1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday, 20 October 2011


መሸጣ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ደው ይበል!!!! ይ ኣክል ብጹእ ሲኖዶስ ጸወታ ብ ቤተ/ክርስትያን።
ይ ኤረትራ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ኣባል ኦርየንታል ኣብያተ/ክርስትያናት ኮይና ኣባል ማሕበር ቤተ/ክርስትያናት እውን እያ።እዛ ቤተ/ክርስትያን እዚኣ ጓል ቅዱስ ማርቆስ ወንጀላዊ ኮይና፡ኣካል ናይተን ብዓለም ዝፍለጣ ተዋህዶ ቀንዲ ቤተ/ክርስትያን እያ።፡  እዛ ብሕግን እምነትን ኦርተደክስ ትኸይድ ቤተ/ክርስትያን ግን መንግስተ ኤረትራ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዘእትዋን ኣገልገልታ ካብ ዝጠልምዋን፡ ን ኣምላኽ ኪሖዶም ንንጉስ ካብ ዝሰግዱን ግን ሰሚዕናዮን ሪኢናዮን ዘይንፈልጥ ታሪኽ ይፍጸም ኣሎ፡ ወረ ሎምስ ንዓና እውን ሕልሚ  ድዩ ጋህዲ ምርዳእ ኣብዩና ኣሎ።እዞም ንሪኦም ዘለና ካሎት ዘይጋታት ናይ ቤተ/መዘከራት ሓለፍቲ ግን ከም መራሕቲ ሃይማኖታት መኣስ እዮም ዝተቀየሩ።ወረ ገለስ ብኣምላኽነት ኣይኣምኑን።
ሓቆም እዮም ደስ ዝበሎም እናገበሩ ስቅ ስለተባህሉን ሰብ ንመጀመርታ ጸግዒ ሓሶት ኮይኑ ብ ዓድን ብ ኣውራጃን ክስዕቦም ስለ ዝረኣዩን ደኾን ይኾኑ የዕቢድዎም።እወ ስቅ ተባሂሉን መጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለም ሓንቲ ቤተ/ክርስትያን ኣብነት ሕጊ ምኽባር ክትከውን ዝግበኣ ኣብነት ሕጊ ምፍራስ ብምኻን ነቲ (2000 )ክልተ ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ሕጊ ብምፍራስ ምስ ፕረሲደንት ኢስያስ ስለ ዘይተሰማማዕካ ብዝብል ጥራሕ ዋላ ሓንቲ  ጉድለት ዘየለ፡ብ ትእዛዝ ኣቶ ይፍታሀ ፓትሪያርክ ኣሕሊፋም ን መንግስተ ኤረትራ ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ከም ዝኣትዉ ተገይሩ ኣሎ።በዚ ክንዲ ዘብቅዑ ግን እዞም ሰጣን ዝሰሮሮም ብዘይካ ክብሮም ክብሪ ሃይማኖት ዘየገድሶም ፡ኣባላት ብጹእ ሲኖዶስ ሓድሽ ፓትሪያርክ ህጂ እውን ብትእዛዝ መንግስተ ኤረትራ ገይሮም፡ዘገርም እዩ ንሕና ንፈልጥ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘይተሰማማዕካ ኢልካ ንሰብ ካብ እምነት ትሰጎ እንበር ምስ ሓደ ፕረሲደንት እሞ ድማ ወዲ ኻልእ እምነት ።ወረ ትዘገርም ቤተ/ክርስትያንዶ ንሰብ ክእሰር ተፍቅድን ትእዝዝን  እያ።ንሕናስ ንፈልጦ ሰብ እውን ዝምስክሮ ክንዲ እሱራት ምጽላይ ዝብል እዩ ቅድስተ ቤተ/ክርስትያን እውን ነዚ ኢያ እትምህረናን ኣብ ስሩዕ ናይ ጸሎተ ቅዳሲኣን ኣብ ስብሓታትን ከምዚ እያ ኣጽዲቃቶን ሰሪዓቶን  ዘላ።
ፓትሪያርካ ተኣሲሩ ካህናት ተኣሲሮም ህጂ ግን ናይዞም ተኣሰሩ ኣይኮነን ኣገሪሙኒ ፡ኣግህዩና ዘሎ ግን  ንህዝብና ንምዕሻው ፡ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ብሰንኪ መራሕታ እንተተወገዘት ካብ ናይ ዓለም ኣብያተ/ክርስትያናት እንተተሰጎጎት ክንዲ ብንሰሓ ናብ ኣሕዋታ ምምላስ ንህዝብና ንምዕሻው መንግስተ ኤርትራ ምስ ብእምነት ዘይመስልዋ ኣብ ሓደ ናይ ጸረ ክርስትና ማሕበር ኣትያ፡ ወረ ዘገርምሲ ምስ ኣስላም ከ መኣስ እዮም ኣባል ክርስትና ዝኾኑ፡ረኣይዎ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን። ናይ ኤረትራ ተዋህዶ እንበኣር ተሸይጣ፡ ረኣይዎ እቲ ስእሊ ትማሊ ዝበልናዮ ሎሚ ብጭብጢ።ሎሚኸ እንታይ ትብሉ ወዮ ደኣ መንእሰያት ኣቢኹምና ዓበይቲ ኸኣ ምእማን ኣቢኹም እንበር ኣብ ቅዱስ የውሃንስ ሸኽ ክባርኸልና ማዕሮ እቲ ኣርተፍሻል ፓትሪያርክ  ኮፍ ኢሉ ጸሎት ከብጽሕ ከሎስ ፡ተዋህዶ ተሸይጣዶ ኣይበልናን  ኢና።
ካብቲ ዘገርም ግን እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ እኒ ዕላማ ናይዚ ማሕበር እዚ ንድሕሪት ሓቢእካ፡ ኣኼባ ፈጻሚት ኮሚተ ማሕበር ዓበይቲ ቃላያት፡ምብራቅን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ ተባሂሉ  ብምባል ኣብ ዘና መጺኡ።ግን ኣበይ ዘሎ እዩ እቲ ቦርድ?፡እንታዋይ ቦርድ እዩኸ?፡ምናልባሽ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኪኸውን ኣለዋ እንበር ካብ ምድርስ ንሕና እውን ሰብ መዓርግ ካህናት ኢና ምፈለጥናዮ ነርና፡ግን እንታዋይ እዩ?።መኣስ እያ ኤረትራኸ ኣባል እዚ ማሕበርዚ ኮይና?። ዳሕራይ ከ መስጊድ ከ መኣስ እዩ ቤተ/ክርስትያን ዝኾነ መሓመድ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እንታይ ርክብ ኣለዎም!!!። ኣስላም ብስጋ ደኣ ኣሕዋትና እንበር ብሃይማኖትሲ ፍጹም ርክብ የብልናን ኣብዚ ኣኸባ እዚ ግን ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማንን ኣርተፍሻል ፓትሪያርክ መንግስተ ኤረትራን መደረ ኣስሚዖም። ኣብዚ ኣኸባዚ እቶም እተዋህቦም ዕዮ ግዘ ጥራሕ ምስራሕ ዝለመዱ ፓትሪያርክ እየ ዝብሉና ዘለዉ ዝበልዎ እውን፡ዘገድስ እምነት ዘይኮነስ ብፍቅርን ብስኒትን ተጠሚርካ ምኻድ እዩ ኣገዳሲ ክብሉ መዲሮም ሓቆም እዮም፡ ግን ፍቅሪ ዝኣምኑል ኣተኽዕይኖምሲ ስለምንታይ ደኣ ነቦኦም ኣብ ጸልማት ክዳጎኑ ብዘይ ቁርባን ክነብሩ ገሮም ኣብ ዘውዲ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ!!!፡ ኣፍካ ክትዛረበሉስ ክጥዕም።፡ነዚ ክዕወት ድማ ተሳተፍቲ ክጽዕሩ ተላብዮም ን ዓና ዘገድሰና ግን ሃይማኖትና እዩ፡ሃይማኖትና እንተ ኣጽኒዕና ኸኣ ኣምላኽ ሰላም ክህበና እዩ።ግን ሓቆም እዮም ካብ ተጻረሪ ወንገልከ እንታይ ክንጽበ፡እቲ ሃይማኖት ቅዱሳን መጻወቲ ገረሞ እንበር።ኣብዚ ዝወዓሉን ነዚ ዝመርሑ ነበሩን ግን ዓበይቲ ናይ ኮሚኒስቲ ን ቤተ/ክርስትያን ራሻ ዘልመሰ ስነ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ደኣ እዮም እወ ኣብዚ፡ ኣኸባዚ ኣብ ስእሊ ከም ንሪኦም ዘለና ኣምላኽ የለን ዝብሉ ሃይማኖታት ከይተረፈ ንሪኦም ኣለና ንሶሞ ከ መኣስ እዮም ክርስትያን ዝኾኑ?።
እሞኸ በሉ ከነበስረኩም ብስራት ኣይኮነን ግን ዋላ ንመርድእ ብስራት እዩ ክሳዕ ሓድሽ ዝኾነ።እንበር እዝስ መርድእ እዩ ፡መርድእ ምብቃዕ ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ኣብ ኤረትራ ዝኣወጀ ጉባኤ፡ ምምስራት ሓድሽ ዉሁድ ሃይማኖታት  ኣብ ኤረትራ ብወግዒ  ተገለጸሉ።
ብዙሕ ሕቶ ኣለኒ ንምኻኑ ኣብ ዓበይቲ ቃላያት ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት ኣለዉና ድዮም?፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃኸ ብዘይካ ኢትዮጵያ ካሊእ ኣለና ድዩ።ወረ ኣብ ኣፍሪቃ ምሉእ ብዘይካ እዘን (3) ሰለስተ ኣብየተ ክርስትያናት ግብጽን ኢትዮጵያን ኤረትራን ኢትዮጵያን ካሊእ ኣሎ ድዩ።ስለምንታይ ደኣ ካብ ኣደኣ ናይ ግብጺ ቤተ/ክርስትያንን ካብ ዓባይ ሓፍታ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ/ክርስትያን ተፈንጪላ ምስ ካሊእ ማሕበር ክትጽንበር ተገይሩ። ምናልባሽ እቶም ኣቡኡ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ጳጳሳት ነቲ ዝፍርምሉ ዘለዉ ኣየንበቡዎን ኮይኖም ይኾኑ። እንታይ ደኣዩ እቲ ሓቂ።እቲ ሸኽ ከ እዱን እግሩን ዘይጥርፍ ዶ ዋላስ ነቲ ብሰላም ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ከባእሶ ደልዩ። ንሕና ስላም ብስጋ ኣሕዋትና እዮም ኣብ ቤተ/ክርስትያን ኣትዮም ጸሎት ኣስተምህሮ ክህቡን ንሕና ንኸደሉ ክሕብሩናን ግን ፍጹም ኣይንቅበሎን ንሶም እውን ዝቅበልዎ ኣይመስለንን ግን ሸኽ ኣልኣሚን ዝገብሮ ዘሎ ምልስምልስ ናብ ቤተ/ክርስትያና ደው እንተበሉ ዝሓሸ ይመስለኒ።

እዚ ተፈሪሙ ዘሎን እዚ ተገብረ ኣኼባን ግን ዕላማኡ ኣስላምን ክስታንን ኣብ ሓንቲ  ኣጣሚርካ ምኻድ ዝብል እምነት እዩ። ግን ከመይ ገርካ እዩ ብሓደ ኪኽወን ቢበትሪዶ ሰብ ይምራሕ እዩ ዳሕራይ ከኣ ህዝቢ ክሳዕ ህጂ ተታሊሉን ነዚ ኹሉ ስለ ዘይፈልጦን እንበር በትሪ ፈሪሑ ከምዘይኮነ ክፈልጡ ይግበኦም ተግበርቲ ኣዚ ጉዳይ። ዕላማኡ ድማ ነታ ጥታዊት ኣብያተ/ክርስትያናት ቤተ/መዘከር ምግባር እዩ።ስለዚ እንታይ ኢልና ሽም እንተ ኣውጻእናሉ ይቀልል።ካብቲ ዘገርም ጻዕዳ ሓሶት ድማ ን ኢትዮጵያ ስለምንታይ ደኣ ቤተ/ክርስትያን ኢትዮጵያ ዘየላ ኢሉ ህዝቢ መታን ከይሓትትን ካህናት ከይሰግኡን፡ ነታ ኣባሉ ዘይኮነት ቤተ/ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባሉ ኢሎም ገሊጾማ በቃ ሎሚ ጥራሕ ንኽሰብ እንበር ጽባሕ ብዘየገድስ ኮይኑ ነገረ ሎሚ። እሞኸ በሉ ምቅያርሲ ሃይማኖትኩም ቀይሩ ግን ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ኣይትበሉ ስለምንታይሲ ንዓና እውን ስለዝምልከተና። ልቢ ዘለዎ ይሕዘነለይ ዓይኒ ዘለዎ ይርኣየለይ ዝበሃልሲ ከምዚ እዩ።ዕላማ ናይዚ ጉባኤዚ ን ነተን ጥንታውያን ደብርታት ኤረትራ ቤተ/መዘከር ምግባር እዩ።ግን እስከ ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ፡ኣምላኽ እኳ ነዚ ንፈርሖ ዘለና ከምዘየሪኤና ፍሉጥ እንተኾነ ግን ምቅናይ።ዘይግሃድ ሕቡእ፡ ዘይቅላዕ ከኣ ጉድ የለን እሞ ኩሉ ክቅላዕ እዩ ድሮካ ጀሚሩ ኣሎ።
                                ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment