1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 7 February 2012

ጻዊዒት ቤተ ክርስትያን እንታይ እዩ?:: 1ይ ክፋል

   ጻዊዒት ቤተ ክርስትያን እንታይ እዩ?:: 1ይ ክፋል
ብዛዕባዚ ኣርእስቲ እዚ ክዝረበሉ ዘድለየ ምኽንያት ቤተ/ክርስትያን ስርሓ እንታይ ምኻኑ እና ኣስተውዓለት ክትነብር ስለ ዝግበኣን ንዕኡ እውን እና ኣስተማቀርናን እና ተኸተልናን ክንከይድ ስለ ዝግበኣና እዩ።እንበር ቤተ/ክርስትያን ብኸመይ ክትከይድ ወይ ድማ ካሊእ ክንዛረብ ኢልና ኣይኮነን ስለምንታይሲ ቤተ/ክርስትያን ከመይ ገይራ ክትከይድ ኣለዋ ካብ ቀደም ኣትሒዛ ብቅዱሳን ተዋህብ መገዲ ኣለዋ ግን እንታይ እዩ።
ስራሕ ቤተ/ክርስትያን እንታይ ምኻኑ ጎይታናን መድሃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ተዛሪቡዎ ኣሎ።ስለዚ ኺዱ ንዂሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። ዝበሎ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍጻም እዩ። ቤተ/ክርስትያን ሓይልን ጽድቅን ክብርን ከኣልነትን  ክርስቶስ ምስባኽ እዩ።ስለዚ ኢና እውን ክርስትያናት ተጸዊዕና ዘለና። ክርስትያን ማለት ካሊእ ትርጉም ኣይብሉን ሰዓቢ ወይ ድማ ተኸታሊ ኣማኒ ክንርስቶስ ማለት እንበር።ጎይታና ዝበሎ እንተ ኣሎ ዝኣዘዝኩኹም ኽሕልዉ እና መሃርኩም ኣጠምቁዎም እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ቅዱሳን ን ቤተ/ክርስትያን ነቲ ህጻን ብእምነት ኣቡኡ ክጥመቅ ብምሕዳግ ምስ ዓበየ ትምህርቲ ወንጌል ክወሃብ ዝኣዘዙ። ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 16፡14-16።እንተሪኢና በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ።፲፮ - ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ።ዝብል እዩ።እሞኸ ቤተ/ክርስትያን ነቲ ተዋህባ ሓደራ ትፍጽሞ ዶ ኣላ መማህራን ቤተ/ክርስትያን ወንጌል ይሰብኩዎ ዶ ኣለዉ እንድሕሪ ኢልና ኣይ ምስቶም ዝሃለፉ እባ እቲ ትምህርትስ ምስ ቅዱሳን ሓሊፉ ሎምስ,,,,,,,,,,,,,,ዝብል ኢኻ ትረክብ።

እንበኣር ጻዊዒት ቤተ/ክርስትያን ወይ ስራሕ ቤተ/ክርስትያን ኣብ ዓለም  ፖለቲካ ወይ ድማ ታሪኽ ምውራይ ዘይኮነስ ሓይሊ ኣምላኽ ውራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ።ካብቲ ዘሕዝነኒ ን ወንጌል ምስባኽ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ንገለ ሓደሽቲ ሃይማኖታት ጥራሕ ዝምልከተን ኮይኖም ዝስምዖም ወንጌል ከይምህሩ ዝጥንቀቁ ተመሃሩ ድማ ዕሙቅ ዝበለ ትምህርቲ ንሰባት ዘይህቡ ምረኣየይ እዩ። ካብቲ ዘደንቅ ግን ሰብ ወንጌል ተተማሂሩ ብስርዓት ሃይማኖቱ ፍጹም ዘይቅይር ምኻኑ እዩ።ካብቶም ኣብ ዘበና ሃይማኖቶም ዝቅይሩ መንእሰያት ቤተ/ክርስትያን ኣብ ስብከተ ወንጌል ድኽመት ብምርኣያ ነዚ ተጠቂሞም  ርኣዩ ቤተ/ክርስትያንኩም  ንክርስቶስ ዘይትሰብክ ንስኹም ብዛዕባ መላኣኽቲ ኢኹም እትኣምኑ ኣብ ጻድቃን ኢኹም እትኣምኑ፡ን ሰባት ደኣ እንበር ን ክርስቶስ ኣይትሰብኩን ስለ ዝብልዎም እዮም።ግን ቤተ/ክርስትያና ንመን ትሰብኽ እንድሕር ኢልና ቤተ/ክርስትያን ኦርቶዶክስ  ን ክርስቶስ ኢያ እትሰብኽ፡ብ ቀንዱ መሰረታ እውን ኣብ ክርስቶስ ደኣ እንበር ኣብ ካሊእ ኣይኮነን።።ብዘየገድስ ቀይደ በተኽ ዘይተማህሩ ዝብልዎ ትምህርቲ ግን ሕግን እምነት ኦርተደክስ ወንጌል ክስበኽ ከም ዘለዎ ይዛረብ ይዛረብ።
ኦርተደክስ ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ብሓቂ ካብተ ኣደነቅትን ዝሓንጸጸቶ ኣገባብ ኣመሃህራ ክሳዕ ህጂ መዳርግቲ ዘይብሉን እዩ በዚ ናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ ስሩዕ ዝኾነ ፕሮግራም ኣመሃህራ ኣለዋ ኣጀንዳ ኣለዋ ናይ ዓመት ምሉእ ምሮግራም ኣብ ኣየነይቲ መዓልቲ ካብ ኣየናይ ክፍለ ስብከተ ወንጌል ክትምህር ከም ዘለካ፡ካብ ኣየናይ መልእኽቲ ከትምህር ከም ዘለካ። ኣብቲ ግጽዊ ዝብል መጽሓፍና  ናይ ዓመት ምሉእ ትምህርቲ ኩሉ ወንጌል ኣየናይ ምዕራፍ ናይ ኣየናይ ወንጌል ክስበኽ ከም ዘለዎ፡ብጽፉፍ ሰፊሩ ንረኽቦ።ዋላ እኳ ተፋላለይቱ ሰባት ብስምዒቶም ክኸዱ ዝደልዩን ሎሚ ይቀላቀሉ እንተ ሃለዉ፡ ብኡኡ ክኸዱ እንተዘይ ኸኣሉ እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ኣብ ሕግን እምነትን ስርዓት ቤተ/ክርስትያን ወጺኡ ዘሎ እዩ። ሳላ እዞም ቅዱሳን ኣቦታትና ጻምዮም ዝገደፉልና ንስለ ክትዕ እንድሕሪ ዘይተደልዩ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ፡ብዛዕባ እዚ እባ ኢልካ ኣብ ምክታዕ ዘእቱ ነገር ፍጹም የለን።ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ኣብዚ ናይ ዓመት ምሉእ ፕሮግራም ዝወሃብ ትምህርቲ ተሓንጺጹ ከም ዘሎ ንክርስቶስ እያ እትሰብክ። ገሊኦም ተቃወምቲ ንዓና ዝወቅስሉ ቤተ/ክርስትያን ኦርተደክስ ኣብ መላእኽቲ ከም እተምልኽን ከም ትኣምንን ፡ንዕኦም ከም እትሰብኽን ገይሮም ዝገልጹን ዝዛረቡን ሰባት ኣይተሳእኑን ግን እዚ ናይ ጌይጋ ገጋ እዩ።ቅዱሳን ኦርተደክሳውያን መማህራን ንሕናሰ ወልድ መድኅን ንሰብክ እንዳበሉ እዮም ዝሓለፉ እንበኣር ወንጌል ሓድጊ ቅዱሳን እያ።ነዛ ሓድጊ ቅዱሳን ግን ናብ ዉሉድ ወለዶና ከነሳጋግራ ኢልና ንጽዓር። ይቅጽል.. ናብ ካልይ ክፋል,,,,,,,,,,,,,::


No comments:

Post a Comment