1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 13 February 2012

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 3ይ ክፋል

           ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 3ይ ክፋል
መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ሓደ እኳ እንተኾነ ብሰለስተ ኣካላት ማለት ኣቦ። ወዲን መንፈስ ቅዱስን ከም ዝተገልጸ ይምህር፣ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዝነብር ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝፋኑ ገዲፉ ከም ሰብ ብናይ የሱስ ኣካል ኣይምመጸን ኔሩ፣ ንኣድማስከ መን መመሓደሮ? ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ስለ ዘለዎ ግን ወዲ ናብ ምድሪ ብምምጻእ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንሱ ከኣ ፈራዲ ምእንቲ ሓጢኣትና ክመውት ክኢሉ፣ ገለ ክርስትያናት ኣብ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ንሱ ከኣ የሱስ ጥራይ እዩ ዘሎ ብምባል ‘ብስም የሱስ’ ጥራይ የጥምቑ እዮም፣ እዚ ግን ዓቢ ጌጋ እዩ፣ 1ዮሃ.2።22 እቲ ንኣቦን ወድን ዝኽሕዶም ንሱ መንፈስ ጸረ ክርስቶስ ኣለዎ ይብል፣ ንኣቦን ወድን ምኽሓድ ማለት እግዚኣብሄር ወልድ ብመልክዕ ሰብ የሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ኣይመጸን። ፍቓዱ ገዲፉ ፍቓድ ኣቦ ኣይገበረን ማለት እዩ ስለዚ ድማ ነዚ ኢና ንሕና ንቃወም።ስለዚ ድማ ከነጠምቅ ከለና ብስምኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ንብል። እዚ ድማ ኣቦ ኣብ ወልድ ወልድ ድማ ኣብ ኣቦ መንፈ ቅዱስ ድማ ኣብ ኣቦውን ወልድን ከም ዝነብር ብምእማን እዩ።
ዚ ናይ ገለ መማህራን ኣበሃህላ ግን ብሽም የሱስ ጥራሕ ምባል ፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ኣይወሰደን ይብል ኣሎ ማለት እዩ (1ዮሃ.4።2-3)፣ኢየሱስ ናብ ምድሪ ክመጽእ ከሎ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኔሩ፣ ኣብ መስቀል ክመውት ከሎ ንመቕጻዕቲ ኩሉ ሰብ ወሲድዎ፣ ናይ ሓጢኣትና መቕጻዕቲ። ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምፍላይ እዩ፣ናይ ዘልኣለም ሞት እዩ ዝነበረ ፡ ነዚ ዘለኣለማዊ ምፍላይ ክፍውስ ድማ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ  መይቱልካ፡ስለዚ ነዚ ዝመተልና ኢየሱስ ፍጹም ምስ ሰባት ወይ ምስ መልኣኽታት ከነመሳስሎ ኣይግባእን እዩ።ንሱ ካብ ኣቡኡ ዝሰምዖን ዝፈልጦን ወረ ብዛዕባቲ ዝፈጠሮ እዩ፡ዝነገረና።ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ ዝተሓወሶ፡ ዝሰመሮ፡ እዩ ዝነግረና።ካሎት ግን ሰሚዕም እዮም ዝነግሩና።ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ክምለኽ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ።ንሱ እቲ በይኑ ክውደስ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ።ብዘይ ንዕኡ ንሰባት ናይ ኣምላኾ ነገር ክንህብ ፈጺሙ እዩ ዘይቅበሎ’ ናብ ኣምልኾ ዝዘንበለ ክብሪ ናብ ፍጡራት ክንገብር ንኢየሱስ ማዕረ ኩሉ ፍጡር ምግባር ስለ ዝኾነ መዓልታዊ ሂወትና ከነስተብህለሉን ክንጥንቀቀሉን ኣለና።
ገለ ገለ ተሰሓሓቱ እውን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጡር እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚ ግን ናይ ብሓቂ ዕሽነትን ገይጋን እዩ።ኢየሱስ ፍጡር ኔሩ እንተ ዝኸውን ንመቕጻዕቲ ናይቶም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ዝነበሩ ብቢልዮናትዝቑጸሩ ሰባት ክቕጽዖ ኣይክእልን እዩ ኔሩ፣ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ምእንቲ ሓጢኣት ናይ ሓደ ቢልዮናት ቀተልቲ ሰብ ክስቀል ኣይክእልን እዩ፣ የሱስ ግን እቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንናይ ኩሉ ሰብ መቕጻዕቲ ክወስድ ክኢሉ፣ንሱ ድማ ነቲ መቅጻዕቲ ክጸውር ብቁዕ ነበረ።ንሱ እቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንናይ ዘለኣለም መቕጻዕቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ክቕጽዖ ክኢሉ፣የሱስ ኣምላኽ እንተ ዘይነብርን እግዚኣብሄር ኣቦ ከኣ ብሰንኪ ናትና ሓጢኣት እንተ ዝቐጽዖን ኔሩ።ዓቢ ምጉዳል ናይ  ፍትሒ ምኾነ ኔሩ።ስለምንታይ ሰብ ብ ገበኑ ደኣ እንበር ብገበን ካሊእ ስለ ዘይቅጻዕን ዘይፍረድን ንሱ ግን ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ባዕሉ ንኹሉ ገሩዎ።
እቲ ሰብ ክቕጻዕ ፍቓደኛ እንተኾነውን ኣምላኽ ብሓጢኣት፡ናይ ሓደ ሰብ ፡ንኻልእ ሰብ ኣይቀጽዕን እዩ፣ ዓርክኻ ኣብ ክንዳኻ ክስቀልን ክቕጻዕን ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ምጉዳል ፍትሒ እዩ፣ እምበኣርከስ የሱስ ፍጡር እንተ ዝነብር እሞ ኣብ ክንዳና እንተ ዝቕጻዕ እዚ እቲ ዝዓበየ ምጉዳል ፍትሒ ምኾነ ኔሩ፣ዝኾነ ፍጡር ንመቕጻዕትና ክወስዶ ይኽእል ከም ዘይነበረ እምበኣር ርግጽ እዩ፣ ኣምላኽ ፈራድ ኩሉ ምድሪ ስለ ዝኾነ ነቲ መቕጻዕቲ ክቕጽዖ ዝኽእልውን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኔሩ፣ ንሱ ንኽቀጽዓናን ነቲ መቕጻዕትና ክወስዶን መሰል ኣለዎ፣ የሱስ ክርስቶስ ብኣካል ናብ ምድሪ ብምምጻእ ድማ ከምኡ ጌሩ፣ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣት ሰባት ሞይቱ፣ ካልኣይ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ምውታት ተንሲኡ፣ክርስቶስ ካብ ምውታት እንተ ዘይትንስእ ኔሩ ኣምላኽ ንምዃኑ መረጋገጺ ኣይምሃለወናን ነሩ፣ ካብ ምውታት ምትንስኡ ንሓቅነት ናይቲ ኩሉ ንሱ ዝበሎ ነገራት የርኢ፣ ዋላ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ምእንቲ ሓጢኣት ዓለም ከም ዝመውት ኣይተዛረበን፣ ዝኾነ መራሒ ሃይማኖት እውን ካብ ምውታት ኣይተንስአን፣ ምናልባሽ ግን ብክርስቶስ ዝተንስኡ ኣይሰኣኑን እዩ ከም ኣልኣዛር ሓው ማርታ ዮሓንስ 11፡44።እዚ  ሓቅታት እምበኣር ንክርስትና ፍሉይ ይገብሮ፣ኩሉ ሃይማኖታት ጽቡቕ ክንገብርን ምስ ካልኦት ብሰላም  ክንነብርን ይምህሩና ይኾኑ፣ እምነት ክርስትና ግን ፍሉይ መሰረት ኣለዎ። ንሱ ከኣ። ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። ካብ ምዉታት ከኣ ተንስአ ዝብል እዩ፣ እዚ  ሓቅታት ካብ ክርስትና እንተ ወጺኡ ክርስትና ልክዕ ከምቲ ካልእ ሃይማኖታት ክኸውን እዩ፣ ንክርስትና ፍሉይ ዝገብሮ እዚ  ሓቅታት እዩ፣ኩልና ንኣምላኽ ንክንነብር ኢና ተፈጢርና ኔርና። ኩልና ግን ንገዛእ ርእስና ክንነብር ጸኒሕና፣ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንምንባርካ ዝተሰቅለ ህያው ኣምላኽ እዩ እሞ ንምቅባሉ  ግዜ ኣይትውሰድ።
ስለዚ ናብ ኣምላኽ ክንመጽእ ከሎና ከም በደለኛትት ኮይና ክንመጽእ ኣሎና፣ ክርስቶስ ምእንታና ስለ ዝሞተ ከነ መስግንን ካብ ምውታት ከም ዝተንስአ ሎሚ ከኣ ህያው ከም ዝኾነን ክንኣምን ይግብኣና፣ ናብ ዝሞተ ሰብ ክትጽሊ ስለ ዘይከኣል ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ህያው እንተ ዘይከውን ናብኡ ክንጽሊ ኣይምኸኣልናን፣ ኢየሱስ ካብ ምውታት ስለ ዝተንስአ ግን ምስኡ ክንዘራረብ ንኽእል ኣሎና፣ኢየሱስ ካብ ምውታት ድሕሪ ምትንስኡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ሽዑ ድማ እቲ ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድሪ መጺኡ፣ መንፈስ ቅዱስ ልክዕ ከም ኢየሱስ ናብ ምድሪ ንህይወትና ብህላዌኡ ንኽመልእ መጺኡ፣ ህይወትና ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ሂብናዮ ንሱ ክቕድሰና ይኽእል እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣካ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብዓወት ክትመላለስ ትኽእል ኢኻ፣ መንፈስ ቅዱስ ብበዓል ሓምሳ ቅድሚ ምውራዱ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብዓወት ክመላለስ ይኽእል ኣይነበረን።ይቅጽል,,,.

No comments:

Post a Comment