1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 17 September 2011

እመ ብርሃን!!!።

                             እመ  ብርሃን!!!
ስቅ ዲኺ ትብሊ እናሰማዕኪ እዚኹሉ
ኣብ ልዕለና እና ወረደ እዚኹሉ
ሓያላት እናፋራርሑና ኣብ ምርጋምና እናወዓሉ
ስቅ ኣይትበሊ እመ ብርሃን ለምንልና ብኹሉ
  ይሕንሕኑ ኣለዉ ስጋና ዘይሰቀሉ
                             እመብርሃን በጃኺ እውይ በሊ ለምንልና
                         ስለምንታይ ሕጊ ሃይማኖት ይቅየር ኢልና ተሓተትና
                               ተንሲኦም ዘበናውያን  ዘጸልሙ ንሽምና
                                 ሄሮዶስን ጲላጦስን ይዝትዩ ኣለዉ ክሰቅሉና
                     ሄሪዶስ ይሕንሕን ኣሎ ኣይትጋገ ኢልና ስለ ዝመዓድና
                                  እወ ከም ቅዱስ የውሃንስ ክስዩፉ ስጋና
                                   ዘዕርፉ መሲልዎም ንሕና እንተዘይ ሃለና
                                    እምው ብርሃን ተንስኢ ህጂ ኢኺ ተድልይና
እመ ብርሃን
እንታይ እዩ ዝኹሉ ኣብቲ ብሩኽ ስድራቤት
ጭዋ ዝኾኑ ነሉ ሊቀጳጳሳት
ጭዋታት ዝስመዓሉ እንካብ ካህናት
ኣረሚ ዝመርሓሉ ን ጳጳሳት
ወረ እንታይ እዩ ወሪዱና ዘክርና ብንብዓት
ክሳዕ መኣስ ስቅ ትብል በልዮ ነቲ በዓል ናዝሬት
                                       እመ ብርሃን፡-
                                  ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ርእሰ ኣድባራትኪ
                                  ትዕዘቢዶ ትህልዊ ዝስራሕ ኣብ ቅድመኺ
                                  ተዛረቢ እመ ብርሃን መስክርልና በጃኻ
                                  ንሕና ሰብ የብልናን በፍጹም ብዘይካኺ
                                  ጸላኣትና ይሕንሕኑ ኣለዉ ለምንልና በጃኺ
ነቶም ካህናትኪ ኣብ ታቦትኪ ዝቅድሱ
ኣምበሳድራት ክርስቶስ ዝኣስሩ ዝፈትሑ
ፖለቲከኛታት ክብልዎም ብሕግና ተመርሑ
ሓሶት ተዛረቡ ኢሎም ክፍክሩ ከም ሕሱም ክነብሑ
ስምቶም ሊቃውንትኺ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናርስሑ
ጸልየ ኣደና ዝፈተና ነዊሑ
ህጂ እሞ ኸኣ ተላዒሎም ኣምላኽ ዘይፍርሑ
ነ ቦታቶም ኣብ ምምራጽ ስም ጸለመ ዘውግሑ
ካብ ናይ ክሕደት ቃላይ ብጭልፋ ተቀድሑ
ርገምዮም ኣደየ በልዮም ኣይትርብሑ
                                እመ ብርሃን!!
                               እቲ ስለ ሓቂ ምምጓት ምስ ኣረሚ
                             እወ ገጽንገጽ ምምካት ን ተዓደጉ ብጠቅሚ
                               ምንፍቅና ኢሎሞ ኣለዉ ዞም ሰብ ሎሚ
                                እዙይ ውን ፎእ በልዮ ሕማቅ ሕልሚ
                            ግን ደሓን ይኾነ ከኣ ኣብ ቅድመኺ መገምገሚ
ናይ 2000 ዓመታት ስርዓትን ሕግን ተቀይሩ
ግደፉ ተበልናዮም ሓድሽ ነገር ኣይትቀይሩ
ስቅ ኢልኩም ተቀበልዎ ይብሉና ኣለዉ ከይሓፈሩ
ተኣቢኹም ከኣ ከነጸልመኩም ኢና ኢሎም ኢናፈከሩ
ኣደየ ገሪሙኒ እኮ ብስሩ
እንታይ ምጾታት በጺሕና መጹና ዘይሓፍሩ
ስርዓትን ሕግን ኣቦታቶም ዘየኽብሩ
ተነስሑ ክትብሎም ዝንድሩ
                                     እመ ብርሃን ፡-
                                  ተዛረቢ እባ በጃኺ ንወድኺ ንገሪ
                                 ፍትሒ ጠፍአ በሊ ይስራሕ ኣሎ ነውሪ
                               ትጋገዪ ኣለኹም ተበልካ ይብሉኻ በቃ ነውሪ
                                  እስከ ሓግዝና በጃኺ ትሓቂ መስክሪ
   ዝተረኺቡ ዘሎ እኳ ዘገርም እዩ
ንሓቅስ ሓሶት ኢሎም የውርዩ
ወረ ኣንቱም ሰማያት በጃኹም ጽወዩ
መን ድዩ ኣብ ተዋህዶ ዝነብር ዘሎ ኣጋግዩ
ካብ ኦርየንታል ኣብያተክርስትያናት ዝነብር ዘሎ ተጨውዩ
ቃል ኣምላኽ ገዲፉ ዝነብር ዘሎ ቃል ፖለቲካ ጠብዩ
ኣስተውዕሉ ህዝበይ ከይትጋገዩ
ኣስተውዕሉ ናብ ካህንኩም ኣሰሩ  ተለዩ
ንሕና ግን ስቅ መሪጽና ኣለና ካብ ምምላስ
                        እወ ምርጫና ገርናዮ ኣለና ብጾሎት ምቅላስ
                        እንካብ በሉ ጭዋ ኣብ ቤት ኣምላኽ ይንገስ
                         ንዝኣበየ ኸኣ ካብ በሉ ብጸለመ ምቁዳስ
                         እንካብ መረጹ ቤት ኣምላኽ ምሕማስ
                         ጥራሕ የካእልኩም ምስቲ ልዑል ቅልስ
 ሰላም ክወርድሲ ዝ ጪዋ የልግስ
ንሕኛ ን ባላዕ ንሱ ንዓና የፍርስ
ተኣበዩ ኸኣ ክመጽእ እዩ ፈጣሪ ክምልስ
ሽዑ እየ ዝገድፎ ምጽሓፍ ኡፈይለ ዘተንፍስ
ጥራሕ ጸልይልንና ኣደና ንቅድሚት ክንግስግስ
                                ለቱ ስብሓት
                          ቀሺ ሙሴ ሺሻይ 17/09/2011
    

No comments:

Post a Comment