1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 13 February 2012

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ክፍትሑ ኤርትራውያን ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ የመልክቱ

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ክፍትሑ ኤርትራውያን ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ የመልክቱ ::

ግዱሳት ኣሜርካውያን ኤርትራውያን፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንክፍትሑ ዝጀመርዎ ጠለብ ቁጽሩ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ካልኦት ኣህጉር ዝነብሩ ኤርትራውያን ይድግፍዎ ምህላዎምን እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት ይሕብር።
ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ጠለብ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ንጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቓልቦ ሂቡ፣ ብዘይ ወዓል-ሕደር ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝከኣሎ ክገብር ዝሓትት እዩ።
ኤርትራ፣ ግህሰት ኣምልኾ ዝገነነላ፣ መሰል-ሰባት ዘይክበረላ ቦታ ምስ ተቐየረት፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ መሰል ኣምልኾን ናጽነትን ከኽብር ንመንግስቲ-ኤርትራ ስለዝሓተትዎ፣ ካብ መዓርጎም ብሓይሊ ከምዘውረዶምን ግዳይ መንግስታዊ-ዓመጽ ከምዝኾኑን ይትንትን። ልዕሊ ሰማንያ ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብሕማም ስኾርያ ከምዝጥቕዑን ጥዕንኦም ኣብ ዘሻቕል ኩነት ከምዘሎን ድሕሪ ምሕባር፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ቅጽበታዊ ዝኾነ ፍታሕ ክገብር ምሕጽንትኦም የቕርቡ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ካብ 2007 ዓ.ም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር፣ ሕጂ ብዘይ ወዓል-ሕደር ክፍትሑ ስምናን ክታምናን ኣተሓሒዝና ንልእኽ ኣሎና ብምባል እቲ ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ሓሳቡ ይድምድም ::
ብተወሳኺ ኩሉኹም ብጹእ ወቅዱስ ንኽፍትሑ እትድግፉ ሰባት ድምጽኹም ኣብዚ ተለጢፉ ዘሎ ክትህቡን ዘለኩም ሰናይ  ድልየት ክትገልጹን ኣቦው ዘለዎም ምንዮት እንዳ ገለጽና ፡ስለ ብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ  ፓትሪያርክ ኤረትራ ብ ጾሎት ደው ክትብሉ እውን ደጊምና ንጽውዕ።  ስለዚ በቲ ዘለካ ዓቅሚ ይፈትሑ በል። እቲ ብ ኤረትራውያን ቀሪቡ ዘሎ ጥርዓን ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት  ኣብዚ ከፊትኩም ክትረክቡዎ ትኽእሉ::http://www.petition2congress.com/603orthodox-tewahdo-church/
ንብጹእ ወቅዱስ ቀደማዊ እንጠንዮስ ኮነ ንኻልኦት እሱራት ኣምላኽ ፍትሒ ይሃብ።እግዚኣብሄር ይርድኣና።

No comments:

Post a Comment