1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 7 February 2012

ድልየትና እንታይ እዩ።

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ 

              ድልየትና እንታይ እዩ??።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብድልየት ደቂ ሰባት ይግደስ ከም ድልየትና ድማ ክህበና ይደሊ. ዋላ ሞት እንድሕሪ ደሊኻ እውን ክሳዕ ዝደለኻዮ በቃ ክህበካ ድሉው እዩ።ወልድ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ነቲ ቀንድን ኩሎም ሰባት ክረኽቡዎ ዘይኽእሉን ገዲፍና ፡ነቲ ቀሊል ሓላፍን ኩሉ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ክንደሊ ምስ ረኣየ ተገሪሙ ብዕሽነትና ፡ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ  እዚ ኩሉ እውን ይውሰኸልኩም ዝበለ።እሞ ኸ ከምቲ መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ዲና መንግስተ ኣምላኽን ጽድቁን ነቀድምሲ ዋላ ን ሓላፊ ነገር ናይዛ ኦኣለም እዚኣ።
እንተ ድኣ ናይዚ ዓቢ ሰማያዊ ውህበት ሚስጥር ተገሊጹልና፡ በቲ ሓላፊ ዝኮነ ምድራዊ ሃብቲ ኣይንናወጽንኣይክንጭነቅን ኢና። እስከ ቁርብ ምልስ ኢልና፡ ብዛዕባ እንፈልጦም ዝነበርና ኣሕዋትና፡ ኣሓትና፡ ኣቦታትና፡ኣዴታትና፡ ናይ ቀረባ ኣዕርኩትና፡ እንተስ ዕድመ ጸጊቦም፡ እንተስ ብሓደጋ፡ እንተስ ሓሚሞም፡ ካብዛ ዓለምዝተፈለዩ ንገለ ካልኢታት ዝክር ነብሎም! ንክህብትሙን ዝና ክረኽቡን፡ ማዕረ ክንደይ ኮን እቃለሱ ነይሮም ኢኮኑ? እቲ ኩሉ ዝጸዓርሉ ሃብቲ ሕጂ ኣበይ ኣሎ ኢልና ኸኣ እስከ ንሕሰብ። እቲ ስሞም ምእንቲ ክጽዋዕ ዝገብርዎ መስተንክራዊ ዕዮ ሕጂ ዝዝክሮ ሰብ እኳ በፍጽም  የልቦን።በዚ ድማ እዩ መክብብ 1፡2-3።ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኲሉ ኸንቱነት እዩ።ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዂሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ?ክብል ብኣድናቆት ዝሓተተ።
ገለኦም እሞ ከኣ፡ ንፍረ እዛ ዓለም እናማዕደውዎ፡ ግና ከከይጨበጥዎ፡ ብህርፋንን ስዐን ኣፎም ማይ መሊኡ እንከሎ፡ ዝሓለፉ ማእለያ የብሎምን። ኣየ ካብዚ ኩሉናይ ጻዕሪ ዘመኖም ንክብሪ ኣምላኽ ገለ ኣበርኪቶም እንተዝኮኑስ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከመይ ዝበለ ሰላም ዝዓሰሎ ህይወት ምነበሮም፡ ኣብታ እትመጽእ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ ከኣ ናይ ዘልኣለም ቤት ምሃነጹ ፡በዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ድኣ መዝገብኩም ግበሩ እምበር፡ መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።  ማቴዎስ6፡21-22።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ንኣካትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ ክብለና እንከሎ፡ ንማህደር ልብና በቲዝበለጸ ሰማያዊ ጸጋ ብምስሳን፡ ንመንግስቱ ንምውራስ፡ ምእንቲ ድልዋት ክንከውን ኢዩ። መዝገብና ኣብሰማይ ምስ እንገብር፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣውን እጥዕመና ድኣ’ሉ እምበር፡ ከቶ ኣይሓስመናን ኢዩ።
ነቲሰማያዊ ውህበት ዕሽሽ ብምባል፡ እንተድኣ መዝገብና ኣብ ምድሪ ክንድኩን መሪጽና ግና፡ ብዛዕባ መንግስቱንጽድቁን ክንረክብ ኢልና ምሕላን ዕሽነት እዩ።  ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ኣቦና ኢዮብ ኣቢዮብ 1፡ጥራየይ እየ ተወለ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ ጥራየይ ከኣ ናብ መቃብር ክኣቱ እየ ከም ዝበለኦ ካብዛ መረት ክንከይድ ከለና እንማለኦ ነገር ፍጹም የለን።እዚ እዩ ዘሕዝነካ ናይ ደቂ ሰባት እንማለኦ ዘይብልና ክንስና ሃብቲግን ስቅ ኢልና ዘለና ግዘ ምጥፋእና ዘግሂ እዩ። ቅዱሳን በዚ ሓሊፎም።
ንምድራዊ ሃብቲ ኣብ ህይወትና ዝለዓለ ግምት ምስ እንህቦ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ንምስማዕንሓንቲ ካልኢት እዃ እንተኮነት ኣየብህገናን ኢዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ዘይምስማዕ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ንጭንቀትን ጽላን ቅርሕንትን ምትፍናንን።ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሓፍሩን፡ብመዓልትታት ጥሜትውን ክጸግቡ እዮም።”መዝሙር_37.19 ከም ዝበሎ ቃል ኣምላኽ እንኮለና ከም ሽጉራት ከም ስኡንናት ስለ ዘይሃብተምና ጥራሕ እነማርረሎም መዓልታት ብዙሓት እዮም።ክስቶ ማኪና ገዚኡ ፓላሶ ኣስሪሑ ኣዚ ድርጅት ኣውጺኡ ድማ ንብል እዚ ካብቲ ቀንዲ ጉድለት እንታይ ቅድም ከም ዘድልየና ፈሊጥና ዘይምዕጋብናን ን ቃል ኣምላኽ ዘይማዛዝናን እዩ::ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተደለና ግና፡ እቲ እንገበሮ ጻዕሪ ይኾነልና፡ እቲ እንረክቦ ኣታዊ ከኣእተባረኸ ይኸውንበቲ ዝረከብናዮ ፈረ ጻዕሪ ድማ ንሕጎእቲ ንምድራዊ ሃብቲ ዝባርኽ፡ እግዚኣብሄር ድኣ’ሉ እምበር፡ ገንዘብ ንገንዘ ንክባርኾዓቅምን መዝነትን የብሉን። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ናይዝሓለፈ ዘመናት እቶም ኣብ ብዝሒ ገንዘብ ዝተወከሉ እተሓጐሱሉ እዋን ዘይንርኢ። ጅባኻ ናይ ቀረባዓርክኻ ክበሃል ትሰምዑ ዶ? ናይዚ ሓሳብ መልእክቲ፡ ጌጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምንጪ መበገሲኡ ካብዲያቢሎስ ኢዩ።ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሳብ፡ ንግዳያት ብዙሕ ጭንቀት ብምድራግ፡ ኣቃልቦና ናብ መንግስትንጽድቅን ኣምላኽ፡ ንከይንገብር ዝዕንቅጽ ኢዩ። 
ንመንግስትን ጽድቅን ኣምላኽ፡ ጸማም እዚኒ ብምሃብ፡ ብዙሕሃለኽ ለኽ፡ ብምባል፡ ብዙሕ ሃብቲ ክንድልብ ንኽእል እዃ እንተኮንና፡ ኩሉ ጻዕርና ዘበለ ንዓና ዘየሐጉስ ከንቱ ኢዩ።ዝኸውን መወዳእትኡ።ኣብ ነት ድማ እዞም እንሪኦም ዓመታት ካብ ኣምላክ  ሸፊቶም ሃብቲ ኣጥርዮም።ነዚ ሃብቲ እዚ ንምውራስ ውሉዶም ዝቀተልዎም ምስ መጻምድቶም ኣብ ሽግር ዝኣተዉ  ከም ዘለዉ እንሪኦ ዘለና እዩ።ገንዘብካ እውን ናይ መዘዝ መዘዝ የምጸአልካ እዩ።“ ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለው ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ኹሉ ብልግሲ ዝህበና እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ከይእመኑ ኣዘዞሞ መልእኽ1ይ ጢሞቴዎስ_6.17.ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዝዀነሎም፡ ብርግጽ እፈልጥኣሎኹ። ረሲእ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኣይፈርህን እዩ እሞ ሰናይ ኣይኰነሉን፡መክበብ13ስለዚ እኹልማያውን ምድራውን ፍልጠት ንኽህልወና፡ ኣብ ስራሕ ዘሎና ህርኩት መንፈስ ብምርኣይራእይ ዘሎና ሰባት ንክንከውን፡ ሚስጥር መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምፍላጥ፡ ኣብ ህይወትና ሕኣገዳሲኢዩ።
እቲ ሰብ ዝደልዮን ዝምነዮን፡ ኣብ ህይወትና ክሳከዕልና ምሕሳብ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር ኣምላኽንምርሓቕ ጽልዋ ዝገብር ኣይኮነን። የግዳስ እንገብሮን እንሓስቦን ዘበለ ኩሉ፡ ከም ፍቃድ እግዚኣብሄርኣምላኽ ይኹን ክንብል ከም ዝግበኣና መጽሓፍ ቅዱስ  ይምህረና። ኩሉ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ተወኪልና እንገብሮ ዋላ እንተዘይሰለጠ’ውን ንሰናይና ምዃኑ ስለዝረደአና ኣይከጨንቀናን ኢዩ። ይኹን ድኣእምበር፡ ገለ ሰባት ክርስትናዊ ህይወት ማለት፡ ከምዚ ብስሩ ካብ ምድራዊ ንጥፈታትን ባህግታትን ሪሕቕካ፡ኣብ ካልእ ፍልይቲ ዓለም ምንባር ገይሮም ስለ ዝርድእዎ ብዛዕባ ሓቅታት መንግስቱን ጽድቁን ክፈልጡኣይመርጹን። እምበርከ መንግስቱን ጽድቁን  ግዳ ኣይበልጽን፡ ካብዛ ናይዛ ዓለም እዚኣ፡ ሃብትን ዝናን ምስ  ህውከትን ዕግርግርን? ብርግጽ ነዚ ሰናይ ዝኾነ ሰማያዊ ዕዮ፡ ኩሉ ምድራዊ ዝኾነ ድሌታቶም  ገዲፎም፡ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ዝዋፈሩ ክንደይ ቅዱሳን ኣብነትና እዮም:ኩሉ ሰብ ከኣ ከምቲእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወቱ ዝፈቀዶ ኮይኑ፡ ብቅድስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምምልላስ ወራሲናይታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክከውን እኽእል ኢዩ።
ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እዃኣይትጨንቁ።” ፊልጲ4፡6እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክንምርዖ፡ ክንወልድ፡ ካብ ሕማምና ክንፍወስ፡ ምስ ስድራናን መቅረብናንዳግም ክንራከብ ከም እንደሊ፡ ሰሪሕና ንነብስናን ንወለድና ክንድግፍ ከም እንደሊ፡ ብስኒት ምስመጻምድትናን ደቅናን ወለድና መሳርሕትናን የዕርኽትናን ክንነብር ከም እንደሊ፡ ተማሂርና ኣፍረይቲ ሰባትክንከውን ከም እንደሊ፡ ኮታ እንደልዮ ዘበለ ኩሉ እፈልጦ ኢዩ።ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ ኢዩ።” ማቴዎስ6.32እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም።”ማቴዎስ6.11 ኣብ ርእሲ እዚ እተገለጸ ሓቂ፡ እታ ናብ መንግስትን ጽድቅ ኣምላኽ እትወስድ መገዲ ብዘይካ ንክርስቶስብምእማንእምበር፡ ብካልእ ብጭራሽ ክትብጻሕ ትኽእል እያ፡ ኢልካ ምሕሳብ  ዕሽነት ጥራሕኢዩ።ከመይሲ፡ብሰናይ ግብርና ወይ ድማ ካሊእከጽድቀናዝኽእልመገዲተዝህሉ፡ ክርስቶስ ምእንታይን ምእንታኹምን ኣብ መስቀል ምእንቲ ሓጢያትና ክሽንከርኣይመድለዮን።እስከ ሕስብ ነብሎ ተጨኒቅና ኣብ ህይወትና ለውጥ ዘምጽኣናሉ እዋን ኣሎ ዶ? ብዙሕ ንጭንቀትዝዳርግ መበገሲታት ከም ዝህልወና ርዱእ እዃ እንተኮነ ብእምነት ጾርና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንደርብዮእሞ፡ ንሱ ኣብ ምዱብ ሰዓቱን እዋኑን ንዓና ዝሓይሽ ዝበሎ መልሲ ክህበና ኢዩ። እምበር’ከ ተጪኒቅናእንትርፎ፡ ጓሂ ኣብ ርእሲ ጓሂ፡ ስቃይ ኣብ ርእሲ ስቃይ ክንደራርብ እንተዘይኮይኑ እነምጸኦ ለውጥ እኮየልቦን። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ መበገሲ ጭንቀት፡
 ንቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ዘመነ ህይወትካ፡ ግዲ ዘይምሃብ ድኣ’ሉእምበር፡ ሃብትን ካሊእ ነገራትንሲ ኣይኮነን። 
ከመይሲ ጾሩ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽተደርቢዩ ዝሓፈረ ሰብ ኣብ ርእሲ ዘምህላዉ፡ ብናይዛ ዓለም ነገራት ሩፍታን ዕረፍትን ቅሳነትን ዝርከብ ነይሩእንተዝኸውን እቶም ቀንዲ መኻዚኖ ጭንቀት ዝኾኑ ሃብታማት፡ ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት ክመርሑ ምረኣና።ስለዚ፡ ክርስቶስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ዝጓስየና ንቃሉ ብምርዳእ እንተሳዕቢናዮ፡ ኣብዛ ዓለምእዚኣን ኣብ ንክትመጽእ ኣብ ምቅርራብ ዘላ መንግስቱን ተረባሕቲ ኢናጽባሕ ንርእሳ ትጭነቅ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቁ። ማቴዎስ6፡34 ከም ዝበለና ቃል ኣምላኽ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ንድለ እንበር ናይ ዛሓላፊት ዓለም እዚኣ ብዘላ ፍትወታ ሓላፊ እዩ።ብዙሓት ሰባት እንታይ ከም ዘድልየና ስለ ንዝንግዕ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣምላኽ ምስ ተራጸምና ኢና፡እቲ ምርጻም ድማ ንኻሊእ ዘይኮነስ ንዓና ይሃስየና።ን ኣምላኽ እንደልዮ ኣብ እንልምነሉ እውን ክንጥንቀቅ ኣለና። ኣደ ደቂ ዘበድዎስ እዚ ኣብ ግምት ከየእተወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘቅረበቶ ሕቶ ትርር ዝበለ እትልምንዎ  ኣይትፈልጡን ኢኹም ኢባ ክትበሃል ገሩዋ። ስለዚ ኣብ እንልምነሉ ግዜ ስለምንታይ እየ ዝልምን ዘለኹ ኢልና ምሕሳብ እውን ኣገዳሲ::

No comments:

Post a Comment