1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 19 October 2011



ስለምንታይ ን ረብሓ!!! መሸጣ ቤተ/ክርስትያን!!!??።
ኣብዚ ዘለናዮ ሰዓትን ዕለትን መቸስ ብዙሕ ንርኢን ንሰምዕን ኣለና። ዘገርም ግን እቲ ነገር ኣብ ውሽጢ ቤተ/ክርስትያን ምኻኑ እዩ።ቤተ/ክርስትያን ሕግን ስርዓትን ኣለዋ ። ቤተ/ክርስትያን ርእሱ ዝኸኣለ መምርሕን መካየድን መገዲ ኣለዋ።እንተኾነ ነዛ ብሕግን ስርዓትን እትምራሕ ቤተ/ክርስትያን እወ ነዛ ብሰማያዊ ብ ኣምላኻዊ ሕጊ እትምራሕ ቤተ/ክርስትያን  መኣዝኣ ዘጥፍኡን  መልክዓ ዘባላሽዉን። ናብ ዓለማዊት ማእከል ፖለቲካ ዝቅይሩን ገለ ከም ይሁዳ ብረብሓ መምህሮም ዝሸጡ ኣይተሳእኑን።
ካብቲ ዘገርም እዞም ብ ገንዘብ ዓይኖም ዝዓወረ ሰባት ካብ ዝገብሩዎ ዘለዉ ድማ ን ኦርተደክስ ተዋህዶ ከይትሰምርን ህዝባን ኣገልገልታን ከይሰምሩን  ከይተኣማመኑ ከም ዝነብሩ ንምግባር ኣብ ውሽቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ን ገለ ኣገልገልቲ ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ ቀሳር ንቀሳር ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ዝበሉ ዝግበር ዘሎ ናይ ጸለመን ናይ ጠቀነን ወፍሪ ኣምላኽ ክሳዕ ዘራኻኽበሎም ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤረትራ ኦርተደክስ ብሓቂ ናይ ሃይማኖት ሽግር ዘለዎም መራሕቲ ኣለዉ ድዮም።ስለምንታይ ከ እንድሕሪ ሃልዮም ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ጸዊዕካ  ነቲ ዝኽሕደሉ ድዩ ይቅይረሉ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቅሪብካ ውሳነ ዘይወሃብ።ክሳዕ ህጂ ከም ንዕዘቦ ዘለና  ድማ እቶም ኣስማቶም ዝጽልም ዘሎ  ውሉደ ክህነት ዋላ ብሓንቲ ነጥቢ ትኹን እኳ ተኸሲሶም ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ቀሪቦም ኣይፈልጡን።ኣብ ዓለማውያን እኳ ን ሓደ ፖለቲካዊ እቲ ዘሎ መንግስቲ እዚ ከምዚ ዝበለ እዩ እንድሕሪ ኢሉ እቲ መንግስቲ ዋእ ኣብ ፍርዲ ይጻእ ጉዳዩ ብናጻ ቤትፍርዲ ይረአ እዩ ዝበሃል ስለምንታይ ግን እዞም ኣሽማቶም ዝጽልም ዘሎ ሰባት ገበነኛታት እንድሕሪ ደኣ ኾይኖም ኣብ ጉባኤ ቀሪቦም ጉብኦም ዘይወስዱ።

እቶም ነዚ ዘሳልጡን ዝገብሩን ነበሩ ካብ እንግሊዝ ክሳዕ  ካናዳ እቶም ቅንጣብ ብዛዕባ ሃይማኖት ሕማም ዘይብሎም  ብ ፖለቲካ ዝሓመሙ ኣብ  ጀነቫ ከይዶም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ክብሉ ዝወዓሉ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናቶም ክንዲ ስብከተ ወንጌል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ን ኤረትራ ምእጓዱ ዉጉዝ እዩ  ዝበሉ::ፖለቲካ ሃይማኖቱን ፍልልዩ ዘይርደኦም ሃይማኖቶም ዝኸብዶም እዮም ።እስከ ኣብ ቲ ንኣምላኽ ገዲፎም ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝኸዱሉ መዓልቲ ዝተሳእልዎ ስእሊ ሓንቲ ወስ ክንብለኩም ረኣይዎም።ግን ስለምንታይ እዮም ከምዚ መሪጾም ብሓቂ ኸ ሓለይቲ ናይዛ ቤተ/ክርስትያን ድዮም። ብሓቂ ኣዕምቅ ኣቢልካ ክትሓስቦ ከለካ ዘስደድምም እዩ።ከም ወዮ ሰበይቲ ከምዚ ምስ ረኸበት ኣብዚ ከኣ እንሆለ መኣምም ዝበለት መኣምም እዩ።ከም ወዮ ቃል ኣምላኽ ልቢቶም ገርሀኛታት የስሕቱ ዝበሎ።ሓቆም እዮም ከኣ ጥራሕ ቢ በላ ቤሎው ጸሊሙ ዘሎ ኣስማት እዚ ኢልካ ኣይቁጸርን እንሆ ድማ መሳኽን መንእሰያት ደቂ ተዋህዶ ኣየናይ እዩ እቲ ሓቀኛ ጠፊእዎም እዚ እንተበሉ እዝስ ከምዚ እዚኸ እንተተባህለስ ከምዚ ኮይኑ ኣንቱም ሰብ ወረ ናበይ ሃይማኖት ክንከይድ ዋእ ኣንታ ኣምላኽ ብሓንሳእ ዘይትግምጥለና ወይ ተኣምር ዘይትህብበና ዝብሉ ብዙሓት እዮም።ግን ሓልዮት ዶ ዋላስ ካሊእ ተልእኾ።  ሽግር ተልዩ ክንዲ ብሕጊ ምሕታት ወይ ብሕጊ ቤተ/ክርስትያን ምኻድ ኣብ ሓሸውየ ናይ ጸለመ መገዲ ምጽማድ::
ብሓቂ ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ፍጹም ሽግር የለን እንተ ዝህሉ ።ብሕጊ ቤተ/ክርስትያን ሰብ ምተሓተተ ነይሩ።ማለት ቀዳሞት ኣቦታትና ኦርተደክሳውያን  ኣብ ቤተ/ክርስትያን ሽግር ከጓንፍ ከሎ ወይ ዝኾነ ከሓዲ ከጓንፍ ከሎ  ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቅሪቦም እመን ክሓድ ይበሃል እሞ ኣይኣምንን እንድሕሪ ኢሉ ይውገዝ ካብኡ ድማ መናፍቅ እንዳበልካ ወይ ከሓድቲ እንዳበልካ ዝኸሓዱዎ ትምህርቲ እንዳ ኣምጻእካ ክስቶ በዚ ዓይነት ትምህርቲ  ተወጊዙ እንዳበልካ ይመሃርን ይዝረብን።እዚ ንሪኦ ዘለና ግን ብሓቂ  ካብናይ ኣልቃዒዳ ኣካይዳ ዘይፍለ ናይ ሽበራ  ኣካይዳ ጥራሕ እዩ።ስለምንታይ ግን ከምዚ ፡ ን ሓደ ብህዝቢ ተፈታውነት ዘጥረየ ወይ ድማ ቁሩብ ሕይል ዝበለ በንጢጡ እንድዩ።ጅሆቫ ኮይኑ፡ከኒሹ፡ ህጂ ኸኣ ተሃድሶ ኮይኑ እንዳበልካ ዝግበር ዘሎ ጸለመ ህዝቢ ከስተዎለሉ ኣለዎ።ገይጋ ዘለዎ ሰብ ስለምንታይ እስከ ኣብ ሲኖዶስ ዘይክሰስ ዶ ዋላስ ብሕቡእ ምጥቃዕ ስለዝለመድ እንድሕሪ ጉባኤ ተጸዊዑስ ናይ ካልኦት ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት እንድሕሪ መጾም እታ ጉድጓድ ንሕና ክንኣትዋ ኢና ኢሎም እዮም።እቶም ዝስዕብዎምን ንሳቶም ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎምን እውን መሳኺን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም ትማሊ ዱሩየ ነበሩ ክሳዕ ህጂ ካብ ተፋላለየ ወልፍታት ዘይተላቀቁ እዮም። ኣብ ታሪኽ መቸስ ገበነኛን መታለልን  ጥራሕ እዩ ሕጊ ዝፈርሕ  ።መጽሓፍና እውን ክፉእ ዝግብሩ ኣብ ብርሃን ኣይወጽእን ግብሩ ከይቅላዕ እዩ ዝብል ።እንበር ብሓቅነቱ ዝእመንሲ ፍጹም ኣይፈርሕን ኣሽበርን ድማ።ኣይሰግእን ድማ እዩ።እዞም ንሪኦም ዘለና ግን እንትርፎ ህዝቢ ንምብዓድ ከም ባርባን ከምኡ እውን ቅልውላው ንምታው ካሊእ ዕላማ ስለ ዘይብሎም ቀሺ ክስቶ ዲያቆን ክስቶ እንዳበሉ  ሰብ ከናቁቱን  ሰብ ረጊኡ ከይሰምዕ ።ካብቲ ዘገርመኒ ድማ ኣብ ተፈላለያ ከተማታት  ሓንቲ ሓልዮት ዘይብሎም ብዛዕባ ዓዶም ብዓድን ኣውራጃን ዝጉስጉስ እውን ኣይትሳእንዎምን ንዕኦም ሰላም ማለት ጸልማት እዩ።ግን ስለምንታይ ብሓቂ እዚስ ንዕቀት ህዝቢ ዶ ኣይኮነን ነቲ ህዝቢኸ ከም ቃሕ ዝበሎም ክጣዋዉዩዎ ኣይሓስብን ድዩ።
ስለዚ ህዝቢ ተዋህዶ ነዞም መማህራን ጸልምት ምስትውዓል ክገብረሎም ኣለዎ።ትማሊ ብሓደ ትጽሊ ነርካ ሎሚ ረብሓኻ ምስ ተተንከፍካ ሽም ሰብ ክጽለም ኖ ክብሎም ኣለዎ።ኣብ ታሪኽና ቀሺ መስቀል ሒዙ ደኣ ኪኸይድ ንርኢ እንበር ባንደራ ሒዙ ኣሕመየ ክብል ሰሚዕናን ሪኢናን ኣይንፈልጥን ብዘይካ እዞም ጸያቅቶ።ብሓቂ ድማ ሓልዮት እንተዝህልዎም ኣብ ትሕቲ ተወገዙ ጳጳስ ኣይምነበሩን።ከምኡ እውን ን ረብሓ ነታ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ሞግዚት ፖለቲካ ክትከውን ኣይምሸጥዋን ነሮም።ስለዚ ንምንቅስቃስን ንብዙሕ ሃተፍተፍን ህዝቢ ክገብረሉ ኣይብሉን። ሕጊ ኣሎ ጌይጋ ዝገበረን ኣብ ሃይማኖቱ ጉድለት ዘለዎ ሰብን ኣብ ቅድሚ ሕጊ   ቤተ/ክርስትያን ይቅረብ ካብኡ ሓለፈ ግን ኣምላኽ ክዕገስ ከምዘይክእል ብዙሕ ክፈልጡ ኣለዎም ነባሖ።ኣምላኽ ከኣ ናብ ልቦም ምለሶም ንብል።ይቅጽል,,,,,.
                                      ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment