1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Monday 12 March 2012

ዝነቕሐ በረኸት ዝደቐሰ ሞት

                                
                          ዝነቕሐ በረኸት ዝደቐሰ ሞት
ዝደቐሰ እዝኒ ቆሪጹ ፤ ዝነቐሐ ከኣ እዝኒ ኣላጊቡ (መሊሱ) እታ ናይ መከራ ጽዋ ዝሰትየላ ሰዓት ምስ በጸሐት ነቶም ፍቑራት ደቂ መዛሙርቱ ሒዙ ናብታ ብሕት
ኢሎም ብዙሕ ግዜ ዝእከቡላ ዝነበሩ ስፍራ ጌተሰማኒ (መጽሞቂ ዘይቲ) እትብሃል ናይ ኣታክልቲ ስፍራ ገስገሱ። ጌተሰማኒ: ንሩባ ቄድሮም ተሳጊርካ ካብ ኢዮርሳሌም ከኣ ኣስታት ½ ማይል (Mile) ኣቢላ ብሸነክ ምብራቕ ትርከብ።
ሽዑ ከኣ ነቶም ደቂ መዛሙርቱ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነን ከም ዝተከዘን ዝተጨነቐን ብጎኒ ክሳብ ሞት ከም ዝበጽሓ ነገሮም፤ ካብቲ ዘጋጥሞ መከራን ቃንዛን ፈሪሑ ኣይኮነን ዝተጨነቐ፤ እዃ ደኣ ርእሲ ሰብነትና ስለ ዝኮነ እቲ ሰብነት’ቲ ድማ ብኃጢኣት ረኺሱን ተበላሽዩን ነበረ፤ ነዚ ኢዩ ኸኣ ተኪዙን ሓዚኑን ጉህዩን ዝተባህለ፡ ሎሚ’ውን ብተመሳሳሊ ርእሲ ማአዝን መርዓዊ’ውን ስለ ዝኮነ ስለ’ታ ብደሙ ዝዓደጋ መንቅብን ዕጣርን ንኸይህልዋ ኸኣ ዝቐደሰን ዘንጸሃን ስለ መርዓቱ ቤተክርስትያን ይሓዝንን ይትክዝን ኢዩ፤፤ “ ሕጂ ወርቅን ብሩርን እትዕድግሉ ግዜ ኣይኮነን“ ከም ዝተባህለ።
[ጎይታ] ንዓይ ምሰሉ ዝበሎ ቃል ዘኪርና ስለ’ታ ኣዴና[ዝኾነት]ክርስቶስ ዝመሥረታ ሓዋርያት ዘዕኑዳ፡ ሰማእታትን ቅዱሳንን ዝመንደቓ ቅ/ቤተክርስትያን ክንሓዝንን ይግባአና። ምክንያቱ ኣብ ኢድ ዓላውያን ውልቐ መላክያን ወዲቃ፤ ካብ ቦታ ቅድስና ናብ ዓውደ ህውከትን ተቐይራ። ከም’ቲ ኢዩኤል ዝበሎ ሎሚ “ክዳንና ዘይኮነ ልብና ክንቐድድ” ቃል እግዚኣብሔር ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ይምዕደና፡
2 ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፡ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ’ውን ንገሮም፡ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ
3 ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ነቲ ዝሰብሔ ትሓርዱ፡ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን።
4 ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፡ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፡ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፡ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፡ ብኃይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን።
5 ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፡ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፡ ፋሕውን በላ።
6 ኣባጊዔይ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ነነዋሕቲ ዂርባታትን ተባረራ፡ ኣብ ኲሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፡ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን።
7 ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስሞዑ፡
8 ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣባጊዔይ ከኣ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፡ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፡ ጓሶተይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፡ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፡ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፡ ሕዝ. 34፡1-8
ኣእምሮና ካብ ዘንግዐ ሕልናና’ውን ካብ ደቀሰ፣ እተን መጓሰ ተበተና ድራር ኣራዊት’ውን ኮና። ንሕና’ውን ወይልና፡ ደመን ድማ ካባና ክሓቶ ኢዩ። ምስ’ቲ ሕያዋይ ጓሳ ምስ እንነቅሕ ግና ዝተቆርጸ ከነላግብን ክንፍውስን ኢና፡ ሉቃ. 21፡34-38 34-35 ግና’ኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።
36 ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኲሉ ነገር ንምምላቚን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኲሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።
37 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ከረን ደዪቡ ይሓድር ነበረ።
38 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።

ነቶም 8ተ ደቂ መዛሙርቱ ከም ኣብ ቐጽሪ ሓዲጉ ነቶም 3ተ ናብ መቕደሱ ወሰዶም፡ ካብኦም ፍልይ ኢሉ ኸኣ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ደም ድበላታት ኣርሑን ዘይኮነ ደም ገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ገበረ * በጃ ኩሉ ዓለም ሓንሳእን ንሓዋሩን ክኸውን ከምቲ ልዑል ሊቀ ካህናት ኣተወ ኣብ ቅድሚ “ኣብ” ከኣ ተኣዘዘ። ሓዘኑን ጓሂኡን ዘካፈሎም ሃዋርያት ምስኡ ክነቅሑ ዝተማሕጸኖም ብኡ ብኡ ደቀሱ፡ ብተደጋጋሚ ክነቅሑን ኣብ ፈተና ከይኣትው ክጽልዩን ኣዘዞም፤ ንሳቶም ግን ኣይከኣሉን፤ ከምዚ’ውን በሎም ገና “ደቂስኩምን ባዕዚዝኩምን ኣለኹም “ በሎም።
“ንቅሑ” ግን እንታይ ማለት’ዩ፤ “ንቕሑ” ክብል ከሎ ካብ ድቃስ ጥራይ ምሕራም ኣይኮነን ነይሩ፡ ነገር ግን መንፈሳዊ ንቅሓትን ብስለትን ክህልዎም ነቲ ዝገበሮ ውዕለት ከኣ ርድኢት ምስትውዓልን ንኽህልዎም’ዩ ነይሩ። ነቲ ናይ ክብሪ ጎይታ እንተዝፈልጥዎ ኣይምሰቐልዎን፤ 1ቆሮ 2.8 ዝብል ቃል የዘክር።
ክቡራት ኣኅዋትን ኣኃትን ሎሚ’ውን ንሕና ካብ ምድቃስን ምብዕዛዝን ( ዕሽነትን ዘይምስትውዓልን ድንቁርናን ሓጥያትን ) ርሒቅና ክንነቅሕ ማለት ክንተግህ ፡ ከነስተውዕል ፡ ክንሕሉ ፡ ክንጽዕር ይግባኣና’ዩ። ምክንያቱ ዝደቐሰ ሓላዊ: ግራቱ ክርዳድ ተዘሪእዎ ኢዩ፡ ዝደቐሳ ደናግል ድማ ማዕጾ ተዓጺወን፡ ናየናይ መንፈስ ኣገልገልቲ ምዃኖም ዘየስተውዓሉ ኣገልገልቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ሓዊ ለሚኖም! ሎሚ ውን ብተማሳሳሊ ብሰንኪ እቶም ዝባዕዘዙን ዝደቐሱን ዘየስተውዓሉን ኣገልገልቲ እታ ብየማነይቲ ኢድ ጕይታ ሠራዊት ዝተተኽለት ተክሊ ወይኒ ቤተክርስትያን ዋላ ሓደ ነቶም ኮራኩርን ተዃሉን ኣጻዊዱ ዝሕዞም ስለ ዝተሰኣነ ተባላሽያን ፍሪኣ ዓንያን ብሓዊ ነዲዳን ተቆሪጻን ተቆራሪጻን ኣላ። ምስ ዘማራይ ዳዊት ኮይንና “ንዓ ናባና ተመለስ ካብ ሰማይ ኣንቆልቂልካ ርኣያ”(መዝ. ዳ. 80፡15)፡ ነዛ ንእሽቶ ተክሊ ወይኒ ኣድሕና ንበሎ። ስለዚ’ዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ * ኣንታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፡ ካብ ምውታት’ውን ተንሥእ፡ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ’ዩ ዝበሎ ኤፌሶ 5፡14።
ኣብቲ ናይ ንቅሓትን ትግሃትን ስፍራ ዝደቐሰ "ጴጥሮስ ግና ከም ሰራቅን ጒሒላን ክመስል ሰይፉ ሒዙ ቃል ጐይትኡ ፍጹም ዘንግዐ። ብሴፍ ዝመጽእ ብሴፍ ክጠፍእ’ዩ ዝብል “ እቲ ዝደቐሰ እዝኒ’ቲ ጊልያ ማልኮስ ቆረጸ። እቲ ዝነቕሐ ጐይታ ግን ነታ ዝተቖረጸት አዝኒ ኣላገበ” ። ደጊም ይኣክል “ሰይፍካ ናብ ሰገበኡ ምለስ በለ”። ደጊም’ውን ንሕና ይኣኽለና ብድንቁርናን ዕሽነትን ድቃስን ፍርህን ዘሕለፍናዮ ዘመንና፡ ከም ቅዱስ ኣምብረስዮስ ብምጽላይን መጽሓፍ ብምንባብን ብሙጉሳይን ንትግሃላ። ጽንዓትን ትግሃትን ትዕግስትን ትብዓትን ንቅሓትን ንቅሰመላ። ምስ’ቲ ዝነቐሐ ጐይታ ኮይና ዝፈረሰ ንህነጽ፤ ዝተሰብረ ንጸግን፡ ንዝወደቐ ነልዕል፡ ንዝፈረሐ ነትብዕ፡ ሓደራ። ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ንዘክሮ እሞ “ካብ ድቃስ ትበራበረሉ አዋን በጺሑ’ዩ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ሮሜ 13፡ 11-12።
እቲ ብጸልማት ዝተማላለሰ ክርዳድ ዝኮነ ይሁዳ ምስ’ቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኮኑ ኣይሁዳዉያን ንጐይትኡ ክሸይጥን ኣሕሊፉ ክህብን ስለ ዝተሳማመዐ ፡ መጸ ፈሊጡ ዝደቀሰ ዳርጋ ዝሞተ ከም ዝተባሃለ ናይ ጐይቱኡ ትሕትናን ርህራሄን ሓልዮትን ልዙብ ቃላትን ኣየስተዉዓለን።” ዓርከይ ዘምጻኣካ ግበር” ዝብል ሉዙብ ቃል ሕልንኡ ክትንክፎ ኣይካኣለን።
ምስ ጐይታ ኣብ ጌተሰሚኒ ብዙሕ ጊዜ ምምልላሱ ኣብ እግሩ ኮፍ ኢሉ ምምሃሩ እቲ ቦታ ተዘክሮን ጣዕሳን ክገብረሉ ኣይካኣለን። እኳ ደኣ ከምቲ ዘማዊት ሕይወት ዘይትፈርህ ንሱ ክኣ ከይሓፈረን ክይፈረሕን ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ሃበ። ሎሚ ዉን ብተማሳሳሊ ይፍታሄን ሰዓብቱን ኣብ ዝተፋላለየ ጽፍሕታት ናይ ቤተ ክርስትያን ዘለዉ እግዚኣብሔር ስቅ ብምባሉ ፍቃድ ኣምላክ መሲልዎም ዘሎ፡ ጭዋ ክንሱ መዓርግ ዘይብሉ ፓትርያርክ ኮይኑ ዘሎ ሐዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ኢድ ክርስቶስ ዝተቀበለቶ ቤተ ክርስትያን ዝበተኸ ኣብ ጸጽባሕ ናብ ደልሃመት የእትዋ ኣሎ። ታሪክ ንጉሥ ሄሮዶስ ንሓዋርያ ያዕቆብ ዝሰየፈ እንተመርመርና እቲ ህዝቢ ድምጽካ ድምጺ ሰብ ዘይኮነ ድምጺ ኣምላክ እዩ በልዎ። ክብሪ ንኣምላክ ስለ ዘይሃበ ከኣ መልኣክ እግዚኣብሔር ቀዘፎ ሓሲኩ ከኣ ሞተ። ሎሚ’ከ ሐዋርያዊ ሰንሰለት እንዳተበትከ፣ ፓትርያርክ እንዳተኣስረ፣ ዘይሕጋዊ ስርዓት እንዳፈጸምካ፣ ቤተ ክርስቲያን እንዳተደፍረት፣ ኣገልገልቲ እንዳተኣሰሩ እንዳተሰደዱን፣ ምእመናን እንዳጠፍኡ፣ ንገበኖም ንምሽፋን ንጹሃት ኣገልገልቲ እገለ መናፍቅ እገለ ተሓድሶ እንዳተባሃለ፣ ሓቂ ንክይወጽእ ኣገልገልቲ እንዳጸለሙ፣ ገርሂን ምስኪንን ምእመን ዘይፈልጥን ዘይተመሃረን ስለ ዝኮነ ታሪክ ናይ ደቂ እሰራኤል ይደግም ኣሎ። እቲ ዝስቀል ዝነበረ ጐይታ መን ምዃኑ ከይፈለጡ ከይራኣዩ” ስቀሎ ስቀሎ “ይብሉ ከምዝነበሩ ሎም’ዉን ቤተ ክርስቲያን ክትስቀል እንዳገበረ ክብሪ ንኣምላክ ይህብ ኣሎ ማለት ድዪ! ነስተዉዕል ቅዝፈት ከይነዉርድ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ግን ክንድምድሞ፣ “እዚ ሰብ እዚ ግን እንተዘይ ዉለድ መሓሾ ነይሩ”።
ከንግሥዎ ምስ መጹ ካብኦም ኣልገሰ (ዮሃ 6.15) ክሰቕልዎ ምስ መጹ ግን ብገዛእ ፍቃዱ ሕማምና ምእንቲ ክጸውር ነፍሱ አሕሊፉ ሃቦም። (ዮሃ 18) ደቂ መዛሙርቱ ግና ሊቃነ ካህናት መምህራን ሕግን ፍሪሳውያን ሽማግለታትን ገላዉን ኣሕሉቅን ብዙሕ ህዝብን ጭፍራ ወተሃደራት ኣጽዋርን ሰይፍን ኣባትርን ሒዞም ምስ ረኣዩ ኩሎም ፈሪሖም ኃዲጎሞ ሃደሙ። ምናልባሽ ሰባት ብምብዞሖም ጫውጫውታ ብክያትን መግለጺ ሓቅን ቅንዕናን ኣይኮነን። እኳ ደኣ በታ ገፋሕን ናብ ሞት እትመርሕን ዝጎዓዙ ጎደና ብዙሓት ኢዮም። ነገር ግና ኣብቲ ሓቂ ዝኮነ ክርስቶስ ምስ እንጽጋዕ ትብዓትን ሕወትን ክንረክብ ኢና (መዝ 3.6.7)። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሔር፣ ተንሥእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድኅነኒ። ኤልያስ ‘ውን በይነይ ተሪፈ ኣብ ዝበለሉ ጊዜ ንጣኦት ዘይሰገዱ 7000 ዝኣክሉ ኣለዉኒ ተባሃለ (ሮሜ 11.3)። ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ብተማሳሳሊ ከምዚ ኢሎም “ዓለም ኩሉ ኣንጻርካ እያ” በልዎ። “ኣነ’ ዉን ኣንጻር ዓለም እየ” ኢሉ መለሰሎም። ቅዱስ ጅሮም ክምስክር እንክሎ ኣትናቴዋስ እንተዘይህሉ ዓለም ኩላ ኣርዮሳዊት ምኾነት ነይራ ። ጐይታ ክሳዕ ነታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ደመና ዝቅበላ እሙናትን ጹኑዓትን ትጉሃትን ይግበረና ። ከምቲ ቀዳማይ ኣዳም ፈሪሑ ኣብ ገነት ድሕሪ ገረብ ዝተሓብኣ እቲ ካልኣይ ኣዳም ብርሃን ግን ድሕሪ ኣግራብ ዝሕባእ መሲልዎም ብለይቲ መብራህቶምን ሽጎምን ወሊዖም ንብርሃን ኣብ’ቲ ጸልማት ኣግራብ ክደልይዎ መጹ። እቲ ጸልማት ክሕዞ ስለዘይካኣለ እቲ ብርሃን “ኣነ ኢየሱስ ናዝራዊ ‘የ” በሎም።
ክቡራት ኣኅዋትን ኣኃትን: ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዘለና ከም ሰገን ፈሪሕና ርእስና ኣብ ሑጻ ክንቀብር ዘይኮነ ስለ ቤተ ክርስቲያና መርከብ ሕይወትና ርስቲ ኣቦታትና ከይፈራሃና ከም’ቶም ቅዱሳት ኣቦታትና ስሕለት ሰይፍ ዓለዉቲ ነገሥታት ግርማ ለይቲ ተጻብኦ ኣጋንንቲ ክንቃዎም ይግባኣና። ምክንያቱ እቶም ናብ’ቲ ሓዉን ዲንን ዝነድድ ቀላይ ዝኣትዉ መጀመርያ ተጻሒፉ ዘሎ ኣስማቶም ፈራሓት ኢዮም። “እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፋናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውንዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ (ራእ 21.8)። ብዙሓት ግና ኣብዚ ጊዜ ብሰንኪ ምብዕዛዞምን ምፍሮሆምን ሕልኖኦም ስለ ዝዓረበ ንክቖሙ ይሽገሩን ይፈርሁን። ከምቲ ግሪካዊ ጸሐፊ “ኣነ ንዓለም እንተዘይ ለዉጥኩ ኣብቲ ናይ ለዉጢ ጎደና ግን ጸጸር እንተ ደርብየ ይኣክለኒ እዩ።” ዝበሎ ንሕና ‘ዉን ከምኡ ንኹን። ምክንያቱ እታ ዝባዕዘዘትን ዝደቀሰትን ኤልዛቤል መላገጺ ኣክላባት ኮይና'ያ እንተ እቲ ንቑሑን ተባዕን ኤልያስ ግና ንሰማይ ዓሪጉ። ከምኡ'ውን እቶም ናይ እምነት ጀጋኑ ሓዋርያት ኣስማቶም ኣብ 12 ኣዕኑድ ሰማያት ተጻሒፉ እዩ። ንሕና'ኸ? ምስቲ ኣብ ጌተሰማኒ ስሌና ዝነቀሐ ጎይታ ክነቅሕ ብምሕረቱ ይጠምተና።
ንፓትርያርክና ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመን ጥዕናን፡ ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።
ንኩሎም ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ኣገልገልቲ ኣኅዋትን ኣኃትን ጸጋ ይሃቦም፣ ንህዝብና ድማ ሰላ የብዝሓሉ
ዲያቆን. ዮሓንስ ገብረ- ሕይወት (ማንቸስተር)
from websait tewahdo.org
       
 ምንጪ ካብ ወብሳይት ተዋህዶ.ኦርግ ዝተወሰደ እዩ

No comments:

Post a Comment