1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Tuesday 20 March 2012

ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም


 ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም 

http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1072:-3- 

 ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ሎሚ 20 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ፖፕ ሺኖዳ ቀዳም 17 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 88 ዓመቶም እዮም ዓሪፎም።

ዕረፍቲ ፖፕ ሺኖዳ ንቤተ ክርስቲያን ግብጺ ዓቢ ክሳራ ይኹን እምበር ኣብ ክርስትና ኣጽናፋዊ ጽልዋ ስለዝነበሮም ዓለም  መዳርግቲ-ኣልቦ ኣቦ ከምዝኸሰረት ዜናታት ዓለም ሓቢረን እየን። ንኣብነት፣ ፕረሲደንት ኣሜርካ ባራክ ኦባማ "በዓል ጽኑዕ-እምነት፣ መራሒ ናይታ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን፣ ንርትዕን ዕርቕን ዝጣበቑ መዘና-ኣልቦ መራሒ ኔሮም" ክብል ገሊጽዎም።
ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ብስም ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ዝለኣክዎ መልእኽቲ፣ "ኣምላኽ ጽንዓት ይሃብኩም" ድሕሪ ምባሎም፣ "ኣብ መዋእለ-ፖፕ ሺኖዳ፣ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ትንሳኤ ከምዝረኸበት ምስ ገለጹ፣ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ'ውን ተኻፋሊት ናይዚ ዝተጠቕሰ ትንሳኤ ምንባራ መዛግብቲ ታሪኽ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።
ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ብ1971 ዓ.ም መዓርግ ፓትርያርክ ተቐቢኦም ልዕሊ 100 መጻሕፍቲ ዝጸሓፉ ሊቅ እዮም ኔሮም። ኣብ መንጎ ኣሓት ኣብያተ-ክርስቲያን ምስርን ኤርትራን ዝጸንሐ ዝምድና'ውን ፍሉይን ዓሚቝን እዩ። ንኣብነት፣-
1993 ዓ.ም
1993 (መፈለምታ ወርሒ ሓምለ) ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መራሒ ሃገረ-ኤርትራ ናብ ፖፕ ሽኖዳ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ። ድሌት ኤርትራ ብዕሊ ገሊጹ፣ ርክብ ክልቲአን ቤተክርስቲያናት ድማ ተሓዲሱ
1993 (21 ሓምለ) ፖፕ ሽኖዳ ወግዓዊ ደብዳቤ ናብ ግዚያዊ ጠርናፊ ሲኖዶስ ዝነበሩ ኣቡን ፊሊጶስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ጊዝያዊ ሲኖዶስ ከነቕውም ዝብል ሰናይ ድሌቶም ከምዝኾነ ብወግዒ ብደብዳቤ ገሊጾም።
1993 (ነሓሰ 2, 1993 ዓ.ም) ግዚያዊ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንምኽሪ ፖፕ ሽኖዳ ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ። 11 ጥሪ 1994 ድማ ከምዝተቐበሎ ዚገልጽ ደብዳበ ናብ ፖፕ ሽኖዳ ልኢኹ።
1993 (28 መስከረም 1993) ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ነቲ ካብ ኤርትራ ዝተላከ ደብዳበ ብሓጎስ ተቐቢሉ ኣጽዲቑዎ
1994 ዓ.ም
1994 (24 ግንቦት 1994) ልኡኽ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ካብ ፖፕ ሽኖዳ ዝተላእከ ደብዳበ ሒዙ ናብ ኣስመራ ወግዓዊ ምብጻሕ ጌሩ፣ ብዛዕባ እቶም ኤርትራ ክትቀብኦም እትደሊ ሓሙሽተ ጳጳሳትን ዝርዝራቱን ልዝብ ኣካይዱ፣ ምስ ኣቶ ኢሳይያስ ተራኺቡ'ውን ተዘራሪቡ።
1994 ብዙሓት ምእመናን ግብጽን ልኡካት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ በዓል ጴንጠቆስጤ ኣብ ካይሮ ፖፕ ሽኖዳ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ፈለስቲ መዓርግ ጵጵስና ቀቢኦሞም።
1998 ዓ.ም
1998 (15 ሚያዝያ 1998) ልኡኽ ፖፕ ሽኖዳ ኣብ ኣስመራ በጺሑ፣ ነቲ ናይ ሕርያ ፓትርያርክ ተዓዚቡ፣ ኣቡን ፊሊጶስ ንመዓርግ ፓትርያርክ ከምዝተሓርዩ ምስክሩ ኣቕሪቡ።
1998 (8 ግንቦት 1998) ኣቡን ፊሊጶስ 1ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኮይኖም ፖፕ ሽኖዳ ኣብ ካይሮ ተቐቢኦም።
1998 ፖፕ ሽኖዳ ናብ ኣስመራ መጺኦም፣ ዕዱማትን ወከልቲ መንግስትን ኣብ ዝተረኽብሉ ህሞት ንኣቡን ፊሊጶስ 1ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣብ ናይ ፓትርያርክ መንበር ብዕሊ ኣንቢሮሞም።
2004 ዓ.ም
2004 ዓ.ም.ፈ. (25 ሚያዝያ 2004) ንኣቡነ እንጦንዮስ, 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ቀቢኦም
2004 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ቅብኢ ክባርኹ ናብ ኤርትራ በጺሖም
2005 ዓ.ም
 ብ2005 ዓ.ም ዮፍታሀ ንኣቡን ማርቆስ ኣሰንዩ ናብ ግብጺ ብምኻድ ንምውራድ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኤርትራ ሓጋውነት ንምልባሱ ሽርሒ ከምዝመሃዘን ብምስጢር ናብ ፖፕ ሽኖዳ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። ፖፕ ሽኖዳ ነቲ ሓሳብ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ስለዝነጸግዎ እቲ ዝሓሰቦ ኣይሰለጦን፣ በዚ ምኽንያት ርክብ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ግብጽን ድማ ዛሕቲሉ።
2009 ዓ.ም
26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ ዓ.ም ግእዝ) ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ እስክንድርያ ርክብ ኣካይዱ።
17 ጥቅምቲ 2009 (7 ጥቅምቲ 2002 ዓ.ም ግእዝ)ኤርትራዊ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንመንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ክመርሕዎ ፖፕ ሺኖዳ፡ መዚዞሞም።
330 ዓ.ም- 1959 ዓ.ም
330 ዓ.ም- 1959 ዓ.ም. ንልዕሊ 1600 ዓመታት (ካብ 334 ዓ.ም. ካሳብ 1959 ዓ.ም) ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ሓበሻ ብጳጳሳት ግብጺ ትምራሕ ኔራ
ኦ እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ ኣቡነ ሽኖዳ
   http://www.ustream.tv/channel/coptic-special-events

No comments:

Post a Comment