1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 14 February 2012

1ይ ክፋል መን እዩ መናፍቅ ???!!!።

   
1ይ  ክፋል  መን እዩ መናፍቅ ???!!!።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ተፋለለየ ግዜ ብእተፋላለዩ ሰባት ክትዝረብ ንሰምዓ ኢና፡ ግን ግንንቲ ኣይኮነትን  እንታይ እእያ እሳ ኸ ተደኣ ኢልኩምኒ መናፍቅ ትብል ኢያ።መብዛሕቲኡ ግዜ ብ ሃይማኖታውያን ሰባት ክትዝረብ ንሰምዓ ንኸውን ግን ን ሎሚ ብሕጽር ዝበለ መንዩ መናፍቅ??  ዝብል ቁሩብ ክንትንክፎ ባህ ይብለና። መናፍቅ ማለት ተጣራጣሪ ኣብ ኣምላኽነት እግዚኣብሄር ኣንድነትን ሰለስትነትን ዝበሃል ቅጽል እዩ።ኣብነት ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያና ከም እኒ ኣርዮስ ከም እኒ ንስጥሮስ ወዘተ ዝኣመሰሉ  ኣብ ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ  ስለ ዝተሰሓሓቱ በዚ ቅጽል እዚ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ብ ሕማቅ ታሪኽ ክለዓሉ ንዕዘብ።

እዚ ነዞም ን ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ   ዝኸሓዱ  ዝተዋህበ ቅጽል ድማ ኣብ እቶም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስን  ሰለስትነትን ኣንድነት ዝኣምኑን ሰባት በዚ ቅጽል እዚ ሰባት ከጠምቅዎም ምስ ረኣኹ እየ ገሪሙኒ።መናፍቅ ነቶም ኣብ ነገረ ክርስቶስ ሰጋእ መጋእ እንዳበሉ ዝነብሩን ነቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ  ድማ ማዕረ ፍጡራን  ንዝሰርዑን ደኣ ይግባእ እንበር ነቶም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው ኣምላክ ዝተቀበሉስ ፍጹም እዚ ቃልዚ ኣይብጽሖምን እዩ። ኣብ ሓደ ብሎግ ኣትየ ን ገለ ካህናትን ገለ ሊቃነ ጳጳሳትን እዚኦም መናፈቃን እዮም ዝብል። ጹሑፍ ኣንቢበ። ዋእ ገሪሙኒ  ሎሚ ዘበን ተቀይሩ ተኾይኑ ኣብርሃም ናብ ኣብርሃት፡ ኣብርሃት ድማ ናብ ኣብርሃም ተጋማጠልሾን ወይ እውን ብዕራይ ምራኽ ክወልድ ዝኽእል ተኾይኑ ዋእ ን ሰማዕቲን ኣንበብትን ይገድፎ ከምኡ እንድህሪ ዘይኮይኑ ግን ፡ነቶም ን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢና ነምልኽ ካሊእ ክምለኽ ዝፍቀዶ ሓይሊ የለን፡ ከምልኽ እንበር ንዝበሉ ከምዚ መልሲ ዝወሃብ ተኾይኑስ ተገማጥሎሽ ኢና ንብሎ።
ክስበኽ ዘለዎ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ንዝበለ የንእዶ ደኣ እንበር ካብ መኣስ እዩ ኸ ዘንቀፎ፡ ትምህርቲ ቅዱሳን ሃወርያት ከ ንምኻኑ እንታይ ድዩ፡ሃወርያት እንታይ ኢሎም ዲዮም ገዲፎምልና፡1ይ ጢሞትዎስ 3፡15።  ከም ወዮ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ኣብታ ናይ ሓቅ ዓንድን መሠረትን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ሕያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኽንነብር ከም ዝግብኣና ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ ዶ ኣይኮነን ዝብል እሞ ኸ ቅዱሳን ሃወርያት ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዝግብኣና ካብ ጸሓፉልናስ ናበይ ኢና ንጸጋም ገጽና ንዛዙ ዘለና። ካብቲ ዘገርም በቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፊ ገሮምሲነቲ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ  ዝጸሓፎ ክጻረሩ ዝፍትኑ ምርካብና እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ገርና ክን ነብር ከም ዝግብኣና ጺሒፎምልና እዮም። ካብዚ ሃወርያትዝጸሃፉልና ወጻኢ  ወይ ድማ ምስኡ ዝጋጮ ከይንቅበል ግን ቃል ኣምላኽ ይኽልክለና።ሃወያርት እቶም ካብ ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ መንፈሱን ሰሚዖም ዝጸሓፉ ክኾኑ ከለዉ። ኢየሱስ ክርስቶስ ግን  ካብ ርእሱ ዝዛረብ ህያው ኣምላኽ እዩ።በጃኩም እባ ናይ ሓቂ ንዛረብ ነቲ ዝስዕበና ህዝቢ ኣብ ጭርጭር ዓበደ ኣይነንብሮ፡ እወ ኣብ ሰማይ ላም ኣላትኒ ጸብኣ ግን ጢዒማ ኣይፈልጥን ተሚሂርናዮ  ግን ጽባሕ ነቲ ሂወት ዝህብ ቃል ምስ ፈለጦ ከም ኣጋንንቲ ክሪኤና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ስለዚ ነዚ መጓሰ ኣምላኽ ዘድልዮ ቃል ኣምላኽ ምንጋር ጥራሕ እዩ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዝግብኣና ነጊሩና ከሎ ግን፡ብሓሳባትናን ብስምዒትናን ክንጓዓዝ ኣይግባእን፡ስለዚ ኣነ ክርስትያን እየ ክትብል ከለኻ ክርስትያን ማለት እንታይ ምዃኑ ን ነፍስኻ ሕተታ።እወ  ክርስትያን ማለት ዘመልክቶ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓብ ጥራሕ እያ፡እቶም ቅድመና ተጸውዕሉ እውን ነዚ እዩ ነበረ ካብዚ ወጻኢ ክኸዱ ግን ቅቡል ኣይኮነን።ስለዚ ንዝኾነ ኣንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ስርዓትን ኣምልኾን ቅዱስ ጳውሎስ  እቲ ናይ ኣምላኽ ሃወርያ ካሊእ ወንጌል ምዃኑ እዩ ዝዛረብ። ዘገርም ግን ንባዕልኻ ኣብ ካሊእ ወንጌል ከለኻስ ከመይ ገርካ ኢኻ ነቲ ሰዓቢ ክርስቶስ ክትጸርፎ እትደፍር።

ንሱ ቅዱስ ጳውሎስ  ዝበለና ተልዩ ከምዚ ዝብል ደኣ እዩ።ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ፱ - ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዝሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ። ደኣ እዩ ዝበለ፡ ስለዚ ብድሕሪ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመጸ ዝኾነ ይኹን መምህር ወይ ሃወርያ  ካሊእ  ምስዚ ዝጻረር ትምህርቲ ንዝምህሮ ከይንቅበል ብውግዘት ተነጊሩና እዩ።ሎሚ ነዚ ምስ ወንጌል ዘይሳማማዕን ምስ ወንጌል ሰማይን ምድርን ዝኾነ ስነ ሓሳባትን ትምህርቲታን ክንቅበል ዝግበረልና ታህዲድን መናውራን ደኣሞ ሰማእትነት ከኽፍለና  ድዩ ደልዩስ ወይ ካሊእ ነገር።ናበይ ከ ኢና ደሊና ናበይ ገጽ ናበይ ኩሉ ልሳን ንንጉስ ን እየሱስ ክብል ኣለዎ።ይቅጽል,,,,,,,,,,,.

1 comment:

  1. selam kuburat haymanote abow tgebriwo zelekum btami mehari eyu emo ajokum.bertiu

    ReplyDelete