1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 16 February 2012

ይቅጽል 4ይ ክፋልንጹር መልእኽቲ ወንጌል

ይቅጽል 4ይ ክፋልንጹር መልእኽቲ ወንጌል
ቀደም ሰባት ደጋዊ ህይወቶም ጥራይ እዮም ከመሓይሹ ዝኽእሉ ኔሮም፣ ውሽጣዊ ህይወቶም ግን ብሓጢኣት ዝተሳዕረን ዘይተለወጠን እዩ ኔሩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣካ ግን ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዝነብር ብውሽጥኻውን ንኣምላኽ ዝበቅዕ ናብራ ክትነብር ትኽእል ኢኻ፣እቲ ዘገርም መልእኽቲ ናይ ወንጌል ኣምላኽ ሓጢኣትካ ምስ ሓደገልካ ልብኻ ፈጺሙ ክጸሪ ከም ዝኽእልን ኢየሱስ ኣባኻ ክነብር ምስ ጀመረ ከኣ ብመንፈሱ ጌሩ ንኣካላትካ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ይገብሮ ዝብል እዩ፣ሓደ ጊዜ ምስ ሓደ ኩሉ ግዜ ዝሰክር ክርስትያን የዕልል ነበርኩ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ምስካርሲ ጽቡቅዶ ይመስለ? ይግባእዶ ኢለ  ሓተትክዎ፣ ንሱ ድማ ቤተ ክርስትያን ቤት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ፈጺሙ ከም ዘይስከርን  ነገረኒ፣ ኣነ ድማ ከምቲ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ማህደር ኣምላኽ ዝኾነት ፡ ሰብነቱ እውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነት ነዛ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነት ሰብነቱ ድማ 1ይ ቆሮንቶስ3፡16-17።ነገርክዎ ፣ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ዝሙት ምፈጸምካዶ? ድማ ወሰኽኩ ዋእ ዞም ሰብኣይ ተጸሊልኩም ዲኺም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ደኣሞ ከመይ ገርካ ኸ ትሓስቦ ኢሉ ብምግራም መለሰለይ።
 እንበኣር ኣብ እታ ማህደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ልብኻ  ክትሰክር ከለኻ ከም ኣብ ቤት ኣምላኽ ውሽጢ ትሰክር ዘለኻ እዩ ስለምንታይሲ ልብኻን ሂወትካ እውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢለ ኣረዳእኩዎ።ቃል ኣምላክ እውን ዝብሎ ተልዩ ነታ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ልብና ፡ብስኽራን፡ብዝሙት ።ብሓሶት፡ ብ ፍቅረ ንዋይ ከንየማስና ይእዚዘና ። ስለዚ ኣብ ኣካላትካ እንታይ ከም እትገብር ተጠንቀቕ፣ ናይ ምትካኽ ሽጋራ፡ መስተ ምስታይ ኩሉ ነቲ ኣብ ውእጢ ቤተ/ክርስትያን ክትገብሮ ዘይትደሊ ኣብ ልብኻ እውን ኣይትግበሮን ኣይትሕሰቦን።ተዘየ ማህደር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘማሰንካ ኣምላኽ ከማስነካ እዩ።1ይ ቆሮንቶስ3፡16-17።
እወ ጎዳእቲ ርኹስ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ቦታ ክረክብ ምፍቃድን ቀስ ብቐስ ንስጋኻን ኣእምሮኻን ከዕንዎ እዩ፣ህይወት ክርስትና ከም ሓደ ውድድር ጉያ እዩ፣ ገጽና ካብ ሓጢኣት ምስ መለስናን ዳግም ምስ ተወለድናን ናብ መጀመሪ መስመር ናይዚ ውድድር ንመጽእ፣ ሽዑ እቲ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህይወትና ዝቕጽል ናይ ማራቶን ውድድር ይጅመር፣ ንጎዪ ንጎዪ ንጎዪ፣ በብ መዓልቱ ከኣ ናብቲ ናይ መወዳእታ መስመር እናቐረብና ንኸይድ፣ ኩሉ ሳዕ ግን ጉያና ከነቋርጽ ኣይግባእን፣ብካልእ ኣብነት ንምግላጹ።
ዳግም ክንውለድ ከሎና ናይ ገዛና መሰረት ነንጽፍ ኣሎና፣ ብድሕሪኡ ቀስ ብቐስ ነቲ ብዙሓት ደርብታት ዘለዎ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክንሃንጽ ንጅምር፣ እዚ ህይወት እዚ በብዓመቱ ኣብ ህይወትካ ዝነበረ ክፉእ ባህርያት እናኣጥፋእካን ብዝያዳ ንኣምላኽ እናመሰልካ እትኸደሉ ስለ ዝኾነ እቲ ክትነብሮ እትኽእል ዝበለጸ ናብራ እዩ፣እሞ ዳግም ንክትውለድ እንታይ ክትገብር ኣሎካ?መጀመርያ ሓጢኣተኛ ምዃንካ ፍለጥን ተኣመንን፣ ርእስኻ ምስ ካልኦት ብምውድዳር ካብ ገሊኦም ስለ ዝሓሽኻ ኣይትጸናናዕ፣ ሓጢኣት ልክዕ ከም ቀታሊ መርዚ እዩ፣ ሓደ ንጣብ ሰቲኻ ኮነ ሚእቲ ንጣብ ሰቲኻ ምሟትካ ኣይተርፈካን እዩ፣ ኣብ ህይወት ክርስትናኻ ጥዑይ ምጅማር ክትገብር እንተ ደሊኻ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸፍአ ሓጢኣተኛ ከም ዘይትሓይሽ ፍለጥን ተኣመንን።ብድሕሪኡ ካብ ኩሉ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ወስን፣ብድሕሪኡ ብክርስቶስ እመን፣ እዚ ማለት ኩለንትናኻ ኣብ ክርስቶስ ምዕቋብ ማለት እምበር ብኣእምሮኻ ብዛዕባ ክርስቶስ ገለ ነገር ምእማን ማለት ኣይኮነን፣ስለምንታይሲ ካብ ተጠመቅካን ን የሱስ ክርስቶስ እቲ እንኮ መድሓኒ ምዃኑ እንድሕሪ ፈሊጥካን ሲ ከም ሓድሽ ከሓዲ ዝነበረ ምእማን የድልየካ ኣይኮንኩን ክብል ደልየ ኩልትናኻ ወፊ ናብኡ ተማዕቆብ። ይቅጽል,,,,,,,,,,,,።


No comments:

Post a Comment