1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 9 February 2012

እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7።


እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ ።ኢሳይያስ 65፡6-7።
ክቡር ክርስትያን ኣብ ከመይ ዝበለ ዓይነት ሰዓት ናይ ሓንቲ ደቅቅ ትነብር ኣለኻስ ትፈልጦዶ ትኸውን!!? ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ መቸስ ህዝብናን ንሕናን ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤረትራ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ዘበን ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ንላዕሊ ምጽንናዕን ምትብባዕን ዘድልየሉ ዘበን እዩ። ንኤርትራ ከም ኣብነት እንተድኣ ወሲድና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓፈሻ ብሓዊ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ እንተ ተባህለ ምግናን የብሉን። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ጭብጢ ዘየድልዮ ርኡይ መስጎግቲ ይበጽሖ ስለዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን ሕጉስ ሂወት ኣብ ዝኾነት ትኹን ስድራ ቤት የለን።ብሓቂ ደኣ ወዮ ጠፊእናን ተታሊልናን ሃሊና እንበር ሎሚ ካብ ሙሉእ ታሪኽና ተፈልዩ ነገራት ኣብ ሂወትናን ኣብ ሂወት ስድራናን ንርኢ ኣለና ። መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ምጽንናዕ ድማ የድልዮ። ኩላትና ድማ " መንፈስ ምጽንናዕ በጃኻ ኣጸናንዓዮም" ኢልና ክንጽሊ ይግባእ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ፍሉይ ብዝኾነ ሓዊ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ። ገሊኡ በቲ ሓዊ ሓሪሩ ሃለዋቱ ጠፊኡዩ፡ ገሊኡ ድማ ከቢድ መቕሰልቲ ወሪድዎ ናይ ፍቕሪ ምእላይ ዘድልዮ ኮይኑ ይርከብ። እቶም ጓሶትን ኣለይትን ክኾኑ ዝግብኦም ኣገልገልቲኸ ካብዚ ለብላቢ ረመጽ ሓዊዚ ሓራ ዶኾን ይኾኑ፧ እንተ ኢልና ሓቲትና መን ድዩ ደኣ ጸዋዒ ናይዚ ኹሉ መዓት እንተ ኢልካ እዚ ኹሉ ሽግርን ወጽዓን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰንኪ ኣገልገልቱ እዩ።ኩልና ካባይ ኣትሒዝና  ህይወቶም ክምርምሩ ይግባእ። 

ህዝቢ ኣምላኽ ይስደድ ኣሎ ፡ክንዲ ፍቅሪ ሰላም ክንዲ ሂወት መንግስተ ኣምላኽ ዶላር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንጎል ከም ዝሰኣል ኮይኑ ኣሎ።ግን እንታይ ኢና  ኾይና ዘለና ኢሉ ዝሓስብ ኣገልጋልስ ይህሉዶ ይኸውን።እወ ሕማምና እንታዩ ብርግጽሲ ሓሚምና ኣለና።ግን እንታይ እዩ ሽግር ፈተና ዶ ዋላስ መቅጻዕቲ።ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ንስደት ካብ ዝተሓሓዞ ብቅዱስ ቅንእን ጸዓትን መራሕትን ተራ ኣመንትን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ ዝተተኽላን ገና ዝቕጽላ ዘለዋን ኤርትራውያን ኣብያተ ክርስትያናት ቁጽረን ኣዝዩ ይበዝሕ ኣሎ። ብእኡ መጠን ድማ  ህላወ ናይዘን ኣብያተ-ክርስትያናት ብቑጽሪ ዘይኮነስ ብዓይነት ከመይ እየን ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ህጂኸ ዕላማ ናይዘን ኣብያተ ክርስትያናት እንታይ እዩ? ዕዮ ወንገል ድዩ?። ኢልና ክንሓትት ጽቡቅ ይመስለኒ ኣይኮነን ገሊአንሲ ንወንገል ከይስበኽ ክዓግታ  ካብቶም ድኻታት መባእን ዕሽርን ከም ሰርቪስ ከማላልሳ እባ ደኣ ዝብል መልሲ ግን ክንረኽብ ንኽእል ኢና። ካብኣቶም ንረብሓ ክርስቶስ ዘይኮኑስ ዝነብሩ ዘለዉስ  ንረብሓ ርእሶም ይነብሩ ከም ዘለዉ እንሪኦ ዘለና መዓልታዊ ሽግር እዩ። ፈሪሕና እንተዘይ ኮይና እቲ ሓቂ  እሱ እዩ።

ካብቲ ዘስደምመንን ዘገርምን ጉዳይሲ ናይቶም ናይ ሓሶት ተስፋ ምጽንናዕ ዝለመዱ ሰበኽቲ እዩ። ስደተ ናይ ክርስትያን እዩ ስደት ኣኣቦና ኣብርሃም ክብሉ ድማ ይስምዑ።ጥበብ ብደቃ ጸደቀት ፡ኣብርሃም እግዚኣብሄር ደኣ ንዓ ካብ ህዝብኻን ወገንካን ውጻእ በሎ እንበር በገዛእ ፍትወቱ ኣይኮነን። ቀጺልካ ድማ ፈተነ እዩ ዝብል ክሰምዕ ከለኹ ብጣዕሚ እዩ ማዕሮ ክንደይ ኢና ንመቅጻዕትኻ ሸለል ክንብል መሪጽና እብል።ገለ ኣገልገልቲ ድማ ብ ዘደንቅ ነዞም ተሰደዱ ክንጋሲ ኣምላኽ ኣምጺኡና ክብሉ ይስምዑ ዋእ። እህ,,.ኣምላኽ ንኽትጋሲ ናዓኻ ናብዚ ዘለኻዮ ንኽትመጻ ቡዙሕ ሰናይ መገዲታት ኣሎ።ግን ጥበራ፡ ኣብ ኣውረጳ ምስ ኣተኹ ሓደ ደዊሉለይ ኣምላክ ጸሊኡልና ሓጥያትና በዚሑ ምስ በልኩዎ ኖ ጻድቅ ኢኹም ኣምላኽ ግን ንዓኹም ክትቀመልኩም ስለ ዝደለየ ኣምጺኩም ግርም ኢሉኒ ኣንጻርነት ንኸይመስል ግን ስቅ በልኩሞ እሞ ጽንሕ ኢለ ኣይከምኣን ንዓይሲ ሓጥያተኛ ስለዝኾንኩ እዩ ኣምጺኡኒ ኢለዮ ነቲ ኣብ ዘዳግም ኦሪትዘዳግምምዕራፍ 28፡68  እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኲሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይተፈልጥዎ ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ስለምንታይሲ ነዚ ዘለኹዎ ሂወት ወይ ድማ ሂወት ደዋሊ ይርኢ ስለ ዘለኹ ።እወ ንህዝብና እዚ ወሪዱና ዘሎ መቅጻዕቲ ድዩ ፈተነ ክንነግሮ ይግባእ።ከም ሎሚ ኢሉ መዛሙር በዙሑ ኣይፈልጥን ግን ኩሉ ዝሓረረ ቅጫ፡ምስ ኣምልኾ ኣምላኽ ርክብ ዘይብሉ።ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህብ ።እቶም ዘመርቱ ኸኣ ኣብ ካሴት ስምዕ ትውዕሎም ሂወቶም ግን ኣብ ካሊእ ትረኽቦ።ኣንቱም ሰብ ወረ ናበይ ንኸይድ ኣለናስ ንሕሰብ እባ። እዚ ወሪዱና ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ።ኣብ ቤት/ኣምላኽ ጽልኢ ኣብ ቤት/መንግስቲ ጽልኢ ነጊሱ ።ተመስገን ካብ ኣከባቢና ሃዲሙ።ቀጽሪታትና ብ ጸላእትና ፈሪሱ ኣባጊዕና ብ ተኻሉ ተወሲደን ምርኾና ብኻሎት ተወሲዱ።ምስ መን ተሪፈ ኣለኹ ሓደ ሓደ ግዜ ክሓስብ ይነብዕ፡ዎ ኣምላኽ ወቂዕካና ግን ኣይሰማዕናን!!!!፡ጋና እውን ንብድል ኣለና።

እዚ ኹሉ ግን እንታይ እዩ ወብሳይት ከፊትካ ክንዲ ንበረኸት ንምኽሳስን ንምውቃስ የዒንቲኻ እትልእኽ  እንተኾንካ፡ ክሳዕ ክንደይ ሰጣን ይጥቀመልካ ከም ዘሎ ዘነጽር እዩ።ኣዛ ስጋ እዚኣ ሓላፊት እያ እንዳበልካ ምስ ሓውኻ ኣብ ምክሳስን ምጽልላምን ትውዕል እንተኾንካስ ዋእ፡ኣበይ ኣለኻ ትፈልጥዶ ኩቡር ኣገልጋሊ ግን እቲ መድሓኒ ኣለም ኢልካ እትውከሎ ኢየሱሲ ብዛዕባኻ እንታይ ይብል ኮን ይኸውን።ሎሚ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ዕንወት ሪኣ ትርከብ ኣላ፡ቤተ ክርስታያን ሎሚ ኣብ ታሪኻ ከም ሎሚ ኢላ ፈሪሳ  ኣይትፈልጥን።ኩሉ ኣነ እየ መራሒኺ ኢልዋ ክርስቶስ ተረሲዑ መራሕቲ ሃይማኖት ንሕናን ዕላማን ኢልና በቃ ኣምላኽ ተረሲዑ። ወንጌል ካብ ሸለል እንብሎ ዓመታት እዩ ሓሊፉ።ክሓስብ ከለኹ ንበይነይ ናበይ ከም ዝኸይድ ይጨንቀኒ ዎ ኣምላኽ ሰውረኒ ይብል ፡ እወ ካብዚ ዝተሓዋወሰ መገዲታት ክስወር ይደሊ ኣለኹ፡  ኣነ እውን ኣካል እዚ ከይኮንኩ ስለዘይተርፍ ነዚ ናብ ዘይሪአሉን ናብ ዘይሰርሓሉን ኣርሒቀ ክኸይድ። ኣየ መንፈር እንተዝህልወኒ ኣርሒቀ ምኸድኩ ናብዚ ናብዘይ ይሪኤሉ።ግን እንተ ደኣ ደልየስ ከይነፈርኩ ኣብዛ ዘለኹዎ ኮይነ ክገብሮ ይኽእል እየ!!! ።

ቤተ/ክርስትያን ትፈርስ ኣላ እወ ትዓንው ኣላ  መዕነውታ ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኢና እንብልን ብዘይካ ጥረ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ፍልጠትን መንፈሳዊ ተመኩሮን ናይ ጸሎት ተመኩሮን ዘይብልና ፡ገለ ደንጋጽቲ  ተመሲልና ንስልጣንን ረብሓን እነገልፍል መልክዕ ኣምልኾ ዘለና ሰባት እንበር። ነቲ ትማሊ ምስኡ ዘገልግል ነበረ ሓዉ እና ኣጸለመ።ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምላኽ ቀሪብካ ኸኣ ሓቀና ክትመስል ምጭራሕ፡ተነስሑ እንዳበልካ ምንባሕ መረት ክሳዕ ዝጭደድ ሆ.መዝሙር  ሆ ምባል ግን ምስ ምንታይ ይቁጸር።ዋላእኳ ንኣምላኽ ነዐሽዎ እንተ መሰለና ነፍስና ደኣ ነዕሹ እንበር ኣምላኽሲ ኣይዕሾን መዝሙር ትርጉም ኣለዎ።ስለምንታይሲ ኣብ ታሪኽ ቃል ኣምላኽ ሕጉስ እንተ ኣሎ ይዘምር ሽጉር እንተ ኣሎ ኸኣ ይጸሊ ዝብል ኢና ንመሃሮ።እሞ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ታቦት ኣምላኽ ምስ ኣእተወ ፡ሓደ ነገር ስለ ዝገበረ ዘሚሩ ሸብሺቡ ንሕናኸ፡ ኣየ ናይ ቀጽሪ ኢና ኣፍሪስና፡ ኣየናይ ዓወት ኢና ሓፊስና።ዋእ ኩሉ በቃ ንይምሰል ኮይኑ ፡በቃ ንኺድ ጥራሕ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና ኢሉ ዝሓትት ፍጹም የለን!!!።

No comments:

Post a Comment