1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 24 September 2011

ይኣክል ንምብትታን ቤተ/ክርስትያን ዝግበር ተልእኾ!!!

ይኣክል ንምብትታን ቤተ/ክርስትያን ዝግበር ተልእኾ!!!
ናይ ኤረትራ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን መቸስ ናይ ገዛእ ርእሳ ሊቃውንቲ ዘለዉዋ ቤተ/ክርስትያን እያ።እንተኾነ ብ ዶላር ዝተዓስቡ ዉሉዳት ዩሁዳ ካብ ዝመጹ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ሰፊሕ ጸለመን ስም ምጥፋእን ተኻይዱ እዩ።እዚ ከኣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ዝደለዮ መታን ክገብር።ከምቲ ዓሳ ክትቀትል ባሕሪ ኣንጽፍ ዝብል ዕላማ እዩ።
ካብቲ ዘገርም ኣብ ኤረትራ ዋላ ኣብ ፖለቲካ ሓደ ሕቶ ወይ ተቃዉሞ እንድሕሪ ጀሚርካ  ዝወሃበ ሓድሽ ሽም እዩ። ከምዚ ዝበሉ ኣለዎ ይበሃል እሞ ሪኢኹም ወዮ ክስቶሲ ምስኦም ኢድ ጸኒሕዎ ኢልና እኳ ኢና ኣብ ውሽጢና ኣትዮም ኣለዉ ምሽ ኢልናኩም እነተባህለ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ደቅና መቅጸርያ የብሎምን ኣየ ነቢዕካ ዝምለስ ተዝኸውን ነዊሕ ልቅሶ መልቀስና ስለምንታይሲ ካብቶም ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ነበሩ ሰባት ሓደ ስለዝኾና ።ንሕና ዘይንፈልጥ እቲኣን ብስርሓ እቲኣን ብጉርሓ ኮይኑ ።እዚ ኸኣ መራሕቲ ህግድፍ ካብቲ ስሱዕ ኮሚኒስታዊ ጸረ ወዲ ሰብ ባህርያቶም ዝነቀለ እዩ።ኣብ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ድሕሪ ናጽነት ኤረትራ ዝተነዝሐ ነገርን ዝተሰብከን እንተደኣ ነሩ ንኹላቶም ብፍላይ ድማ ነቶም ብትምህርቲ ዕብይ ዝበሉ መራሕቲ ናይ ምጽላም መድረኽ እዩ ፡ናይ ፖለቲካ ዋናታቱ ኣለዉዎ እስከ ናይ ቤተ-ክርስትያና ንዛረብ። መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ቤተ/ክርስትያና ዝገበሮ እንተ ነሩ ኸኣ  ንገለ ብ ተፈላለየ ሽግራት ጸገም ዘለዎም ሰባት መሳርሒ ብምግባር ኣብ ማእከል ህዝቢ ክርስትያን ናይ ምፍሊላይ መንፈስ የእትዩ እዩ።
ኣብ ኤረትራ ፈቀዶ እንዳ ስዋ ጳጳሳት ብ ዶላር ሃይማኖት ይሸጡዋ ኣለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ን ሃይማኖት ብ ገንዘብ ይሸጡዋ ኣለዉ።እንዳበልካ ብዙሕ ተገይሩ።ውልደ ኽህነት ከምዘይ ይታ ኣማመንን ከም ዝከሓሓድን ተገይሩ። ጰንጠ ቤተ/ክርስትያን ኣትዮማ ተባሂሉ ናዕቢ ተገይሩ። ናይዚ ኹሉ መራሕን ቀያስን መንግስተ ኤረትራ ምንባሩ ግን ኣብ ኢድና ዘሎ ሲዲ ክንሰደሉ ንኽእል። ካብቲ ዘገርም ምንዳድ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከተማ ኣስመራ መንግስቲ ኤረትራ ከም ዝኣዘዘ ምሉእ ጭብጢ ናይቶም ሽዑዑ ቃለ መሕተት ዝገበሩ ሰበስልጣን ኤረትራ ዝተረኽበ  ምሳና ዘሎ ጭብጢ እዩ።ካሊእ እውን ናይቶም ኣብ ሹዑኡ ቃለ መሕተት ዝገበሩ ሰባት ህዝቢ ምሉእ ምስክር እዩ።ካሊእ እውን ናይቶም ኣብ ሽዑኡ ቃለ መሕተት  ዝገበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ምሉእ ጭብጢ እዩ።ጽባሕሲ ህዝብና ምስ ረኣዮስ እንታይ ኮን ክብል እዩ።
እዚ ነግር እዚ ግን ን ቤተ/ክርስትያን የዕንይዋን ንድሕሪት መሊስዋን እቶም ትማሊ ብበትሪ ዝተሰጎጉ መንእሰያት ብፍላይ ድማ ገለገለ ሰባት ብ መንግስቲ ኤረትራ እናተለኣኹ ብዝፈጠርዎ ሽግር ዝተሰጎጉ መንእሰያት ሽዕኡ ክንዲ ቤተ/ክርስትያን ስጉምቲ ወሲዳ መማህራን መዲባ ተቃጻጺራ ክንዲ ምሓዝ ትም ኢላ ብምርኣያ እንሀዉ ን ቤተ/ክርስትያና ነቅነቅ ኣቢሎማ ተወልዱ መንእሰያት ከም ዓሳ ካብ ባሕሪ ክገፍዎም ይራኣዩ።ቤተ/ክርስትያን ዓንያ፡ እዚ ሓሊፉ ግን እቲ ፍጹም ዕንወት ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ ክርኢ ዝደሊ መንግስተ ኤረትራ ህጂ እውን ትማሊ በንጠ ኣትዮምኹም ጅሆባ ኣትዮምኹም ሓደሽቲ ሃይማኖታት ኣትዮምኹም መራሕቲ ሃይማኖትኩም ሲኣኤ እዮም ኢሉ ዝጉስጉስ ነበረ ብኻድራቱ እዚ እንዳበልካ ዝተገብረ ሓዊን ህኮትን ሽግርን ከይዓረፈ  ካሊእ ሽም ምሂዝካ  እቲ ን ኦርተደክስ ተዋህዶ ንምዕናው ዕላማ ፡ ተሓድሶ ዝብል ቅጽል ኣውጺእካ ክሽቀጥ ሪኢና ዘገርም ነገር እዩ። ካብቲ ዘገርም እዚ ኹሉ ህኮትን ሽግርን ካብ መዓስ ጀመረ እንድሕሪ ኢልካ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ምስ መጸ ጥራሕ እዩ።ናይዚ ኩሉ ነገር ድማ  ሓንጻጽን ኣካያድን እሱ እዩ።
ልቢ በሉ ሎሚ ድማ ሓድሽ ነገር ንሰምዕ ኣለና ።ተሓድሶ መንግስቲ  ኤረትራ ህጂ እውን ን ዝለዓሉ ምሁራት መራሕቲ ኦርተደክስ ናይ ምጽላምን ካብ ህዝቦም ንምንጻልን ዝገብሮ ዘሎ ዘመተ ብዝዓበየ ይቅጽሎ ኣሎ። ንምኻኑ ተሓድሶ ዝበሃል ከመይ ዝበለ እዩ መዓስከ ተመስሪቱ ብኸመይ ነገርከ እዩ ዝፍለ ካብ ተዋህዶ መነመን እዮም ከ መስረቱ መዓስ ዓመተ ምሕረትብ መን ተመስሪቱ ኢልካ ዝምልስ ውን ኣይተረኽበን።መጽሓፍ ናይዞም ሰባት እዚኦም ከ ኣበይ ኣሎ ኢልካ እውን ዝምልስ የለን።ላሕሚ ኣብ ሰማይ ኣላትኒ ጸበኣ ግን ጢዒመ ኣይፈልጥን ዝኽዕነ ሃተፍተፍ፡ዝወሃበካ መልሲ ስቅ ኢሎም እዞም ኣቦናስ ተሓድሶዶ ጠፊእኩም እዩ ጥራሕ እያ እታ መልሲ። ገልን ብስርሓ ገለን ብጉርሓ ከም ዝበሃል።ገለ ተገዚኦም ብከብዶም ገለን ድማ ብ ይበሃል ኣሎ ጥራሕ ስም ካህናቶምን ሊቃውንቶምን ኣብ ምጽላም ዝውዕሉ ኣይተሳእኑን። ግን ክሳዕ መኣስ ኢና ክንታለል። ስለምንታይ ኤረትራውያን  ኩሉ ግዜ ንምእማን ቅልጡፋት ስለምንታይከ ዘረባ ሓደ  ወገን ሒዝካ ጥራሕ  ካም ፓፓጋሎ ምድጋም። ተሓድሶ ዝብል ስም ደራሲኡ እቲ ሓደሽቲ ኣስማት  ናይ ምድራስ ዝፍለጥ መራሒ  ዝሃቦ ነታ ቤተ-ክርስትያን ፋሕ ናይ ምባል ዘመቻ እዩ። ህጂ ኸኣ ነቶም ፓትሪያርክ ኣይቅየርን መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ኣየእቱን ዝብሉ  ዘለዉ ድማ ዘጠመቆም ጸለመ እዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ 24 ጉንበት ዝሃቦ ኣንተ ነሩ መንግስቲ ኣመሪካ ን ተዋህዶ ውሽጣ ሃደሽደሽ ንምባል ኣብ ውሽጢ መንበረ ፓትሪያርክ ኣትያ ትሰርሕ ኣላ ምስ ቤተ-ክርስትያናት ኢይሮብን ጾሮናን ድማ ትዛራረብ ኣላ ይብል ኣቶ ኢሳይስ ኣብ መግለጺኡ። እቶም ናይ ጾሮናን ኢይሮብን ካህናት ግን ሽሞም እኳ ብእንግሊዝ ኣይጽሕፉን ብዘይካ ግእዝ ካሊእ ዘየንቡቡ ኣዮም ግን መታን ከጥቅዕ እዩ። ቅድሚ ከጸልም ተዛሪቡ ብድሕሪኡ ድማ ነዚ ንሰምዖ ዘሎና ክዝረብ ገይሩ። ስለምንታይ ግን ህዝብና ናብ ኣሕመየ ተመሊሹ ከም ኣዋልድ ዘበን ኢኒእኒ ምስ ዝወጸ ሓድሽ ደርፊ ዝደርፍ እንታይ ኢና ንብል ዘለና ዝብልስ ተሳኢኑዶ።
ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያንን ኣብ ስርዓት ቤተ/ክርስትያንን ናይ ሃይማኖት ክሕደት ዘለዎ መቸስ ብ ቅዱስ ጉባኤ ዓዲምካ ከም ዝውገዝ ኣብ ታሪክ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።ስለምንታይ ደኣሞ ንሕና ን ሓደ ካህን ኮነ ዲያቆን ወይሲ ጳጳስ ብቅንኢ ንዝዘንዘሩዎ ጸለመ ጓይላ ከም መጣቃዕቲ ኮይና ንርከብ።ካብቲ ኣደኒቁኒ ዘሎ እቶም ተሃድሶ ኢልካ ብ መንግስቲ ብውሽጣ ውሽቲ ከም መደብ ተተሓሒዙ ዝተጎስጎሰሎምን ዝጉስጎሰሎም ዘሎን እቶም ነቲ ክፉእ ዊዲት ተንኮል መንግስቲ ዝቃወሙ ዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ነቶም ደኾን እዚ ጸርፊ እዚ ይርሕቀልና ኢልና ሕራይ እንዳበልና ንነብር ዘለና ካህናት እውን እዩ። እንተኾነ ክሳዕ ብግልጺ ከም በዓል ሊቀካህናት ገብረሚካኤል  ናይ ቄሳር ንቄሳር ክሳዕ ንብል እካ ስቅ እንተተባህለ ኣብ ቃታ ከም ዘሎ ታርጌት ኣብ ልዕሌና እቶም ምስ መንግስቲ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ሰባት ይሕብሩ።
ኣብዚ ነቶም መንእሰያት ደቀይ ተቀበልቲ ሕድሪ ደቂ ተዋህዶ ዝብሎ ሕድሪ እንተ ኣሎ ኦ ደቀይ ተጠንቀቁ እትገብርዎ ኸኣ ብስምዒት ዘይኮነስ ብርዲኢትን ብዓይንኹም ብዝርኣኩምዎን ወስኑ ታሪኽና ኣብቂዑ እዩ።ግን እዚ ቤተ/ክርስትያን ናትኩም እዩ ኣስተውዕሉ።
ካብቲ ዘገርም ካብቶም ተሓድሶ ዝበሃሉስ ኣቡነ ደስቆሮስ ፓትሪያርክ ዘለዉ ህጂ እውን  እቱው ምኻኖም እዩ።ኣብታ ን መንግስቲ ዝተቃወሙላ ድማ ምስ ተሓድሶ ርክብ ኣለዎም ከም ዘኣትዉዋ ዝበጻሕናዮ ሓቂ እዩ።ኣቶ ይፍታሀ ንዝተቃወሞ ዝኾነ ዝህቦ ምፍሪራሕ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሉቃስ ዝተገብረን ከምኡ እውን ንሳቶምን ናይ ቀረባ ብጾቶምን ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ።ኣቶ ይፍታሀ ኾነ ፕረሲደንት ኢሳያስ በዚ ዝጸገቡ ኣይመስሉን ዘለዉ።ዋላ ኣኳ  ንገለ ገርሀኛታት ሓቂ መሲልዎም ሆ ዝብሉ ነበሩ ህጂ ተረዲእዎም ክቃወሙ  ጀሚሮም እንተሃለዉ  ግን እቲ ጎበጣ መንምግስቲ ኤረትራ ሲዒሩ ወጺኡ እዩ ተዓዊቱ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ካብቲ ይፍታሀ ዝገበሮ ጸወታ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ተመደቡ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ፕረሲደንት ኢስይያስ ሓሚሙ እዩ።ንይፍታሀ ጸዊዑ ድማ ብቅልጡፍ ከውግዝዎም ጠለብ ገይሩ።ካብቲ ዘገርም ግን ይፍታሀ ዘይተጸበዮን ዘይሓሰቦን ተቃዉሞ ካብ ኣቡነ ሉቃስ እዩ። ኩሉ ገርና ኢና ነዚኣ ክንገብራ ግን ዓቅሚ የብልናን ኢሎም እዮም መሊሶምሉ።ነዚ ዝሰምዐ  ይፍታሀ ግን ንኣቡነ ሉቃስ ክስኹም እኮ ምሳይ እዩ ዘሎ ጵጵስናኹም ኣብ ኢደይ እያ ዘላ ኢሉ እዩ ኣፋራሪሕዎም ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ጵጵስና ኣብ ኢድ ጭዋታት ትኣትወሉ ኢና ወዲቅና ዘለና። ንስኹም ክሱስ ኢኹም  ኣነ እየ ጉዳይኩም ኣደቂሰዮ እንበር ብምባል ዝኾነ ዘረባ ከየልዕሉ ኣፎም ኣትሒዝዎም ይርከብ።
ሎሚ እቶም ትማሊ ንግዝያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመስረቱ ኣባላት ግዝያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝነበሩ ኩሎም ተሓድሶ ዝብል ጸለመ ተለጢፍዎም ይርከቡ ስለምንታይ ግን ዝኹሉ።እዞም ሰባት እዚኦም ከ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ተጠቀሚጦም እንታይ ኮይኖም መጽሓፍ ናይቲ ዝምርሕሉ ሃይማኖት ዘይብሎም። ተሓድሶ ማለት ከ እንታይ እዩ።ተሓድሶኸ እንታይ ወይ ከመይ ይኣምኑ እንተ ኢልካ  እኹል ዝኾነ መልሲ ኣይትረክብን ኢኻ።እዚ እቲ ሓደ ዝኸፍአ ሕማም ናይ ህዝቢና እዩ።ኢሎሞም ኢሎም ጥራሕ ይዛረቡ።ደሓርከ ሃይማኖት ይሕደስ ድዩ።እንታይ ስለ ተረኽበ እዮም ከ ቶም ከሕድሱ ዝደልዩ። ብሓቂ ጭርጭር ዓበደ ደርፊ ደቂ ሕድርቲና እንተበልካ ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣይኮነን።
ካብቲ ዘገርም ስለምንታይ እዮም እዞም ሰባት  ብ ላዕለዋይ መሪሕነት ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያንን ቅዱስ ሲኖዶስ  ጉባኤ ሊቃውንትን ዘይተዋህበ መግለጺ ብምድጊጋም ን ስም ካህናት ኦርተደክስ ምጽላምሲ ስዉር ምፍራስ ኦርተደክስ ተዋህዶ ኣብ ኤረትራ ንምትግባር ዶ ኣይኮነን፡ ካበይ ተላዒሎም እዮም ናይ ሴሜን ኣመሪካ ኣብያተ ክርስትያናት ተሓድሶ መናፍቃን እዮም ዝብሉና ዘለዉ፡ብሓቂ ማዕሮ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት እዮም  ብ ዶላር ተገዚኦም ን ተዋህዶ ውሽጣ ሓደሽደሽ ንምባል ተላዒሎም ከም ዘለዉ ብሩህ ሓቂ እዩ።እወ ን ለምባም ኣምተሉይ ክንደይ ከይስሕቶ ን ዓሻ ደርግሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ ከም ዝበሃል እዚ ኹሉ ጉዳይከ ስለምንታይ እዩ ኣቶ ይፍታሀ ምስ መጸ ጥራሕ ተኻይዱ ቅድስቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ቅድሚ ይፍታሀ ምምጽኡ ቅድሚ መንግስተ ኤረትራ ምምጽኡን ብፍቅርን ብሓድነትን ኢያ ትፍለጥን ዝኾነ ዘጋጠመ ጉዳይ ብጥበብ  ብሕግን ብስርዓትን ይፈትሕዎ ነሮም።ኣቶ ይፍታሀ ምጽ መጸ ግን ጉዳያ ኣብዚ በጺሑ፡ ስለምንታይ ግን ?????።
ስለምንታይ ከ ነቶም ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ኣሚና ዝሰደደቶም ሎሚ ስለምንታይ ሕጊ ኦርተደክስ ይቅየር እንተበሉን፡ስለምንታይ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካ ይኣቱ እንተ በሉን  ተሓድሶ ክበሃሎምን መናፈቃን ክስየሙን ንርኢ ዘለና።እዚ ኹሉ ዝጸሓፍን ዚዝረብን ዘሎስ ካብ ሃይማኖታውያን ደቂ ቤተ/ክርስትያን ይወጽእ ኣሎ ኢልካ ኣይትግምትን። ወላዲት ኣምላኽ ኣደና ቅድስተ ድንግል ጉድ ረኺባ ብሽማ እንዳሸቀጥካ፡ ነደና ማርያም ኣይኣምኑን እንዳበልካ  ዝግበር ዘሎ ኸ እንታይ እዩ ቁጡ መን እዩ እቲ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘይኣምን ኣብ ተዋህዶ መንዩኸ ነዛ ቅድስተ ቅዱሳን ዘየኽብር እወ ኣምላኽ ዘኽበሮኸ መን የሕስሮ?። ንሕና እውን ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣምላኽ ኢያ ኢልና ኣይንኣምንን እንታይ ደኣ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ማሕደር ኣምላኽ ታቦተ ቺዳን ምኻናን ምእንታና እትልምን ኣማላዲት ምኻናን ጥራሕ ኢና ንኣምን ፡ከምዚ ዘየኣምን ኦርተደክሳዊ  ድማ የለን ዘይኣምነሉ ኸኣ ሰብ ክነብር ኣይኽእልን። 4ይ ኣካል ስላሴ እያ ዝብል ንሰምዖ ዘለና ዘይኦርተደክሳዊ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ገለ   ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያንከ ኮነይ ኢልካ ህዝቢ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ስለ ዘፍቅራ ብሽማ ንምሽቃጥ ዶ ኣይኮነን።
ናይ ሎሚ ዘበን ብ ገንዘብ ተዓደጉ ገለ መንእሰያት እንበኣር ዋላ ትንፈር ዑፍ ኢያ እዮም ዝብሉና ዘለዉ።እንድሕሪ ኣስተውዒልኩም ድማ ን ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ቤት/ማእሰርቲ ምስ ህግድፍ ተሓባቢሮም የእትዮሞ ከብቅዑ ን ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣብ ልዕሌኦም ስልያዊ ስራሕ እንዳ ኣካየዱ ናብ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝገበርዎ በደል ከይኣክል ንሕና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘይብሉ ቦታ ኤረትራ እንተሃለና ዝገብሩዎ ዘለዉ ብ ማስሚድያ ጸለመታት  ከየገረመና ኣይተረፈን እዚ ድማ ካብቲ ብ ሃመማተኤ  ናይ ኤረትራ  በዓል ምሕየድን ሽንገብን ዓሊ ዓብዱን ካብ ጎይተኦም ኢሳያስ ን ተዋህዶ ሰላማ ዘሪግካ ውሽጣ  ብውሽጣ ከም እትባላላዕ ገርካ ከም እትፈርስ ናይ ምግባር መደብ መቀጸልታ ዶ ኣይኮነን።ንሕና ንኹሉ ኢና እንፈልጦ ካህናት ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ግን ኣብ ኣስመራ ከለና እሞ ኣበይ ኮይና ኢና ክንዛረቦ ጽባሕ ግን ሓቂ ባዕላ ክትወጽእ እያ ዋላ ንሕና ኣፍና ተዓቢሱ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ዳዊትና ደጊምና ብውዳሴ ማርያም ብምዚዛም ስቅ ኢልና ኣፍና ዓቢስና ተኸድና ግን ጽባሕ እዘን ስቅ ኢለን ዘለዋ መላሕስ ዕድል እንተረኺበን ዝርኣየኦን ዝሰሞዐኦን ዘለዋ ክዛረባ እየን ሎሚ እዞም ተሓለቅቲ ተመሲሎም ሽም ካህናት ኦርተደክስ ተዋህዶ ኣብ ምጽላም ዝዋፈሩ ዘለዉ መን እዮም ህዝብና ምስ ሰምዐ ህዝቢና ብ ምኾስ ኪጎዮም ምኻኑ ክፈልጡ ይግባእ ሓቂ ተዓቢጣ ስለዘይትነብር።ናይ ሰማይ ነገርሲ ረሲዖሞ እዮም ውይ ግን ኣብ ምድሪ እውን ሕቶ ከምዘሎ ክፈልጡ ይግባእ።
ካብቲ ቀንዲ ዕላማ ይፍታሀ ወዲ ዲመጥሮስ ን ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ምስ ግብጺ ዘለዋ ርክብ ምቅራጽ እዩ።እዚ ኸኣ ኣረማዊ ይፍታሀ ዲመጥሮስ ናብ ግብጺ ምስ ከደ ን ኣቡነ ደስቆሮስ ክሸሙሉ ምስ ከደ ዝሃቡዎ መልሲ ንስኻ ሽሞም እኖሀሎኻ እንዶ ንስኻ ቆብዕ ዘይብልካ ፓትሪያርክ እዮም ኢሎሞ።ደሓር ከ ካብ ዘገርም ኣቡነ ደስቆሮስ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ መሪጽዎም ዝበሃል ዘሎኸ መኣስ እዩ ዝተመርጹ  ቅድሚ እዚ ምርጫ ምግባሩ ዶ ኣይኮኑን ከ ኣቡነ ማርቆስን፡ ኣቡነ ደስቆሮስ ሒጽዝዎም ይፍታሀ ን ኣቡነ ደስቆሮስ  ክባርኹሉ ዝኸደ መን እዩ መሪጽዎም ነሩ ሽዑ። እንበኣር ኣቡነ ደስቆሮስ ኣቶ ኢሳያስ እዩ መሪጽዎም ።ደሓን ከኣ ህጂ ጸለመ ክመስል ይኽእል እዩ የጸልምዎም ይበሃል ኣሎ ክበሃል ይኸውን ጽባሕ ግን እቲ ሓቂ ምስ በጽሖ ህዝቢ  ኣብ ሓደ ጽሑፍ እኮ ኣንቢበ ነረ እየ ብሓደ ኻህን ከም እትብሉ ኣይጣራጠርን።ክሳዕ ሽዑ ግን ዘዕግሱና ኣይመስሉን ዘለዉ እዞም ሃይማኖት ሸይጦም ዶላር ክሓፍሱ ዘምባህቁ ዘለዉ ጸረ ወንጌል ባእታት።
ካብቲ  ዘደንቅ ድማ እቶም ሽሞም ብ ህግድፍ ክጽልም ዝውዕል ዘሎ  ግን ከ ባዕሎም ን ግዝያዊ ሲኖዶስ  ብጥበብን ፍቅርን ግዝየኦም ወፍዮምን  ን ተዋህዶ ኤረትራ ዝመስረቱዋ ሊቃውንቲ 99% እዩ ኣሽማቶም ጸሊሙ ዘሎ እዚ ኸኣ ንኹሉ ሕራይ ስለ ዘይበሉ እዩ።ህዝቦም ከኣ ስለዝጠለሞም መዝሙር ዓለም ፈትዩ።መንእሰያቶም ድማ እዞም ከም መሳርሒ ናይ ፖለቲካ ሰብ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ ስለ ዝኾኑ።እስከ እዝኒ በሉ ኣብ ዓለም ሙሉእ ኣብዚ ዓለምና ተወንጪፋትሉ ዘላ ግዜ ብዘይ ጭቡጥ ብዘይ ዶኮምንቲ ክልፍልፍ ዝውዕል መን ኣሎ፡ ኣብ ሃገርና ግን ክቅዘፉ ግዲ ደልይዎም ነዚ ከም ስርሖም ገሮሞ 30 ዘይበጽሐ ኦድመኦም ቆልዑ ኣብ ምጽላም ወለዶምን የሕዋቶምን ይውዕሉ ኣለዉ። ብሓቂ ሃይማኖታውያን እንተኾይኖም ናይ ጣዓስ ኣውያት እወ መሪር ኣውያት ከእውዩ እዮም። እንበርከ ኣብ በዓል ኣመሪካ ብ ስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኢሎም ዘይኽእሉ ን መሳርሒ ን ኣንጻርነት እተን ኣብኡ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናትን  መዓርገ ዲቁና ሂቦም ከም ዝመጹኸ ኣብቲ ካብ ኣመሪካ ዝተመለሱሉ ኣቡነ ሉቃስ ኣይነገሩናን ድዮም። እዚኸ እንታይ ይበሃል እቶም ብ ስም ኣብ ዘይኽእሉ ብህልኽ ዝባረኽዎም መናሰያት ህጂ ኣብ ምፍራስ  ቤተ/ክርስትያን ይውዕሉ ኣብ ምጽላም መማህራኖም ይውዕሉ ኣለዉ ።እስከ  ካብቶም ሰብ ኮፍ ኢሉ ውልቃውን ስጋውን ጉዳዩ እናገበረ ኸሎ ን ኦርተደክስ ተዋህዶ ነብሳ ክትኽእል ዝገበሩን ዚጻመዉን  ዝመስረቱን ኣሽማቶም ንርኣዮም እዞም ኩቡራን ኣቦታት ተዋህዶ እዚኦም ኣብ ታሪኽ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን  ኣብ መዝገብ ታሪኽ ቀዳሞት ኣቦታት ናይታ ቤተ/ክርስትያን ምኻኖም   ምሉእ መዋኣሎም ክዝከሩ ክነብሩ እዮም ኢዋእ እቲ መዘከርታ ዘይብሉ ስሙ ኣብ ሓመድ ዝጸሓፍ ዘሎ ኣንበር ድሮ እኳ ኣነ እኒሀኹ ተመሃራዮም ዘይበቅዕ ይጽሕፈሎም።ግን መነምን እዩም።ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል ነሮም ኣባል ጉባኤ ሊቃውንቲ ድማ እዮም። ህጂ በቶኦም ብ ኣቶ ይፍታሀ ተመንጢሎም ኣብ ገዘኦም ኮፍ ኢሎም ዝርከቡ፡መምህር ዓንደብርሃን እንኮ ሊቅ ናይ ብሉይ ኪዳን ተርጋምን ኣባል ጉባኤ ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራን መጽሓፍ ቅዳሴ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙን ሃይማኖት ኣቦው ኣብ ምትርጋም እንከለዉ ካብ ቤተ/ክርስትያን ብ ኣቶ ይፍታሀ ዝተሰጎጉን ፡ኣብታ ባዕሎም ዝመስረቱዋ ቤተ/ክርስትያን ከይሳለሙ ዝተኸልከሉን እዮም። ሕሰቡ እሞ እንበርከ ሰብዶ ቤተ/ክርስትያን ከይትሳለም ኢልካ ይኽልከል ምምሕዳር ኣቶ  ይፍታሀን ከም ኤሊ ዝባዕዘዙ ኣቡነ ደስቆሮስን ግን  ንኸይትጽሊ እዮም ዝኽልክሉኻ ዘገርም እዮም መምህር ዓንደብርሃን ቤተ/ክርስትያን ከይሳለሙ እዮም ተኸልኪሎም እዚ ኸኣ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ከም ዘሎ ወይሉኹም ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንባዕልኹም ኣይትኣትዉን ክኣትዉ ንዝደልዩ ድማ ምእታው ትኸልእዎም ኣለኹም ዝተባህለ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል እዩ።ቤተ/ክርስትያን ኣብ መዋእላ  ንኹሉ እያ ንዓ ትብል ቅዱስ ጽሑፍ እውን እቲ መንፈስ እታ መርዓትን ንዓ ይብሉ ኣለዉ እዩ ዝብል ንሶም ግን ኪዱ እዮም ዝብሉ ስለምንታይሲ ዓለምኦም ተልእኾ ወንጌል ስለዘይኮነ።፡ሊቀ ካህናት ገብረሚካኤል ዮሓንስ እዚ ኸኣ ናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ  ምሉእ ኣማሓድሪን ካብቶም ቀዳሞት ኣባላት ምምሕዳር ግዝያዊ ቅዱስ ሲኖዶስን ፡ ኣብ ኣመሪካ መጺኡ እዚ ኩሉ ምንቅቃሕ ዝገበረን ኣብ ኣመሪካ ቤተ/ክርስትያን ዘይነበረ ባዕሉ ነቲ በዱ ናብ ቤተ/ክርስትያናት ዝቀየረን ህጂ ድማ ኩላ ፈሪሓ ሽመይ ክጽልም ዋእ መንግስቲ እንድዩ ዋነኡ እዚ ጉዳይ ገዛይ ክውረስ ክብሉ ኸለዉ ንሱ ግን ነታ ነፍስኹም ቀቢጽኩም ሰዓቡኒ እትብል ብምኽታል ክሳዕ ህጂ ስለምንታይ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያን ሕጋን ስርዓታን ይቅየር ኣቶ ይፍታሀ ኸ ኣይሰጋዲ ኣይቆራቢ መን እዩ ፕረሲደንት ተዋህዶ ዝገብሮ ፓትሪያርክ ምቅያር ንባዕሉ ከም ምቅያር ቤተ/ክርስትያን ኢና ንሪኦ ስለምንታይ ንበይንና 318 ሩቱኣነ ሃይማኖት ዝገበሩዋ ክንቅይር።ኢሉ  ኣይቅበሎን እየ ኣቦታትካ ዘቆምዉ ደረት ኣይተፍርስ ኢሉ ኣብ ቅድሚ መንግስትን ሰጠናዊ ምምሓድር ይፍታሀ  ደው ኢሉ ዝምልክት ዘሎ ሕማም ርእሲ ፕረሲደንት ኣቶ ኢሳያስ እዩ።ናይ ቀረባ ሰራሕተኛታት ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ኣብ ዕላሎም ዝገልጹልና እዩ።
ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግይስ፡እዚ እውን ካብቶም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ኮይኑ  መንእሰይ ክትግስጾን ቀስ ኢልካ ከተረዶኦን ኣለካ ኢሉ ዝኣምን ብ ኣቡነ ፍሊፖስ ፍቱውን ኣብ 93 ዓመተ ምሕረት ፕረሲደት ኢሳያስ ኣኼባ ገይሩ ክንሕግዘኩም ከነመሓድረኩም ክብል ከሎ ንሕና ፖለቲካ ኣብ ሃይማኖት ኣየድልየናን  ኢድካ ሓዘልና ባዕልና ኣለናዮ ናይ ቀደም ገዛእቲ ኢዶም የእቲዮም ን ቤተ/ክርስትያን ስለ ዘዳኸሙዋ ኣይተድልየናን ኢኻ ኢሉ ኣብ ኣፉ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ዝመለሰሉ ዝተቃወመ ኩሉ ኣብ ዘጣቅዓሉ ነበረ ምስ ኣቡነ መቃርዮስ ህጂ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘለዉ ኮይኑ ናይ ቄሳር ን ቄሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ዝበለ ተባዕን ህዱእን ቀንዲ ሕማም ርእሲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ 93 ክሳዕ ናብ እሱር ቤት ዝኣቱ፡ ነበረ ፖለቲካ ዘይፈቱ ሩጡብን  መንፈሳዊን ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ መራሒ ክፍሊ ልምዓትን ረዲኤትን ዝነበረ ኣብ ግብጺ ከይዱ  ብ ፖፕ ሺኖዳ ካብቶም ዝለዓለ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝቀሰሙ ፡ካብ መስረቲ ናይ ኤረትራ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን  ግዝያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ።ህጂ ግን ብ ትእዛዝ ኣቶ ይፍታሀ ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ምስ ኣሕዋቱ  (4) ኣርባዕተ ብጾቱን ታሪኽ ቤተ/ክርስትያን ዝደረሰን  ምስ ዝደረሰ ዋና ጸሓፊ መንበረ ፓትሪያርክ ዝነበረን ብ ናይ ምምሕዳር ክእለቱ ፍሉጡን ዝእመነሉን ካብ ዝለዓለ ሊቃውንቲ ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ  ሓደ ካብ ሕማም ርእሲ ፕረሲደንትን ቅድሚ ህጂ እውን  (1) ዓመትን ገለን ተኣሲሩ ነበረ ብ ህግደፋውያን ዝፍራሕን ዘስግኦምን ዝኾነ ክገብሩ ከይቃወመና ኢሎም ዝሰግእሉን ዘወገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረክ በርሀ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ጸዊዑ መዓዱዎም ነዞም ፓትሪያርክ ምስ በሎም ን ኣመኸርቲ መንበረ ፓትሪያርክ ጸዊዑ፡ ኣይተጋገዩን ንስኹም ኢኹም ትጋገዩ ዘለኹም  ኢሉ ን ብርጋደል ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ኮረነል ሰመረ በይንን ዝተቃወሞም ተባዕ ብትምህርቱ ዝተኣማመን እዩ። ናይ ዘበና ሃወርያ ኣብ ቤት/ማእሰርቲ ዕድመኡ ዝበሊ ዘሎ ቤተ/ክርስትያን ትኸስሮ ዘላ ምሁር ኣቦ እዩ።ኣቡነ እንጠንዮስ ድማ ብዛዕባ እዚኦምሲ ብዙሓ  ሓበሬታ ኣየድልን ፡ኣብ ደብሮም ናይ ጸሎት ሰብ ተባዕ  ከም ኣቡነ መንቃርዮስ ካብ ጳጳሳት ኤረትራ ኣቡነ መንቃርዮስ ህግድፍ ምስ ሰጎጉዎም ንዝኾነ ብትብዓት ዝምክቱ ነበሩን ቀንዲ ሕማም ርእሲ  ፕረሲደት ኢሳይያስን ህጂ መንግስቲ ዝበሎም ስለ ዘየተግበሩን ኣብ ማሕዩር ዝነብሩ  ዘለዉ ሕጋውን ወግዓውን ፓትሪያርክ ኤረትራ  ኮይኖም ብ ኣቶ ይፍታሀ ብዘካየዶ ስርሒት ን መጀመርታ ኣብ ልዕለኦም ዕልዋ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ዝተኸየደሎምን ቅዱስ ኣቦ እዮም።ወዮ በረኸት ክርሕቅ ኢልዎ ደኣ እንበር እታ ሃገር ንሕናስ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ብሂወቶም ከለዉ ቤተ/ክርስትያን ብሽሞም ከስርሓሎም እዩ ንጽበ ነርን ግን ገሪሙንስ ነገራሚ እካ ሂበዮም ከም ተባህለ ትማሊ ተወልዱ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ገሊኦም ነቶም ቅዱስ ኣቡን ገለን ጰንጠ ይብልዎም ገለን ከኣ ተሃድሶ ክብልዎም ደርፊ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢሳያስ ክደርፉ ምብስማዕና ኣየ ኣንቲ ሃገር ንምድሓንኪ ዝኸውን ኣይትቅበልንድ ብምባል ነቲ ዝመጸና ዘሎ መቅጻዕቲ ኣብ ምጽቢባይ ንርከብ።ስለምንታይሲ ንሓደ ፈላሲ ንሓደ ጳጳስ ልዕሊ ከባቢ 90 ዕድመ ንዝበጽሐ ጰንቲጡዶ ዋላስ መንፊቁ ክትብልስ ኣየ ከመይ ዝበለ ናይ ኣምላኽ ዝጸልኣሎም መንፈስ ቅዱስ ዝረሓቆም እዩ የብለካ። ስለምንታይ ግን ኩቡር ህዝበይ ምስክር ሓሶት ክትከውን መሪጽካ ስለምንታይ!!!!! ስለምንታይ መንእሰያት ደቀይ ነዚ መሪጽኩም!!! ደቀየ በጃኹም እባ ኣነስ እባ ደቀይ ኢኹም ይበሃል ኣሎ ኢልኩም ደድሕሪ እቶም ብህልኽን ብድልየት ስልጣንን ስም ሰብ ዘጸልሙ ዘለዉ  ክትውዕሉስ እንታይ እዩ ወሪዱና ስደትና ከይሓጽር!!!! ብኽያትና ከየብቅዕ!!!! ዶኾን ኢኽUም ደቀይ ነዚ ክትብሉ  በሉ ነቶም ዘጋግይኹም ኣምላኽ ይፍረዶም ንዓኹም ግን መሲልኩም ንትብሉ ዘለኹም ኣነ ኣቦኹም እነግረኩም ኣለኹ እቲ።
ኣቶ ይፍታሀ መቸስ ኣነስ እንድዒ ይፈርሕ ክመውት ከሎ እውን ከምቲ ንቡርዶ ኪኸይድ እዩ ኢለ ይፈርሕ ስለምንታይሲ ነዛ ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ዝተተናኾሉላ እንታይ ከም ዝረኸቦም ስለ ዝፈልጥ እወ ኣቶ ይፍታሀ እትገብሮ ዘለካ ኣምላኽ ይቅረ ይበለልካ ከምኡ እውን ፕረሲደንት ኢሳያስ ስለምንታይሲ ሃንጸጽቲ እዚ ክልተኹም ኢኹም እሞ  ኣምላኽ ከኣ ይዳኒ። እንበር ኣብ ኤረትራ ኦርተደክስ ሓድሽ ነገር ዘምጸአ እንተነሩ ደኣሞ ክሳዕ ህጂ ኣበይ ተነይሩ እዩ።ሎሚ ድኾን እዮም መጺኦም፡ኣቡነ እንጥእንዮስ ተሓድሶ እንተኾይኖምከ ስለምንታይ ኢና እቶም ኣርባዕተ( 4) ኣርባዕተ ጳጳሳት  ቅዱሳን ጳጳሳት እንብሎም ወይሲ ስለምንታይ ኢና ንሳለሞም ፡ጳጳስ ተሓድሶ ዝባረኾም ደኣ እሞ ከመይ ኢሎም እዮም ኣብ ተዋህዶ ዘገልግሉ።ኣቡነ እንጠንዮስ ከም ትማሊ ጳጳሳት ባሪኾም ንጽባሒቱ እዮም ደው በሉ ተባሂሎም እሞኸ መኣስ  ኢዮም መንፊቆም ኣብ ለይቲ ድዮም ሃይማኖቶም ቀይሮም ሓድሮም   ንስኹም ከኣ ኣምላኽ መጺኡ ብለይቲ ሃይማኖቱ ቀይሩ ኣሎ እሞ ኣውግዝዎ ኢልኩም ብሓቂ ሕሱር ስራሕ እዩ። እንድሕሪ ኣቡነ እንጠንዮስ ናይ ካሊእ ናይ ጰንጠ ድዩ ናይ ህጂ ኣውጺእኩሞ ዘለኹም  ስም እንተኾይኖም ፍጹም ኣርባዕተ ጳጳሳት ኤረትራ  ጳጳሳት ኣይኮኑንን ንሶም ዝባረኹዎም ስለዝኾኑ። እስከ ሕሰቡዎ እሞ እቲ ንብሎስ ሰብ እኮ ይግምግሞ እዩ የእምረኦ ብሓሶትን ምትላልን ተታሒዙ ዝነብር ሰብ የለን ህዝቢ ኤረትራ ኸኣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ  እናመዕበለን ነቲ ሓቂ እንበጽሖን እዩ ዘሎ። ስለዝስ ናይ ምትላል መንፈስ ዕድመኡ ሓጺር እዩ ኢዋእ እቶም ምጥባዉ ዝለመድኩም ጽባሕ ምስ ሰኣንኩሞ ትገብርዎ እንበር።
ኣቡነ ደስቆሮስ ካብ ኣመሪካ ምስተመልሱ ዝበሉና ተልዩ ኣየ ዝረኣናዮ ቀሺ ገብረሚካኤል ዕድመ ተሂብዎ ተዋህዶ ተንሲኣ ጸልዩሎም ጸላኢ ሰናያት ከይኣትወና እዮም ኢሎም ህጂ ግን ንሶም ኮይኖም እቲ ጸላኢ ሰናያት ስለምንታይሲ እዚ ኹሉ ንዝብሉ ዘለዉ እውን ማኦዻ ናቶም ስራሕ እዩ ነይሩ።ካብቲ ዘገርም በቲ ንሶም ዝበሉና ደኣ እንበር ን ቀሺ ገብረሚካኤል ክሳዕ ህጂ ብዘይካ ብስእሊ ብ ኣካል ዘይፈልጦ ምኻነይ እዩ።ገሪሙኒ ግን ኣሻዕ ኢና መራሕቲ ሃይማኖት ተባሂልና ከም ነፋሒቶ ተቃያይርና ።ትማሊ ትማሊ ኣቡነ ቀርሎስ ምድራዊት ገነት ይብልዋ ነሮም ንሕና ህጂ ስለተቃወሙና ሓጢኣት ኣይትግበሩ ስለዝበሉናስ ከምቲ ሄሮዶስ ን ቅዱስ ዮሓንስ እንተ ኣሰርኩዋ ይፈክሰኒ ይኸውን ኢሉ ዝኣሰሮ ስራሕ ዓለም ከምኡ እንገብር።ሎምስ ካብ ቀሺ ገብረሚካኤል ንላዕሊ ነዚ ናእሽቱ መንእሰያት ካህናት ደው ኢሎም ሽሞም ጠቂሶም ናይ ቀሳር ን ቀሳር ናይ ኣምላኽ ን ኣምላኽ ክብሉ ንርኢ ኣለና።እሞኸ ነዚኦም ከኣ ካሊእ ሽም ድረሱሎም እንበር ነቲ በዓል ቤት እኳ ቡኤል ዙበል ካብ በልዎስ ነቶም ስድራቤቱ ግዳ ክንደይ ዘይብልዎም ጽሑፍ እዩ።ብሓቂ ኣብ ኤረትራ ዝነብር ህዝቢ ግን ካባኹም ይምዕብል ኩሉ መንግስቲ ይገብሮ ከምዘሎ ፈሊጡ ኣብ ጎድኒ ሊቃውንቱ እዩ ዝውዕል ዘሎ። ንሲ እዩ ኩሉ ክሓልፍ እዩ።ክመጹ እዮም ደብርታት ዘዕንዉ ቤተ-ክርስትያን ዝበታትኑ ኢሉ ን ኣቦታቱ ተስፋ ከይቆርጹ ክምዕድን ከታባብዕን ይውዕል ኣሎ።ኣብ ወጻኢ ግን እንድዒ ኣይግድን ኣብቲ ዓዲ ጸዓዱስ ሓንጎልካ ግዲ እንኮላይ ኮይኑ ዝቅይር እንበር።ግን ከም ሰባት እንብሎ እንተ ኣልዩ ተመሊሱ ዘጣዕሰና ኣይንግበር እወ ጽባሕ ዘሕቲተና ኣይንስራሕ።ገሪሙና እዩ ዘሎ መጋበ ምስጢር መብራህቱ መባእ መናፍቅ ፡ኢልካ ተዘሪቡ መን ደኣሉ እቲ ተዋህዶ ሎምስ ገሪሙና እኮ ፡እቶም ትማሊ ተወለድኩም እወ እቶም ኣቦ ኣነ ክዛረብ እየ ንስኻ ጽናሕ እትብሉ ኣምላኽ ይቅረ ይበለልኩም ኣብዚ ዘመን ኣምጸኦ ፈስ ቡክ ዝበሃልን ካልእን ክኣቱ ከለኹ ውላዊዲ ቆልዑ ንኽንደይ ንኡሳን ዞባታት ወንጌል እና ተዛውሩ ዝምህሩ ነበሩ ከዋርዲዎምን ክጸርፊዎምን ምስ ረኣኩ ዋእ ኣንታ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ክቡር ዝሓስረሉ ደፋር እዋን ኣብጻሕካና ይብል።ስለምንታይሲ ኣብ ኤረትራ ዘለና ብዕድመ ኣብ ምድፋእ እንርከብ ካህናት  ብጣዕሚ ኢና ንሰግእ እንታይ ዓይነት ሃይማኖት እዮም እዞም ቆልዑ  ከምጹልና ደልዮም ነዞም ክንደይ ዓመታት ቤተ-ክርስትያን ዘጽንሑን ዝኾስኮሱን ክትዝልፍዎም ክንሰምዕ ከለና እወ ይገርመና። ኣብቲ ፈስ ቡክ ዝበሃል እና ኣንበብኩ እየ ኸኣ ነዛ ሃይማኖት ኣቦው እትብል ምስ ግጥማ ኣብ ሓደ ናይ ሓደ ኻህን ተዘርጊሓ ጸኒሓትኒ ብሓቂ ድማ ሃይማኖት ኣቦው ስለምንታይሲ ስለ ኣቦው ኣቦታት ደው ኢላ ክትቃወም ምርካበይ ከምቲ ቅድመይ ነበሩ ኣቦታት ዝበሉዎ ኢለ ካብ ናዝሬት ውንዶ ሰናይ ነገር ኣሎ እዩ ኢለ።ነዛ ጽሕፍተይ ክሰደልኩም ተገዲደ ።
ብኣጠቃላሊ ዝብሎ እንተ ሃልዩ ግን ቅዱስ ሲኖዶስ ዘየውጸኦ መግለጺ ብፍላይ ህጂ እሞኸኣ ብዙሕ ግዜ  እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝበሃል ናብ ብጹእ ሲኖዶስ ተቀይሩ ይፍታሀን መንግስትን መጋበርያ ንኽገብርዎም ዝደለዩ ዝሰርሕሉ ስለ ዝኾነ ብጥንቃቀ እንገብሮን እንዛረቦን እንተ ኾነ ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ።ስለምንታይሲ ጽባሕ ከይንሓፍር።ደሓር ከኣ ንሓድነት እዛ ቅድስተ ቤተ/ክርስትያን ደኣ ምጸዓርኩም እንበር ንምብቲታንሲ ኣጆኹም ሰጣን ስለ ዘሎ ንሱ ስርሑ መብረ ኣየድልዮን እዩ።ስለዚ ኣይትበታትኑና በጃኹም ነዞም ብንጹህ ልቢ ኣብ ሃይማኖቶም ዝመላለሱ ዘለዉ ድማ ክፋእ ኣይትምሃሩዎም። ናይ ትማሊ ያክል መንግስቲ ሰሚዕና ኣብ እንዳ ማርያምን ስላሴን ዝገበርናዮ ምንዳድ መጻሕፍቲ ኣብ ታሪኽ ተሓተቲ ገይሩ ነቶም ዝሰጎግናዮ ድማ ጸረ እዛ ቤተ/ክርስትያን ኮይኖም ደው ክብሉን ከዕንዉዋን ዝተገብረ ናትና ናይ ታሪኽ ገይጋ ኣይትድገሙ። ኣቡነ ደስቆሮስ ከኣ ኩሉ እኳ እዩ ዝቃወሞም ኣብ ቅድመ ዓይኖም ምሳኹም ኣይንቅድስን ኢሎም ዝኣብዩዎምን ከም በዓል ኣባ ኣዳም ዝበሃሉ  ንስኹም ዩሁዳ ኢኹም ኢሎም ክሳዕ ናይ ከተማ እሱር ዝገብርዎም ዝተቃወሙዎምን እዮም።ስለዝስ ነዞም ሕጊ ሃይማኖት ዝጠሓሱ ኣቦ ተጣቢቅኩም እሞ ኣበይ ክውጻእ እዩ የሕዋተይ።
ስለዚ በጃኹም ንሕለየላ ነዛ ሃይማኖት ሎሚ ተወሊድኩም ዘጽናሕናዮ ሞጓሰ ኣይትበትኑ። እቲ ኦርጋን ትብልዎ ዘለኹም ድማ ወዮ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ስለ ዘይሓተትኩም እንበር ኣቡነ ማርቆስ ኣፍቂዶሞስ  ምሉእ መዋእል ካብ 2000 ዓመት ምሕረት ንደሓር ኣብ ዝነበረ   ደቅና ብኡኡ እዮም ይጥቀሙ ነሮም ኣቡነ የውሓንስ እውን ቅድሚ 70 ዓመት ኣብ መቀለ ኣኼባ ኣብ ዝገበርሉና እቶም ቆልዑ  ዘቅርቡዎ ነበሩ መዛሙር ብኦርጋን እዩ ዝነበረ። ንሶም ኣብ ኣኼባኦም ሽዑኡ ዝበልዎ እንተ ነሩ ድማ  ክስቶ መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ከምዚ ደጊማ ኣይትበሉ ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስትያን እዚ ወሲኖም ኢልኩም ተዛረቡ ኣዮም ዝበሉና ግን ሰዓቱ ሰዓት ታህዋኽ ስለ ዝኾነ ነቲ ኣቦታትና ዝበሉዎ ኣቃልቦ ኣቢናዮ ኣለና ስለዚ ሊቃውንቲ ኣቦታትኩም ካብ ምጽላምሲ ጸግዒ ኣቦታትኩም ኮንኩም ደው ተትብሉስ ኣየ ምሕረት ካብ ሰማይ ናብ ሀገርና ምወረደ ቀጽሪታትና ኣይምፈረሰን፡ ኣባጊዕና ድማ ብተዃሉ ኣይምተወስዳን እወ  ንሕናሰበላ ደኣ እንበር ህጂ እውን ይፍታሀ ዝገብሮ ዘሎ ሕጸ ናይ ጸለመ ኣብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ኣየብቀዐን እዩ ዘሎ። ብዘይካ ቀሺ ነብር ኣቶ ሃብቶምሲ ንኹሎም ከተራኻኽበሎም እያ ትመስል ንስኹም ግን ናቱ ሰሚዕኩም ጥራሕ ንምኹናን ኣቦታትኩም ትብዑ ጽባሕ ግን ኣብ መቃብሮም ከድኩም ከም እትበኽዩ ንፈልት። ዓጽሞም ሒዝኩም እወ ከተልቅሱ ኢኹም ኣቦታትና ንሕናስ ኣይተረዳናን ክትብሉ ከምዝኾንኩም ሎሚ ከርድኣኹም ባህ ይብለኒ።ይቅጽል,,,.ኣብ ቀጻሊ ጹሑፈይ የራኽበና  ስብሃት ለእግዚኣብሄር ሉዑል ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ክቡር።  ኣቦኹም ቀሺ.  ካብ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኣስመራ23/09/2011
ይቅረታ ጸሓፊ ኣቦና ንሕና ናይ ከማኹም ዝበሉ ኣቦታት ህላወኦ ብጣዕሚ ስለ ዘገደሰናን ንጽባሕ እውን ተረፍ ዝመቱ ኢኹም እሞ ተረፈ ታሪኽ ክትቅጹሉልና ዋላ እኳ ምስ ሽምኩም ተሰድኩሞ ኣብ ውሽጢ ኤረትራ ከም ምህላውኩም መጠን  ብመሰረት ሃይማኖት ኣቦው ዝገበርናዮ ሽምኩም ምዕቃብ መሪጽና ኣለና።ጻማኹም ከነጥፍእ ኣይኮናን እንታይ ደኣ ሎሚ ሽምኩም ገሊጽና ጽባሕ እንተ ተኣሰርኩም ን ኣምላኽ እውን ረብሓ ስለ ዘይብሉ። ጽባሕ ምስ ሓለፈ ናይ ጽባሕ ሰባት ይግበረና ስምኩም ክንገልጾ ኢና።ስለዚ ሽምኩም ዓቂብናዮ ከምዘለና ንሕብረኩም።ካብ ኣቦ ዝዓቢ ኸኣ የለን። ብተወሳኺ ኩሉኹም ካብ ኣስመራ ወይ ካሊእ ሃገር ክትሰዱልና እትደልዩ ሽምኩም ናይ ምዕቋብ ምሉእ ሓላፍነት ከም ዘለና ክንሕብረኩም ባህ ይብለና ስደዱልና  ። እግዚኣብሄር መናወጽቲ ሃይማኖትና ይግንሓልና ኣሜን። ሃይማኖተ ኣቦው


No comments:

Post a Comment