1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Friday 9 March 2012

ብሰንበት ሕሙማት ኣሕወየ (4ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም)

ምንባባት ወንጌል


ዲያቆን:- 1 ገላ 5፣1-26 (Gal)


ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- ያዕ 5፣ 14-20 (James)


ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ 3፡1-12 (Acts)


ካህን:- ዮሃ 5፡1-25 (John)


ያሬዳዊ መዝሙር፡- ኣምላኩሰ ለኣዳም (ናይ ኣዳም ፈጣሪ)


መዝሙር ዳዊት፡- እግዚኣብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ፤ ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ ኣንሰ እቤ እግዚኦ ተሣህለኒ።


መዝሙር ዳዊት፡- ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚኣብሔር ይድግፎ፤ ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። መዝ 41፡3።


Psalms:-The LORD will strengthen him upon the bed of languishing: thou wilt make all his bed in his sickness.” Psalms 41:3.


ቅዳሴ፡- ነኣኩተከ


ብሰንበት ሕሙማት ኣሕወየ “ዘመፃጉዕ”

ዓቢይ ጾም ራብዓይ ሰንበት ዘመፃጉዕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቅ. ያሬድ በዚ ዕለትዚ፡ ጎይታ ንብዙሓት ሕሙማት ከምዝፈወሰ ንምግላጽ፡ መፃጉዕ ዘርእስቱ መዝሙር ዘመረ። ክፋል ናይ መዝሙሩ “ኣምላኩሰ ለኣዳም ለእረፍት ሰንበተ ገብረ” ትርጉም “ናይ ኣዳም ኣምላኽ ንሰንበት ንዕረፍቲ ፈጠራ” ይብል። ስለዚ ኣብዛ ንደቂ ኣዳም መንፈሳውን ስጋውን ዕረፍቲ፡ ፈውሲ ንኽህብ ዝሰርዓ መዓልቲ ሰንበት እምበኣር ዕውራን ዓይኖም ተኸፍተ፡ ኣብ ዓራት ተጸይሮም ዝመጹ ብዝተፈላለየ ሕማማት ዝሳቐዩ ደሓኑ፡ ዝደወዩ ተፈወሱ፡ ሕቖኦምን ኣእዳዎምን ዝጎበጠ ጠዓዩ።


ኣብቲ ጽሑፍ ከምዝተነበልና፡ እቶም ዓይኖም እናረኣየ ዝዓወረ ሰባት ግን ነዚ ቅዱስ ኣገልግሎት’ዚ ኪቃወምዎ ከሎዉ ንዕዘብ። ብናቶም ትርጉም ከኣ “ክርስቶስ ንሰንበት ስዒርካያ ኣየኽበርካያን” ኢሎም ድማ ከሰስዎ። ካብቲ ወንጌል ተበጊሱ ዝተበገሰ መዝሙር እምበኣር፡ ክርስቶስ እግዚኣ ለሰንበት “ጎይታ ሰንበት” ምዃኑ ኣይሁድ ከምዝሰሓትዎ ንምዝኽኻር፡ ኣብዚ ዕለትዚ ዝተፈጸሙ ዝተፈላልየ ትኣምራት እንዳጠቀሰ ንኣምላኽ የመስግን።


“በሰንበት ፈወሰ ዱያነ ወከሰተ ዐዕይንተ ዕውራን፤ በሰንበት ፈድፋደ ኪያነ ኣፍቀርነ ሰንበተ ለእረፍት” ትርጉም “ብሰንበት ድውያን ፈወሰ፡ ዓዕይንቲ ዕዉራተ ከፈተ፡ ኣብዚ ዕለት'ዚ ፍቕሩ ኣባና ዓዘዘ፡ ዕረፍቲውን ሃበና”። ቅ. ያሬድ ወዲ እቲ ሓለቃ ሚእቲውን ኣብ ግዜ ሰንበት ከምዝተፈወሰ ይዝምር “ይቤሎ መስፍን ለኢየሱስ ክርስቶስ በዕለተ ሰንበት ኢይደልወኒ ከመ ኣንተ ትባእ ታህተ ጠፈረ ቤትየ ኣዝዝ በቃልከ ወይሀዩ ወልድየ” ትርጉም “እቲ ሓለቃ ሚእቲ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ንኢየሱስ በሎ ናብ ቤተይ ክትኣቱ ብቁዕ ኣይኮንኩን እሞ ወደይ ክሓዊ ብቓልካ ኣዝዝ በሎ” (ማቴ 8፡1015።) ብዛዕባ ምብራህ ኣዒንቲ ዕውራት ከኣ ቅ. ያሬድ ከምዚ ብምባል ዘመረ፡ “ከልሐ ዕዉር ፍኖተ ወገሰጽዎ እለ ይመርህዎ ከመ ያርምም ወአበየ ከሊሐ እንዘ ይብል ተሣህለኒ እግዚእየ ወልደ ዳዊት” ትርጉም “እቲ ዕዉር ኣብ መንገዲ፡ ሰባት ስቅ ኪብል እኳ እንተገንሕዎ፡ ዓው ኢሉ ወዲ ዳዊት መሓረኒ ኢሉ ጨደረ” ማቴ 20፡29-30። “በሰንበት ገብረ-ተኣምራተ ወረቀ ምድረ ወገብረ ፅቡረ፡ ኣህየወ እዉረ በሰንበት” ትርጉም “ብዕለተ ሰንበት ተኣምራት ገበረ፡ ብጥፍጣፉ ጭቃ ገይሩ ኣዕይንቲ ዕዉር ለኽዩ ፈወሶ”

ብዛዕባ ምፍዋስ መፃጉዕን ኢዱ ዝለመሰ ሰብንውን ከምዚ ኢሉ ዘመረ፡ “ኣህየዎ ኢየሱስ ለመፃጉዕ በዕለተ ሰንበት” ትርጉም “ብዕለተ ሰንበት ኢየሱስ ነቲ መፃጉዕ ሰብ ፈወሶ”። ብተወሳኺ “በሰንበት ተራከቦ ኢየሱስ ለመፃጉዕ ወይቤሎ ተንስእ ወንሳእ ኣራተከ ተኃድገ ለከ ኃጢኣትከ ዑቀ ኢተኣብስ እምዝ ከመ ዘየኣኪ ኢይርከብከ: ተንሢኦ ነሠኣ ኣራቶ ኣተወ ቤቶ ውእቱ መፃጉዕ” ትርጉም “ኢየሱስ ብሰንበት መፃጉዕ ሰብኣይ ረኸበ፡ ተስእ ዓራትካ ኣልዕል፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ፡ ካብዚ ዚኸፍእ ከይመጸካ ካልኣይ ግዜ ኣይትበድል በሎ፡ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ዓራቱ ኣልዒሉ ናብ ቤቱ ከደ”። “ሖረ ኃቤሁ ዘየብሰት እዴሁ ወፈወሶ በዕለተ ሰንበት ወይቤሎ ተሓድገ ለከ ኃጢኣትከ ዑቅ ኢተኣብስ”። ትርጉም “ኢዱ ዝለመሰት ሰብ ክርስቶስ ብሰንበት ኣሕወዮ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ ደጊምካ ኣይትበድል ከኣ በሎ”። ካልእ ቅ. ያሬድ ኣብ መዝሙሩ ዘልዓሎ ድማ ብዛዕባቲ ተሰኪሞም ናሕሲ እታ ክርስቶስ ዝምህረላ ዝነበረ ቤት ኣፍሪሶም፡ ብዝሒ ህዝቢ ስለዝነበረ፡ ብላዕሊ ኣንጠልጢሎም ንኽፍወስ ናብ ክርስቶስ ዘምጽእዎ መፃጉዕ እዩ። እምነቱ ዓባይ ምዃና ክርስቶስ ተዓዚቡ ኣሕወዮ። “ሰንበት ኣሜሃ ኣመ ይቤሎ ለመፃጉዕ ነሰቱ ጠፈረ ቤት ወኣውረድዎ ኃበ ኢየሱስ ርዕዮ ሃይማኖቶ ወይቤሎ ለመፃጉዕ ተንስእ ነሣእ ኣራተከ”።

ቅ. ያሬድ ብዛዕባ ትሪ ልቢ ኣይሁድን ብክርስቶስን ብተግባር ዕዮኡ ዘይምእማኖም ኣመልኪቱውን ከምዚ ኢሉ ዘመረ። “ይቤልዎ ኣይሁድ በኣይ ሥልጣን ትገብር ዘንተ: ወይቤሎሙ ኢየሱስ ኣነኒ እገብር ኣንትሙኒ እመኑ ለግብርየ ወይቤሎሙ ኣነ ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት። ብውህ ሊተ እሰብክ ግዕዛነ ወእክስት ዐዕይንተ ዕዉራን ኣቡየ ፈነወኒ (መዝሙር)። ትርጉም “ኣይሁድ ብናይ መንስ ሥልጣን ኢኻ እዚ ኹሉ ትኣምራት ትገብር ዘሎኻ ኢሎም ንክርስቶስ ሓተትዎ። ክርስቶስ ከኣ ብግብረይ እመኑ፡ ኣነ ጎይታ ሰንበት እየ…ወንጌል መንስግቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ኣዕይንቲ ዕዉራት ንምብራህን ኣቦይ ለኣኸኒ በሎም። ብተወሳኺ ኣብ ዕለተ ሰንበት ክርስቶስ ዝፈጸሞም፡ ማዕበል ገሲጹ ከምዘህደአ፡ ካልእ ዝተፈላለየ ተኣምራት ከምዝፈጸመ ቅ. ያሬድ ኣስፊሑ ዘሚርዎ ኣሎ።


ክቡራት ህዝበ ክርስትያን፡ ክርስቶስ ምብዓል ሰንበት እንታይ ምዃኑ ብቕኑዕ ትርግሙ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ከምቲ ናይቶም ግቡዛት ኣይሁድ ዘይኮነ፡ ጎይታ ንሰንበት ንኹሎም እቶም ብዝተፈላለየ ዝተጨነቑን ረዳኢ ዝሰኣኑን ፈውስን መጸናንዕን ኮኖም። ንሕናኸ ነዛ ዓባይ፡ ክርስቶስ ዝተንሥኣላ፡ ሰንበት ብኸመይ ኢና ነብዕላ? እሱራት ብምብጻሕ፡ ሕሙማት ብምጽንናዕ፡ ድኻታት ብምርዳእ፡ ሕዙናት ብምድባስ፡ ቃል ክርስቶስ ስኢኖም ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ንዘሎዉ ዝተመሃርናዮ ብምክፋልዶ ወይስ ከምቶም ኣይሁዳውያን ክዳኖም ኣጻዕድዮም ዝርኣዩላ መዓልቲ? ኣሰር እቲ ብስጋን ነፍስን ዕረፍቲ ኪህበና ዝመጸ ጎይታ ክንስዕብ፡ ኣብዚ ዓብዪ ጾም ከኣ ነቶም ዝርድኡ ሃሰስ እንዳበልና ዓቕምና ዘፍቅዶ ኩሉ ብምርዳእ ብቓልን ብግብርን ንቤተሰብናን ሕብረተሰብናን ኣርኣያ ኪንክወን ይግባእ።

No comments:

Post a Comment