1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 18 November 2011

2ይ ክፋል ውዲታታ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን!!!!።

2ይ ክፋል ውዲታታ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን!!!!።
ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ። ዓወት  ፍረዝጊ ኣብ ካሊፎርኒያ ሕቡራት መንግስቲታት ኣመሪካ ዚነብር ኮይኑ ዲቁና የብሉ ዋላ ክህነት  ኣብ ደስ ዝበሎ ይዕንድር ነሩ፡ን ተዋህዶ ውሽጣ ንምብልሻውን ኣብ ኣገልገልታ ምትእምማን ከም ዝሰኣንን ንምግባር ዝተመዘዘ ሰብ እዩ።እዚ ሰብ እዚ ነዚ እኩይ ስራሕ ንምፍጻም ዲማ እዩ። ገጹ ሓቢኡን መኣዶተ ተዋህዶ ዝብል ወብ ሳይት ብምኽፋት ስርሑ ዝጀመረ።ዓወት ናይ ህግድፍ ልኡኽ ን ኤረትራ ረቢሹስ ን ኢትዮጵያ ንምርባሽ ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ኢትዮጵያ  ንምንዋጽ ምስ ቅንጅት እንዳ ተራኸበን ምስ ገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ማሕበራት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንዳ ተራኸበን ን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕማስ ን ቤተ.ክርስትያን ዘሕጉል ዘሎ  ምስ በዓል ሶፍያ ዝውዕል ኣብ ኢምባሲ ኤረትራ ኣብ ኣመሪካ እንዳ ኸደ ሰልያዊ ስራህ ዘካይድ ውልቀ ሰብ እዩ።ዘገርም ነገር ግን እዚ ኣይ ካህን ኣይ ዲያቆን ዝኾነ ዓወት ስለምንታይ ኮን ይኸውን ክሳዕ ክንድዚ ኣተኪሩ ክሰርሕ ዘገደዶን ኣብ ልዕሊ ሊቃውንቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ክለዓል ዘገበሮን እንታይ ኮን ይኸውን። ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ዝኾነ  ቀረባ ዘመድ ይፍታሀን ምስኡ ዝመክር ዓወት በየናይ ሓልፍነት እዩ ኣብ  ነዚ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ክወስድ ኪኢሉ ዘሎ።
ዓወት ስርሑ ጽቡቅ ሰሊጡሉ እዩ ካብ እቶም ዘዋፍሩዎ እውን ከም ተናእደ ይዝረብ ።ብሓቂ ድማ እዩ ምስቲ ባዕሉ ዲያቆን እየ ዝብለና ዘሎ ሽሞንድን ምስቲ ንሓደ ሻዕ መነኮስ ንሓደ ሻዕ ከኣ ዲያቆን ዝኸውን ሳሙኤል ኣርኣያን ኮይኑ ምስቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣባላቱ ብ ቪዶ ቀዲሑ ናብ ሃገራዊ ድነት ዝልእኽ ምስ ማሕበር ማርያም ብላተ እንዳ ተራኸበ ኣጸያፍን ኣስቀያምን ስራህ ዘካይድ ዘሎ ሰብ እዩ።ብ ዓይኒ ዓወት ኩሉ ን መንግስቲ ኤረትራ ዝቃወም ዝኾነ መናፍቅ እዩ።ንእኡ  ዘገድሶ ነቲ ተመዘዘሉ ፖሎቲካዊ ዕላማ ምውቃዕ ደኣ እንበር ሃይማኖታዊ ኣይኮነን።
ምስኡ ዝተሓባበር ዘሎ ድማ ሳሜል  ኣርኣያ እዩ።ሳሜል ኣብ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ዘደንቅ ድራማ  ዚሰርሕ ዘሎ ሰብ እዩ። ሳምኤል  ኣርኣያ ኣብ ኤረትራ ኣብ ዝነበረሉ መንኪሰ ኢሉ ኣባ ተስፋማርያም እንዳ ተባህለ ዝጽዋዕ ነበረ  ንፍንትኡ ዝነብር ኢዩ።ሳሚኤል መንኪሰ እየ ኢሉ ተተስኪሩ ግን ኢትዮጵያ ተኸደስ ንኽህነት እውን ዓዲ እንተ ቀየረ ክቅይሮ እዩ መሪጹ።ኣባ ተስፋማርያም ኣብ ኤረትራ ኣብ ኣምመሪካ ዲያቆን  ሳሜል እንዳበለ ዝጽዋዕ ዘሎ ሳምኤል ን ዕኡ ረብሓ ስለ ዝኾነ ቀዳማይ ነታ ዝተዋህባ ምንኩስና ተሓሲሙ።ግምጥል ኢሉ ኸኣ ምስጢረ ተኽሊል ካብቶም ዘይድገሙ ምስጢራት ክንሱ ካልኣይ መዓርገ ዲቁና ዝተሸመ ህጂ ኸኣ መዝሙር ኣውጺኡ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ዘሎ። ሳሚኤል  ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኻህናት ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ኣብ ምኽሳስን ክሳዕ ን ኤረትራውያን ኻህናት ኦርተደክስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቅ ዝሰርሕ ነበረ።ተልእኸኡ ኣብ ኢትዮጵያ ከሎ ዝጀመረ ሰብ እዩ።ሳምኤል  ኣርኣያ ካመራ ካብ ኢዮብ ዝተባህለ ዓርኩ ብ 50 ቅርሺ ንግዝየኡ  ብምውሳድ ፎቶ ብምልዓል እዚኦም ን ካተሊካውያን ቀቢሮም ኢሉ ን ኤርትራውያን ካህናት ኣብ ስደቶም ዘካላበተን፡ ዘጋፈዐን  ፍጹም ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሉን
ውልቀ ሰብ እዩ።ግን ስለምንታይ እዩ ክሳዕ ካመራ ገንዘብ ከፊሉ ነቶም ኤረትራውያን ካህናት ኣብ ስደቶም ከጋፍዕን ዝመረጸ?????።እዞም ምምስ ማሕበር ብላተ እንዳተራኸቡ ዘይግብበር  ዝገብሩ ሰባት ዛጊት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ጸለይትን ሃይማኖታውያንን ኮይኖም ብምቅራብ ንሰብ ዘታልሉን እዮም።እዞም ን ተዋህዶ ንምፍራስን ን ሊቃውንታ ንምውራድን ዝተበገሱ  ሰባት ታሪኾምን ስርሖምን እዚ ክንሱስ ኣብ ሎሚ በጺሖም ኣብ ቤተ/ክርስትያን ክከተኩሩ ዝገበሮን ጉዳይሲ ሱሳ ኣላታ።ምስዚም ሰባት እዚኦም ኣብ ምጥፋእ ሽም ቤተ።ክህነት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ከም ዲያቆን ኣሽመላሽ ድማ ።ትማሊ ኣብ ደብሪ ኮይኖም ብ 30.000 ሽሕ ንሰብ ዘስግሩ ነበሩ ን ቤት/ኣምላኽ ናብ ቤት ንግዲ ዝቀየሩ ገንዘብ ዝኣምላኾም ሰባት እዮም።ዲያቆን ኣሽመላሽ ኣብቲ ምስ ኣባ እመሃ ዝነበረሉ ቅዱስ ኣቦና ኣባ እመሃ ወንጌል ይሰብኩ ንሱ ኸኣ ጽድቂ ይሰርሕ ኣለኹ እንዳበለ ናይ ቤተ/ክርስትያን ጉልባብ ገይሩ ኣብ ስግረ ዶብ ዝዋሳእ ዝነበረ ሰብ እዩ። እሞ ኸ ታሪኽ ዶ ደኣ ክደግማ ደልዩ። ህጂ እውን ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ኮንካ ናይ ብዝነስ ስራሕ ዝተተሓሓዞ እዩ ዝመስ።ብተወሳኪ ንሕና ክሳዕ ህጂ ዶኮምንቲ ኣብ ኢድና ኣትዩ ከም ዘሎ።ክሳዕ ኣብ ተፋላለየ ናይ ዝሙት ዝነበሩ ሰባት ከም ዝኾኑ ነዚ ዝገብሩዎ ዘለዉን  ነዚ ምዕግርጋርን ረበሻን ዝገብሩ ዘለዉ ኸኣ  ቤተ/ክርስትያን ሰላም ተረኺባ ግብሮም ከየግሕፎም ስለ ዝፈርሑ እዩ።ብሓቂ ድማ ከምዚ ኢሉ ኩሉ ኣይክቅጽልን እዩ። ጋና ድማ ስርሖም በቢ ሓደ ኪቃላዕ ምኻኑ ነፍልጥ።

                                             ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,።

                                           ዘብሀረ ዲያቆናት።

                              

No comments:

Post a Comment