1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 6 March 2012

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ህግደፍ ቤተ ክርስትያን ስጉምቲ ወሲዱ። ናይ እስራኤል መንግስቲ ነቲ ብ መንግስቲ ኤረትራ ዝተመስረተን ዝእለን ምንጪ ሓበረታ ኮይኑ ዝጸንሐ ቤተ ክርስትያን ብዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝዓጸወቶ ክራጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ምንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብኡ ዘገልግሉ እውን ምስ መንግስተ ኤረትራ ሽግር ስለ ዘይብሎም ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ትዳናዶ ከም ዘላ ምንጭታትና ሓቢሮም ኣለዉ።ብተወሳኺ እቶም ብ ፖሊስ እስራኤል ዝተዓጽዉ ምስ መንግስቲ ርክብ ዘይብሎም ብምምሳል ካሊእ ቤተ ክርስትያን ንምቋን ምስ መንግስቲ ኤረትራ ይዛራረቡ ከም ዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። እዛ ብ ባርኾት እተወገዙ ኣቡን ኣቡነ ደስቆሮስን ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስን ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ኦርተደክስ ኣስመራ ተባሪኻ ኣገልግሎት ዝጀመረት ቤተ ክርስትያን፡ ኣገልገልታ ነቶም ኣብ እንዳ ማርያም ዘገልግሉ ዘለዉ ስለምንታይ ሕግን እምነትን ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ይቅየር ስለምንታይ ኣቡነ እንጠንዮስ ብ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ይወርዱ ስለምንታይ ከ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ዘንብር ኢሎም ዝተቃወሙ ፡ ቀዲሖም ክሳዕ ብቪዶን ፎትን ተሰነየ ጸብጻብ ናብ መንግስተ ኤረትራ ብምብጻሕ ነሕዋቶም የሕሊፎም ብምሃብ መሳርሒ ክኾኑ ጸኒሖምም እዮም። እዚ ከምዚ ኮይኑ እንዳሃለወ መንግስታት ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን መንግስተ ኤረትራ ን ቤተ ክርስትያን ከም መሳርሒ ብምጥቃም መእተዊ ገንዘብን ካሊእ ፖሎቲካዊ ዋኒንን ይገብሮ ስለ ዘሎ። ከምዚ ዚበለ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ መጽናዕቲ ከም ዝርከባ ይሕበር ኣሎ።ገለ ካህናትን ዲያቆናትን ኤረትራውያን ክንዲ ምስ ኣሕዋቶም ደው ኢሎም ስለምንታይ ኢሎም ስለ መሰል ሃይማኖቶም ዝጣበቁ ወገን ፖሎቲካን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጹ ፓትሪያርክን ብምዃን ኣብ ዓይኒ ዓለም ኣትዮም ከም ዘለዉ ምንጪታት ይሕብሩ ኣለዉ።እንሆ ድማ ኮይኑ ምስ ሓዉያ ዘይደልያስ ምስ ሓዉ ነይረኽባ ከም እተባህለ ድማ እንሆ እዚ ብእዝኒና እንሰምዖ ዘለና ወረ መጺኡ። ኣምላኽ ን ኦርተደክሳዊት ሃይማኖት ኣጽኒዑ ን ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስ ድማ ብሰላምን ብፍቅርን ይሓሊወልና።ኣሜን


መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ህግደፍ ቤተ ክርስትያን ስጉምቲ ወሲዱ።
ናይ እስራኤል መንግስቲ ነቲ ብ መንግስቲ ኤረትራ ዝተመስረተን ዝእለን ምንጪ  ሓበረታ ኮይኑ ዝጸንሐ ቤተ ክርስትያን ብዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝዓጸወቶ ክራጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ምንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብኡ ዘገልግሉ እውን ምስ መንግስተ ኤረትራ ሽግር ስለ ዘይብሎም ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ትዳናዶ ከም ዘላ ምንጭታትና ሓቢሮም ኣለዉ።ብተወሳኺ እቶም ብ ፖሊስ እስራኤል ዝተዓጽዉ ምስ መንግስቲ ርክብ ዘይብሎም ብምምሳል ካሊእ ቤተ ክርስትያን ንምቋን ምስ መንግስቲ ኤረትራ ይዛራረቡ ከም ዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
እዛ ብ ባርኾት እተወገዙ ኣቡን ኣቡነ ደስቆሮስን ኣቶ ይፍታሀ ዲመጥሮስን ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ኦርተደክስ ኣስመራ ተባሪኻ ኣገልግሎት ዝጀመረት ቤተ ክርስትያን፡ ኣገልገልታ ነቶም ኣብ እንዳ ማርያም ዘገልግሉ ዘለዉ ስለምንታይ ሕግን እምነትን ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትያን ይቅየር ስለምንታይ ኣቡነ እንጠንዮስ  ብ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ይወርዱ ስለምንታይ ከ መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ዘንብር ኢሎም ዝተቃወሙ ፡ ቀዲሖም ክሳዕ ብቪዶን ፎትን ተሰነየ ጸብጻብ ናብ መንግስተ ኤረትራ  ብምብጻሕ ነሕዋቶም የሕሊፎም ብምሃብ መሳርሒ ክኾኑ ጸኒሖምም እዮም።
እዚ ከምዚ ኮይኑ እንዳሃለወ መንግስታት ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን መንግስተ ኤረትራ ን ቤተ ክርስትያን ከም መሳርሒ ብምጥቃም መእተዊ ገንዘብን ካሊእ ፖሎቲካዊ ዋኒንን ይገብሮ ስለ ዘሎ። ከምዚ ዚበለ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ መጽናዕቲ ከም ዝርከባ ይሕበር ኣሎ።ገለ ካህናትን ዲያቆናትን  ኤረትራውያን ክንዲ ምስ ኣሕዋቶም  ደው ኢሎም ስለምንታይ ኢሎም ስለ መሰል ሃይማኖቶም ዝጣበቁ ወገን ፖሎቲካን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጹ ፓትሪያርክን  ብምዃን ኣብ ዓይኒ ዓለም ኣትዮም ከም ዘለዉ ምንጪታት ይሕብሩ ኣለዉ።እንሆ ድማ ኮይኑ ምስ ሓዉያ ዘይደልያስ  ምስ ሓዉ ነይረኽባ ከም እተባህለ ድማ እንሆ እዚ ብእዝኒና እንሰምዖ ዘለና ወረ መጺኡ።
ኣምላኽ ን ኦርተደክሳዊት ሃይማኖት ኣጽኒዑ ን ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስ ድማ ብሰላምን ብፍቅርን ይሓሊወልና።ኣሜን

No comments:

Post a Comment