1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 17 October 2011


         ስእሊ ስላሴ ተባሂሉ ዘሎስ  ብሓቂዶ
           ንስላሴ ይገልጽ እዩ?  
ከም ዝፍለጥ ፈጣሪ ዅሉ ዝኾነ ቅዱስ እግዚአብሔር ብኣምላኽነቱ ዘይረአን ዘይድህሰስን ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፈቲ የረድኡ(ዮሓ 424) እግዚአብሔር መንፈስ እዩ እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብሓቅን ብመንፈስን ክሰግድሉ ይግባእ።ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ነቲ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ ብምኽታል እግዚአብሔር ረቂቅ(መንፈስ) ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ""ጐይታስ መንፈስ እዩ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘሎ ሓርነት ኣሎ ይብል(2ቆሮ 317) በዚ መሠረት እቶም ኵሉ ጊዜ ብዘይ ምቁራጽ ንእግዚአብሔር ዘገልግሉ ቅዱሳን መላእክቲ ውን ረቀቕቲ መናፍስቲ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና፣ መዝ 103(104)4 ሕቶ።-ቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ እግዚአብሔር ረቂቕ እንተደኣ ኮይኑ መላእክቲውን ረቀቕቲ መናፍስቲ እንተደኣ ኮይኖም ንእግዚአብሔር ኮነ ንመላእኽቲ ከመይ ኢልና ብሥእሊ ክንገልጾም ንኽእል፨ እግዚአብሔር እዚ ይመስል መላእክቲ ውን ነዚ ይመስሉ ኢልና ብስእሊ ከነቕርቦምከ ይግባእዶ፧ መልሲ።- ብርግጽ ንእግዚአብሔር ብባህሪኡ ወይ ብእምላኽነቱ(ብመለኮቱ) ሲኢልካ ወይ ገሊጽካ ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን መኽንያቱ ጐይታ ሰማይን ብምድርን ምሉእ ንዝኾነ ጐይታ ኃዲጎም ሥእሊ እናሰኣሉ ቅርጺ እናቐረጹ ኣማልኽቲ እዮም እናበሉ ንጣዖታት ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብትሪ ተነቒፎም እዮም፣ (ዘፀ።-201-6)"ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ባርነት ዘውፃእኩኻ ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ እየ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይተምልኽ፣ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ ምስልን ሥእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ ይብል ቃል ኣምላኽ ንሕና ኸ ንኣሳኣል ብኸመይ ንሪኦም እንድሕሪ ኢልካ ይኹን እምበር ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ንዝኾኑ ቅዱስን መላእኽቲ ብሥእሊ ኣዳሊኻ ንኣመንቲ ምቕራብ ፍቑድ ከም ዝኾነ ካብቲ ባዕሉ ዘፍቀደ እግዚአብሔር ኣብ መጽሓፈ ነገሥት ተኣዚዙ ንረኽቦ ኢና፣ እዚ ድማ ነቢይ ሙሴን ንጉሥ ሰሎሞንን ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ንዝኾኑ ኪሩቤል ብወርቂ ቀሪጾም ኣብ ልዕሊ መኽደኒ እቲ መኅደሪ መለኮት ዝኾነ ታቦት ከቐምጥዎ ኣዚዝዎም ምንባሩ ከምኡ ከም ዝገባሩን ይፍለጥ፣ (ዘፅ።- 2518)(1ነገ87) ስለዚ ከምቲ ወርሒ ብከዋኽብቲ ተዓጂባ ክትበርህ ከላ ኣዚያ እትደምቕ ከምቲ ሞሮር ብዕንባባ ተሸፊኑ ማዕሪጉ ዝረአ ቤተክርስቲያን ድማ ብዝተፈላለዩ ኣሣእል ቅዱሳን መላእክት ጻድቃን ካልኦት ቅዱሳን ደሚቓን ወቂባን ክትረአ ከላን ብርግጽ መንበርን ዝፋንን ናይ እግዚአብሔር ምዃና ብዝበለጸ ንምርዳእ ሓጋዚ ይኸውን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ዝርከቡ ዓበይቲ ጥቕምታት እቲ ብዝግባእ ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝኽተል ኣማኒ ኵሉ ካብ ቅዱስት ኣሳእል ክልተዓበይቲ ጥቅምታት ትረክብ። ንሳቶም ድማ ረድኤትን ትምህርትን እዮም፣ 1.ብመልክዕ ሥእሊ ዝቐርብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ንኽትርድኦ ቀሊልን ኣብ ሓንጐል ዝሰርጽን እዩ፣ ኣብ ካልኣይን ሣልሳይን ምዕራፋት ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ታሪኽ ኣዳምን ሔዋንን ከመይ ኢሎም ከም ዝተፈጥሩን ከመይ ኢሎም ብተመን ከምዝሰሓቱን ብመልክዕ ሥእሊ ክርአ ከሎ ዝያዳ ንጹር ኮይኑ ንዝኾነ ሰብ ክርድኦ ይኽእል እዩ፣ ኣብርሃም ንይስሐቅ ወዱ ንእግዚአብሔር ክሥዉኣሉ ከሎ እግዚአብሔር ከኣ ንመሥዋዕቲ ዝኸውን በጊዕ ክቕርበሉ ከሎ ብመልክዕ ሥእሊ ምስ እንዕዘብ ኣቦንነት ኣብርሃምን ንተኣዛዝነት ይስሐቅን ብቐሊሉ ትርዳእ፣ ስለዚ ንዅሉ ታሪኽ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ። ጥምቀቱ። ስቅለቱ።ትንሣኤኡ። ዕርገቱ ብሥእሊ ኣዳሊኻ ንምእመናን ምቕራብ ማለት ንወንጌል ምምሃርን ምስፋሕን ማለት'ዩ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ንሰብ ገላትያ ክግሥጾም ከሎ ""ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ ቀደም ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ከም ስቑል ኮይኑ ተሣኢሉ ነበረ""ገላ31

ንኣብነት ቤተ/ክርስትያን ነቲ ብዛዕባ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ከም ዘውዲ ዝደፍአትን ንግስቲ ዘመልክት ኣብ ርእሳ ዘውድዲ ዝደፍአት ገይሩ ንዝገልጽ ስእሊኦ ትድግፎን ትሰርሓሉን፡ቤተ/ክርስትያን ነቲ ሰብ ዝመስል ዝተሰቅለሉ ክትርኢ ከለኻ ኣቅለት ክርስቶስ ስለ ዘመልክት ትቅበሎ ሰጣን ብሰፍ ገይሩ ረጊጹ ዝወግእ ክንርኢ ድማ ሓይሊ ቅዱስ ሚካኤል ንግንዘብ።ስእሊ ኣብ ፈረስ ተወጠሐ ክንርኢ ድማ ቅዱስ ጀወርግስ ንዕዘብ። ስለዚ እንጥቀመሎም ኣሳእል መግለጺ ናይቲ ንኣምነሉን ንውከለሉን  ነገራትና እዩ።ኣብዚ ቀረባ እውን ግን ሓደ ስእሊ ናይ ስላሴ ኣብ ግዘ ጎንደር ክፍለ ሃገር ዝተሳእለ ኣሎ እዚ ብሓቂ ናይ ጣኦት ስእሊ እዩ።ስለምንታይ እንድሕሪ ኢልና ቆልዓ ዝሓቆፎትን ስእሊ ዘለዋ ክንዝክር ከለናን ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ትነጸና እዚ ናይ ስለስተ ኣረጋውያን ሰባት ኣሳኣል ሰባት ማዕረ ዝኾኑ  ክንርኢ ከለና ኸ እንታይ  ንዝክር ንዝብል ዋላ ሓንቲ ዝብል ኢና መልሲ ንረክብ።

ኣብ ቤተ/ክርስትያን ንስላሴ ከም ጸሓይ ከም ዝምሰሉ ኣብቲ ቀደም እውን ብንሽቶና ከለና ኸማን ዝተመሃርናዮ ናይ ንእስነት ዕድመና ስላሴ ንጸሓይ ይመስሉ ንብል።እዚ ክንብል ከለና ሓደ ጠርናፊ  ማለት ከም ጸሓይ ዝምሰል ደኣ እንበር ሰለስተ ሰብኣይ  ተፋላለዩ ኣይኮነን።ብሓቂ ቤተ/ክርስትያን ሓበሻ ድሕሪ ንጉስ ዘርኣያዕቆብ ብዙሕ ካብ የሕዋታ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርተደክስ ተዋህዶ ዝተፈልየ ነገራት ብዘይ ፍቃዳ ብተፋላለዩ ምሁራት ተኣታትዩ እዩ።ኣብነት ድማ ኣዛ ስእሊ እዚኣ ናይ ዓለም ምሉእ ኦርተደክስ ኣብያተ ክርስትያናት ነዚ ስእሊ እዚ የውግዘኦ እየን ኣብነት ነቲ ስእሊ ሒዝኩም ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ቤተ/ክርስትያን ካሊእ ሃገር ከድኩም ኣዚ ስእሊ ስላሴ ድዩ ኢልኩም እንድሕሪ ሓቲትኩም ኖ ደርብዮ ስላሴ ነዚ ኣይመስሉን እዮም ዝብሉኻ።

ካብቲ ዘገርም ነገር መንፈስ ቅዱስ ረቂቅ ምኻኑ እያ ትምህር ቤተ/ክርስትያና ኣብዚ ስእሊ ተገይሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ግን ርእሱ ዝኸኣለ ሰብኣይ እዩ ተሳኢሉ ዘሎ ማዕረ ወልድ ማለት እዩ።ኣብ ቤተ/ክርስትያና ኣብ ልቦም መንፈስ ቅዱስ እንስትንፋሶም ወልድ ቃሎም  ይብል ኣብዚ ስእሊ እዚ ተሳኢሎም ዘለዉ ሰብኡት ግን ነናይ ገዛእ ርእሶም  ዘለዎም ሰለስተ ጨሓማት ኣሰብኡት እዮም ተሳኢሎም ዘለዉ ።እዚ ብሓቂ ንኣምላኽ ምጽራፍን ምውራድን እዩ።ነዚ ድማ እዩ ኣብ ቃል ኣምላኽ  ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።

ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።፳፪፡፳፫ - ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።፳፬፡፳፭ - ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ - ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ - ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም።መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ1 ፡20-25። ስለዚ  ብመጀመርታ ንምስሊ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብ  ምልዋጥ  ናይ ጌይጋ ገይጋ እዩ።ኣምላኽ ን ኣብርሃም ከም ስለስተ ኣካል ኮይኑ ህልውናኡ ተገሊጽሉ እዩ ተገሊጽሉ ደኣ እዩ እንበር ኣብርሃምሲ ን ኣብርሃም ኣይረኣዮን።እወ ቃል ኣምላኽ እውን ሓደ እኳ ንኣምላኽ ሓደ እኳዝረኣዮ የለን እቲ ብስጋ ዝተገልጸ ወዱ ግን ኣግሃዶ እዩ ዝብል።ካሊእ ኣቦና ኣብርሃም እግዚኣብሄር ህልውናኡ ደኣሉ ዝተገለጸሉ እንበር ኣይረኣዮን እንተዝሪኦ ነሩ ግን ምሞተ ነይሩ።ሙሴ ሓደ ግዜ ንኣምላኽ ክብርኻ ኣራየኒ እሞ በሎ እሞ ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ክብል መለሰሉ ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ።ዘጸ 33፡20። እሞ ኸኣ ሙሴ ገጽ ኣምላኽ ክርኢ ኣይከኣለን ።እቲ ኮነ ኣቲ ግን ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ንስላሴ ከም ጸሓይ ኢያ ትምስሎም ኣብ ጸሓይ ድማ ኣቲ ኽበባ እቲ ሙቆታ እቲ ብርሃና።ሙቆታ ከም መንፈስ ቅዱስ፡ብርሃና ከም ክርስቶስ፡ክበባ ድማ ከም ኣብ ትምስሎ እዚ ይብል ኣብ ምስጢረ ስላሴ እንተ ኾነ እዚ ንሪኦ ዘለና ስእሊ ፍጹም ምስኡ ዝተሓሃዝ የብሉን።ስለዚ ን ክርስቶስ ስኢልካ ከተቅርቦ ብስጋ ስለ ተገልጸ  ሓቃዊ እዩ።ን ስላሴ ግን እዚ ድሕሪ  ዘርኣ ያዕቆብ  ዝተሳኣለ ስእሊ ፍጹም ኣይውክል ናይ ኦርየናት ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ኣይቅበለኦን።ንሰን ጥራሕ ዘይኮናስ ፈለማ ኣዚ ስእሊ እዚ ክሰኣል ከሎ ዝነበሩ መነኮሳት ከም ኣባ ጰጥሮስ ናይ ቅድስተ ስላሴ ናይ ኮለጅ ኣስተዳራሪ ዝነበሩ ህጂ ኣብ ስሜን ኣመሪካ ጳጳስ ዘለዉ ኣቡነ መቃርዮስ ተቃዊሞሞ እዮም ምስቲ ዝነበረ ሽግር መግዝእትን ጸገም ናይ ቤተ/ክርስትያንን ግን ክቅጽል ጸኒሑ ህጂ ግን ነዚ ምጥቃም ከም ዕሽነትን ካሊእ ኦርተደክስ ምፍታርን እዩ።ከም ኦርተደክሳውያን መጠን ካብ ኩለን ኦርተደክሳውያን ፍልይ ዝበለ ክንኣምን የብልናን ከምኡ ኣንድሕሪ ኮይኑ ድማ ኦርተደክስ ኣይኮናን ማለት እዩ።ኦርተደክስ እንድሕሪ ዘይኮና ድማ ካሊኣ ሽም ምሃዝ ኣለና።

ተዘየለ ኸኣ ከም ኩለን ኦርተደክሳውያን  ምእማንን ምጽላይን ምኻድን ኣለና ዓለምና ሎሚ ከም ቀደም ኣይኮነትን እትገሮን እትጥቀመሉን ኣብ ኩሉ ይዝርጋሕ ኩሉ ኸኣ የንቢቦ ከምዚ ኣንድህሪ ቀጺልንና እውን እተን ኦርተደክስ ተባሂለን ዝጽወዓ ኣብያተ ክርስትያናት ከባሪራና ከም ዝኽእላ ክንፈልጥ ይግባእ።ስለዚ ንኣምን ብሓደ ኣምላኽ ግን ከ ኣብቲ ሓደ ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት።ኢልንና ደኣ ንኣምን እንበር ንኣምን ብሰለስተ ኣምላክ ኣብቲ ሰለስተ ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ኢልናስ ኣይንኣምንን።ስለዚ ብስምዒት ዘይኮነስ ብርዲኢት ክንከይድን ክንምህርን ኣለና።ተዘየለ ዝስዕበና ኣውን ኣይክርከብን እዩ።ብፍላይ ኣንካ ከምዚ ንሪኦ ዘለና ንስኻ ዘይበጻሕካዮ ትምህርቲ ንዝመሃረ መናፍቅ ከሓዲ እንዳ በልካ ጸርፍን ፍርድን ምልክት ሓቂ ዘይምህላውን ስዕረትን እዩ።ሎሚ እንዳ ታለልካ እትነብረሉ ዘበን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሎሚ ሓቂ ሒዝካ እትኸደሉ እዩ።ስለዚ ብሓቅን ብቅንዕናን ልክዕ ከም ናይ ግብጺ ቤተ/ክርስትያን ክንከይድ ኣለና እቲ ተዋህዶ እውን ካብኦም ስለ ዝመጸ ።መስራቲ ተዋህዶስ ቅዱስ ደስቆሮስ ግብጻዊ እዩኖ።እንተኾነ ኣብ ተፋላለየ መገዲታት ካብ እታ ኣደና ዝኮነ ግብጻዊት ቤተ/ክርስትያን ዝተፈልየ ትምህርቲ ክንምህርን ክንከይድ ብምርካብን ብሓቂ ምልክት ዘይምጽናዕና እዩ።
እግዚኣብሄር ሃይማኖትና ሃይማኖተ ኣቦው ይሓሉን መፍረስታ  የርሕቅን
                               ለቱ ስብሓት።
         ብተወሳኺ ሕቶ ወይ ሪኢቶ ዘለዎ ክትሰዱልና ብትሕትና ንሓትት።


No comments:

Post a Comment