1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 24 September 2011

ጉባኤ ኣትክልትን ጉባኤ ጳጳሳትን !!!!::

                                                ጉባኤ ኣትክልትን ጉባኤ ጳጳሳትን::
   ጉባኤ ኣትክልቲ፡- ሓደ መዓልቲ ኩሎም ኣእዋም ኣብ ልዕሌኦም ንጉሥ ክቐብኡ ተሰማምዑ እሞ ተኣኪቦም በሉ ሓደ ካባና ንጉሥ ዝኾነና ንምረጽ ብእኡ ተመሪሕና ከኣ ንኺድ ተበሃሃሉ። ናብ ኣውልዕ ቀሪቦም ድማ
  1. ኦ ኣውሊዕ መሪጽናካ ኢና እሞ ኣብ ልዕሌና ንገሥ በልዎ። እቲ ኣውሊዕ ግና ኣነ ኣባኻትኩም መታን ክነግሥ ክብልሲ ነቲ ኣማልኽትን ሰባትን ዝኸብርሉ ዘይተይዶ (ዘይቲ) ምሃብ ክገድፍ እየ? ኣነስ ንግሥነት ኣይደልን እየ በሎም። ኣውሊዕ ምስ ኣበዮም እቶም ኣእዋም ተኣኪቦም ናብ በለስ ከዱ። ንበለስ ድማ
  2. ኦ በለስ ንስኻ እምበኣር ኣብ ልዕሌና ንገሥ በልዎ። በለስ ከኣ ኣነ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ክነግሥ ኢለስ ነቲ ጥዑምን ጽቡቕን ፍረይዶ ብሃብ ኽገድፍ እየ? ኣነስ ንግሥነት ኣየድልየንን እዩ በሎም። ሽዑ እቶም ኣእዋም ተኣኪቦም ናብ ወይኒ ከይዶም ክልምንዎ ወሰኑ። ንወይኒ ከኣ በል ንስኻ
  3. ኦ ወይኒ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና በጃኻ ንገሥ በልዎ። እቲ ወይኒ ድማ ’’ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም ኽነግሥ ክብልሲ እቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሐጉስ ወይነይዶ ምሃብ ኽገድፍ እየ? ኣነ ንግሥነት ኣይደልን እየ በሎም። ሽዑ ኣውልዕን በለስን ወይንን ምስ ኣበዩ ኣብ መወዳእታ ኩሎም ኣእዋም ናብ እሾኽ ቆጥቋጥ ክኸዱ ተሰማምዑ። ናብ እሾኽ ቀሪቦም ድማ
  4. ኦ እሾኽ ቆጥቋጥ ንስኻ በል ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገሥ በልዎ። እቲ እሾኽ ቆጥቋጥ ግና ብሓቂ ንዓይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ከተንግሡኒ እንተድኣ ደሊኹምሲ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ እንተዘይኮነ ድማ ካብቲ ኣሻኽ ቆጥቋጥ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታትን ሊባኖስን ይብልዓዮ በሎም። መሳፍንቲ 9፡8-15። 
  5. ጉባኤ ጳጳሳት፡- ሰኑይ 11 ሓምለ 2005 .ም. ገለ ካብ ጳጳሳት ኤርትራ ብጭዋ ሰብ ተመሪሖም ንፓትርያረክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ ሥልጣኖም ከውርድዎም ደለዩ እሞ ንመራሒኦም ብዘይ ሕጊ ኣውሪዶም ንባዕሎም ሥልጣን ፓትርያረክ ክሕዙ ናይ ክሲ ደብዳበ ጸሓፉ። ፓትርያረክ ምስ ወረዱ ንግዚኡ ሓደ ዝመርሓና ኣቃቤ መንበር ንምረጽ እሞ ንሱ ዝበለና ሰሚዕና ንኺድ ተበሃሃሉ። ንሓደ ብሓይሊ ዝመት ዝተባህለ ከኣ ግዝያዊ ኣካቢ ክኸውን መደብዎ። ብድሕሪ ሓጺር ግዜ
  6. ንዓይ ይጥዓመኒ ዝበሃል ‘’ኣቱም ሰባት ኣነ ብክእለትን ትምህርትን ዝበለጽኩ እየ፡ እዛ ሥልጣን ንዓይ እንተ ሂብኩሙኒ ብዘይ ሕጊ ክመርሓኩም ኽእል እየ በሎም። ንሳቶም ግና ንዓኻስ ኣይንህበካን ኢና። ምስ ኣቶ ጭዋ ሓለቓና ድማ ኣይትሰማማዕን ኢኻ ኢሎም ከልእዎ። በዚ ሓዚኑ ኮፍ በለ። ብድሕሪኡ
  7. እንታይ ገደሰኒ ዝበሃል ተስአ እሞ "በሉ ኣነ ምሉእ ጥዕናን ብቕዓትን ኣሎኒ እዛ ሥልጣን እንተ ሂብኩሙኒ ንኹሎኹም ከሓጉሰኩምን ዝደለኹሞ ክህበኩምን እየ" ተማኺርኩም ንዓይ ሃቡኒ በሎም። ንሳቶም ግና ንዓኻውን ፍጹም ኣይንፈቕደልካን ኢና። ንቦታኻ እኳ ምምሕዳር ከቢዱካ ኣሎ። ኮፍ ደኣ በል በልዎ። ብድሕሪ እዚ
  8. ብሓይሊ ዝመት ተስአ እሞ "ኣነ ፓትርያረክ ክኾነኩም ንዓይ ሽሙኒ። ብዕድመ’ውን ካብ ኩልኹም ዝዓበኹ እየ’’ በጃኹም መኒንኩም ግደፉለይ ኢሉ ሥልጣን ፓትርያረክ ክወሃቦ ለመነ። ንሳቶም ከኣ ንዓኻውን ኣይንህበካን ኢና። መፍትሒ ዝኾነና ግና ዕጫ ንግበር እሞ ዝበጽሖ ይሸየም ኢሎም ሱቕ በሉ።
  9. ኣቶ ጭዋ መራሒኦም በዚ ናይ ጳጳሳት ንዓይ ንዓይ ምባል ስለ ዘይተሓጎሰ ‘"ፈጻምን ኣፈጻምን ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ኣነ እየ’’ ሓደ ስማዊ ፓትርያረክ ኣብ ዘለኣኽናዮ ዝኸደልና ሰብ ግና ከድሊ እዩ። ንማለቱውን "ምርጫ ክግበር እዩ’’ ስለዚ ክሳብ ዝጽውዓኩም ኪዱ ኣብ በቦታኹም ጽንሑ ኢሉ ኣዘዞም። ሓደ ዓመት ምስ ጸንሐ ኸኣ ብሓይሊ ዝመት ዝበሃል ፓትርያረክ ክኸውን ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ ብምባል ኣብ ቀረባን ርሑቑን ንዝርከቡ ሰዓብቱ ኣፍለጠ። ንኣቶ ጭዋብሓይሊ ዝመት ዘይተኣዘዘ ከም ኣቡነ እንጦንዮስ ብክስን ማእሰርትን ክስጎግ እዩ ኢሉ ከኣ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ። እዚ ብ27 ሚያዝያ 2007 .ም.ፈ ኣብ ኣስመራ ተፈጸመ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ክልተ ጉባኤታት ማለት ጉባኤ ኣትክልቲ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ጉባኤ ጳጳሳት ድማ ብጣዕሚ ዘሕዝን ውሳኔ እዮም ጌሮም። ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ዘመኑ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ እዩ እሞ ኣሕዋተየ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ካብቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር ዜርሕቕ እኩይን ዘይኣምንን ልቢ ከይህልወኩም ተጠንቀቑ። እኳ ደኣ ሎሚ ተባሂሉ ክዝረበኩም ከሎ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እዃ ምእንቲ ከይተርር ኣብ ጸጽባሕ ንሕድሕድኩም ተመዓዓዱ። ነታ መጀመርታ እምንቶና ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ኃዝናያ ኢና መማቕልቲ ክርስቶስ ንኸውን። ዕብ 3፡12-14. እንሆ ድማ ንሪኦ ውጼኢቱ ምኽንያት ምብቲታን እታ መዋእላ ሕፍርትን ሕብርትን ቅድስቲ ቤተ/ክርስትያን ኣኸቲሉ። ነዚ ይኣክል ክንዲ ምባል ግን ጽቡቅ ኢና ዘለና እንዳበሉ ዝኸዱ ኣብ ሻራን ወገንን ዝተዋሕጡ ብዙሓት እዮም።ግን ሰላም ክትረክብ ሓውኻ ሰላም ምስ ዝረክብ እዩ እሞ የሕዋቶም ደቂ ሃይማኖቶም ምእንቲ ስልጣን ክብሉ  ስሞም እና ኣጸለሙ ዝገብርዎስ ሰላም ይህቦም ዶ ይኸውን ብሓቂ ወለድና እኳ ሰላም ክትረክብ ጎሬቤትካ ሰላም ይርከብ ይብሉ ስለዝስ ሰላም ኣይክረኽቡን እዮም ክሳኦ ሰላም ንሰብ ዘይሃቡ። ኣይክቀስኑን ድማ እዮም ክሳዕ ንሰብ ዘየቅሰኑ ወዮ ልቢ የዕቢና እንበር ብዙሕ እኳ እዩ ዘሎ ምስጢር ንፈልጦ ንሱ ተዘርዚርናዮ ግን ሰብ ኣጸቢቁ ከይርሕቅ ልቦና ጋና ክንነግር ኢና። እንበር መን እዩ ካብ ቤተ/ክርስትያን ክስጎግ ዝግበኦስ ሰነዳት ይንገሩ እወ።
 ወስብሓት ለእግዚኣብሄር  ለቱ ስብሓት
   

No comments:

Post a Comment