1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Sunday 13 November 2011

ምርጫና ኣይኹን!!!!!::


                                   ምርጫና ኣይኹን!!!!!::
እዝስ ዘነውር እዩ ዘሕፍር
ክንዲ ንስብከተ ወንጌል ምውፋር
ኦይ ዕላማኻ ረሲዕካስ ምጥሓል ኣብ ዘነውር
እንበኣር ተጸዋዕናስ ነዚ ኢና ኽንገብር
ም ሃይማኖትና ተዋሪዱ በቲ ናትና መጋብር
መሊሽና ኸኣ ንውስኸሉ ኣሎና ክንዲ እንሓፍር
                        ክንዲ ጸግዒ ሽጉራትን ጭኑቃትን ምኻን
                        እንታይ እዩ ጸሊኡልና ክንሰርሕ ዘፈንፍን
                          ተጸሪፉ ሃይማኖት ክንዲ ተዋህዶ ዝኸውን
                    ተሸይጡ እምነትና ሞግዚት ፖሎቲካ ክኸውን
                      ወረ ንሕሰብ ክሳዕ ክንደይ መዐንቀፊ ክንከውን
                       ቅዱስ ኣቦና ሕይርናስ መጋበርያ ክንከውን
                  ትሃይማኖት እባ ከይረግመና ከንጥእፍእ ምናምን
ንሕናስ ክርስትያን ኢና ካሕናት ኣገልገልቲ
ከመይ ገይሩ ወጺኡ ካብ ኣፍና  ዘኾንን
ንሕናንሱ ንሱ ንሕና ፍጹም ዘይከውን
ኣየ ፈጸምቲ ትንቢት ካህናት ሎሚ ዘበን
ከምዚ እንዳገበርኩምስ ከመይ ኢሉዩ ክወግሕ ዝእዋን
ሓቁ እዩ ፈጣሪ ጾሎትና ክንፍንፍን
ቀጽርታትና ክፈርስ መስሓቅ ጸላእትና ክንከውን
ግን በዓል ሰፍ ይመጸኩም ኣሎ ን ተዋህዶስ ኣይሓድጋን
ን ዓኹም ግን ኸጥፍኣኩም ካብ በልኩም ኣረሚ ክንከውን
ክነብር ስለ ዘይኽእል ትቅዱስ ምስ ርኹስ ዘፈንፍን
ግን ሓሰቡ እዝስ ኣይንጽበዮን ንሽምና ዝድውን
                                  ኩሉ ዝረኣየ ክድነቅ ብስራሕና
                         ካህናት ተዋህዶ ርኣይዎም ተባሂልና
                             ብኣኹም ክጽረፍ ትጥንታዊ ጎደና
                ብሰማእትነት ትፍለጥ  ክብርቲ ሃይማኖትና
                      ብኣኹም ክትምንዝር በቃ ፈሪድኩማ
                            ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ኮይኑ ትዕላማ
               ኣይገድፋን እዩ ኣምላኽ ንስኹም እንተጠለምኩማ
ኣብ ክንዲ ስእሊ ክርስቶስ ምንልክት ናይ ምድሓን
ኣብ ጎደና ወጺእካ ነቲ ልዑል ምልማን
መሪጽኩም ኲናት ክትናፍቁ ንምፍሳድ ደም ንጹሃን
እዚ ኹሉ ዕልወትሲ መርገም እንጥእንዮስ ዶ ይኸውን
ክትሰርሑ ኣብ ኣደባባይ ልቢ ከሊእኩም
ክኸውን ኣሎዎ ግድን  ዘውጸኦ ንዕርቃንኩም
ሂወት ንጹህ ሰብ ኣሕሊፍኩም ብምሃብኩም
ተቆጢዑ ፈጣሪ ዘንውር ክትሰርሑ ፈንይኩም
መንፍ እታ ቤተ/ክርስትያን ፍጹም ኣይሰደደኩምን
ክትነብሩ ኣይፈቀደን ግብሪ ደቂ ኤሊ እና ሰራሕኩም
ክትፍንፈኑ ገይሩ ክትሰርሑ ዘኽዕበኩም
በሉ ታይ ይበሃል ኮይኑ ንንስሓ ዝከውን ዕድመ ይሃብኩም
                         ኣብ ክንዲ ኣቦኹም ኣብ ክንዲ ምሕላቅ
                     መሪጽኩም ን ሓቂ ምስ እኩያት ምጭፍላቅ
                     ክንዲ ፈርዖን ተንሲእኩም ስም ዓለም ምቁያቅ
                                 ክንዲ ብጸሎት ስለ ሓቂ ምጥላቅ
                   ዝኹሉ መቅዘፍትን ሰደትን ካብ ሃገርና ክርሕቅ
                             ሆ ክትብሉ ን ሓሶት ንምጽዳቅ
                      ሓሶት እዩ ሓቂ ኢልኩማ ንዓለም ኮንኩም መስሓቅ
                       መሪጽኩም ምስ ቀዘፍቲ ምሕንቅናቅ
                   ሽም ሃይማኖትና ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዓለም ምጽያቅ
እቲ ሃይማኖት ቅዱስ ጀወርግስ ሰማእቲ
እቲ ናይ ቅዱስ እስቲፋኑስ  ሰማእቲ
ሎሚ ገርኩማ በቃ መጻወቲ
እውይ በሊ ተዋህዶ እንታይ ተሪፉኪ
ሃይማኖተ ጽድቂ ኣምላኽ ዝኸብረልኪ
ሽምኪ ኣኽፊኦሞ ሎሚ ዝመስሉ ወገናትኪ
ስም ይሕጭጩ ህዝብና ይበኪ
እውይ በሊ ተዋህዶ ኣባልሽዮሞ ምስልኺ
ምርጫና ኣይኹን  ዘነውር ንስምኺ
                                                           ለቱ ስብሃት።  ሃይማኖተ ኣቦው

No comments:

Post a Comment