1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Wednesday 8 February 2012


ጻዊዒት ቤተ/ክርስትያን እንታይ እዩ? ::2ይ ክፋል
እንበኣር ሰብ ምፍጣሩ ብዓቢኡ እውን እንድሕሪ ሪኢናዮ ን ኣምላኽ ክውድስ እዩ።ን ኣምላኽ ከገልግል እዩ።ንኣምላኽ ከመስግን እዩ።ስለዚ እቲ ንኣምላኽ ከመስግን ዝተፈጥረ ሰብ ካብ ዕላማ ምፍጣሩ ንጸጋም ወይ ንየማን ክብል የብሉን።ካብቲ ሎሚ ኣብ ተፋላለየ ቦታታት  ብዙሓት ሰባት ንመን ክሰብኩ ከም ዘለዎም ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታዎም ከምኡ እውን ዘይፈልጡ ምላዎም ብጣዕሚ እዩ ዘገርምን ዘሕፍርን ከም ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ከምታ ስለ ክርስቶስ ኢሎም ብዙሓት ሰማእታት ዘወፈየትን ተወፊዘላን ተዋህዶ።ኣብ ዝሓለፈ ምስ ሓደ ሰብ እንዳ የዕለልኩ ከለኹ ብዛዕባ መጋበ ምስጢር መብራህቱ መባእ ኣብ እንዛራረበሉ ነበርና ስለምንታይ እዩም?? ግን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ክርስቶስ ጥራሕ ዝሰብኩነሮም ምስ  በለኒ ሕፍር ከይበለ እሞ ኣነ ከምዛ ዓይነይ ዘንቆረኒ ብጣዕሚ ሰንበድኩ እንታይ ኢለ ኣንተ ሓተትኩስ ስለምንታይ እዩ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ጥራሕ ዝሰበኽ እዚ ጸገም ኣለዎም በለኒ።
ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ነይሩ ብዛዕባ ክርስቶስ ከይሰበኹ ስቅ እንተዝብሉ ግን ዝኾነ ዘረባ ኣይመጋነፎምን ነይሩ!!!፡ክርስቶስ ጥራሕ ዝሰብኹ በንጠ ጥራሕ እዮም ድማ ኢሉኒ ዘገርም እዩ!!!።ዋእ እሞ እዚ ካብ በልካስ ንሶም ኣመንቲ እዮም ንሕና ኸኣ ከሓድቲ ምባል ምሓሸካ እንበር፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣክል ን ጰንጠ ጥራሕ ተወፊኻሎም ኢለ ከይወዳእኩ ክሓቶ ዝመጸኒ ፡ግን ካበይ ረኺብካዮ ኢለ እንተሓተትኩዎስ መልሲ ፍጹም ኣየምጸአን፡ ኣነ እውን ደኽዕን ዘይበጻሕናዮ ሃልዩ ብዙሕ እውን ዘይበጻሕናዮ ስለ ዘሎስ ኢለ።ኦርተደክስ ቤተ/ክርስትያን  ዕለታዊ ስርሓ ወንጌል ምስባኽ ጥራሕ እዩ።ንኻሊእ ስርዓተ ኣምልኾኣ ድማ ንሰባት ተረድእ፡ብዛዕባ ቅዱሳን  ቅዱሳን መላኽቲን ሰብን ብ ኸመይ እዮም ይልሙኑልና ኢላና ንኣምንን ብ ኸመይ ተኽብሮምን ፡ብ ኸመይ መገዲ እያ ነዚ ትቅበሎ ን ዘይተርድኦም ተረድእ እዚ ግን ድሕሪ ወንጌል  ትምህርቲ እትህቦ ደኣሉ እንበር ቅድመ ወንጌል ግን ኣይኮነን።
ስለዚ ህዝብና ኣብ ስብከተ ወንጌል ከመይ ኣሎ እልና እንድሕሪ ሓቲትና ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን ዝብል ኢና ንረክብ። ዋላ እቶም ኣገልገልቲ እኳ ኢና ዘይንፈልጥ ፡ብዛዕባ ክርስቶስ ብዛዕባ 5 የዕማደ ምስጢር ብዛዕባ 7 ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ/ክርስትያን እንታይ ኣፍልጦ ኣለዎ እንድሕሪ ኢልና ዋላ ሓንቲ ዝብል ኢና ንረክብ።ንሱ  ኢና እንበኣር ሎሚ ንደቅና ክንምህሮም ዘለና። ቅድመ ንዝኾነ ቅዱሳን ቅዱሳንን ምፍላጡ ሓቀኛ እንታይነት ክርስቶስ ነፍልጦ።እወ ሎሚ ህዝብና ሎሚ ወንጌል ምምሃር የድልዮ ኣሎ።ወንጌል ማለት መቸስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዛረብ ምኻኑ ተራዳዲእናሉ ኢና፡በቃ እዚ ፈቲና ዲና ጸሊእና እንቅበሎ ግድነታዊ ታዛዝ እዩ ወንጌል ክንሰብኽ ናይ ካሊእ ግን ሰበ ዕዳ ኣይኮናን። ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያን እንድሕሪ ሪኢና  ካብ ወንጌል ወጻኢ ምኻድ ብዙሕ ግዜ እዩ ኣጓኒፉ ነሩ ነዚ ክኹንን ድማ እዩ ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዋላ መልኣኽ ይኹን ካብ ሰማይ መጺኡ ነዚ ዝሰበኽናልኩም ዝጻረር ዝሰበኸልኩም ውጉዝ ይኹን ዝበለ።ገላትያ 1፡8 እንበኣር ሎሚ ዋላ መልኣኽ እውን እንተኾነ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስዚ ናይ በዓል ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰበኹልና ትምህርቲ ዝጻረር ፡ ዝሰበኸልና ከይንቅበል ዉጉዛት ኢና።ካብቲ ጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ ከም ዝበሎ ግን ነዚ ውግዘት እዚ ጢሒስና ናብ ካሊእ ወንጌል ዝሓለፍና ብዙሓት ኢና።።
ቅጽል ኣቢልና እንድሕሪ ኣንቢባን እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ክልውጥዎ ዝደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።፰-ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ፱ - ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዝሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ።ገላትያ 1፡7-9።ስለዚ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ኩሉ ግዜ ወንጌል ክስበኽ ከም ዘለዎ እዩ።እቲ ምሕጽንታ ቅዱሳን። ቅዱሳን ብዛዕበኦም ክንሰብኽ ኣይኮኑን ጸዊዖም ወንጌል ክንሰብኽ እንበር ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብክ እንበር።ንሳቶም እንድሕሪ ሪኢናዮም ኩላቶም ቅዱሳን እቲ ሓደ ኣሰር እቲ ሓደ ብምስዓብ ብዛዕባ ሓይልን ከሃልነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብኩ ከለዉ ኢና ንረኢ።ነዞም ኩሎም መናፍቃን እውን ኣብ ስብከተ ወንጌሎም ኣብ ነገረ መሎኮት ንተጋገዩ እና ኣውገዙን ኣና ሰጎጉን እናፈለዩን ጸኒሖም ነቲ ቅዱስ ሞጓሰ እንዳ ሓለዉን ጸኒሖም።
ካብቲ ዘገርም ግን ኣብ ተፋላለየ ቦታታት  ወንጌል ክምሃር እንድሕሪ ሪኦም ሰባት  ከዕገርግሩን ክርብሹን ይርኣዩ እዝስ ስለምንታይ ኮን ይኸውን።ምስቲ ናይ መወዳኣታ ዘበን ምኻኑን ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ከነናጻጽሮ ከለና ዋእ ዘዕገርግሩና ዘለዉስ ነዚ ወንጌል ድዮም ክቅይሩዎ ደልዮም  ድማ የብለካ።ስለምንታይ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ስለ ዝብል ቅዱሳን ነዚ ኢሎምና ስለ ዝሓለፉን።ገላትያ1፡7። ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብታ ናይ ሓቅን ዓንድን ቤተ/ክርስትያን ኣምላኽ ከመይ ገርና ክንነብር ከም ዝግበኣና  ጽሒፎምልና እዮም። ቅዱስ ሃወርያ ጳውሎስ ን ተመሃራዩ ኤጴስቆጶስ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሃፈሉ 1ይጢሞቴዎስ 3፡15-።እንተደንጎኹ ግና ኣብታ ቤት/ኣምላኽ ማለት ኣብታ ናይ ሓቅን ዓንድን መሠረትን ዝኾነት ቤተ/ክርስትያን ሕያው ኣምላኽ፡ከመይ ገርና ኽንነብር ከም ዝግበኣና ኽትፈልጥ ጽሒፈልካ ኣለኹ  ከም ዝበሎ በቲ ዝገደፉልና ዘይንኸይድ ኩሎም እቶም ብድሕሪ ቅዱስ ጳውሎስ ዝመጻእናስ ከምኡ ዘይንኸይድ።ነዚ ሃይለ ቃል  እንድሕሪ ክንጥቀመሉ ኮይና ሃወርያት ከመይ ገርና ኣብ ቤተ/ክርስትያን ክንነብር ከም ዝግበኣና ጺሒፎምላን ሓሊፎም እዮም።ካብዚ ንሶም ዝጸሓፉልና ከይንሓልፍ ድማ ነቶም ብድሕሪኦም ንዝመጽእ ንዝኾነ ይኹን ሕድርን ውግዘትን ኣንቢሮም እዮም።ገላትያ1፡8። ቃሎም እውን ኣመሓላሊፎም እዮም ስለዚ ቤተ/ክርስትያን ቀዳምነት ክትህቦ ዘለዋ ነገር ትምህርቲ ሃወርያት እዩ።ብሓቂ ምስኡ ዘይሰማማዕን ባዕላዊ ትንታነን ን ቃሎም ረጊጽና ክንፍጽም ግን እንትርፎ መርገም ዘምጽኦ በረኸት የለን። ይቅጽል ,,,,,,።
                                                                    ሃይማኖተ-ኣቦው

No comments:

Post a Comment