መዲበ እየ
መደበይ ገረየ ንድሕሪት ከይምለስ
ን ኢየሱስ መሪጸ ምስ ዓለም ክቃለስ
ምስ ቶም ቅዱሳኑ ብመከራ ክሕወስካብቲ መዝገብ ሂወት ሽመይ ከይድምሰስ
ብንብዓት ዘሪኤስ ባልልታ ክሓፍስ
ከም ይሁዳ ብ ገረብሓ መምህረይ ከይሸይጥ
ኣብ መንበር መላገጽቲ በፍጹም ከይቅመጥ
ተንኮል ከይፍሕስ ንሓቂ ከይዓብጥኣብ ልበይ ክርስቶስ ንበይኑ ክቅመጥ
ናይ ቅዱሳን ቃላት ፍጹም ከይልወጥ
መዲበየ ኣነስ ዓለም ባዕላ ትፈልጥ
ምስቶም ቅዱሳኑ ምስቃል ዝለመዱ
ወንጌል ንምጥዋይ ብ ልቦም ዝወደዱ
ኣብ መናፍስቲ ስሕተት ምጥባው ዝተጸምዱ
ምስ ዓለም ዝሓበሩ ወንጌል ክቅይዱኣይውዕሎን ኣነስ ቅዱሳን በዚ ስለዘይከዱ
መዲበ እየ ንጸርፊ ምስ ብዙሕ ጸለመ
ን ክርስቶስ ኣይሸጦን ሓሲበ ክሽመ
ክስዕብ እየ ኣሰር ቁዱሳን መስቀል ተሰኪመ
ካብ ቶም ናይ እምነት ጀጋኑ እዚ እየ ቀሲመ ኣነስ በቃ ኢለየ ብሽሙ ተሓቲመ
ሓይሊ ሃበኒ ጥራሕ ኣብ መገዲ ከይግመንናይ ዓለም ክብረት ኩሉ ተሓሲመ
ከይቅይር ንቃሉ ክነብር ከም ፍታዉ
ከይሰዖም ነቶም ሽሙ ዘይፈትዉ
ጽዊጽዋያት ኣይሁድ ከይሰምዖ ብስሩ
ከይሓብር በፍጽሙ ምስቶም ዝኸሰሩብጥበራ ጥራሕ ሂወት ዘይፈትዉ
ኣብ ልምድን ስርዓትን ኦሪት ዝኣተዉ
ካብ ንስሙ ምዝማር ደርፊ ዓለም ዝፈትዉ
ተታሒዘየ እሮማይ ኣብ ልበይ ከይኣትዉ
ብቆልዓይ ረኺቡኒ እቲ ቅዱስ
ናብ ቤቱ መጺአ ብስጋ ክፍወስ
ግን ኣብኡ ጸኒሑ ንውሽጠይ ዝፍውስ
ናብኡ ምቅራብ ዝኸልኣኒ ኣይደልን በቃ የልግስ
ይኣኽለኒ ዘረባ ዓላውያን ላሕ ኣይተብሉኒ ህጅስ
ባዕሉ ወዲኡልይ ካብ ኣምሰልነት ክምለስ
ካባይ ኣይኮነን ካብኡ እዩ ኢየሱስ
ወዲ ቅድስተ ድንግል ማርያም ትሕያዋይ ንጉስመደበይ ገይረየ ንስኻ ጥራሕ ክበር
ብዘረባ ናይዛ ዓለም ፍጹም ነይሽገር
ብምልእታ ዓለም ኣንጻረያ ዋላ ትሕበር
ስቀለ ስቀሎ ትበል ንዓ ጥራሕ ኣብ ቤተይ ተደረርኣብ ላዕሊ እንዶ ምሳኻ ክድረር
እንታይ ኣገዳሲ ዶ ኣሎ እዩ ንሱ እንድዩ ቁምነገር
ምሳይ ተደረር ጥራሕ ኣልግስ ናብ ገዛና
ድጽልግ ልግ ዝበለ እዩ ዝመገዲ ዝበዝሖ ፈተና
ነፍሰ ቅብጸት ዝሓትት ዝበልዕ ንስጋናሓይሊ ሃበና ንዓ ከይነድሐርሓር ፈሪሕና
ምስ ሓይሊታት ጽልመት ክንዋጋእ ተቢዕና
ከም ዳንኤል ክንኣቱ ናብ ኣፍ ኣንብስ ተቢዕና
ሞኽ ክንብል ኣብቲ ሓዊ ንቅልካ ኣሚና
በቃ መዲብና ኢና ክንዋረድ ንስሙ
ብውርደት ክንሓልፍ ከምቶም ዝቀደሙ
ብ ኣረማውያን ተገፊዖም ዘይስሞምም ተሰከሙ
ኣምላኽ ውን ነዚ እዩ ብስቃይ ምሕላፍ ዓዲሙስለዚ የለን ዋጋ ዕዳጋ ምስ ዓለም ብደሙ
ጥራሕ ንሱ ይኽበር ከምቲ ናይ ቅድሙ
ለቱ ስብሓት
ቀሺ ፡- ሙሴ ሺሻይ
No comments:
Post a Comment