ተታሒዘ ብፍቅሩ!!!::
ነቲ ኣብ መስቀል ስለ ሓጥያተይ ዝሞተ
ዘይድኹም ከሎስ ብዱኹማት ተኸትከተ
ማይ ጸማእኩ ተበሎም ዝበልዎ እንካ ሓሞት ስተ
ኣፍቂረዮ ኣነስ ብፍቅሩ ተባሒተ
ነቲ ዝተውልደ ኣብ መብልዒ ማል
ኣብ ቤተ/ ልሄም ዝተወልደ ካብ ድንግል
ፍቅሩ ሒዙኒ ጥራሕ በል ኢየሱስ ዝብል
ኣብ ልበይ ክደርሰሉ ዝግንፍል
መዛሙረይ ንዕኡ ድርሳነተይ ንዕኡ ጥራሕ ክብል
ሽሙ ጥራሕ ከልዕል ንኻሊእ ከይብል
ኣፍቂረዮ ፈትየዮ ግን ክገልጾ ኣይካልኩን
ኩሉ ግዜ ዝፍቶ ዝግበኦ ክእመን
ነቲ ዘላገጹሉ ዝበልዎ እስከ ርስኻ ኣድሕን
ምስ ሓይሉ ከሎ ተግፍዐ ከም መስኪን
ንዓይ ከድሕንሲ ተሰቂሉ ከም ርጉም
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ንዕኡ ጥራሕ እየ ዝኣምን
ኣፍቂረዮ ግን ቅድም ንሱ እዩ ኣፍቂሩኒ
ዓይነይ ዓዊሩ መዋእል ሓሊፉኒ
የሱስ ይሓልፍ ኣሎ ምስ በሉኒ
ዓው ኢለ ኣወጅኩ ወዲ ዳዊት መሓረኒ
ሰባት ከይፍወስ ስቅ በል ኢሎም ክገንሑኒ
ንሱ ግን ጸዊዑ ድልየተይ ሓቲቱኒ
የዒንተይ ተንከየ ብርሃን ዓደለኒ
ነቶም ትዕቢተኛታት ብትዕቢቶም ዝሕዞም
ነቶም ጥበበኛታት ብጥበቦም ዝሕዞም
ነቶም ጎራሕት ብዓማዕዶ ዝፈልጦም
ወረ ከመይ ዝበለ ስልጣን ኩሉ ኣብ ትሕቲኡ ይብል ትም
መላእኽቲ ይእዝዞም ንቅዱሳን ይልእከም
ዛንተኡ ዘይውዳእ ንጉስ የሩሳለም
ዛንትኡ ክነግሩኒ ጥራሕ ሰብ ባህ ይብለኒ
ስለምንታይሲ ኩሉ ግዜ ሓድሽ ስለ ዝኾነኒ
ካብ ኣብ ድንኳን ሓጥኣን ዝነብር ጢዒሙኒ
ኣብ ቤቱ ሓላዊ ድንኻን ምኻን ይሕሽኒ
ይጸብቅ ይሕመቅ ይጥዓም ይሕሰመኒ
ኣፍቂረ
ኣፍቂረ ነቲ ኩሎም ዝፈትዉዎ
ዋላ እቶም ዘይኣምንሉ ፍጡር እዩ ዝብልዎ
እኳ እዮም ዝድነቁሉ ፍሉይ እዩ ዝብልዎ
ከመይ ዕድለኛ ኣነ ዝረኸብኩዎ
ዘምሩሉ ኩሉኹም ፍሉይ ኢኻ በልዎ
ስለ ዘይውዳእ ምሕረቱ ውረታ ሃብዎ
ወዮ ካብ ሄሮዶስ ናብ ጲላጦስ
እና ኣለገጹ እናገረፉዎ ክማላለስ
ትም በል ክብልዎ ጥራሕ ዝሓተትናካ መልስ
ነቲ ንጉስ ሲ ከልብስዎ ካሊእ ኪቃሸሽ
ብ መሰካኽር ሓሶት ኣብ ቅድሚ ፈራዲ ክኽሰስ
ከመኻስ የለን ፍሉይ ኢኻ ኢየሱስ
ሓቀየ ከፍቅረካ ናይ ሰማያት ንጉስ
ስብሓት ለእግዚኣብሄር
ቀሺ ሙሴ
No comments:
Post a Comment