩ እንዳበሉ ኣብ ምጽላም ካህናት ይርከቡ።ግን ተሃዲሶ ኣሎ ድዩ። እንድሕሪ ኢልና ዋእ የለን ዝብል ኢና ንረክብ ክሳዕ ህጂ ዛጊት ኣብ ዓለም ተሃድሶ ዝበሃል ማህበር ኣይረኣናን ዘለና ግን ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ይብሉ እንድሕሪ ኢልና ፡በንጠ እዩ ክብሉ ንሓደ ሰብ ሰብ ማሕቢሉ ስለ ዘሎ ዋእ በንጠዶ ከምዚ እዩ ኣማላጅነትዶ ይኣምን እዩ ኢሉ ሰብ ከይነጽጎ ሓሳቦም  ነዚ ብስርዓት መንግስተ ኤረትራ ኣብ ኣስመራ ተማህዘ ስም ንሶም ቅድሕ ኣቢሎም እንኮላይ ኣብ ኢትዮ ኣለዉና ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ።ካብቲ  ዘገርም ሓበሬታ ድማ ከም ዝመጸና  መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዕግርግር ንምፍጣር  በኣሸሓት ገንዘብ ከም ዝስልዓሎ እዩ ዚዝረብ፡ሓቁ እዩ ኸኣ ማሕበረ ቅዱሳን ኣብ ኤረትራ ኣፍሪሶምሉ እዮም ኣብ ኢትዮጵያ ግን ክንዕዘብ ኢና እቲ ውጽኢት።
ንተ በቲ እንተ በቲ ግን መገዲ ማሕበረ ቅዱሳን መገዲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ከም ዘይኮነ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዉ።ወረ ኣንቲ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስትያናት እዮም።ህጂ ዘሕትምዎም ዘለዉ መጻሕፍቲ ትኤሎጂ ኢሎም ኣዳሊዮሞ ዘለዉን ዘዳሉዉዎ ዘለዉንሲ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ክፍለ ኣይኽእልን።ከምዚ ተኾይኑ ህዝቢ ነዞም ሰባት ተሲዕብዎም ሃይማኖት ኣብ ክልተ ክምቀል እዩ።ስለዚ ደቂ ተዋህዶ ክጽልዩ ይግባእ።እወ ኣብ ጸሎት ክጽመዱ ይግባኦም።ኩሉ ዝስሕቀካ ፈታዊኻ ኣይኮነን ኩሉ ዘብለጭልጭ ከኣ ወርቂ ኣይኮነን ከም ዝበሃል ጻዕዳ ነጸላ ዝተኸድነ ኹሉ ክእመን ኣይግበኦን።
                                 እግዚኣብሄር ሃይማኖትና የጽንዕ’
                                               ለቱ ስብሓት

No comments:

Post a Comment