1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Saturday 4 February 2012

3ይ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ ::

                  3ይ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ::
በዚ ድማ እዩ እቲ ከም ልቢ ኣምላኽ እንዳ ተባህለ ዝዝረበሉ ቅዱስ ዳዊት ካብቲ መገድካ ሓደ ጫፍ ጥራሕ እዩ ዝበሎ።ስለዚ ሎሚ ንኹላትና ኣምላኽ ኣብ ጭንቀት ኣብ ካሊእ ሓሳባት፡ኣብ ምረት፡ኣብ ጽልኢ፡ ኣብ ዘይውዳእ ሓሳብ ዘለና ይጽወዓና ኣሎ፡ንዑ ተመለሱ ይብለና ኣሎ።ግብሪ ሓዋርያት 3፡19-20።እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡፳ - ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።
ዘሎ ጸገምኩም ዘሎ ሰኸምኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ ይበለና ኣሎ።ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።፳፱፡፴ - ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።ማቴዎስ 11፡28-30ዝከብደና ዝሽግረና እንኮላይ ነቲ ክንመልኮ ዘይከኣልና ሓጢኣት እሞ ነምጽኣዮ፡ ንሱ ደሓር ክምልሰልና እዩ።
ስለዚ ነቲ ባዕሉ እውን ኣነ ለዋህ እየ ዝበለ ጎይታ ንስካ ነዚ ሓጢኣተይ ኣይሓድገለይን እዩ ኢልካ ትሓስብ እንድሕሪ ሃሊኻ፡ በፍጹም ተሰሓሒትካ ኣለኻ።ንሱ ፍልይ እዩ ለውሃቱ ንሱ ፍሉይ እዩ ፍቅሩ።ንልውህና ድማ ብዘይካ ንነፍሱ ንኻሊእ ፍጹም ኣይመስከረላን።
እሞ ኸ እንታይ ኣሎ ዘየዕረፈና ዝኸብደና ዘሸገረና፡ምብጻሕ ዝሰኣናዮ። ናብኡ ቀሪብና ዎ ኣምላኽ ን ዓይን ንበደለኛ ምሓረኒ ንበሎ።ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ክሰምዓና፡ክቅበለና ድሉው እዩ።ጥራሕ ኣብ ቅድመኡ ምስ ቀረብና ብዛዕባ ሓጢኣትና ንዛረብ። ከምቲ እንበኣር ሎሚ ኣምላኽ ደጊሙ ከምዚ ይብል ለምኑ ክወሃበኩም እዩ።ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም ማዕጾ ኳሕኳህ ኣብሉ ክረሓወልኩም እዩ፡ከመይ ዝለመነ ኩሉ ይቅበል ዝደለየ ኸኣ ይረክብ፡ማኦጾ ኳሕኳሕ ንዘበለ ድማ ማዕጾ ይረሓወሉ፡ ማቴዎስ 7፡7-11።
እዚ ዜና እዚ ኣብ የእዛና ካብ እንሰምዖ እንበኣር፡ ንሕቶ ምሕረት ኣምላኽ ክንዳናጎ የብልናን። ንሱ ድልየኡ ክትረኽቡ ኢኹም ካብ በለ፡ ስለምንያ ንምሕረት ዘይንደሊ፡ንሱ ለምኑ ክወሃበኩም እዩ ካብ በለ ስለምንታይ ኦ ኣምላኽ ንዓይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ ዘይንብሎ።ማዕጾ ኳሕካሕ ኣብሉ ክረሓወልኩም እዩ ካብ ተባህለ ኸ ስለምንታይ ማዕጹ እግዚኣብሄር ዘይንኹሕኩሕ። ክገርመካ ፍቁር ሰማዒ ን ኣምላኽ ህጂ ኣብዛ ዘለኻዮ ኮንካ ብርክኽ ኢልካ የእዳውካ ብምልዓል ዎ ኣምላኽ ይኣኽለኒ በቃ የብቅዕ ኩሉ ክፋእ ናይ ዓለም እንድሕሪ ኢልካ ጥራሕ ድለ እንበር ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ሰኣን ናብ ኣምላኽ ምቅራቦም ክጭነቁ ከለዉ፡ኣብ ክንዲ ቀሪቦም ምስ ኣምላኽ ዝዛራረቡ፡ ን ነፍሰ ቅትለት መፍትሒ መሲልዎም ነፍሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ብዙሓት እዮም፡ስኻራን መፍትሒ መሲልዎም ብ መስተ ዝረስኑ እውን ብዙሓት እዮም።ክሳዕ ሓሽሽ ብምውሳድ ን ዘለዎም ጭንቀት ከግድፉ ብዝወስዱዎ ካሊእ ተወሳኺ ሕማምን ጭንቀትን ጸገምን ዘምጽኡ እውን ብዙሓት እዮም።ኣብ ዓለም ንጽድቂ ምንባር ስለ ዝሰኣኑዎ ጽድቂ ብሓይሊ ዝከኣል መሲልዎም ፈቲኖም በቃ እዝስ ከቢድ እዩ ንዓይ ብምባል ናብ ዓለም ዝምለሱ እውን ብዙሓት እዮም።እቲ ዘገርም ግን ንሰብ ጭንቀቱ ዘረስዖ፡ንሰብ ሽግሮ ዘረስዖ፡ ንሰብ ካብ ሽግር ዘውጽኦ፡ንሰብ ወኸለ ዝኾኖ፡ ዘይጠልም ዓርኪ፡ ዘይመኑ ኣፍቃሪ፡ ንሰብ ሰብ ዝገብሮ ፡እቲ ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ኣብ 3ይቲ መዓልቲ መቃብር ፈንቂሉ ንብዘሎ ሞትን ባርነት ስዒሩ ሓርነት ዘኣወጀልና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ህያው ኣምላኽ ጥራሕ እዩ።
ዘገርም ነገር ናብዚ ኣምላኽ እዚ ዝተመልሱ ሰባት ካብ ዘለዎም ሕማም ተፈዊሶም ካብ ዘለዎም ወልፊ ተጋላጊሎም ካብ ዘለዎም ጸገም ተላቒቆም ነዚ ድማ ንሕና እዞም ሂወትና ካብ ከምዚ ዝበሉ ነገራት ዝተላቀቅና ሰባት ህያው መሳኻኽር ኢና። ኩቡር ኣንባቢ ኣምላኽ ንዓኻ ዝኹሉ ምሕረት ኣዊጁ ኣሎ እሞኸ ,,,,.

ይቅጽል……

No comments:

Post a Comment