1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 21 January 2012

መልሲ ነቶም ኣብ ቤተ/ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን 5ይ ክፋል


መልሲ ነቶም ኣብ ቤተ/ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን 5ይ ክፋል::
 ትምህርቲ ቤተ/ክርስትያን ሎሚ ቀሺ ክስቶ ተዛሪቡ ዋላ መምህር ክስቶ ኢልካ ከም ብሓድሽ ዝስማዕ ዘይኮነስ ፡ሕንጹጽን ጹሑፉን እዩ።ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓደሽቲ መናፍቃን ተጻሒፉ ከም ዘሎ፡ ክሳዕ ኣስማት ብምጥቃስ እንበዓል መምህር እገለ ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣለዎ ይብሉ፡ረኺሳ ይብሉ ብምባል ሕውስውስ ዝበለ ምጽሓፎም ኣየ ክንደይ ሓዚንሎም ብምባል ፡ክንዲ እቶም ሽሞምም ጸሊሞም ዘለዉ መማህራን  ኮይና ዘይኮነስ፡ስለ ሓቂ እንታይ እዩ እቲ ትምህርቲ። ክሳዕ ህጂ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ረኺሳ ዝብል ኣሽንኳንዶ ክርስትያን እየ ዝብልሲ  ዝኾነ ፍጡር እኳ የለን ።ኣደና ብቃላ እውን  እንሆ ኩሎም ፍጥረታት ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ደኣ በለት እንበር ዝዝልፉኒ ክርከቡ እዮም ኣይበለትን ሉቃስ1:47-48::                 
ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ባዕላ ከምዝበለቶ ድማ እንሆ ኩሎም ፍጥረታት የኽብርዋ ኣለዉ።ብፍላይ ድማ እቶም ብ ወዳ ዝኣምኑን መን ምዃና ዝፈልጡንስ የኽብርዋን ምልእቲ ጸጋ ደስ ይበልክን ይብልዋ ደኣ ኣለዉ። ኣምላኽ ዘኽበሮ መን የሕስሮ።እዞም ን ቤተ/ክርስትያን ንምንዝርና ክውፍይዋ ዝጽዕሩ ሰባት ግን ነዚ ነገር እዚ ብምጥዊዋይ ን ሰብ ድማ መናገዲ ንምግባር ላዕልን ታሕትን ይብሉ ።ካብቲ ሓድሽ ትምህርቶም ድማ ግብጻዊት ቤተ/ክርስትያን መናፍቅ እያ  ኢልካ ነቲ መሰረት ሃይማኖትና ዝኾነ ቅዱስ ማርቆስ ብምቁንጻብ ናይ ባዕሎም ዓለም ንምፍጣር እዩ።እስከ ደሓን መን እዩ መናፍቅስ ቀስ ኢልና ክንርኢ ኢና፡ እቲ ሓቂ ኣየናይ እዩ።መምህር ማዕዶት ንኹሉ ክንዲ ብቅዱስ መጽሓፍ ገይሩ መልሲ ዝህብ ንምትላል ን ኣምላኽ ዘይሳኣኖ የለን እንዳበለ እዩ ሸንኮለል መሪጹ። ተዋህዶ.ኦርግ ገሊጽዎ ከም ዘሎ ግን ንጹርን ዘየማትእን ቃል ኩለን ኦርየንታል ኣብያተክርስትያን ደኣ እንበር  ቃል ሓደ መምህር ኣይኮነን።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ረሳሕ እያ ዝብል ጽሑፍ ፍጹም የለን ኣይተጻሕፈን ኣብ ተዋህዶ.ኦርግ ፡ እኳ ደኣ እዞም ደፋራት ገሊጾሞ ከም ዘለዉ  ደመ ተካቶ ኢሉ ኣይገለጸን ልማድ ኣንስቲ ዘይብላ ብዝብል እዩ ሰፊሩ እንረኽቦ።እሞ ኸ ንምንታይ ደኣ ነዚ ሓሶት እዚ መረጹ።
ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይኮነን ሲ ዝኾነ ፍጡር ኣምላኽ እኳ ርኹስ የለን ስለምንታይ ቃል ኣምላክ ከምዚ ይብል ብዘሎ ፍጥረት ቅዱስ እዩ ዝድርበ ኸኣ የብሉን። ቀጺሉ እውን ኣምላኽ ንኹላቶም ፍጥረታት ክፈጥር ከሎ እግዚኣብሄር እዚ ፈጠረ ጽቡቅ ምኻኑ ኸኣ ረኣየ ደኣ ንብል እንበር ሕማቅ ረኣየ ወይ ርኹስ እዩ በሉስ ኣይበለን።ዘፍ1.-31።ዘፍትረት 2፡1 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ፍጥረት ሰማያትን ምድርን ናይቲ ኹሉ ካብኦም ዘሎን ተፈጸመ ደኣ ይብል እንበር።ኣምላኽሲ ፍጹም ርኹስ ፈረ ክንብል ኣይግባእን።ነታ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበርት እውን ኣምላኽ ርኽሲ ገይሩ ኣይፈጠራን።ኣዳም እውን ንባዕሉ ተሪኢናዮ  ርኹስ ገይሩ ኣምላኽ ኣይፈጠሮን። ንሱ ነታ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ኦም እውን ምስ በልዓ ሞተ ደኣ ንብል እንበር ረኸሰስ ኣይንብል እሞኸ ደኣ ርኹስ ዝበሃል ሰብ የለን ንሕና እውን ርኹሳት ኣይኮናን ።
ባዕላዊ መምህር ኣብ ምንፍቅናዊ ትምህርቱ ክዛረብ ከሎ ቀዲሶ ኪያሃ ማለቱስ ኣኽቢርዋ ማለቱ እዩ ብምባል ማይ ዘይጠዓመ ትርጉም ክህብ ምርኣይና እዩ።ዘይተሰምዐ እንበር ዘይተገብረስ የለን ዝበሃል ከምዚ እዩ።ግን ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነፍሰይ ብ ኣምላኸይ ብመድሓኒየይ ባህ ይብሎ ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኩላቶም ወለዶታት ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ማለታ ደኣ እንታይ እዩ።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ን የሱስ ክርስቶስ መድሓኒየይ ማለታ እንታይ ማለት እዩ።ዘገርም ነገር እዩ።የሱስ ክርስቶስ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም መድሓኒኣ ኣይኮነን ካብ ምንታይ ከድሕና ኢልካ ምዝራብ ን ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ምቁንጻብን ምጽራፍን እዩ። ነቲ መትተ ፈጣሪ ዝብል እውን ዝኽሕድ ኮይኑ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ልዕሊ ፈጣሪ ምስራዕ እዩ።ነዚ ከምዚ ዝበለ እምነት ግን ክንቃወሞ ኢና ጋና። ስለምንታይ ፍጡር  ማዕረ ፈጣሪ ገርካ ምስራዕ ናይ ክሕደት ክሕደት እዩ።
መምህር ባዕሉ ከም ዝትንትኖ ነበረ ግን ነታ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለምንታይ ሞይታ እትብል ቃል ረጊጹዋ እዩ ሓሊፉ ከይትፍንጀሮ ግዲ ፈሪሑ።እቲ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ኢልናዮ ዘለና እንበኣር እዚ እዩ እቲ ሞት።ነታ ሞት ድማ ኢና ካብ ኣዳም ናብ ኩሉ ሰብ ሓሊፋ እንብላ ዘለና።ናብ ኩሉ ሰብ ዝሓለፈት ነገር ተልያ እውን እዛ ሞት ኢልና ንገልጻ ዘለና እያ።ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ማለት ውርሻ ሞት ማለት እዩ። ኣደና ነዚኣ ስለ ዝወረሰታ ሞይታ ከም ኩሉ ሰብ ከም ኩሉ ሰብ ድማ መድሓኒ ኣድለያ ከም ዘድልያ ስለ ትፈልጥ ድማ እያ ኣብ ሉቃስ 1፡47 መንፈሰይ ብ ኣምላኸይ በቲ መድሓኒየይ ባህ ይብሎ ክትብል ተዛሪባ ዘላ።
ካሊእ  ተዛረቦ ተነይሩ ድማ ብዘይካ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ካሊኣ ማህደር መንፈስ ቅዱስ የለን ምባሉ እዩ ነዚ ድማ ብቃል ኣምላኽ ንቃወሞ።ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነት ንበይና ኣይኮነን ኣምላክ  ቅድስቲ ተባህለት የሱስ ክርስቶስ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ስለ ተወለደ እንበር፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱሲ ኩሉ ሰብ  እዩ::ቃል ኣምላኽ ንልቢ ናይ ኩሉ ክርስትያን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ይዛረብ።`1ይ ቆሮንቶስ 3፡16 ቤት/መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኹም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ዝብል እንታይ እዩ። ኣብ ሮሜ 8፡11 ተሪኢና እውን መንፈስ ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንሰኦ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ተልዩ ግና ዝብል ዘሎኸ እንታይ ማለት ድዩ ፡ን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታን ዘተንሰኦ መንፈስከ መን ድዩ እቲ ኣብ ከርሲ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝሓደረ ዶ ኣይኮነን።ኣብ 1ይ ቆሮንቶስ 6፡19 ተሪኢና እውን ሰብነትኩም ቤት/መቅደስ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልኩምዎ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስዶከም ዝኾነ ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣይኮንኩምን ብምባል ገሊጽዎ ዘሎኸ ከምቲ ልሙድ ባህሪኦም ዶ ክጠዋውይዎ እዮም።ፍልልይ ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ኣብ እግዝእትነ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ን ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩላቶም ክርስትያናትን ግን ዝ እዩ ።መንፈስ ቅዱስ ኣብ ከርሲ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሕዳሩ ካብቲ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ን ምህጸን ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ናጻ ንኽገብር ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ድማ ዘርኢ ንኸቅውም ደኣ እዩ። 
ካብቲ ዘገርም ሽሞንድን ኣወትን ገጾም ከዊሎም ዘስሕቅ ዘረብኦም ድማ  ፊደል ይቀትል ትርጉም ይመልስ  ናብ መማህራን ከይዶም ተርጉምልና ዘይብሉ ዝብል እዩ። ወይዛ ትብሎ እንበር ዘይትገብ ዝበሉ ኣቦታትና ለከ ከምዚ ነዞም ትማሊ ዝመጹ ቆልዑ ግን መን ድዩ ነሩ መምህሮም ዶ ዋላስ እቲ ኽገብርዎ ዝግበኦም እሞ ዘይገበሩዎ እዮም ናብ መማህራን ክንከይድ ነሩና ክብሉ ደልዮም። ናብ ኣየኖት መማህራን ክንከይድ እዮም ከኣ ዝሓቱና ዘለዉ ናብ ይፍታሀ ድዩ?፡ ዘገርም ነገር ንሕናስ ኣቦታትና ኣቦው ዝመሃርዎን ዝበልዎን ደኣ ንብል።ካሊእ ከይተረዶም ዝበልዎ ነገር ተልዩ መናፍቅ ዝብል እዩ። ወይ ጉድ ዕውርቲ በልያ እሞ ከይትቅድመኪ ዝብልዎስ ከምዚ እዩ።መን ድዩ ኣብ ወልድ ዋህድ እትብ ቃል ገግዩ ዘሎ።እግዚኣብሄር ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና ይቅጽል ,,,,,,,,,,,,,,.

No comments:

Post a Comment