1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 6 February 2012

ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ነቲ ኣብ ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ዝግበር ዘሎ ብ መንግስቲ ኤረትራ ብምቅዋም ብ ሰላም ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ነቲ ኣብ ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ዝግበር ዘሎ መንግስቲ ኤረትራ ብምቅዋም   ሰላም ኢትዮጵያ ኣትዮም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ካብ ቤት/ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ዞባ ማእከል ኦርተደክሳዊት ተዋህዶ ቤተ/ክርስትያን ዝኾኑ ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ሃይለ ፡ ብዝሓለፈ ቅንያት በቲ ኣብ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳውያን  መራሕቲ ሃይማኖት ዝውርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ብምምራር ነቲ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ዝግበር ዘሎን ካሊእ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ/ክርስትያን ንኽትግበር ተጠጅኡ ዘሎን ።ኮሚንስታዊ ስነ ሓስብ ብምቅዋም ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ኣትዮም።

ኩቡር ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ኣብ ረድዮ ወጋሕታ ዝሃቡዎ  ቃለ መጠየቅ  ክትሰምዑዎ ትኽእሉ። ኣቦና ቀሺ ኤርምያስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣብ ልዕለኦም ሰፍ ዘይብል መከራን ግፍዕን ከም ተኻየደን፡ ኣብ ልዕሊ ኦርተደክሳውያን ደብርታትን፡መነኮሳትን ድማ ብፍላይ ናይ ምጥፋእ ዘመቻ ይካየድ ከም ዘሎን ፡መንግስቲ ኤርትራ ቡዙሕ ንብረት ደብርታትን ቅርሲታትን እታ ቤተ.ክርስትያን የባሳብሶን፡ ይወርሶን ከም ዘሎ ፡ምብጥቃስ ሃለዋት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ ኣብ ኣስጋኢ  ኩነታት ከም ዘለዉን ብምጥቃስ ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ዝነብሩ ኤረትራውያን ጉዳይ ሃለዋት ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።
ክቡር ቀሺ ኤርምያስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ፡ ኣቶ ይፍታሀ ን ቤተ/ክርስትያን ናይ ግሊ ትካሉ  ብምቅያር ብዘይ ምኽርን ዘተን ጳጳሳት ደስ ከም ዝበሎ ከም ዝገብርን ፡ብዙሓት መነኮሳትን ካህናትን ሰፍ ዘይብል ግፍዒ ይወርዶም ከም ዘሎ ኣቃሊዖም ኣለዉ።መንግስቲ ኤረትራ ን ኦርተደክሳዊት ቤተ/ክርስትያን ኤረትራ ጥራሕ ዘይኮነ ንምሉእ ክርስትና ንምድምሳስ ን ኤረትራ ብዘይ እምነት ክርስትና ንኽትተርፍ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብዙሓት ተንተንቲ እውን ይዛረቡ እዮም ዘለዉ።ገለ ምሁራትን መስተውዓልትን ከም ዝብልዎ እውን መንግስቲ ኤረትራ እዚ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ክርስትና ዝገብሮ ዘሎን ክገብሮ ዝዳሎ ዘሎን ውዲታት ን ቤተ/ክርስትያን ኣምላኽ ተዘይ ረዲእዋ ከምቲ ቤተ/ክርስትያን ሩስያ 400 ዝኾኑ ጳጳሳትን ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝኸሰረት ልዕሊኡ ከጓንፋ ከም ዝኽእል ይትንትኑ።
እንተኾነ ገለ የዋሃት ኤረትራውያን ነዚ ከይተረድኦም ክሳዕ ህጂ መንግስቲ ኤረትራ ፈታዊ ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን እዩ እንዳ ተባህለ ክድህለሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።እዚ ጉዳይ እዚ ከምዚ ኢሉ ተቀጺሉ  ፓትሪያርክ ኤረትራ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓሊፎም ፡ ነቶም ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለና ኤረትራውያን ኦርተደክሳውያን ኣብ ታሪኽ ዓለም ዘሕፍር ክከውን እዩ።ስለምንታይሲ ናይዚ ምድምሳስ ክርስትያናት ንሕና ስለ ዝኾና መሳርሒ።እቶም ጸላእቲ ቤተ/ክርስትያን ብኣና በቶም ኣመንቲ ኦርተደክስ ገይሮም የካየድዎ ስለ ዘሎው። እዚ ኸኣ ብጹእ ኣቡነ ደስቆሮስ ህያው ኣብነት እዮም።ናይ ብሓቂ ኸኣ ኸኣ ፖሎቲካ ብዘየገድስ ኩላትና ንናጽነት እምነትና ሃይማኖት ወይ ሞት ተንብል ከም ቅዱሳን ኣቦታትና እዚ ኹሉ ይወርድ የለን።ሽርሕታት መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ልዕሊ ቤተ/ክርስትያን ቶም ትፈልጥዎ ትፈልጥዎ ኢኹም ነቶም ዘይትፈልጥዎ  ጸለመ ኮይኑ ዝስማዓኩም ግን ነዚ ከፊትኩም ስምዕዎ!!!።  http://www.nselam.com/?p=282

              ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment