1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 16 September 2011

ኦ ህዝቢ ኤረትራ ዊዲት ኣብ ልዕሊ ተባዓት ኣገልገልትኻ ኪኻይድ ይሕሰብ ኣሎ እሞ ሃየ ንቃሕ !!!

 ኦ ህዝቢ ኤረትራ ዊዲት ኣብ ልዕሊ ተባዓት ኣገልገልትኻ ኪኻይድ ይሕሰብ ኣሎ እሞ ሃየ ንቃሕ !!!
መንግስቲ ህግድፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ  ኦርተደክስ ቤተ/ክርስትያን  ናይ ምብቲታን ዝሓንጸጾ መደብ ዛዙሙ ከም ዝወደአ  ገለ ካብ ኣባላት ቤተ/ክርስትያን ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ሓቢሮምና ኣለዉ።ኣቶ ተስፋንኬል ገራሕቱ ፡ ን ኣመንቲ ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ንምብታንን ፡ነተን ፖለቲካ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ክኣቱ የብሉን ዝብላ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብኤን ንዘገልግሉ ሰበኽትን ዲያቆናትን ኣብ ልዕሊኦም ከም ካልእ ሃይማኖት ከታኣታትዉ ዝደለዩ ገሮም ዘውርዩን ሓለይቲ ሃይማኖታት ተመሲሎም ንዕኦም ዝቃወሙን ዝንጽሉን ኣብ ልዕለኦም ጸለመ ዘካይዱን መንእሰያት ብገንዘብ ኣዋፊሩ ኣሎ።እዚ ስራህ እዚ መንግስተ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ እታ እምብለይ ዝበለት ቅድስቲ ማርያም ቤተ/ክርስትያን ሃገረ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ካህናታ ክሳዕ ቢ ሮስቶር ናይ ምጽላም ተኻይዱ ብምንባሩ እዚ ኸኣ ብዝጸፈፈን ከም ናይ እስራኤል ከይፈርስን ብጥንቃቀ ክገብሩዎ እዩ ኣዚዙ ዘሎ።ኣብዚ ትዘሕዝን እቶም ደድሕሪ ካህናቶም ኪኸዱ ዝግበኦም ገለ ዲያቆናት ብገንዘብ ምዕዳጎም እዩ። ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ከም ዝኾኑ ድማ ነፍልጥ።
ኣቶ ተስፋንኬል ገራህቱ ካብ ዘዳለዎም ሓደ ሰራሕተኛ ባንክ ኣብ ኤረትራ ነበረ ኣብ እንግሊዝ ፖለቲካ ዑቅባ ሓቲቱ ክንሱ ፡ተመሊሱ ናይ ይቅረታ ፎርም ዝመልአ ይርከብውዎም።ካብቶም ክሳዕ ህጂ ኣስማቶም ጸለማ ኪኻየዶ ተሓጽዮም ዘለዉ ዲያቆናት 8 ኪኾኑ ከለዉ ካልኦት ቁጽሮም ብዝሕ ዝበለ ሰበኽቲ እውን ይርከቡዎም።እዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተቀማጦ ማንቺስተርን ብንግርሃምን  ሎንደንን ዝቅመጡ ዝበዝሑ ዝርከቡዎም መናሰያት ኣዩ ዕላማ ክገብር። ኣቶ ተስፋንኬል ገራህቱ ዓዲ እንግሊዝ ዝዊዝ ከይትኸውን ተጠንቀቁ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።ወዲ ገራህቱ ኣይመሰሎን እንበር ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ኣንዃን ምስ ኣቶ ይፍታሀን ኣቶ ኢሳያስን ተራዳዲኡ ዝተዛረቦስ ዝበልዖ እካ፡ ትማሊ እንታይ ተደሪረ ተዝብለና ምነገርናዮ ነርና።
መራሕቲ ህግድፍ ዓዲ ኣንግሊዝ ገጠምቲ እውን ብገንዘብ ከነምጽእ ኢና ኢሎም ፈኪሮም ኣለዉ።ብተወሳኺ እቶም  ኣብ ልዕሊ ካህናትን ዲያቆናትን ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ፡ ስለምንታይ ፓትሪያርክ ይወርድ ስለምንታይ ተወገዙ ፓትሪያርክ ዝመርሑና ኣቡነ ደስቆሮስ ፓትሪያርክ ኪኾኑ ኣይግበኦምን ንዝብሉ ክወሃብ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ጸለመ ቢ ፈስ ቡኽ በቲ ዝበዝሐ መንእሰይ ዝጥቀመሉ ፈስ ቡክ fece book.ገሮም ገሊኦም ከም ዓረቅቲ ፡ገሊኦም ድማ  ከም ተጣበቅቲ፡ ገሊኦም ድማ  እዞም ዝቃወሙ ዘለዉ ሓድሽ ሃይማኖት ከእትዉ ዝደልዩ እዮም እናበሉ ክጉስጉሱ ታዛዝ ሂብዎም ኣሎ። ተላኣኣኽቲ ካብ ዝጅምሩ 2 ቅነ ገሮም ኣለዉ።ስለዚ ተዓዘቡ ክሳዕ ኮምፒተራት ተዓዲለን ከም ዘለዋ ካብ ቤት/ጽሕፈቱ ዝመጸና ሓቂ ኣቃሊዑ ኣሎ። ቡታን ቡታን ን ተቃማጦ ዓዲ እንግሊዝ እንብሎ እንተ ሃልዩ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ናትኩም መሲሎም ነጸላ ተኸዲኖም ኣብ ልዕሊ መማህራንኩም ናይ ጸለመ መደብ ከካይዱ ተላዒሎም ኣለዉ ኣሞ ኣይትስምዕዎም ንብል።ኣብዚ መደብ ኣዚ ዲያቆናት ገለ 2 ካህናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ዝበዝሑ ከኣ ታራ መንእሰያት እዮም።ዘህዝን እዩ ገረብ ብሓኽላ!!!
ካብቲ ዘገርም ናይ ኣጸለምትን ተጸለምትን ኣስማት ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ።ቤተ/ክርስትያን ሰብ ከተቃትል ስለ ዘይትደሊ ግን ኒ ታሪኽ ኪኸውን ክትዕቅቦ መሪጻ ኣላ ብፍላይ ዲማ ኣማሓደርቲ ሃይማኖት ኣቦው ኣብዚ ዘለዎም ሪኢቶ ኣስማት ይዘርጋሕዶ ኣይዘርጋሕ ን ዝብል ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይተበጽሐ ክዕቀብ መሪጽና ኣለና።ስለዚ ኩቡር ህዝቢ ተዋህዶ ኤረትራ  ብፍላይ ዲማ ተቀማጦ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰባኻይ ንዝዝርጋሕ ጸለመ ከይትሰምዕዎ ኣቀዲምና ንሕብረኩም ኣለና።እቶም ከም መሳርሒ ገሮም ዝጥቀሙልኩ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ዲያቆናት ድማ ዕንጸይቲ ሸምባሃምቦ ዘየጽልል ጓና ፈትዩኒ ኢልካ ሓውካ ኣይተቅልል ንብለኩም።ኣሕዋትኩም መቃድስትኹም ደኣ እንበር  ፖለቲከኛታት ህግድፍ ጽባሕ ቀዘፍትኹም ምኻኖም ንሕብረኩም።ስለዚ ኦ ህዝቢ ኤረትራ ንቃሕ ክሳዕ መኣስ ክትዕሾ ክሳዕ መኣስ ክትድህለል። ንዝኾነ ካህን ዲያቆን ጳጳስ ካብ ኣፉ ሰሚዕካን ሪኢኻን ደኣ እንበር ይበሃል ኣሎ ኢልካ ከይትዛረብን፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልትኻ ጥርጣረ ከይተሕድርን ንምሕጸነካ ፡ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እዞም  ስለምንታይ ሕጊ ኦርተደክስ ተዋህዶ ይፈርስ ኢሎም ንዝሓተቱ ዘለዉ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣገልገልቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል እዩ እቲ ዕላማ ። ስለዚ እዚ ዝወርዶም ዘሎ ጸለመን ዘለፋን፡ ናይ ቀሳር ንቀሳር።ተወገዘ ፓትሪያርክ ይውረድ ሃይማኖትና ብተወገዘ  ጳጳስ ኣይትምራሕን፡ ተዋህዶ ብ ኣቶ ዝመዓርጉ ን መጀመርታ ኣብ ታሪኽ ኣይትምራሕን፡ ስለምንታይ 2000 ክልተ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ቆኖና ቤተ/ክርስትያን ይቅየር እዚ  ናብ ምንፍቅና ምስጓም እዩ ስለ ዘበሉን ካሊእ ዋላ ሓንቲ ገበን ከምዘይብሎም ነፍልጠኩም ስለዚ ገ እናበሉኻዶ ትጋገ እዩ እሞ ከይትጋገ እዞም ብዶላር ሃይማኖቶም ዝሸጡ ከየዕሽዉኻ!!! በዚ ዕለት ነማሕጽነካ።
      ስብሓት ለእግዚኣብሄር ሉዑል ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ኩቡር።
             ሃይማኖት ኣቦው 17/09/2011

No comments:

Post a Comment