1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 9 February 2012

እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7። 2ይ ክፋል።


እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7። 2ይ ክፋል።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓቂ ተዛረቡዎ እወ መቅጻዕቲ እዩ፡ ወሪዱና ዘሎ፡እንታይ ስለ ዝገበርና ኢና ግን ዝኹሉ መቅጻዕቲ፡እስከ ነፍሲ ወከፍና  ሕሉፍ ታሪኽ ን መርምር ኣብዚ ናይ ናጽነት ዓመታት እንታይ ሰሪሕና ነስተውዕል እንታይ ለውጢ ኣካይድና፡ እንተዘየለ ፡ፈተና እዩ፡ኣምላኽ ክምህረና ደልዩ እናበልካ ርእሰ ጥበራ ህጂ እውን ናይ ገይጋ ገይጋ እዩ።እዚ ሰባት ከይንስሑ ዝኽልክል ናብታ እንናፍቃ ዘለና ሃገር  ከይንኣቱ ዝገብር ጉጉይ ትምህርቲ እዩ። ነቲ ወሪዱና ዘሎ ድማ ዘጋድድ እዩ። ን ሓጢኣት ምጥባው እዩ። ኤርምያስ ነቢ 5፡3-5።ብርግጽ እግዚኣብሄር  ሓቂ እዩ፡ዝደሊ  ወቅዓኩም ፡ግናኸ ኣየሕመመኩምን ደቖሰኩም ግናኸ ኣይተቀጻዕኩምን፡ ገጽኩም ከም ከውሒ ኣትረርኩም ካብ ሓጢኣትኩም እውን ኣይተመለስኩምን   ኣነ ኸኣ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄር ን እቲ ኣምላኽ ካብኣቶም ዝደልዮ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ድኻታት ዓያሱን እዮም።ስለዚ ናብቶም ሰብ ስልጣናት ደኣ ክኸይድ ኽነግሮም በልኩ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን እወ ኣምላኽ ካብኣቶም ዝደልዮን ዝፈልጡ እዮም ኽነግሮም በልኩ ፡ግናኸ ኩላቶም ሓቢሮም ስልጣን ዝጠሓሱን ምእዛዝ ዝኣበዩን ነበሩ።እዚ እቲ  ሓቂ ክልና  ዓያሹን ድኻታትን  ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓስናን ኢና።እንታይ ዝተገብረ ኣሎ እንተ ኢልና ቡዙሕ እዩ።
ኣገልገልቲ እዚ ህዝቢ ከመይ እዮም  ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ድዮም ወይስ ሰበስልጣናት እዮም? ከም ዮሃንስ መጥምቕ " ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። " ኢሎም ናብ የሱስ ዝሕብሩ ድዮም?  ከም  ሃዋርያ ጳውሎስ  "ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ዘይገብሩ ድዮም።  ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእሶም ዘራዩ ድዮም።ነዚ ቃልዚ ዝኽተሉ ዲዮም። 2ቆረ.63-10  ዲና ነፍስና እስከ ንመርምር። ህዝቢ ተኣኪቡ ብስም ልሰት ክሰክርን ጓይላ ገይሩ ክስዕስዕ እንዳሓደረን፡ ህዝቢ ኣምላኹ ረሲዑ <ላሎ> <ላሎ>> ኢሉ ክዝምር እንዳሓደረ ሓንቲ መዓልቲ ዓገብ ኢልና ዘይንፈልጥ ዶ ኣይኮናን።ኣብ ዓዲ ወጻኢ ካብ ኣስመራ ባህሊ ተመጺኡ ኣብ ንያት ዝጸንሓኻ እተን ንቆርብ ኢና ዝብላ ከይተረፋ መብዛሕተአን ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ እየን ጉድና እዚ እዩ እኮ እሞ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ድዩ ፈተና ክመጸኦም።

ኣገልግሎትና ኣበይ ዝተመስረተ እዩ ኣብ ሓለፍቲ ሰባትን፡ስርዓታትን ፡ካብቲ ዘገርምን ዘሐዝንን ናይ ሎሚ ኣገልገልቲ ክፈትወና ሰብ ቅዱስ ኣቦና ወይ ድማ መምህር ዝብል ቃል ጥራሕ ክጥቀም ኣለዎ፡ብቁሩብ ጥራሕ ኢና ካብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንፍለ ንሱ ኸኣ ንሕና ነቲ ንሶም ዘይነብሩሉ ስርዓተ ሓድሽ ኪዳን ንኽተል ኢና ኢልና ስለ ንመጻደቅ ጥራሕ እዩ።ስደት ቀደም ንእስራኤላውያን ትእዛዝ ኣምላኾም ምስ ዝጥሕሱ እዩ ይወርዶም ነሩ። ኣምላኽ ዝተሓጎሰሉ ህዝቢ ንስደት ተወፈየስ  ኣይነንብብን ኢና።ን ኣምላኽ ብዙሕ ኢና በዲልናዮ ካብ ምቅጻል መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዝካ ኣብ እንዳማርያምን ስላሴን ተቃጸላ ከባቢ10.000 ዝኾውን ፡ምስጋግ ኣሸሓት መንእሰያት ኣትሒዝካ፡ክሳዕ ህጂ ዝካየድ ዘሎ ብኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢና ዝብሉ እኳ ደኣ፡ ምጽላም ስም ሰባት ኣትሒዝካ፡ኣብ ኤረትራ መራሕቲ ጸለመ ኣሕዋትና ንሕና ደይኮናን እቶም ካብ ታራ ተማላላሲ ትምህርቲ ሰንበት ኣትሒዝካ ክሳዕ ጳጳስ መልክዕና ረሲዕናዮ ዲና ንሕና እኳ ተረሳዕናዮ ኣብ ኣምላኽሲ ኩሉ ግዜ ኣለና።ነቲ ከማና ኣማኒ ምስቲ ዘይኣማኒ ኮይና እንፈርድን እንኹነንን ንሕና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ደይኮናን መስኪናይ ህዝቢ ደኣሞ ከም ኣፍና እንዳሉ ዝኸይድ።
ስም ኣምላኽ ክስረቅ እንከሎ <ይካኣሎ> ክበሃል እንከሎ ነዚ ህያው ስም ኣምላኽ ንሰባት ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ስለዝሰርሑ ብምሃብ ን ኣምላኽና እነቅንእ ደይኮናን። ናይ ብሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተኾይናስ ስለምንታይ ደኣ ነቶም ይካኣሎ እንዳበሉ ዝደርፉ ነበሩ ደቀይ ይካኣሎ ስም ኣምላኽ ጥራሕ እዩ ኢልና ገኒሕና ዲና ዓገብ ዘይንብል ደይኮናን። ህጂ ግን ጸገም መጺኡ ሰብ ዝካኣሎ ተኾይኑ ግን ንርኢ ኣለና።ህዝብና  ኣኸባ ክትብሎ ዋላ ሓንካስ ዕዉር ከይተረፈ  ብለይቲ መኣስ እያ ትወግሕ ናብ ኣኸባ ክኸይድ ኢሉ፡ ክሓስብ ዝሓድር ቤተ/ክርስትያን ክትብሎ ከለኻ ግን እቲ ጦዑይ ከይተረፈ እዩ ዘይነበሮ ሕማም ዝመጾ።እዝስ ክብሪ ኣምላኽ ምስራቅዶ ኣይኮነን።ክሳዕ ህጂ ህዝብና ምሕረት ኣምላኽ ዘይኮነስ ኣኸባ እዩ ዝናፍቅ መኣስ ትወግሕ ቤተ/ክርስትያን ከይደ ክንሳሕ ዝብል ዘይኮነስ  መኣስ ትወግሕ  ናብ ኣኼባ ክኸይድ ዝብል ኣብ መንጎ እምነትን ክብረትን ዘሎ ፍልልይ ዘሎ ከይፈለጠ ዝነብር ዘለና ህዝቢ ደይኮናን እንውንን።እቶም ኣገልገልቱኸ  እህም,,,. ካብ መን ደኣ መስኪናይ ተማሂርዎ ተመሃራይ ከም መምህሩ ባርያ ኸኣ ከም ጊላኡ ደይኮነን እንበር ክሳዕ እዚ ኩልና ንጠዓሰሉ መቅጻዕቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ቀጻሊ እዩ።ጋና ኣለና እዚ ዘለናዮ ዋዘማ እዩ።ክሳዕ ብልብና ዘይተመለስና።
ክንዲ ናጽነት ተረኺቡ ን ኣምላኽ  ነቲ ህያው ጎይታ ምምስጋን ተረሲዑ ኣብ ጋይላን ዳንኬራን ከም ሰብ ኣርሆ ደኣ ኣየሕለፍናዮን ኢና ግዝየና። ኣምላኽ ናሓፊ ኮይኑ እንበር ብ ጓይላ መረት ዘሐመድና ንሕና ደይኮናን።ኣብያተ-ክርስትያናትና ዓንየን  ኣገልገልቲና  ዝብላዕ ሲኢኖም ብ ገዛእ ረሃጾም ክበልዑ ከለዉ፡ ገንዘብና ኣብ ባህልታትን ወፋያታትን እንጥፍእ፡መባእን ዕሽርን ክንከፍል ርእስና እንሓምም 2% ካብ ሚኢቲ ግን ናብ 10% ካብ ሚኢቲ ሓፍ ዘይበለ ድቃስ ሲኢና እንሓድርከ ንሕና ደይኮናን።ከመይ ገሩ እዩ እቲ ምሕረት ክመጽእ።ፓትሪያርክ ተኣሲሩ ከም ሰብ ጸሎት ዘይንእውጅ ከም ዓረብያ እንዝወር ኣገልገልቲ ዶ ኣይኮናን ከመይ ገይሩ እዩ።ንሕና ዝዋናታታ ሃገር ክወግሓላ፡ ንሕና ዝኣገልገልቱ ህዝቢኸ ከመይ ገይሩ እዩ ክሕጎስ ክነብዕ ይነብር እንበር ፡ከመይ ኢሉ ይኸውን።እታ ጸሓይ ፈለማ ክትበርቅ ጋና ኣሎ ኢድ ኣምላኽ ክሳዕ ብሓንሳእ እትርደኣና ጋና ኣሎና።ክሳዕ እንፈልጦ ንኣምላኽ።ክሳዕ ሓቀኛ ንስሓ እንወስድ።ዘገርመኒ እንተ ኣሎ።ደቂ 80 ዓመታት 60 ዓመት ኣረጋውያን ኣብ እቲ ቢባህላዊ ህግደፍ ዝኻየድ  ትልሂት ብባህላውያን ሓዲረንን ሓዲሮምን ክመጹ ምስ ረኣኹ ጎይታ ሓቅኻ ኢኻ መቅጻዕትስ ዊሒዱና እባ እዩ ዘሎ ኢለ፡ ቀደምሲ ደቂ 70 ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸዳ ኢና ንርኢ ነርና ሎሚ ግን ናብ ጓይላን ዳንከራን ።ሎሚ ንህዝቢ ኤረትራ ዘድልዮ ጸሎት፡ንብዓት ከም ስብ ነነዌ ካብ ዝዓበየ  ክሳዕ ዝነኣሰ ብፍቅሪ ምንሳሕ ኪሻ ተኸዲንካ ጥራሕ እያ እታ መድሃኒት ናይ ሎሚ ጠበርቲ ሰበኽቲ ዘበና ግን ኢድ ኣምላኽ ኣብ ልዕለኹም ከም ዘላ ፍለጡ ስለምንታይሲ ኣምላኽ ዘይበለኩም ትብሉ ስለ ዘለኹም። ኣምላኽ ክልተ ዘረባ ኣይዛረብን ንኣሸሓት ነበያት ሓንቲ ቃል እባ ይዛረብ፡እወ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝኾኑ።
ናይ ኣምላኽ ሰብ እየ ዝብል ሰብ  እስከ ይቅረብ እዚ ወሪዱ ዘሎ ኣብ ሃገርና ህዝብና፡ኣብ እምነትና መቅጻዕቲ ኣይኮነን ይበል፡ሎሚ ኤረትራውያን ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ብ ኣውራጃን፡ዓደይ ዓድኻን እንጣቃቃዕ እኳ ደኣ መራሕቲ ሃይምኖት፡ንህዝቢ ብትንትን ኣቢልና መሳርዕ ምሸት ገርናዮ ዘለና ፡ ዋና መጋበርያ ፖሎቲካ ብምዃን ህዝቢ ኣብ ምትላል እንርከብ ዶ ኣይኮናን ።ንሓና እኳ ኢና ክስዕ ጀንቭ ንኲናት ብምድጋፍ ን ፖሎቲካ ንምውቃብ ሆ ክንብል ዝወዓልና ፡ንሕና ዝገልገልቱ ህዝቢ መኣስ እዩ፡ክስሕቅ ንሰሓቅ እንዳ ኣመዓደዋ ይጠፍእ እንበር።መን ዲና እቶም ንይምሰል ነጸላ ተኸዲና ናብ ቤተ/ክርስትያን እንኣቱ ግብርና ግን ካብ ሰብ ሶዶም ዝገደ መን ድዩ ንሕና ደይኮናን።ነዚ ሓደ መልክዑ ሓደ ቋንቁኡ ዝኾነ ኣብ ማእከል ተኣፋፊ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ኣምላኽ ክንዲ ብፍቅሪ ተጠሚሩ ንኣምላኽ ዘገልግል ከም ደቂ በራኻ በቲናዮ ዘለና ንሕና ደይኮናን።ሎሚ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ወጻኢ  (3)ሰለስተ (4) ኣርባዕተ  ኣብያተ ጸሎት ነንሕድሕደን ዝዋቃቀሳን፡ዝጻላለማን ዝናቆታን ጉጅለታት ኢኻ እትርኢ።ዘቅርቡዎ መፋላላዪ ሕቶ ወይ ነጥቢ ቀልዑ እኳ ኣይበኣሱን ኩሉ ረብሓ ኾይኑ ኣንታ ንዑ እባ ንሕበር እንተ ኢልካስ ንሳስ  ኣይትበሉና ይብሉኻ።ምእዛዝ ጠፊኡ ኣነ እየ ንጉስ ጥራሕ፡ሎምስ እኮ ናይ መጠረሽታ ግዲ ኮይኑ እንበር ትማሊ ቤተ ክርስትያን መጾም ንጽባሒቱ ኣቦቅሺ ክስቶ ከምዚ እንድዮም፡ ዋእ እንታይ ኣፍሊቱኩም እዩ ዝብሉሉ መድረኽ ዶ ኣይኮናን ዘለና ነዚ ወሎዶ እዚ ድዩ ፈተና ዝመጾ፡ እዝስ ዋዘማ መቅጻዕቲ እዩ።ንዓና ድዩ ኣምላኽ ከነገልግሎ ዘምጸኣና ኣምላኽሲ ብኣና ይግልገል ።ኣቦሓጎይ ሓደ ግዜ ላም ጠፊኣቶም ናብ በረኻ ይኸዱ እሞ ኣብ መገዲ ሰብ ይረኽቡ ፡ላም ኣይረኣኻን ይብልዎ ኣልወቅም ይብል ኣምሓራይ፡ይሓቱ ሳሆ ማታበ ይምልስ፡ትግርኛ ኣይረኣኹን ትግረ ከምኡ ዓቅሎም ጸቢብዎም ኣብ መቂዕ ደይቦም መሬትየ እንታይ ዶ ወለድኪ ኣምሓራይ ኣልወቅም ሳሖ መታበ መሬትየ እንታይ ዶ ወለድኪ በሉ ይበሃል ዝርደኦም ሲኢኖም ሕተኦም ዝምልሰሎም ሲኢኖም።ብሓቂ መሬት እንታይ ዶ ወለድኪየ ዘብል ዶ ኣይኮነን።
ይቅጽል ,,,,

No comments:

Post a Comment