1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 20 January 2012

መልሲ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።

    4thpart  መልሲ  ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ዘለዉ መናፍቓን።
ፐላጊዮስ ኣብ 360 ዓም ዝተወልደ መናፍቕ፡ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝተወገዘሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ኣዳም እንተ ዘይብድልውን ኪመውት ነይርዎ እዩ። ንኣዳም ናይ ገዛእ ርእሱ ኃጢኣት ንባዕሉ ደኣ ጎድኦ እምበር ናብ ዘርኡ ኣይተመሓላለፈን። ዘርኢ ፍጡር ሰብ ኣብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኃጢኣት እምበር ብናይ ኣዳም በደል ኣይሞተን፡ ኣይመውትንውን። ብናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ድማ ኣይትንሥእን።ምስ በለ ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ጉባኤ ኤፌሶንከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብኃጢኣትውን ሞት፡ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ።ሮሜ 512 ዚብል ቃል ቅዱስ ጽሑፍ ረቲዖም ወገዝዎ።እዞም ሓደሽቲ መማህራን ዝብሉና ዘለዉ ድማ ልክዕ ከምዚ እዚ ተወገዘ መናፍቅ ዝማሃሮ ትምህርቲ እዮም ዝደግሙ ዘለዉ። ኣዳም ዝገበሮ ሓጢኣት ማለት ሞት ናብ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይሓለፈን ኣዳም ዝገበሮ እጸ በለስ ብምብላዕ ዝመጽእ መርገም ወይ ድማ ሞትሲ ኣዳም ደኣ ንበይኑ ይቀትሎ እንበር ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይሓልፋን እዮም ዝብሉና ዘለዉ።ብሓቂ ጉጉይ ትምህርቲ እዩ ምኽንያቱ ቅድመና ነበሩ ቅዱሳን እታ ኣዳም ሞት ክትመውት ኢኻ ትብል መርገም ወይ ድማ ሓጢኣት  ናብ ኩሉ ሰብ ትምሓላለፍ እያ ብምባል፡ነቲ ኣይትመሓላለፍን ዝበለ ድማ ብውግዘት ፈለይዎ።ስለዚ ድማ  ኣዳም ብዝገበሮ ኣበሳ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣበሳ ዘይብልላ ንጽህቲ ክንሳሲ ሞተት። ንሕና ኩላትና እውን እንመውት እውን ደቂ ኣዳም ስለ ዝኾና እሞ እታ ካብ ኣዳም ዝተመሓላለፈት ሞት ስለ ዝተመሓላለፈትልና ደኣ ኣንበር ገበን ስለ ዘለና ኣይኮናን።ብገበናስ ኣብቲ 2 ሞት ደኣ ኢና እንመውት ስለዚ ዘይተመሃርኩም ትምህርቲ ኣይትሓዋውሱ።ብሓቂ ኣብ ቤተ/ክርስትያና ንህጻናት ነጠምቆም ብህጻኖም ተደኣ ሃልዩ ንባዕሉ ኣደማዊ ውርሻ ሓቲኣት ሒዞም ስለ ዝውለዱ፡ ከይተጠመቁን ከይቆረቡን ተመይቶም እቶም ዋላ ሓንቲ ዓይነት በደል ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ጋሃንም መታን ከይኣትዉ ኢና።ኣጠሚቅናን ኣቅሪብናንን መንፈስ ዉሉድነት ነውህቦም ።እንበር ካብ ህጻን ዝነጽህ ደኣ ኣሎዩ ከምኡ ተዝኸውን ኣይመጠመቅናዮምን ነርና።ኩልና ድማ በዛ መኽባዕቲ እዚኣ ኢና ንሓልፍ።ኣደና ግን ነዚ ኩሉ ብሓንሳእ እዩ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኣ ፈጺምዎ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ክዛረባ ኸሎ እሞ እቲ ቃል ናብ ከርሳ ሰንጢቁ ክኣቱ ከሎ እዩ። ናት ቲኦሎጂ ሙሁር ኦርተደክሳዊ ሊቅ ፖፕ ሺኖዳ ክዛረቡ ኸለዉ ድማ እግዝእትነ ማርያም ግን ከም ህዝባ መድሓኒ ኣድለያ ኢሎም ኣለዉ ስለዚ ምድሓን ።ንዓኣ እውን ይምልከታ እዩ።ከም ህዝባ መድሓኒ ኣድለያ ነዚ ሓቂኛ ሃወርያዊ ትምህርቲ እዚ ክጥምዝዝ ምፍታን ግን ኣይንውዓሎ እዩ።ኣብ ቃል ኣምላኽ ህልኽ ኣይኮነን ዘድሊ ምስትውዓልን ምእዛዝን እንበር።

ብሓቂ ድማ ዝኾነ ሰብ ነዚ ዝቃወም ክህሉ ባህርያዊ እዩ ግን ብጭብጢ ተቃወሙ ነዚ ህያው ዝኾነ እሞ ድማ ብዝሓለፉ መንፋሳዊ  ኣቦታት ተማህረ ትምህርቲ ዝቅይር ተዓዘቡዎ። ችብጢ ተልዩ ድማ ከምዚ ንሕና  ብጭብጢ ከተቅርቡ ደኣ ጸዓሩ እንበር ከምቲ  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤኹም እትገብርዎ ንሰባት ተጸለምኩም ግደኹም ክትረኽቡ ኢኹም ካብ መቅጻዕቲ ኣምላኽ ትምልጡ ድማ ኣይምምሰልኩም ንሕና ግን ስለ ክርስቶስ ንምማት ኣውን ተኾነ ዱሉዋት ኢና ስለምንታይሲ ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታት ኣብነትና እዮም።ኩቡር ህዝቢ ኦርተደክስ ተዋህዶ ኣስተውዕል ብመሰረት ጭብጥን ኣቦታትካ ቅዱሳንን ብዝላኹዎ ትምህርትን ጭቡት ዝኾነ ትምህርቲ ኣቦታትካ ጺሒፍናልካ ኣለና ስለዚ ኣስተውዕል ደኣ እንበር ንኹሉስ ኣይትቀበሎ ብፍላይ ድማ ነዞም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓቁ ግን ዘይእዘዝዎ ሰባት ግን  ኣብ ዉሽጢ ተዋህዶና ኣትዮም ኣለዉ እሞ ተጠንቀቅ!!!።ኣንኮራ ናይ ኣቦታትኩም ትምህርቲ እዚ እዩ ንሕና ፈሊጥና ኢልና ንቅይሮ ነገር  ብሓቂ ፈጺሙ የለን ነሕዋትና ደው ኢልና ንቃወሞም ዘለና ድማ ሰላም ቤተ/ክርስትያና ዘየገድሰና ኮይኑ ዘይኮነስ ነቲ ቀንዲ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ሃወርያዊ ትምህርቲ  ዝቃወም ክንቅበልን ክንሰምዕን ስለ ዝኸበደአና እዩ።ኣቦታትና እውን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተሪኢና ምሳሌ2228 ኣቦታትካ ዘቆምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል። ብሓቂ ድማ ኣቦታትኩም ዘቆምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብሉ ብስሞዒት ድማ ኣይትኺዱ ተረድኡን ተመሃሩን ኣብቲ ኣብ ዊሽጢ ቤተ/ርስትያን ዘሎ መጻሕፍቲ ድማ ኣለኩም።

ኣብዚ ክርድኦ ዘለዎ ግን ዝትምህርቲ ኣዝስ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ምብሳሩ እዩ እንበር ድሕሪኡስ ቅዱስ ገብሪኤል መጺኡ ምስ ኣበሰራ እቲ  ኣምላኽ ኣብ ክሓድር ከሎ  ብልክዕ እቲ ቃል ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ጳውሊ ዝበልዎ ቶም ሰለስተ ኣካላት ስላሴ ፡ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን  ኣብ ከጽንዓ ከሎ ወልድ ስጋ ለቢሱ መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብቲ ኣደማዊ ቅርሻ ሓጥኣት ኣንጺህዋ ወኣንጸሃኪ ኢልዎ ዘሎ ድማ ነዚ እዩ።ካብዚ መንፈስ ቅዱስ ዘንጸሃ መዓልቲ ድማ ንሳ ካብቲ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ናጻ ትኸውን ኣላ ማለት እዩ።ንሕና እውን ካብታ ካብ ኣብራክ መንፈስ ቅዱስ ተወሊድና ስጋኡን ደሙን እንወስደሉ መዓልቲ ካብ ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ውጽጹኣት ኢና። ነዚ ብምንጻህ መንፈስ ቅዱስ ዝተዳለወ ስጋ ኣደና ኢና ድማ ክርስቶስ ኮይኑ ንብሎ።እንበር እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክርስቶስ ዝወሰዶ  ስጋ ፍጹም ኣደማዊ ውርሻ ሓጢኣት ኣይነበሮን ኣይበልናንን እውን።ኣይንውዕሎን እውንፍ።በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ መርገም ብዘርኢ ስለዝማሓላለፍ ክርስቶስ ድማ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ስለ ተወልደ  ክሓልፎ ኣይኽእልን ማንም ብዘርኢ ሰብኣይ ዝተወልደ ሰብ ግን በፍጹም ንዓኣ ከይጠዓመ ከትሕልፎ ትኽእል መኽባዕቲ የለን።

ካብቲ ዘገርመኒ ኣብ ሓደ ፓልቶክ ኣትየ እቲ ዝምህር ነበረ፡ነዚ ሕቶዚ ንዘልዓሉ ሰባት ቤተ/ክርስትያና ከምኡ እያ ታኣምን ኣዚ ዝበሃል ዘሎ ፍልስፍና ግብጻውያን እዩ ዘምጻዎ ኢሉ ብምቅሻሽ ነታ ሓቂ መግናሕትን ምፍርራሕን ሓሊፍዎ ግን መኣስ እያ ቤተ/ክርስትያን ነዚ ተቀቢላቶ ነዚ ነውሪ ዝኾነ ትምህርቲ ኣብይ ብኸመይ ብፓትሪያርክ መን ብሲኖዶስ መን ፡ደሓር ከኣ ናይ ኤረትራ ቤተ/ክርስትያንሲ ትኽእል ድያ በይናዊ ስጉምቲ ክትወስድ ።ሓሶት ድራር ምሸት ናይ ዘላለም ውርደት ንብለኩም።ጽባሕ ሰብ ምስ ፈለጦ ከም ዝፍንፍነኩም ድማ ንፈልጥ፡ ካብቲ ዘገርመኒ ኣብ ትምህርቲ ፓልቶክ ዝሰማዕኩዎ ድማ  ፓፕ ሺኖዳ ናይ ኣለክሳንደርያ ቤተ/ክርስትያን ከቃሽሽዎምን መናፍቅ ክብልዎምን  ተዓዚበ ገሪሙኒ ድማ።ካብቲ ኣብ እስራኤል ዘለዉ  ዝበሉኒ ዝሰማዕኩዎ ድማ ብጹእ ኣቡነ መንቃርዮስ ብዛዕባዚ ተሓቲቶም መልሲ ክህቡ ተረኣዩ ክንዲ ዝቅበልዎ ክጸርፍዎምን ካሊእ ሽም ከሰክምዎምን ምስ ረኣኹ ንሞት ዝመረጸ ወለዶ ኢለ። ንሕና ክሳዕ ህጂ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ/ክርስትያን ተሓቲታ ብሲኖዶስ መሰረት ክትምልስ ብዛዕባዚ ከምዘይ መለሰት ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ግን ልክዕ ከም ዝሓለፉ ቅዱሳን ከም ዝኣምን እዩ ተመሊሱልና።ብሓቂ ድማ ነቲ ኣብ መድሓኒ ዓለም ቤተ/ክርስትያን ዝቀረበ ክርክር ሕቶEthiopian Orthodox church and Original Sin Part 01 of 13//Ethiopian Orthodox church and Original Sin Part 02 of// 13Ethiopian Orthodox church and Original Sin Part 03 of 13//Ethiopian Orthodox church and Original Sin Part 05 of 13

እዝኒ በሉ እቲ ሓቂ ኣብ ማእከል ቤተ/ክርስትያን ንኦርየንታል ኣብያተ ክርስትያናት ወኪሎም ኣቡነ መቃሬዎስ ዝሃብዎ እዩ።

ነዚ ናይ ሓደ ቅዱስ ጳጳስ ናይ ኦርየንታል ኣብያተክርስትያናትን ትእዛዝ ጢሒስካ ንትማሊ ዝተወልዲ ቆልዑ ሰሚዕካ ምባል ግን ካብ መርገም ሓሊፉ ዘምጸኦ ለውጢ የለን።ግን ህዝቢ ኦርተደክስ ብፍላይ ድማ  ተቃደስቲ ናይዚ  ማይዚ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ሰባት ሰማኦቲ ትግርኛ፡ዝትምህርቲ እዚሲ ኣብ ማእከል ቤተ/ክርስትያን ኢትዮጵያ ከምዚ ህጂ ሕቶ ምስ ተላዕለ ዝተዋህበ መልሲ እዩ።እሞኸ  ብዛዕባ እታ ሰላም ከሊእኩማ ዘለኹም ቅድስትን ብጽእትን ርህርህቲ ህልና ዝኾነድ ኣደና ማርያም ግን ከምቲ ንስኹም ትምህሩና ዘለኹም ብፍላይ ድማ ገጽካ ሓቢእካ ትምህርትኹም ስለ ሓጥኣን እያ መይታ ንዝብል ናይ ገጋ ገይጋ እዩ። ኣደና ዝመትትሲ ከምቲ ንስኹም ትብልዎ ዘለኹም ዘይኮነስ ጋል ኣዳም ስለ ዝኾነት እያ።ንሳ ብሓሳባ ድንግል ብስጋኣ ድንግል ድንግል ብኽልኤ  ድማያ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃጢኣት ስለ ዝፈጸመት ኣይኮነትን ሞይታ፡ ከም ካልኦት ፍጡራት ሰባት፡ ኣዳም ብዝፈጸሞ ኃጢኣት ናብ ኩሉ ብዝሓለፈ ሞት እዩ እያ መይታ ፡። ሞት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ኃጢኣት ሰባት ኪድምስስ እዩ ሞይቱ።ኑሱ ንበይኑ ድማዩ መድሓኒ ካሊእ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ መድሓኒ የለን።ከድሕን ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ ድማ ፈጺሙ የለን። ብዘይካኡ እውን በጃ የብልናን ኣብቲ ዘካታዓኒ ምስ ሓደ ቀሺ ተኽለ ሃይማኖት ዝበሃል ዘገርም እዩ።ንሱ ክርስቶስ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም መድሓኒኣ ኣይኮነን ካብ ምንታይ ከድሕና ይብል። ከምኡ ዝኣምኑ ብዙሓት ካህናት ከም ዘለዉ ስም ነገረኒ ድማ ናይ ይዋእ ይዋእ ኢለ። ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዝበለቶ መንፈሰይ ኣምላኸይ በቲ መድሓንየይ ባህ ይብሎ ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ  እሞ እንሆ ኻብ ሕጂ ኹሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ሉቃስ 147-48 ደኣ በለት የሱስ ክርስቶስ መድሓኒኣ ምዃኑ ተዛሪባ ኣላ። የሱስ ክርስቶስ መድሓኒኣ ኣይኮነን ምባል ግን ገይጋ እዩ። ተወሳኺ እውን  ኣብ መጽሓፍ ሰነ ጎልጎልታ ተሪኢናዮ ወደየ መድሓኒየየ ፈጣሪየየ ብምባል ክትገልጽ ከላ ንዕዘብ  እሞ ፡ነዚ መጽሓፍ ሰነ ጎልጎታ ዘኣምንሉ ተኾይኖም ድማ ኣብኡ እውን ተገሊጽ ኣሎ እሞከ፡ ኣደና ተጋግያ ወይሲ ናይ ሎሚ ዘበን ናይ 1982 /ምህረት ማሕበር ወይ ድማ ሃይማኖት ንመን ክንኣምን ከም ዝግበኣና ነፍሲ ወከፍና ከነማዛዝኖ ዘለና እዩ። ንገብሮ ተልዩ ምርጫ ንዓኹም ከይንቅበለኩም ጋሃንም ከይንኣቱ ፈሪሕና።ንቃል ቅዱሳንን ንቃል ኣደናንን ከነኽብር  ስለ ዝደለና ጥራሕ ኢና ንብሎም።ድማ ብትገብርዎ ዘለኹም ማንካ ድያብሎስ ብምኻን ጸለመን ኣንጻር ሓቂን ከይትጸልኡናን  ከይተጸልኡናን ፈሪሕና ግን ንእዘዞ ነገር ከምዘየለ ክፍለጥ ይግባእ እቲ ምርጫ ኪኸውን ዘለዎ ነቲ ቃል ኣምላክጅ ዝበሎ ምፍጻም እዩ ንሱ ድማ ኣነ ግን ንመን ከምትፈርሑ ከጠንቅቀኩም ነቲ ምስ ቀተለ ኣብ ገሃንም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ ንእኡ ደኣ ፍርህዎ እወ ንእኡ ፍርህዎ እብለኩም ኣለኹ እዩ ዝብለና ሉቃስ124-5 ከም ዝበሎ ነቲ ስጋን ነፍስን ኪቀትል ዚካሎ ደኣ እንበር ነቶም ንስጋ ምስ ቀተሉ ነፍሲ ምቅታላ ዘይካሎም ክንፈርሖም ኣይግባእን እዩ።ንኣምላኽ ጥራሕ እዩ ኪኸውን ዘለዎ ሉቃስ፡125 ንመን ክንፈርሕ ከም ዝግበኣና መጽሓፍ ቅዱስ ነጊሩና እዩ።ከም ዝሓለፉ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ቅዱስ ደስቆሮስ ደኣ ንስደድ እንበር ነውራም ትምህርቲ ክሕደትኩምሲ ፍጹም ኣይክንቅበሎን ኢና። ብሓቂ ግን ዝኹሉ ዝፍጸም ዘሎ እቲ ትንቢት ናይ ሃወርያት 2ይጢሞትዎስ43።ዝበሎ ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ክመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ።ከም ዝበሎዩ።ኣእዛንኩም ኣሳሕዩኹም ደኣ ንስኹም እትደልዩዎ ቃል ዝነግርኹም መማህራን ክትእክቡ ትደልዩ ኣለኹም። ንሕና ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ስቅ ኢልና ዘይኮና ክንሪኤኩምሲ  ነቲ ምሕጻንታ እዚ ቅዱስ ሃወራያ ብምዝካር በቲ ሓደ ወገን ኣውን ኦርተደክሳውያን ኢና እናበልኩም ስለ ትዛረቡ ህዝብና ውን ከይትልኩምዎ ክንምዕደኩም ሓላፍነታዊ ግዴታና እዩ።ካብ የእዛንካ ነቲ ሓቂ ዓጺኻ ጽውጽዋይ ምስማዕ ግን ነታ ሓቂ ሒዝካ ንዓኻን ንህዝብኻን ንበረኸት ምኻን ይሓይሽ።

ስል።አዚ ነደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክብራ ዝደፈረ የለን፡ዚዘለፈ እውን የለን ወረ ከምዝስ ካባና የርሕቆ ንሕናስ እቲ ንሳ እትፈትዎን ሕልናኣ ዝቅበሎን ደኣ ንህባ፡ንሕናስ ወዳ ዝመሃረና ደኣ ንብል።ካብኡ ሓሊፉ ግን ንስለ ፖሎቲካዊ ሃልኪ ክትብል ላል ምባል ኣብ ካሊእ ቆይቂ ምእታዊ እዩ።ኣቦው ቅዱሳን ዝመሃሩዎ ንሕና ክንቅይሮ ፍጹም ኣይግባእን እዩ። ብሓቂ ድማ  ንመንፈስ ቅዱስ ኣይተግህይዎ  ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ።ኤፈሶን430 ኣምላኽ ምሕረቱ ይልኣኽ እግዚኣብሄረ ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና።
እግዚኣብሄር ይደግፍ ኣሜን።

No comments:

Post a Comment