1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 25 January 2012

ፓትርያርክ እንጦንዮስ - ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማሕዩር?

ፓትርያርክ እንጦንዮስ - ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማሕዩር?

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ማሕዩር 01-13-2006 ክሳብ 01-13-2012
“ንእሱራት ከም መኣስርቶም ኮንኩም፥ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ከኣ ከምኣቶም መከራ ትጸግቡ ከም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም” (ዕብ 13፡3) ዝብል ናይ ሕድሪ ቃል ተጻሒፉልና ከም ዘሎ፥ ንኹሎም እሱራት፥ ንግፉዓት፥ ንሕሙማት፥ ንሕዙናት፥ ንስዱዳት፥ ወዘተ ….. ክንዝክሮምን ክንጽልየሎም መንፈሳዊ ግዴታ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ክርስቲያን ምዃኑ መብርሂ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ብምኽንያት 13 ጥሪ 2006 ክሳብ 13 ጥሪ 2012 ኣ.ፈ 6ይ ዝኽሪ-ዓመት ናይ ቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ስለ ኵሎም ሰዓብቶም እሱራትን እናጸለና፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳርን ካብ ዓይኒ ምእመናን ተሰዊሮም ኣብ ማሕዩር ቤት ዘሕልፍዎ ዘለዎ ሕይወትን ጸገማትን ንምዝካር ዝቕርብ ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ።

ከምቲ “ብዙሕ ሕማሞሙ ለጻድቃን” ማለት “ፈተና ጻድቃን ብዙሕ ኢዩ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ናይ እሙናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ፈተናን ሽግርን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት’ውን “ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝግብኣና ብብዙሕ ጸበባ ኢዩ” ግሓ 14፡22 ዝብል ከም ዘሎ ብፈተና ምስ ሓላፍካ ቅድስና፥ ዓወት፥ ኣኽሊል ክብርን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ይርከብ።

<!--[if !supportLists]-->1. <!--[endif]-->ማእሰርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን è ስቅያት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና “ዘበእንቲኣሃ ተጸፋዕከ ለቤተ ክርስቲያን’’ ዝብል ክቡር ናይ ዜማ ጥቕሲ ከም ዘሎ ምእንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ድማ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሎም መንፈሳውያን ኣቦታት ተገፊዖም፥ ተኣሲሮም፥ ተሰዲዶምን ሞይቶምን ኢዮም። ሕጂ ዝግፍዑ ዘለዉ’ውን ውሑዳት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ጥልመትን ማእሰርቲ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናውን ንምዝማትን ዝተገብረ ውዲት ምዃኑ ዝኾነ ሓቀኛ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ወዲ 84 ዓመት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ኣብ ማእሰርቲ ን6ተ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ክዕጸዉ ከለዉ ንኽትሰምዖ ዘሕዝን ንኽትኣምኖ ዘጸግም ብሓቂ ዘጉሂ ነገር ኢዩ።

<!--[if !supportLists]-->2. <!--[endif]-->ማእሰርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳር è መንፈሳዊ ምምሕዳር ብሓላፍነት መንፈሳውያን መራሕትን ብሓዋርያዊ ቅብኣትን ዝካየድ ከም ዝኾነ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ዘበን’ያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዝበሃል ግና እምነትን ጸሎትን ዘይፈልጥ ተራ ናይ ፖለቲካ ሰብ ኣቶ ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እየ ምባሉን ሰዓብቲ ምርካቡን መወዳእታ ዓለም በጺሕና ከም ዘሎና ዝሕብር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ኣብ ጉድጓድ ይወድቁ’’ ማቴ 15፡14 ዝብል ተጠቒሱ ዘሎ እቶም መንፈሳውያን ብዓለማውያን ሰባት እንተ ተመሪሖም፡ ኣብ ዓለማዊ ውድቀት ከም ዝነብሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ስለዚ ማእሰርቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓዋርያዊ መሪሕነት ናይ ቅዱስ ወንጌል ኣገልግሎትን ወጺኣ ኣብ ዓለማዊ ሓሳብን ዕላማን ንምእታዋ ተባሂሉ ዝተገብረ ተንኮል ምዃኑ ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ከስተውዕሎ ይግባእ።

<!--[if !supportLists]-->3. <!--[endif]-->ማእሰርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ምርኻብ ምስ ምእመናን èሓቂ ዘይሓዘ ሰብ ኩሉ ጊዜ ድቃስ የብሉን። እቶም ብሓሶትን ብውዲትን ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከሲሶም ንማእሰርቲ ኣሕሊፎም ዝሃብዎም ሰባት ከኣ፡ ህዝቢ ተዋህዶ ነታ ሓቂ ብግቡእ ምእንቲ ከይፈልጣን ነቒሑ ከይማጎተላን ኢሎም፡ ድምጺ እቶም ከሰስቲ ጥራይ ከም ዝስማዕ ኢዮም ጌሮምን ዝግበሩን ዘለዉ። ምእመናን ተዋህዶ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ብትኽኽል ካብ ኣፍ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብኣካል ምእንቲ ከይረኽብዎ፡ ኣቦና ካብ ህዝቢ ከም ዝግለሉ ኢዩ ተገይሩ ዘሎ። ንፓትርያርክ ኣፎም ዓቢስካ፡ ኣብ ሕጊ ከየቕረብካ፡ ኣብ ልዕሊኦም ጸለመን ሽም ምጥፋእን ጎስጓስ እንዳ ኣካየድካ ብዘይ ሕጊ ምንባር ተታሓሒዞሞ ዘለዉ ስራሕ እዩ። ንመጀመርታ ዘለዎ ግና መወዳእታ ኣለዎ እሞ ሺሕ ግዜ ሓሶት እንተ ተደጋገመ ናብ ሓቂ ክቕየር ፍጹም ኣይክእል እዩ። ወላኳ ቅዱስ ኣቦና ካብ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ተኣጊዶም ኣብ ማእሰርቲ ይነብሩ እንተ ኣለዉ ምእመናን ተዋህዶ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ምዃኑ ንብዙሓት ከም ፀሓይ ቀትሪ በሪሁሎም ይርከብ ኣሎ።

ንምዃኑ ስለምንታይ ኢዮም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ን6ተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ቤት ዘለዉ?

<!--[if !supportLists]-->1. <!--[endif]-->ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብጭዋ ሰብ ብኣቶ ዮፍታሄ ክትመሓደር ፈጺመ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብማሕላ ዝተቐበልክዎ ሕድሪ ኣይጠልምን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->2. <!--[endif]-->መንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ውልቀ ሰብ ክመሓየሽ ወይ ንረብሓኡ ክቕየር ኣይግባእን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->3. <!--[endif]-->ብትምህርቲ ሰንበት ንዝተኣከቡ መንእሰያት ደቅና ካብ ቤተ ክርስቲያን ክብተኑ (ፋሕ ክብሉ) ኣይፈቅድን ኣይእዝዝን ብምባሎም፥

<!--[if !supportLists]-->4. <!--[endif]-->ምእንቲ እሱራት ውሉደ-ክህነትን ኣመንትን ካብ ምልማን ኣየቋርጽን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->5. <!--[endif]-->ምእንቲ ብዘይ ሕጊ ዝተገፍዑ ኣገልገልቲ መድኃኔ-ዓለም ካብ ምጥባቕ ኣይቁጠብን ስለ ዝበሉ፥

<!--[if !supportLists]-->6. <!--[endif]-->ኣነ ናብ ኣሜሪካ ዘይለኣኽክዎም ጳጳሳት ኣባ ሉቃስን ኣባ ሲኖዳን ልኢኸዮም ኢለ ኣይሕሱን ስለ ዝበሉ ጥራይ እዩ። ንዝያዳ መብርሂ ደብዳቤ ከሰስቶም ኣብዚ ርአዩ።

ዝኾነ እሱር ኩሉ ተስፋኡ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ። እቶም ንእሱራት ዝጭክኑ ሰባት ድማ ኣምላኽ ጨካናት ሰባት ክልእከሎም ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ስለምንታይሲ “ብዝፈረድክምዎ ፍርዲ ኪፍረደኩም፥ ብዝሰፈርክምዎ መስፈር ኪስፈረልኩም እዩ” ዝብል ጥቕሲ ስለ ዘሎ። ማቴ 7፡1 ስለዚ እምበኣር 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ካልኦት ብዙሓት መነኮሳት፥ካህናት፥ ዲያቆናትን ምእመናንን ስለ ስም እግዚኣብሔርን ምእንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ክብሉ መከራ፥ ግፍዒ፥ ማእሰርቲ፥ ውርደትን ስደትን ይበጽሖም ከም ዘሎ ተረዲእና ብጾምን ጸሎትን ክንዝክሮም ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ምእንታና ክብል ዝተገፍዐ፥ ዝተጸፍዐ፥ ዝተጸረፈ፥ ዝተገረፈ፥ ዝተሰደን ዝተሰቕለን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና መንፈስ ሓቅን ጽድቅን ከንግሥ፥ ፍትሕን ቅሳነትን ከፍስስ ሠናይ ፍቓዱ ይኹን!!!

መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ!

ደቂቀ እንጦንዮስ ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮጅ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ::
ካብ ተዋህዶ.ኦርግ ዚተወስደ

No comments:

Post a Comment