1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 5 February 2012

ቃል ኪዳን።

                        ቃል  ኪዳን 1ይ ክፋል
ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክቲታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ማቴ19፡4-7።ብምባል ጎይታና መሃረ።ሃወርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን እዚ ምስጢር እዚ ዓቢ እዩ ኣነ  ግና ብ ክርስቶስን ብ ቤተ ክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ።ኤፌ5፡ ብምባል ሓድነት ሰበኣይን ሰበይትን ገለጸ።ስለዚ መርዓዊ ብ ክርስቶስ መርዓት ብ ቤተ ክርስትያን ተመሲሎም እዮም እሞ ሓድነቶም ብ ተኽሊል የጽንዑ፡ ብሩኻትን ቅዱሳንን ንምውላድ ኬብቆዖም ከኣ ሕጊ ተክሊል ይፍጽሙ።ትዘህዝን ግን ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ/ክርስትያን መጺኦም እቲ ክርድእዎ ዝግብኦም ሕጊ መውስቦ ከይፈለጥዎ፡ እቲ ማሕላ ፈጺሞም ክጠልሙን ክጠልማን ይርኣዩ።

ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ እንበኣር ስርዓተ መውስቦ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ቀዋሚ ሕጊ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ዘለና ርድኢት ድኹም እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኢና ንቃል ኪዳን ኣብ ቤተ/መንግስትን ኣብ ተፋላለየ ናይ ውልቂ ውዕልን ዝገብሩዎ ዘለዎ ኣዝስ በፍጽም ቃል ኪዳን ኣይኮነን።ከምኡ እውን  ቃል ኪዳን ጸሎት ቃል ኪዳን ምንባር የእዳው ካህን፡ ጸሎተ ተኽሊል ማለት ጸሎት ቃል ኪዳን ምስ ተገበረሎም ድማ  ንኽልጢኦም ሃደ ዝገብሮም ቅዱስ ቁርባን ስጋ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይወስዱ፡ ቅዱስ ቁርባን እንድሕሪ ዘይ ወሲዶም ግን እቲ ተፈጸመ ተኽሊል ሕጋዊ ኣይበሃልን። እቲ መውስቦ እውን ኣይጸንዕን እዩ። ፍትሕ መንፈሳዊ ኣብ ዓንቀጽ 24 ቁጽሪ 898 ተጻሒፉ ኣሎካ።
ህጂ ክንዛረብ ኢልና ዘለና ግን  ኣገባብ ኣተኣሳስራ ቃል ኪዳን ዘይኮና ክንገልጽ ደሊና ፡ቃል ኪዳን ምስጢሩ እንታይ እዩ? ስለምንታይ ከ እዚ ወሎዶ እዚ መፍረሲ ዎሎዶ ኾይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ በደል ይርከብ ኣሎ።ኣብ ዓዲ ስደት ዘለዉ ህዝብና ድማ ብፍላይ ድርጋ ብፍላይ ኣብ ኣውረጳስ ዳርጋ ካብቶም ምስ ቃል ኪዳኖም ዘለዉስ እቶም ተፋትሑ ይበዝሑ። ግን ስለምንታይ እዩ እዚ ኹሉ።ን ዓና ዝወለዱ ወለድና ተጻዋዊሮምን ተኻኢሎምን ይነብሩ ስለ ነበሩ እዚ ወሎዶ እዚ ኣብዚ ዘለዎ በጺሑ ዘሎ ከምዚ ህጂ ዘለዎ ተቀጺሉ ግን ን ኣምላኽ ዘይበቅዕ ወሎዶ ሒዝና ክንተርፍ ኢና። ግን መብዝሕተአኦም እቶም ፍትሕ ዘጋንፉ ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ነበረና ሃይማኖታዊ ባህሊ ስለ ዝቅይራ እዩ ይብሉ ደቂ ተባዕትዮ ክትሓቶም። ግን ረብሓ ሓዳርሲ ን መን እዩ። እቲ ምንታይ ፈጣርን ተፈጣርን ክልተ ነንበይኖም ዛዕባታት እዮም። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ንብሎ ዘሎና ሰማያዊ ክብሪ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ንረኽቦ።
ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ፣ ኣብ ወንጌል ማቴ. 193-9 ፈሪሳውያን ድማሰብኣይሲ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ይኽእል እዩ፧እናበሉ ክፍትንዎ ናብኡ መጹ፣ መሊሱ ድማ በሎም። እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፣ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሐድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑዚብል' ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።
ንሳቶም ከኣ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ መፍቲሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ክፈትሓ ዝኣዘዘ በልዎ። ኢየሱስ ድማሙሴስ ብሰንኪ ትሪ ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም። ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን በሎም። ኣነ ግና እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእ ዘእቱ ይዝሙ፣ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ'ውን ይዝሙ እብለኩም ኣሎኹ። በቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበረሉ ዘመን ማለትንሰበይቲ መፍትሒኣ ሂብካ ዝፋነወሉ ዝነበረ ጊዜ፣ እዚ ዚስዕብ ኃጢኣት ይፍጸም ነበረ።
ካብቶም ሽዑ ዝመራዓዉ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ንኽፋትሑ ዝፈቕድ ሕጊ ኣይነበረን ባዕሉ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውንካብ ቀደም ከምኡ ኣይነበረን እናበለ ኣስሚርሉ እዩ። እዚ እናኾነ ግና ብሰንኪ ትሪ ልቡሰብኣይ ንሰበይቱ እንተጸልኣ ክሳዳ ዓምጺጹ ክቐትል ጀመረ።ሰበይቲውን ብወገና ብሰንኪ ትሪ ልባንሰብኣይ እንተጸልኣቶ ኣብቲ ዝምገቦ ኣብ ዝሰትዮ ጽዋእ መርዚ፣ ስሚ፣ ሓሞት እናሓወሰት  ትቐትሎ ወይ ድማ ኣብ እንዳ ጠንቆልትን ገለን ከይዳ መስተፋቅር ገይራ ናታ ልኡኽ እሱር ወዘተ,, ትገብሮ  ነበረት። እዚ ገበን እዚ ምስቲ ኣብ ዓሠርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ተሠሪዑ ዘሎኣይትቕተልዝብል ሕጊ ይጻረር ኣይቃዶን ድማ እዩ፣ በዚ መጠን ንፍትወት ሥጋ ብምባል ዝመጸ ስስዐ ዝጠፍእ ሕይወት በዝሑ፣ ነዚ ዝተዓዘበ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ነቲ ዝባድም ዝነበረ ትንፋስ መዕገቲ ክኸውን ዝኽእልመፍቲሒኣ ሂቡ ክሰዳ ይኽእል እዩዝብል ምኽሪ ሂቡ በዚ ድማ እቶም ተሪር ልቢ ዝውንኑ ዝነበሩ ሰባት ፈሸሉ ። መዐገሲ ረኸቡ ካብቲ ኣበሳኦም ድማ ዘሓሉ።
ሙሴ ነታ ምኽንያት መፍትሒኣ ሂቡ ይሰደዳ ኢሉ ትበሃል ዘላ ነዚኣ እዩ።ሙሴ በዛ ጥበብ እዚኣ ገይሩ ክዓግቶም ፈቲኑ የሱስ ግን ፍጹም ተቃዊምዎም ::ይቅጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

No comments:

Post a Comment