1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 24 September 2011

ኩቡር ህዝቢ ክርስትያን በጃኹም ሃየ ልቢ በሉ!!!። ዓይኒ ዘለዎ ይንብዓለይ እዝኒ ዘለዎ ይስማዓለይ ልቢ ዘለዎ ይሕዘነለይ ትማሊ እዚ ተባሂሉ ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኺቡ!!!።

ኩቡር ህዝቢ ክርስትያን  በጃኹም ሃየ ልቢ በሉ!!!። ዓይኒ ዘለዎ ይንብዓለይ እዝኒ ዘለዎ ይስማዓለይ ልቢ ዘለዎ ይሕዘነለይ ትማሊ እዚ ተባሂሉ ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኺቡ!!!።
። ግርም እባ ምሳኻ ደም ንጹሃት ስለ ዘይፍሰሱስ እዚ ትብል ነርካስ ህጂ ተገምጢልካ ሽም ቀይርካ ንሰብ ምጽላም ደኣ እንታይ ይበሃል ቅዱሳን ጳጳሳት ዝብልዎ ዘለዉ ስምዑ በጃኹም  ንሕና ግን ዝሪኣ ዘለዋ የዒንቲና ዝሰምዓ ዘለዋ የእዛና ብጹኣን እየን ነይሩ ናይ ትማሊ ዘረባ እሞ ኸ እንታይ ደኣ ተረኽበ ህጂ ሰነድ ምስክር እዩ ጋና ድማ ኣለዉ ሰነዳት፡ጳጳስ ናይ ኤረትራ ከምዚ ዝበለ ክሪኡ ከለዉስ ክዳኖም ግፍፍ ኣቢሎም ይህቡ ነሮም ኢሎም ኣቡነ ቀርሎስ ናይ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ ኣከለ ጉዛይ ጳጳስ  ክዳኖም ቀንጢጦም ክህቡ ሪኢና፡ኣቡነ ማርቆስ ድማ በዚ ብማዕርጉ በዚ ድማ ብዘረኣዮ ንቅሓት ናይ ሰሜን ኣመሪካ ሊቀ ካህናት ምሉእ ኪኸውን ኣቡነ ፍሊፖስ መዓርግ ክህቡዎ ኒ ሊቀ ካህናት ገብረሚካኤል ሪኢና  ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቃለ መሕተት ካብ ኣፎም ስምዕዎ በጃኹም እዚ ኩሉ ዝብልዎ ዘለዉ እንበኣር ምስኦ ሓቢሮም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለዘየፍረሱ እዩ።
ካብቲ ዘገርም ድማ  ኣቡነ ደስቆሮስ  ከይተፈለጦም ካብ ህግድፋውያን ዝሰምዕዎ ነበሩ ብምኹናን ነዚ ወድና ከይተረፈ ዘውረዩዎ በንጠ እንድዩ በንጠ  እንድዩ  ሰሚዕና ግን ብዓይኒና በንጠ ዝበሃል ኣይረኣናን ዝረኣናዮስ ናይ ቤተ/ክርስትያን ምስጢራት ክትዛረቡን ክትምህሩን እዩ። ነዚ ድማ ተግባር ይግባረልና ኢሎም።ሎሚ ደኣ  ኣቡነ ደስቆሮስ እንታይ ኮይኖም እዮም ነዞም ነዚ ዝኾነኑዎ ወረ ዘውርዩ ቆልዑ ዘይኮነንዎም ።ብዓይኒና ዝረኣናዮስ ካሊእ ጽቡቅ ነገር እዩ ዘይብሉ። ዘይወግሕያ መሲልዋስ ኣብ ቡኽራ ትሓርእ ከም ዝበሃል ሰብ ጽባሕ ዘይወግሕ መሲልዋ ለፍ ትብል ኣላ እቲ ሓቂ ግን እዚ እዩ።ኣቡነ ደስቆሮስ ን ግብጺ ንኢዶማ  ህጂ ደኣ እንታይ ተረኽበ ዶ ዋላስ ነቲ እንብሎ እናረሳዕና ንኸይድ ኮይና። ኣቡነ ሉቃስ እውን ኣብ ኣመሪካ ጽቡቅ ነገር ከምዘሎን በቲ ሓደ ወገን እኳ ንቀሺ ገብረሚካኤል ዝትንክፍ ብርትዕ ዝብል እንተኾነ ግርም ኢኹም ትኸዱ ዘለኹም ኢሎም እዮም ኣመስጊኖም።እሞኸ በጃኹም ።
ዓይኒ ዘለዎ ይንበዓለይ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕለይ ልቢ ዘለዎ ይሕዘነለይ ዝበለት ሰበይቲ ከምዚ ምስ ረኸብት እያ።እቶም ትማሊ መን ኣሎ ከም ሊቀካህናት ገብረሚካኤል ኢሎም ዝሕለቁ ነበሩን ወረ ውጹእ ሓሶት ኢሎም ዝምስክሩ ነበሩን ሎሚ ን ኣቶ ይፍታሀን ፕረሲደት ኢሳያስን ከሕጉሱ ዝገብርዎ ዘለዉስ እንታይ እዩ።ኣሻዕ ደኣያ  ኣትላንታ ኮነ ሲያትል ወይሲ ካሎት ተቀይሮም ተሓዲሶም ፡ ዶ ዋላስ ንትእዛዝ  መንግስቲ ተቃወመ ተሓድሶ ኮይኑ ስሙ።እንበኣር ረኣዩን ስምዑን እቲ ሓቂ ኣዚ እዩ ክሳዕ እታ ፓትሪያርክ ተቀይሩ  ኣይንቅበልን ሓደሽ ፓትሪያርክ ኢልካ ተቃዉሞ ዚላዓል ዝወሃብ ነበረ መን ከማኹም ዝመስልዎ ኣሎ ዝብል እዩ።ነዚ ዝሰምዓ ኣዒንትናስ ብጹኣን እየን።ኤረ እንታይ ተረኽበ ህጂ ዝኹሉ ሃተፍ ወለፍ። ዶ ዋላስ ኣቡነ ይፍታሀ እዮም በሉ እዚኣ እንተዘይ ኢልኩም ግን ኢሎም ዘፋራርሑ ዘለዉ።ስለዝስ ዓገብ ዓገብ ዓገብ ክትፈትዎ ከለኻ ጎይታይ ጎይታይ ክትጸልኦ ከለኻ ከኣ  ርሓቀለይ ከምዚ እናበልና ከም ነፋሒቶ እናተቃያየርናኸ መን እዩ ክመጸና ምሳና ዘለዉ ገዲፎምና ይሃድሙ እንበር።
እቶም ንጹሓት ኦርተደክሳውያን ግን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እዚ ልቢ ሰብ ብሰብ ከይተጠምዘዘ ከሎ  ዝበሉዎ ኣቦታት  እዩ እቲ ሓቂ። ሎሚ ግን ህግድፍ ስለ ዘይፈተዉዎም በልዎም ደኣ ስለ ተባህለ ቢ ቤት/ጽሕፈት ፕረሲደንትን ሃይማኖታዊ ጉዳይን ተሓድሶ እዮም እናበልካ ኣብ ጸለመ ይወዓል ኣሎ።  ናብቲ ቪዶ ረኣዩ በጃኹም።ሕራይ ተዝብሉ ነሮም ግን ናእዳን ወደሳን ምቀጸለ ነሩ።ህጂ ግን ህግድፍ ጸሊኦም።እዚ እዩ ኸኣ ዘዛርበናን ኣቆጢዑናን ዘሎ ክጥዕመካን ብ ኢድካ ክሓስመካን ብ ማንካ ኮይኑ ሃይማኖት።
 ሃይማኖተ ኣቦው


No comments:

Post a Comment