1ይ ቆሮንቶስ 2:1-2 - :ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይ

በ ስም ኣብ ወወልድ ወ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

Thursday 6 December 2012

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕርቅን ሰላም ቤተ ክርስትያን ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።


መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕርቅን ሰላም ቤተ ክርስትያን ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።
                
ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ግርማ ወልደ ጊዮርግሽ 4ይ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣኖም ክምለሱ ከም ዝጸዉዑ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።ፕረሲደንት ግርማ ወልደ ጊዮርግሽ ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ ፡ብምሉእ ክብሮምን መዓርጎምን ናብ ሃገሮም ክምለሱ፡መንበሮም ዱሉው ምዃኑን፡ናብ ስልጣኖም ክምለሱ፡ መንግስቲ ከም ዝድግፍን ብደብዳበ ኣረጋጊጾምሎም፡ኣለዉ፡ኣብቲ  ብዕለት 25/03/05 ግእዝ ዝተጻሕፈ ደብዳበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘረጋግጾ።
እዚ ኮይኑ እንዳ ሃለወ ግን ዓቃበ መንበር ፓትሪያርክ ኣቡነ ናትናኤል ፡ነቲ ብ ፕረሲደንት ዝተዋህበ መግለጺ “መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን” ኢሎም፡ተቃዊሞሞ ኣለዉ።እዚ ኣዝዩ ኣገራሚ ዝኾነ ኣጋጣሚ።መራሕቲ ሃይማኖት ሰላም ክሕሰሙ ፖሎቲከኛታት ከኣ ሰላምን ፍቅርን ሓድነትን ክናፍቁስ፡”ማይ ግርምቢጥ ንዓቀብ ኢዩ” ይብሉ ተንተንቲ።
ፕረሲደንት ግርማ ነቲ ብ ጠቅላይ ቤተ ክህነት ዝጎነፎም ተቃዉሞ፡”ይቅረታ ኣብ ዘይ ስርሐይ ኣትየ፡ናተይ ናይ ግለይ ሓሳብ ደኣ እንበር ናይ መንግስቲ ኣይኮነን፡ይቅረታ ተጋጊየ፡ካብ ቅልጣፈ ዝተላዕለ ኢዩ፡”ክብሉ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሩዎ ቃለ መጠየቅ ገሊጾም ኣለዉ።ካብ ሓደ ኣቡን ትጽበዮ ትሕትናን ይቅረታን ።ብተወሳኺ እቶም ፕረሲደንት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሩዎ ፡ቃለ መጠየቅ።መንግስቲ ኢዱ ኣብ ሃይማኖት ከም ዘየእቱን፡ከምዘይምልከቶን፡ሲኖዶስ ዝበሎ ከም ዝቅበልን፡እዚ ዝገበሮ ግን ድልየት ናቱ ብሰላም ኩሎም ክነብሩ ንምግላጽ ምኻኑን ገሊኦም፡ ኣለዉ እቶም ፕረሲደንት።
                      
በቲ ኮነ በቲ ግን እዚ ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ሃይማኖት ኢዶም ዘቋማጥዑ ከም ናይ ኤረትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፡ዝበሉ መራሕቲ ዓለምና ዓቢ ይንቨርስቲ ኢዩ።
እዚ ብ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ብጣቅላይ ቤተ ክህነት ተሪር ተቃዉሞ ጎኒፉዎ ዘሎ ብኻልእ ጉዳዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።እቲ ሓበረታ ፡”እዚ ተቃዉሞ መግበሪኦም መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ ዘይኮኑስ፡ስልጣን ዝደለዩ ገለ ወገናት ነቲ ዕርቅን ሰላምን ስለ ዘይደለይዎ ኢዮም” ይብሉ ተዓዘብቲ ካብ ከባቢ ጣቅላይ ቤተ ክህነት።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እኳ ኢዱ ኣውጺኡ ኣሎ፡መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያኸ እስከ ፍቅሪዶ ዋላ ስልጣኖምን ክብሮምን ከቀድሙ ኢዮም።እታ ን (20) ዒስራ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ክልተ ተመቂላ ዝጸንሐት ቤተ ክርስትያንከ ጉዳያ  ኣበይ ኮን ክወድቅ ኢዩ።ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ሓበረታ፡ከም ዝሕብሮ እቶም፡ናይ ክልተ ሲኖዶስ ወገናት፡ብሓደ ጸልዮምን፡ኮፍ ኢሎም እሂን ምሂን ኢሎምን ኣለዉ።እሞኸ ንኹሉ ንምርኣይ ምቅናይ።

መንግስ ኤረትራኸ መዓስ ኢዩ ኾን  እዚ ልቦና እዚ ዝርድኦ!!!??።
     ኣምላኽ ቤተ ክርስትያኑ ይሓሉ ኣሜን።
                           haymanoteabow@mail.com

No comments:

Post a Comment